ህዝብና ርእሱ ከቕንዕ፡ ዲክታተርነት ከብቅዕ!

2019-11-24 17:37:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2003 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ እዋንዚ፡ ምናልባት ናይ ሓደ መስርሕ ናይ መወዳእታ ጫፍ “እዚ እዩ” ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዝለዓለን ዝመረረን ናይ ጭቆና ደረጃ እዩ ዝርከብ። እቲ ጭቆና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወትን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኤርትራውን ዝወርድ ዘሎ እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ንኹሉቲ ንመመላኽዒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ስማዊ ትካላቱ ኣዕንዩ፡ ኣብ ደረጃ ውልቀ-ሰባዊ ገባሪ ሓዳግነት በጺሑ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዝበለሐ ናይ ጨቋንነት ኮረሻ ተወጢሑ መወዳእትኡ ብውድቀት ክዛዘም ዝጽበየሉ ዘሎ እዋን ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ማለት እቲ ወጻዕን ተወጻዕን ዘራኽብ ገመድ እምብዛ ተሳሒቡን ተወጢሩን ምብታኹ ዘይተርፍ ምዃኑ ብብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ ከም ዘለና ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ዝነበሮ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ ተጸንቂቑ እዩ። ህግዲፍ እውን ዋላኳ ኣፉ መሊኡ ብእዉጅ “ኣላሽ” እንተዘይበለ፡ ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ልማዱ ንህዝቢ ኤርትራ ብምፍርራሕ ኮነ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታው ዘዕሽወሉ መንገድታት ዕጽዊ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ብዙሓት ኣብነታት ምጥቃስ ይከኣል። በብኹርንዑ ብዝህቢ ዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ፍሑኽ ክብል ዘይምኽኣሉ፡ ብኣንጻሩ ካብ ንቡር ኣካይዳ ወጺኡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ኮንተይነር ምሕብኡ  ናይ ተሰዓርነቱ ዓብይ መረዳእታ እዩ። ህዝቢ ብብዙሕ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት እንዳተሳቐየ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ፡ ታራ ተዓዛይባይ ምዃኑ’ውን ካልእ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ።

እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ፍልልያት ክፍጠር እንከሎ መፍትሒኡ ብመንገዲ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዘይኮነ፡ ኩልኻ ሰዓራይ ብእትኾነሉ ምውጋን ልሙድ ኣሰራርሓ ዝኾነሉ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዚ መስርሕዚ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ከኣ ብዙሓት እዮም። እዚ ንክኸውን ግና ናይቶም መሪሕ ተዋሳእቲ ንኣብነት ኣብ ጉዳይና ህዝቢ ኤርትራን ገዛኢ ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝተሰቐልካሉ ጫፋት ወሪድካ ኣብ ማእከላይ ናይ ሓባር ተረድኦ ናይ ምምጻእ ቅሩብነትን ምቕሉልነትን ክረአ ግድን እዩ። ናይ ሓደ ካብ ክልቲኦም ቅሩብነት ኣብ ዝበኾረሉ ግና “ብሓደ ኢድ ጥራይ ምጥቓዕ” ከምዘይከኣል ሓቢርካ ናይ ምዕዋት ዕድል ኣየጋጥምን። ብመንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ማዕርነት፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ሕገመንግስታውን ብዙሕነታውን ዲሞክራስን ፍትሕን ፍትሓውነትን ክወሓስ ናብ ህግዲፍ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ፡ ብሰንኪ ናይቲ ጉጅለ፡ ንዕቀት፡ ብደዐ፡ ትምክሕትን ድርቅናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኮታ ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሕዛኡ ኣብ ጉዳያት፡ ክዕወት ኣይተኻእለን። ስለዚ ህዝብና እነሆ ኣብ መስርሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ክኣቱ ተገዲዱ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ይጠማጠም።

ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ተዓዊቱ፡ ርእሱ ኣቕኒዑ፡ እግሩ መሊኡ ዝረግጸላ፡ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበላ ሃገር ክውንን ዘይተርፍ እዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ሕድሕዱ ዝነበረ ምፍርራሕ ተወጊዱ፡ ካብ ሰለይቲ ናይቲ ጉጅለ ዝነበሮ ስግኣት በኒኑ ብድፍረት፡ ኣፉ መሊኡ ኣብ ኣደባባያት ኣስመራ ከይተረፈ፡ ብትሪ ዝነቕፈሉ ዘሎ ህሞት ናይቲ ዘይተርፍ ስዕረት ህግዲፍ ዋዜማ ዘርኢ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ተሳዒሩ ርእሱ ዘድንነሉ ኩነታት ምምጽኡ ከምዘይተርፍ ብዙሓት ምልክታት ንዕዘብ ኣለና። ህግዲፍ ኤርትራዊ ጉዳይ ምትንካፍ ፈሪሑ ንሓንሳብ ብዛዕባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ንሓንሳብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከኮማስዕ ዝውዕል ዘሎ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከም እተሳዕረ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብቲ ቅድሚ ወጋሕታ ዘሎ ትስፉው ድቕድቕ ጸልማት ኢና ዘለና። እቲ ዝስዕብ ንህዝብና ዝበርሃሉ ንህግዲፍ ግና ንሓዋሩ ዝጽልምቶ ከም ዝኸውን ከኣ ክንተኣማመን ይግበኣና።

እንተኾነ ከምቲ “ክሳብ ዝሓልፍ፡ ትንፋስ የሕልፍ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ ክሳብቲ ዘይተርፍ ስዕረቱ ዝያዳ ከይልክም፡ ግዜ ውድቀቱ ንምቅልጣፍ ህዝብናን ዝተወደቡ ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ክፈጥርዎ ዝግበኦም ድፍኢትን ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ ምኽፋልን ዘይስገር እዩ። ህግዲፍ ሎሚ ከምቲ ሰራውሩ ብፍልሖን ካልእ በላዒቶን ዝነቐጸን ዝቆንቆነን ኦም ዳግማይ ናይ ምጥጣዕ ዕድል ዘየብሉ፡ ፈጺሙ ጽቡቕ ዘይወጾን ናይ ለውጢ ንፋስ ዘይነፍሶን ንቑጽ ኣካል ኮይኑ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና እዚ ጉጅለ ተሳዒሩ ክውገድ እምበር፡ ናብ ልቡ ንክምለስ ፈጺሙ ክጽበዮ ዘይግባእ። ንህግዲፍ ናብ ልቡ ክምለስ ዘይምጽባዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ሰራውሩ ተበሊዑ ነቒጽዎ ዘሎ ደፊእካ ዓነው ናይ ምባሉ ሓላፍነት ኣብ ቅድምቶም ናይ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራዊ ወገናት ከም ዘሎ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ከምይነትን እንታይነትን ህግዲፍ ናይ ሓባር ሚዛንን ኣተሓሳስባን ወኒኑ እዩ። እቲ ኣብዚ መስርዕ ዘይኣተወ ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ” ዝበሃል ንጣር እዩ። “እሞ ከምዚ ካብ ኮነ ደኣ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ንምምምላስ እውን፡ ነቲ “ህግዲፍን ናይ ጭቆና ኣካላቱን ይወገዱ” ዝብል ከም ናይ ሓባር ማእከላይ መረዳድኢ ወኒንዎ እዩ። ኣብ ተካኢ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ከኣ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት  የቕርብ ኣሎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ መዓርፈኦምን ሸተኦምን ሕባራዊ ወጽዓ ምውጋድን ሃገር ዳግማይ ምህናጽን ኮይኑ፡ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ተወዲቡ ሓይሉ ንምድልዳልን ኣተሓሳስባኡ ንምስጣምን ይቃለስ ኣሎ። እዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ቃልሲ መዛርዑ ዘርጊሑ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ነዚ ናብ ሓደ ሸቶ፡ ብዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወፍር መዛርዕ ቃልሲ  ኣረዳዲእካን ኣወሃሂድካን ሓያል ቀያሪ ዓቕሚ ከም ዘጥሪ ናይ ምኽኣሉ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ።  ብመንጽር እዚ ሎሚ ነቲ “ከይረገምካዮ ርጉም” ጉጅለ ህግዲፍ ክንራገም ግዜ ነባኽነሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ንኸውን ኣለና ንምፍላጥን ንምምዛንን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ናብ ውሽጥና ክንቋመተሉ ኣብ ዝግበኣና ግዜ ኢና ዘለና። ናይ ህግዲፍ ቆንቊኑ ረይረይ ምባል፡ ናትና ድፍኢት እንተተወሲኽዎ ህዝብና ርእሱ ናብ ዘቕንዓሉ፡ ህግዲፍ ከኣ ርእሱ ኣድኒኑ ናብ ዘብቅዓሉ ደረጃ ምብጻሕና ዘይተርፍ እዩ።

Last modified on Sunday, 24 November 2019 18:46