ኤርትራ ካልእ፡ ህግደፍ ከኣ ካልእ

2018-12-21 10:36:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2551 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ነብሱ ክኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ክቐርብ ዘኽእሎ ክብደትን ተቐባልነት ስለ ዘየብሉ፡ ካብዚ ምንጥልጣል ንምድሓን ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ ምስ ኤርትራን ህዝባን ምልሓግ እዩ። መራሒ ህግደፍ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓደ እዋን በታ ብሕታዊ ጋዜጣኡ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ዝነበረ ዝምድና ከብርህ ምስተሓተተ “ንህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ከ መንዩ ክልተ ኣካላት ገይርዎም?” ብዝብል ቑጠዐን ስንባደን ዝሃቦ መልሲ ናይዚ ኣብነት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ “ ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝብል ዜማ ህግደፍ ዕላምኡ ንኤርትራን ህዝባን ዓምጺጽካ ንብረት ህግደፍ ንምግባሮም ዝዓለመ ዓመጽ እዩ። እዚ ናይ ህዝቢ ዘይኮንካ ክንስኻ ናይ ህዝቢ መሲልካ ንብዓት ሓርገጽ ምፍሳስ ኣብ ኢሳይያስ ዝድረት ዘይኮነ ናይ ኩሎም ከምኡ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ናይ “ንዓኣቶም መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም” ፖሊሲ ኣብነት እዩ።

ኣብቲ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ኤርትራ ምስ ኩሉ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጠኣን ሃብታን፡ ታሪኻ፡ ባህላን  ነብሳ ዝኸኣለት ንደቃ ማዕረ እትብጸሖም ብብዙሕነት ዝመልከዐት ልኡልላዊት ሃገር እያ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ንውሱናት ኣባላቱን ደገፍቱን ጥራይ ዝውክል፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ውሑዳት ዝዋስእሉ ኣዝዩ ጸቢብ መድረኽ እዩ። ነዚ ሰጊርካ ንኹሉ ናትካ ንምግባሩን ኣብ ዘየብልካ ውክልና ክንዲ ህዝቢ ኮይንካ ክትዕንድር ምፍታንን ግና ሓቅነትን ተቐባልነትን ዘይብሉ መርኣያ ወጻዕቲ ጥራይ እዩ። ምናልባት ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ዝተመርጸን ህዝቢ ይርሓሰና ብዝበሎ ሕገ-መንግስቲ ዝምራሕን ነይሩ እንተዝኸውን ከምቲ ዝብሎ” ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” እኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝቀራረብ እንተ ገለጸ መምሓረሉ። ግና ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ “ኤርትራ ካልእ፡ ህግደፍ ከኣ ካልእ” እንብል።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ግጉይ ኣገላልጻ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ካብ ህግደፍ ሓሊፉ ኣብ ካልኦት እውን ክንጸባረቕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ህግደፍ ዓይኒ መፍተሉ ጠፊእዎ የዕለብጥ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ልኡላውነት ኤርትራ እውን ማዕረ ማዕረኡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ኣምሲሎም ዝግምቱ ትዕዘብ ኢኻ። እቲ ህግደፍ ኣብ ምዕልባጥ ምህላዉ ሓቅን ኣብ ባይታ ዝንበብ ዘሎን እዩ። እንተ እቲ ናይ ኤርትራን ህዝባን መጻኢ ዕድል ብህግደፍ ከም ዝውሰን ወሲድካ፡ ልኡላዊት ኤርትራውን ኣኺልዎ፡ ዝዓይነቱ ስምዒት ግና ከምቲ “ነዳይሲ ናይ ልቡ ይሓልም” ዝበሃል ህርፋን እምበር ሓቅነት የብሉን። ናይ ኤርትራን ህዝባን ህልውናን ቀጻልነትን ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተሰረተ፡ ብደምን ኣዕጽምትን ኣእላፍ ጀጋኑኣ ዝተነድቀ፡ መንግስቲ እንተሓለፈ፡ ዘይሓልፍ ነባሪ እዩ። ህግደፍ ግና ብመሰረቱ እውን ሓጺርን ወጻዕን ዕድመ ዘለዎ ሓላፊ ጉጅለ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ህግደፍ እውን ክለኻኽም ደኣ ይፍትን እምበር፡ ንሱ ክፋኖ እንከሎ ኤርትራ ግና ኣብ ቦታኣ ምዃና ከይፈተወ ዝቕበሎ ሓቂ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ዘሎ፡ ክሰብራ ዘይኮነስ ከሰንብራ ከም ዝኽእል ንዕዘቦ ዘለና እዩ።

