መሰል ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ይተሓሎ

2020-03-12 07:42:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2468 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ስደት ኤርትራውያን ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓልፍ ዘሎን እዩ። ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዘይቅሱንን ደፋእን ሃለዋት ምፍጣሩ እዩ። እቲ ቅድም ናይቲ ዘይቅሱን ክትስደድ ዝደፍእ ሃለዋት ጠንቂ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ። እቲ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ምውጋዱ ስልጣን ዝሓዘ እሞ ንብዓት ስደተኛታት ክሕብስ እምነት ዝተነብረሉ ጉጅለ፡ ዝያዳ ስደተኛታት ክፍጠሩ ጠንቂ ምዃኑ ከኣ ንተመኩሮ ስደት ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ይገብሮ።

ኣብ ግዜ መግዛእትን ድሕሪ መግዛእትን ዝተሰደ ኤርትራዊ ብብዝሒ ኮነ፡ ብኣድማዕነት ኣብ ጉዳይ ቀጻልነት ሃገር ከነወዳድር እንከለና፡ እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ስደተኛ፡ ዝበዝሐ እሞ ድማ ብመንእሰይ ዝተዓብለለ፡ ብርሰት ከየስዕብ ዘስግእ ምዃኑን ብሩህ እዩ። ኤርትራዊ መንገዲ ስደት ክሓስብ እንከሎ ኣብ ግምት ዘእትዎ፡ ቀዳማይ ብቐሊሉ ካብ ኤርትራ ዝወጸሉ ኣቕጣጫ እዩ። ካለኣይ ከኣ ድሕሪ ምውጻኡ ኣርሒቑ ዝስደደሉ መንገዲ ምጥጣሕ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። በመንጽር እዚ ዝበዝሐ ኤርትራዊ በመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝስደድ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እቶም ናብ ክልቲኡ ኣቕጣጫ ዝስደዱ ከነወዳድር እንከላና ከኣ ዋላኳ ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ናብ ሱዳን ዘምርሑ እንተለዉ፣  እቶም ብመንገዲ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ከም ዝበዝሑ ይግመት።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነብርሉ ግዜ፡ ብዘይካቲ ኣብቲ መደበር  ዝግበር ናይ መጽለሊ፡ ሕክምና፡ ታሕተዋይ ደርጃ ትምህርትን ምውሓስ ድሕንነቱን ኣገልግሎታት፡ ኣብ ዓዱ ብሰንኪ እኩይ ተግባራት ህግዲፍ፡ ዝተሓረሞ ናይ ደረጃ  ዩኒቨርሲት ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣብ ክልል ትግራይ ክረክብ ምጽንሑ ናይ ትማሊ ተዘክሮና እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስለቲ ምስ ኤርትራዊ ስደተኛ ዘርእይዎ ዝነበሩ ምትሕብባር፡ ብሓፈሻ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ በግዜኡ ከመስግን ጸኒሑ እዩ። እዚ ከኣ ታራ ምምስጋን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ውሳነታት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዓብይ ውራይ ሒዙ “ሰዲህኤ ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።” ዝበሎ ምስትብሃል ይከኣል።

ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መራሕተን ጥራይ ዝተሓጽረ፡ ዘይግሉጽ ስምምዕን ወዛሕዛን ከም ዝተገብረን ብዙሓት ኣብቲ ስምምዕ ከባብያዊ ረብሓ ዘለወን መንግስታት ከም ዝደገፈኦን ንዝክር። መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ዘይቅዱስን ዘይግሉጽን ስምምዕ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ ከም መቐጸልታ እቲ ብሰንኩ ዓዶም ንዝለቐቑ ኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓብካ ናይ ምስቓዮም ባህሪኡ፡ ጉዳይ እቶም “ተኲስካ ቅተል” ፖሊሲኡ ስዒሮም ካልእ መተካእታ ስለ ዘይረኸቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነኺስዎ ዘሎ ኣጀንዳ ምዃኑ ሎምስ ብሩህ ምልክታት ከረኢ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቲ ሃገሮም ቅድሚ ሕጂ ዝፈረመቶ ስምምዓት ጓዕጺጾም፡ “ንስኻ ስደት ይግበኣካ እዩ፡ ንስኻ ግና ስደት ኣይግበኣካን እዩ” ክብሉ ከም ዝተደናደኑ ክንዕዘብ ጸኒሕና። እንተኾነ ንጉዳይ ስደት በቲ ቀንዲ መሰረቱ ዘይኮነ ኣተሓሕዛ ክትዓግቶ ኣይተኻእለን። ሎሚ እውን እነሆ ብዘይኣፍልጦን ተቐባልነትን እቶም ኣብ ኣብ መደበራት ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከባ መደበር ስደተኛታት ነታ ካብ እትኽፈት 7 ዓመታት ዘሕለፈት ካብ ከተማ ሽረ ንወገን ምዕራብ እትርከብ መደበር ሕንጻጽ ናይ ምዕጻው ሰላሕታዊ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና።

ድሕረ-ባይታ መዛግብቲ ኢትዮጵያ ከም ዝሕብሮ፡ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ማዕጾኣ ከፊታ ናይ ምቕባልን መሰል ስደተኛታት ናይ ምሕላውን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ። ብ2004፡ ነቲ ብ1951ን ብ1967ን ዝፈረመቶ ዓለምለኻዊ ፕሮቶኮል ስደተኛታትን ናይ 1969 ስምምዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣብ ግምት ኣእትያ ኣተሓሕዛኣ ዝያዳ ከተማዕብል ዝወሰነት ሃገር እያ። በዚ መሰረት ናይ 29 ለካቲት 2020 ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 748,448 ናይ 29 ሃገራት ስደተኛታታት ኣዕቊባ ከም ዘላ  ይሕብር። ካብዚኣቶም ኤርትራውያን 22% ይሕዙ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ምስጉን ድሕረባይታኡ ጓዕጺጹ፡ ነቲ ሓላፋይ ጉጅለ ኢሳያስ ከሕጉስ ክብል፡ ዓለም ለኻዊ ውዕል ጥሒሱ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራን ስደተኛኡን ከይቀያየም በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮ ንፈቱ። ብኣንጻሩ ነቲ መሻርኽቱ ኮይኑ ዘሎ ጉጀለ ህግዲፍ፡ ናይቲ ሕጂ ዝፈርሖ ዘሎ ስደት ጠንቂ ባዕሉ ምዃኑን እቲ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መደበራት ብምዕጻው ዘይኮነ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ደፋኢ ምምሕዳር ብምውጋድ ጥራይ ከም ዝዕረን ምኽሩ እንተዝልግሰሉ  ኣዝዩ መምሓረሉ። ከምዚ ምባል ሓርቢትዎ ምስ ህግዲፍ ኮይኑ ነቲ ስደተኛ ክዘርዮ ግና ዓገብ ዘብል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ስደት ግዝያዊ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን። ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዘለዎዉ ይሃልዉ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደቶም ዝኾነ ኣብ ሃገርና ዘሎ ወጽዓ  ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክሳተፉ ከኣ  ብቐጻሊ ይጽውዕን የተባብዕን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ብቓልሶም ንጠንቂ ስደት ስዒሮም ናብ ሃገሮም ዝምለሱ፡ ኢትዮጵያ ኮነ ካለኦት ዘዕቆበኦም ሃገራት፡ መሰሎም ከኽብራን ብዋጋኦም ምስ ጉጅለ ህግዲፍ ከይጣልዓን ካብ ምዝኽኻረን ዓዲ ኣይወዐለን ንመጻኢ እውን ዝቕጽለሉ እዩ። እቲ ሓሓሊፉ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ገዲፍካ፡ ንልግስን ኣቀባብላ ኤርትራዊ ጋሻን  ክልላዊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ እንዳነኣደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብዋጋ ኤርትራዊ ስደተኛ መሳርሒ ጉጅለ  ህግዲፍ ከይከውን ይምሕጸን።

Last modified on Thursday, 12 March 2020 08:50