ኣገዳሲ መድረኽ እንካን ሃባን

2017-04-01 18:32:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3166 times

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብመሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተወዲቡ ዝተጸውዐ ናይቲ ሰልፊ  መሪሕነት ዞባ ኢውሮጳን ካብ ጨናፍርን ዝተሳተፍዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ (ኮንፈረንስ) ተኻይዱ። መሪሕነት ሰልፊ ነዚ ዋዕላ ዝወደበ ብዘይካቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ብኤልትሮኒካዊ ኣገባብ ዝካየድ ኣኼባታት ገጽንገጽ ተራኺብካ ብዛዕባ ኣገደስቲ ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ናይ ምዝታይ ኣገዳስነት ብኣባላቱ ክቐርብ ዝጸንሐ ለበዋታት መሰረት ብምግባር እዩ። እዚ ናይ ዞባ ኤውሮጳ ዋዕላ ናይ’ቲ አደብ መጀመርያ ኮይኑ ኣብ ካልእ ኩርነዓት ዓለም ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክቕጽል  ተታሒዙ ዘሎ መደብ እዩ።

ኣብዚ ዋዕላ ዝተዘተየሎም ኣቐዲሞም ብመሪሕነት ሰልፊ ዝተጸንዑን ቅድሚ ዋዕላ ናብ ኣባላት ዝተዘርግሑን ንድፊ ዛዕባታት፡  “1) ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፤ 2) መትከላትን ፖሊሲታትን ዝምድናታት ሰዲህኤ ምስ  ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራንን ጐረባብቲ ሃገራትን፤ 3) ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን።” ዝብሉ ምንባሮም ከኣ ናይቲ ዋዕላ እዋናውነትን መሰረታውነትን ዘርኢ እዩ። እዚ ዝቐረበ መዛተዪ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከም ዝሕብሮ እቲ ዋዕላ ናብ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ጉዳያት፡ ናብ ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ፡ ናብ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ኣብ መጻኢ ንሰልፊ ዝጽበይዎ ናይ ምሕዳስ መደባትን ዘድሃበ ምንባሩ ምርዳእ ይከኣል።