ኣብዚ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ፈጢርዎ ዘሎ፡ ካብ ህዝቢ ዝተሓብአ ዓይኒመፍተሉ ዘይፍለጥ ኣዛራቢ ዝምድና ንበሎ ርክብ፡ ብዙሓት ንህግደፍ ዘቃልዑ ተረኽቦታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ ንዕዘብ ኣለና። ኣብዚ መስርሕ ብዙሓት ህዝቢ ኤርትራ ክዛረበሎም ዝግበኦ ጉዳያት ተዓዚብና። ክንድቲ ዓው ኢሉ ክዛረበሎም ዝግበኦ ግና ኣይተዛረበሎምን። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ብመስዋእቲ ደቁ ዝዋገ ዘሎ ዝመስል መስርሕ ባህ ኢልዎ ዘይኮነ፡ ወይ ኣስደሚምዎ ወይ ድማ ዓው ኢሉ ዝዛረበሉ ውሑስ መድረኽ ስለ ዘይረኸበ እዩ። እንተ’ቲ ጽምዋ መሪጽካ ምስ እትኣምኖ ብትሑት ድምጺ ምዝራብ ግና ሎሚ መሊኡ እዩ። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ደፋኢ ዓውታ ከም ዝድይብ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ሎሚ ብወገን ኢትዮጵያውያን፡ “ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ተደሚራ፡ ኤርትራ በይና ክትከውን ፈቲና ምዃን ምስ ኣበያ እነሆ ተመሊሳ፡ ኣቶ ኢሳይያስ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ኣብየምዋ ሎሚ ግና ክሒሰሙዋ፥ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሱ ዘለዉ ደንጊጾም ዘይኮኑ፡ ናጽነት ማለት ጥምየትን ድኽነትን ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ እዮም. . . ወዘተ” ዝብሉ ኤርትራ “ንዓይ ርኢኹም ተቐጽዑ” ትብል ከም ዘላ ዘምስል ኣበሃህላታት እዮም። እዞም ኣበሃህላታት ከከም በሃሊኦም፡ ገሊኦም ብዓሚቕ ጉርሕን ፖለቲካዊ ሕሳብን ዝተኣልሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ብገርሂ ምናልባት እውን ንህዝቢ ኤርትራ ትጠቅም ከም ዘለኻ መሲልካ ዝበሃሉ እዮም። ናይዞም ኩሎም መንቀሊ ከኣ ናይ ህግደፍ ዓቕሚ ምስኣንን ተንኮልን ኮይኑ ጥፍኣትን ልምዓትን ኤርትራን ህግደፍን ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ እዩ ካብ ዝብል ግጉይ መዛዘሚ ዝነቅል’ዩ።

እቲ ቀንዲ ዘገርም እንተ ብጉርሒ እንተ ብገርሂ እዞም ዝጠቐስናዮም ንልኡላውነት ኤርትራ ብግጉይ ዝገልጹ ሓረጋት ምዝውታሮም እይኮነን። እቲ ዘገርም ብወገን ህግደፍ ነዚ ግጉይ ኣረዳደኣታት ዘቃንዕ ሓሳብ ዘይወሃብ ምህላዉ እዩ። ከምዚ እንዳተባህለ ስቕ ምባል ከኣ እቲ ዝበሃል ሓቂ እዩ ኢልካ ተቐቢልካዮ ኣለኻ ካብ ማለት ምዃኑ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ሓሓሊፉ እዞም ዝተጠቕሱ ኣበሃህላታት ብህግደፍ ከም ዝራጐዱ’ውን ተዓዚብና ኢና። ስለዚ ደገፍቲ ህግደፍ፥ “ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ምምላሱ ዘጸግም ሓደጋ ይወስዳ ኣሎ” ንዝብል ስግኣት ግቡእ ኣቓልቦ ይህብዎ እንተዘየልዮም ታሪኻዊ ጌጋ እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ’ሞ፡ ከሎ ጌና ናብ ልቦም ክምለሱ ንምሕጸኖም። ንሕና እውን ካብዚ ታሪኻዊ ተሓታትነት ንምድሓንን ክብሪ ኤርትራ ንምዕቃብን፡ ነቲ ስግኣት ደጋጊምካ ምግላጹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ስግኣት ንምውጋድ ብግብሪ ክንውፈየሉ ዝግበኣና ግዜ ዘይህብ ሓላፍነትና ምዃኑ ከይንዝንግዕ ሓደራ።

Last modified on Friday, 21 December 2018 11:40