መበል 58 ዓመት፡ ባሕቲ መስከረም፡ (1961-2019)

2019-08-31 04:30:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2655 times

ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር ዝዕድመኡ ነዊሕ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ካብ እትፍለጥ፡ ባህርያቱን ደረጃታቱን ደኣ ይቀያየር እምበር ህዝባ ካብ ቃልሲ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ኩሉ ቃልሱ ከኣ ዘይናትካ ኣብ ምድላይን ዘይግዝኣትካ ምውራርን ዘድሃበ ዘይኮነ፡ መሰልካ ናይ ምውሓስ ግደነታዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። እቶም ኣንጻርዚ መሰረታዊ መሰላቱ ስለ ዝኾኑ ክቃለሶም ዝጸንሐ ሓይልታት  ንሓንሳብ ግዳማውያን ንሓንሳብ ከኣ ውሽጣውያን ኮይኖም፡ ብትሕዝተኦም ግና ዘይፈላለዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ከም ሃገርን ኣንጻር ህዝባ ከም ሓታቲ መሰልን እዮም።

ነቲ ዝተናውሐን ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ዘሎን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ውሱን ኣጋጣሚ ምዝርዛር ኣጸጋሚ እዩ። በመሰረቱ’ውን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጽ’ዚ እነድህበሉ፡ እዋኑ ስለ ዝኾነ፡ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም (1961-2019) ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረሉ ዘይኮነ፡ ናብ ሓድሽን በሊሕን ምዕራፍ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። ነቲ  ቅድሚኡ ኣብ ኤርትራ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ናብ ተራጻሚ ኣገባብ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡ ዓብይ ነጥበ-መቐይሮ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ነዚ ዘበሰረት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኩልና ኤርትራውያን ወትሩ ክንዝክራ ናይ ግድን እዩ። ጸጋታትን ውርሻታትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እንዝክሮ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ህይወትና ግቡእ ቦታ ኣለዋ።   ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ብዙሕ ምስጢራት ዝሓቖፈት ስለ ዝኾነት፡ ነቲ ቃልሲ ዘበሰረትን መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ዘመላኸተት’ውን እያ። ኣብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ መስርሕ ቃልስና ዝሓለፉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ብዘይኣፈላላይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ክዝከሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ መስዋእቶም ክምጐሱ፡ ንናይ መጻኢ ቃልሲ ከኣ ዝዕደሙ ኣካላት እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ሓደ ተግባር ክንፍጽም እንከለና “ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ” ብዝብል ሕድሪ እንክትም።

ኣብዚ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ምስጢራት ዝሓቖፈ ናይ 58 ዓመታት ተኸታታሊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡን ተስፋ ዘቑርጹን፡ ዘዕዉቱን ዘስዕሩን፡ ዘቀራርቡን ዘረሓሕቑን ተዘክሮታት ተራእዮም እዮም። ኮታ ሓደ ብደሆ ክሓልፍ እንከሎ ብካልእ ብደሆ እንዳተከኦ እዩ ቃልስና ክቕጽል ጸኒሑን ዘሎን። ናይቲ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ እከይ ተግባራት ወራሪ ሓይሊ’ኳ ካብኡ ካልእ ስለ ዘይትጽበ፡ ዝኾነ መኾነ።  ኣብዚ መስርሕዚ ብሰንኪ፡ ጉዳዩ ብግቡእ ክሕዝ ዘይምብቅዑ ንኤርትራዊ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ሕድሕዳዊ ግጭትን ክሳርኡን ግና ተጣዒስካ ዘይምለስ፡ እንደጋና ከም ዘይድገም ምግባሩ ዝከኣል፡ ኣዝዩ ኮርኳሕ መንገዲ እዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ቃልስና ሕጂ እውን ጌና ካብዚ ኩርኳሕ ጉዕዞ ኣይወጸአን ዘሎ።

