ነቲ ዘሰማምዕና ዘይነቐድም

2018-05-07 10:04:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3085 times

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ናይ ሕማቕ ተረእዮታት ቀዳመይቲ ተጠቃሲት ኣብነት ኮይና ከምዘላ ንኹልና ንጹር እዩ። ብዙሓት ካብ ዘጋታታ ናብ ዓዲ ጓና ዝተሰድዋ፡ ብዘይሕገመንግስቲ እትመሓደር፡ ናይ ምውዳብ መሰል ዘይተፍቅድ፡ ዝበዘሓ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዘለዉዋ፡ ዋላ ሓንቲ ዘይመንግስታዊ ሚድያ ዘየብላ፡ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ዕስክርና እተተግብር፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዘይተኽብር … ውዘተ ሃገር ንኣብነት ክጥቀስ እንከሎ ኤርትራ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ከምዘይትሓልፍ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ክሳብ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ዝብል ሳጓ ዝተጠመቐት እያ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ ንሕስያ ዘየብሉ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝጭቁን ዘሎ ጠንቂ ስለ ዝኾነ ነዚ ግናይ ምስሊ ሃገርና ናብ ንቡር ክመልስ ኣይንጽበዮን ኢና። በዚ መሰረት ነዚ ተደዊኑ ዘሎ ምስሊ ሃገርና ናይ ምቕያር ሓላፍነት ኣባና ኣብ ሓይልታት ለውጢ ወዲቑ ዘሎ ዕማም እዩ።

ኤርትራውያን ከም ዜጋታት ዘመሳስሉ ኣለዉና። ዝፈላልዩ እውን ከምኡ። ደቂ’ዛ ልኡላዊትን ለዋህን ሃገር ምዃና ሓደ ዝገብረና መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ኩልና ሃገርና ክብራን ልኡላውነታን ተሓልዩ ክትምዕብል እንብህግ ምዃና ከኣ ካልእ ናይ ሓባርና እምነት እዩ። ማዕረማዕሪኡ ከኣ፡ መሰረታዊ መልክዕናን ምስጢር ሓያልነትናን ስለ ዝኾኑ ከነማዕብሎምን ክንሕብሕቦምን ዝግበኣናን ናይ ብዙሕነትና መርኣያ ፍልልያት ኣለዉና። ናይ ቋንቋ፡ እምነት፡ ብሄር፡ ባህልን መነባብሮን ፍልልያትና ናይዚ ኣብነት እዮም። ኣብቲ “ብዝሑነትና ዓቂብና ህዝብናን ሃገርናን ብኸመይ ካብዚ ዘለዉዎ ነናግፍ?” ብዝብል ነካይዶ ዘለና መስርሕ ቃልሲ ከኣ እንተኽኢልና ከነወግዶምን ኣዚና ከነጻብቦምን፡ እዚ እንተዘይክኢልና ከኣ ነቲ መሰረታዊ ናይ ሓድነትና መዳያት ክትንክፍን ንቀዳምነትና ብዘይዘርግን ኣገባብ ከነመሓድሮም ዝግበኣና ፍልልያት ከም ዘለዉና ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ።

እዚ ነካይዶ ዘለና መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ መስርሕ ቃልሲ፡ ብዙሓት ንኡሳን ምዕራፋት ዝሓቘፈን ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ከኣ ብኣገደስቲ ዛዕባ ዝቖመን እዩ። ኣብዞም ምዕራፋት ኮነ ንሳቶም ዝሓቑፍዎም ዛዕባታት ዝፈላልዩናን ዘሰማምዑናን ጉዳያት ኣለዉና። “ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል” ዝብሉ ሓሳባት ካብቶም ብሓላፍነታውን ርትዓውን ዓይኒ እንተመዚናዮም ከሰማምዑና ዝግበኦም ሓሳባት እዮም ዝብል ኣብ መጽናዕቲ ዝምርኮስ እምነት ኣለና። ስለዚ መጻኢና ብሩህ ቃልስና ከኣ ዕዉት ምእንቲ ክኸውን ነዞም ዘሰማምዑና ከነቐድም፡ ከነሕይልን ከነዕውትን ይግበኣና።

እዚ ማለት ግና ኣብቲ ዝፈላልየና ፈጺምና ኣይነድህብን ማለት ኣይኮነን። ናይዚ “ነቲ ዘሰማምዕና ዘይነቐድም” ዝብል ሓሳብ ካልእ ትርጉም ከኣ ቀዳምነታትና ኣብ ምስራዕ ክንበቅዕ ይግበና ዝብል እዩ። ኣካይዳና እቲ ዝቐጽል ዝጉምቲ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተነብረ መሰረት ተወሳኺ መበረኺ ዓቕሚ ዘንብር እምበር፡ ነቲ ነንዝጸንሐ ኣንዳፍረሰ ወትሩ ሓድሽ ዝድኩን ክኸውን ኣበኦን። ካብዚ ስርሕብትን ከድሕነና ዝኽእል ከኣ ኣብ ምስራዕ ቀዳምነታትና እነርእዮ ብቕዓትን ሓላፍነትን እዩ። ኣብዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ፡ ቀዳማይ ዕማምና ኣብቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ከሰማምዑና ዝኽእሉ ነጥብታት ኣትኪልካ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ እዩ። ነዚ ዕማምዚ ቀዳምነት ሂብና እናዓየና ድማ ብዛዕባቲ ድሕሪኡ ዘሎ ምዕራፍ ዘለና ራኢ ንምእማት ኣይንሓስብን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ሰዲህኤ ኣብ 2010 ዘዳለዎ ንድፊ መርሓ መሰጋገሪ ውጥን “ምቛም ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ። ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ። ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ። ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን። ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር። ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም። ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት” ዝብሉ ጉዳያት ኣሚቱ ንረኽቦ።

ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዕማማት ኣተግቢርና ኣብ ውጽኢት ክንበጽሕ ዓቕሚ ክንፈጥር ናይ ግድን እዩ። እዚ ዓቕሚዚ ከኣ ብመንገዲ ውዳበ ጥራይ እዩ ክፍጠር ዝኽእል። ውዳበ ሓይሊ ምዃኑ ከምዘየዳዲ፡ በዚ መስርሕ ውዳበ ሓሊፍካ ኣብ ውጽኢት ክትበጽሕ ሓጐጽገጽን ላዕልን ታሕትን ብዘይፍለዮ መሪር መስርሕ ምሕላፍን ከቢድ ዋጋ ምኽፋልን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ውዳበ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እሞ ድማ ብውሑድ ዋጋ ኣብቲ እትደልዮ ከብጸሓካ ምጽባይ ኣጸጋሚ እዩ። ብፍላይ ከኣ ንሓደ ሰልፊ ይኹን ውድብ ወይ ማሕበር ብማዕዶ ኮይንካ ምምዛኑ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን ኣካሉ ኮይንካ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ምቅላስ ኣድላይን ርትዓውን እዩ። ኣብቲ ውዱብ ቃልሲ ከተስልጥ ከኣ ኣታሓሳስባኻ ትስፉው፡ ቀዳማይ ቆላሕታኻ ከኣ ናብቲ ዘሰማምዕን ዘሳንን ዝቋመት ክኸውን ቅኑዕ መንገዲ እዩ።

Last modified on Monday, 07 May 2018 12:12