እዚ ዛዕባታት ብደረጃ ዋዕላ ብኣካል ተራኺብካ ግዜ ወሲድካ ክዝተየሉ እንከሎ፡ ኣገዳስነትን ኣተገባብራን ኣብዘሓዊ ግዝኣት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ደሞክራስያዊ ማእከልነት፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝብሉ መሰረታዊ መርሆታት ብዝምልከት ኣብ ዝርዝር ከም ዝኣቱ ርዱእ እዩ። ከምኡ ከኣ ነይሩ። እዚ ሰልፋዊ መትከላት ብመንጽር’ቲ ሓፈሻዊ ደሞክራስያዊ ዓምድታት ከመይ ክተሓዝ ከም ዝግበኦ ዘረድእ ስለ ዝኾነ፡ ኪኖ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ሰልፍኻ ምርዳእን መጻኢ ራኢኻ ምስፋሕን ምስ ኣድማሳዊ ደሞክራስያዊ ኣጠማምታታት ዘላሊ እውን እዩ። እዚ ከኣ ዕላማ ናይዚ ዋዕላ ሓባሪ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣፍልጦኻ ናይ ምስፋሕ ዕማም’ውን ዝነበሮ ኣስተምህሮኣዊ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ተገቲሩ ዘሎ ብደሆ፡ ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማመዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ንቕድሚት ክትስጉም ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ኣብዚ ዋዕላ ንዝምድና ተቓወምቲ ሓይልታት ዝምልከት ኣርእስቲ ምቕራቡ ከኣ ንእዋናውነት ናይዚ ዋዕላ ዘርኢ እዩ። ተሳተፍቲ ናይዚ ዋዕላ መሪሕነቶም ኣድማዒ ጽላል ኣብ ምፍጣር ተበግሶ ንክወስድ ዕዙዝ ለበዋ ምቕራቦም ከኣ እቲ ዋዕላ ክሳብ ክንደይ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ከም ዘድመዐ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ዘልዕልዎ’ሞ ወትሩ ኣዛራቢ ዝኸውን ዝምድና ምስ ጐረባብቲ እዩ። እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕሚ ምዃኑ’ኳ እንተዘየዳደየ  ምስ ጐረባብቲ ዝግበር ዝምድና ከኣ ተራኡ ኣትሒትካ ዝረአ ስለ ዘይኮነ ወትሩ ምልዓሉን ምብሳሉን ነውሪ ኣይኮነን። ብመንጽር እዚ ኣብዚ ዋዕላ ነቲ “ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ፡ ኣብ ምክብባርን ናይ ሓባር ተረባሕነትን ዘትከለ ኣብ ሕድሕድ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፈቅድን እዩ” ዝብል እምንቶ ሰደህኤ ከም ዝዝተየሉ ምግባር  ኣብ ነቲ ዝጸንሐ መትከልካ ደጊምካ ንምንጻር ዝሕግዝ ነይሩ።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ነቲ ዝቐረበሎም ሰነዳት ዝውሰኽ እንዳወሰኹ ኣየስርሕን ዝብልዎ ድማ እንዳነከዩ ናቶም ናይ መጻኢ ናይ ተግባር መምርሒ ከም ዝኸውን ንምኽኣሉ ዘርኣይዎ ናይ እንካን ሃባን ተሳትፎ ከኣ  እቲ መድረኽ ኣብ ግቡእ እዋን ዝተጋብአ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ተሳተፍቲ ነቲ ዝቐርበሎም መዘራረቢ ንድፊ ሰነዳት ምስ ኣዝዩ ንኡስ ምምሕያሻት ተቐቢሎም ምጽዳቖም ድማ መሪሕነትን መሰረታትን እቲ ሰልፊ ብሓባር ክስጉሙ ከም ዝጸንሑ ዘረድእ እዩ።

በዚ መሰረት ብመሪሕነት ኮነ ብመሰረታት ዝተኸደ መንገዲ ዝነኣድ ኮይኑ፡ እዚ መድረኽ ካብ ተመዓዳዲካ ምውቕቓስ ኣውጺኡ ኩሎም ወገናት ኣብቲ ኣውንታ ኮነ ኣሉታት በብጽሒቶም ክወስዱ ዝሕግዝ እውን እዩ። እቲ ንኡድ ስራሕ ኣብ ምዝታይን ምጽዳቕ ነቲ ዝቐረበ ሰነዳትን ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ምትግባር ንኹሎም ዝጽበዮም ሓላፍነት ኣሎ። እቲ ቀንዲ ናይ ኩሉ መእሰሪ ተግባር ስለ ዝኾነ። ከምቲ ኣብ መወዳእታ  ናይቲ ዋዕላ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪትዎ ዘሎ ተሳተፍቲ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፎም ንምሕያል ወፈያ ኣካይዶም። እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ “ናትና” ዝበልዎ መደምደምታ ከተግብርዎ ምዃኖም ዘመልክት እዩ።

እዚ ቀንዲ መንቀሊኡ ሰልፊ ምሕዳስን ካብዚ ዘለዎ ናብ ዝበረኸ ደረጃ ምስግጋርን ዝኾነ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ቀጻሊ ስለ ኾነ ኣብ ካልእ ከባብታት ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ ከሎ ጌና ክቕረብሉ ዝግበኦም እዩ። መሪሕነት ሰልፊ ከኣ ኣብ ከምዚ ኣገዳሲ መድረኻት ንዝቀርብን ናይ ኣባላቱ ሓሳባት ኣካል መጻኢ መደባቱ ገይሩ ክሰርሓሉ እዩ።

Last modified on Saturday, 01 April 2017 20:38