ባሕቲ መስከረም  ነዚ ጌና ዘይተዛዘመ ቃልስና ዘበሰረት ታሪኻዊት ዕለት ብምዃና ክንዝክራን ከነጸንብላን ግድን ስለ ዝኾነ፡ እንሆ ከምኡ ክንገብር ጸኒሕና። እንተኾነ እዛ ዕለት እያ ዘይትቕየር እምበር እቲ ክንዝክራ እንከለና ዝኸበና ህሞትስ፡ ከከም ናይቲ እዋን ምዕብልናታት ክቀያየር ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ 10 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1971 ኣብ ተሓኤ ዝተራእየ ምፍንጫል፡ ድሕሪ 20 ዓመት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና ብ1981 ሓያል ውግእ ሕድሕድን ምብሓት ሜዳ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነት ሓርነት ትግራይን፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1991 ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ምውጸኣ፥ ድሕሪ 40 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 2001 ምእሳር ነባራት መራሕትን ላዕለዎት ካድራትን ህግሓኤን ምዕጻው ውልዶ ናይ ብሕቲ ሚድያን ብህግዲፍ፡ ኩሎም እዚኣቶም ኣብቲ ናይ 58 ዓመታት ነዊሕ ጉዕዞ ነናቶም ንኡስ ምዕራፋትን ጽልዋን ዘለዎም ተረኽቦታት እዮም። እዚ ውረድ ደይብ ኣብቶም ቀጥታዊ ተዋሳእቱ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ሳዕቤናቱ፡ ኣብ ጥቕላላ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎን ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን።

እነሆ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጽልዋ ሒዛ መጺኣ። ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ባሕትታት መስከረም ከኣ ሓላፍነት ከተሰክመና እያ። ሎሚ ከቢበሙና ዘለዉ ምዕባለታት መብዛሕትኦም ዓሚ፡ ቅድሚ ዓምን ቅድሚኡን ዝነበሩ ክነሶም ውሱን ምዕብልና ዘርኣዩ እዮም። መብዛሕተኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ተስፋ ዝህቡ በቲ ካልእ ወገን ግና ብደሆና መሊሶም ዘዕዝዙ ኮይኖም ንረኽቦም። ህዝብና ኣብ መስርዕ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ሎሚ’ውን ቀጥ ኢሉ ጸኒዑ ምህላዉን ብሳላዚ ጽንዓቱ፡ ሰግኣት ህግዲፍ ይዓርግ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ እዩ። ናብ ደረጃ “ይኣክል” ምምድያቡ ከኣ ናይዚ ተደራቢ መርኣያ እዩ። ናይ ይኣክል ምልዕዓል ኣብ ዝጭበጥ ውጽኢት ንክበጽሕ ብዙሕ ምውሕሓጥ፡ ምርድዳእን ምውድዳብን ከም ዝተርፈና፡  ኣብዚ  ታሪኻዊ ዕለት ከነስተውዕለሉ ናይ ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግዲፍ ሓፈሻዊ መነባብሮን ህይወትን ህዝብና ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ይኸይድ ምህላዉ፡ ሃገርና መንእሰይ ዝሓረማ ኮይና፡ ናይ ብርሰት ደበና የንጸላልዋ ከም ዘሎ ክስቆረና ይግበኦ። ናይ “ርድኡንን ኣድሕኑንን” ኣውያት ሃገርና ከኣ ዓው ኢሉ ይስማዕ ኣሎ።  ንሕና ሓቢርና  “ኣለናልኪ” ኢልና ልሳን’ቲ   ተዓቢሱ ዘሎ ህዝባና ክንከውን ዘይምኽኣልና ክብደት ናይቲ ኣብ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ብድሆ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም፡ ናይ ቃል ዘይኮነ ናይ ተግባር ይኣክል ከነበርኽ ንጥለብ ኣለና።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ኣብ ጽባሕ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ኢና እንቕበላ ዘለና። እዚ ከኣ  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀባብላና ንባሕቲ መስከረም ዝተፈልየ ይገብሮ። ምእንቲ ብግብሪ ዝተፈልየ ክኸውን ከኣ ሓቢርካ ብምስራሕ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ምድሓን ዘቐድም ውሳነታት ጉባአና ከነተግብር፡ ክንቃለስ ምዃና ኣብ ታሪኻዊ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ቃል ንኣቱ።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ

1 መስከረም 2019

Last modified on Saturday, 31 August 2019 06:35