“ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ …….”

2020-03-07 08:58:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2537 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ቅነ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ኣብ 1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ምልዕዓል ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ  ዝተሳተፋሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዝተኻየደን ቀንዲ ሕቶአን፡ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብር። ነዚ ስዒቡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ኣካይደን። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ድሕሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትኽበር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ክትክበር ጀሚራ።

እነሆ ናይ 2020 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ኣነ ናይ ማዕርነት ወለዶ እየ፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ብግብሪ” ብዝብል ቴማ ትዝከር ኣላ። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ንምርጓድ እዩ። እዚ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሰን ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ዝምህረና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ እሞ ተሳትፎአን ክሳብ 30% ዝበጽሕ ዝነበረ  ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝኾና ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከለና ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላ፡ ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን፡ ክንድቲ ኣበርክቶአን ኣብ መሪሕነታዊ ቦታታት ክሳተፋ ዕድል ዘይረኸባን ኮይነን ኣለዋ። ኣብ እዋን ቃልሲ ከመይ ከም ዝዋግኣ እምበር ብኸመይ ኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ የረጋግጻ ክመሃራ ዕድል ከምዘይኣይረኸባ ከኣ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታተን የረድእ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን  ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝመረረ ከም ዝኾነ ብዙሕ ኣብነታት ኣሰኒኻ ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምጽንሑ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ወሲዶም ንምፍትሑ ይቃለሱ  ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ነብሱ ዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ ምቛሙ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ዘመላኽት እምበር፡ ኣብዚ መዳይዚ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቅሩብነቱ የረጋግጽን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ከቃልሕኦ ዝግበአን፡  በቲ ሓደ ወገን ነቲ ንልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ዘስግእ ዘሎ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ዘውግዝ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድባተን፡ ሰልፍታተንን ማሕበራተንን ከካይደኦ ዝጸንሓ ቃልሲ፡ ብተበግሶ ኣደታት ኣብ ኤውሮጳን ብምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋሽንግተንን ይምዕብል ንዘሎ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓሳት ዘተባብዕን ዘሕይልን ክኸውን ይግበኦ።  

ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማርረሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘለና። ክንድቲ መረርኡ ጭረሖ ይኣክልን ካልእ ንቕሎታትን ኣምሪሑ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነተን ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ኣምጺአን፡ ነቲ ብሓባር ክቃለስ ዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ኣውንታዊ ኣብነት ክኾነኦ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቅዐን ኣገባብን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ከድልየን እዩ።  ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይቲ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም። ግዜ ነዊሑ ወጽዓ ህዝብና ብኽንድኡ ደረጃ ከይመርር ከኣ፡ “ደቂ ኣንስትዮ ተንሰኣ ተሎ ……” ንብለን።

8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Saturday, 07 March 2020 10:03