“እንካብ 61 ብሓደ መስከረም

2016-08-31 06:58:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3434 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰህኤ

“እንካብ 61 ሓደ መስከረም ሰውራና ኣዊጁ ጸላኢ ክህረም”። እዚ ካብቲ ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበስርን ዘመጉስን ወርትግ ዘይሃስስ ናይ እዋኑ ምዑዝ መዝሙርን ጭረሖን ኤርትራውያን ሓርበኛታት እዩ። ኤርትራውያን ናጽነቶምን ልኡላውልነቶምን ክረጋገጸሎም ቅድሚ ወተሃደራዊ ዓመጽ ኣብ መጋባእያ ሕግን ፍትሕን መጒቶም እዮም። እንተኾነ እቶም ዳይኑ፡ ነናቶም ሃገራዊ ረብሓን ፖለቲካዊ ሕሳብን ዘቐድሙ ስለ ዝነበሩ ነዚ ፍትሓዊ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰምዕ እዚኒ ሓያል ወሳኒ ኣካል ኣይረኽበን። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ፍትሓዊ ውሳነ ኣበርዒኑ፡ ኣብ ክንድኡ ዝተዋህበ ውሳነ ንኤርትራ ግዳይ ሓያላት ዝገብር ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ነይርዎ። ወይ ነቲ ዝተጠልመ መሰልካ በቲ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ምርግጋጽ ወይ ድማ ንትኳቦ ናይቶም ረብሓኦ ዘቐድሙ ወገናት ምቕባል እሞ ኣብ ገዛእ መሬትካ ደኒንካ ምኻድ።

ከምቲ ብዙሓት ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ፡ ምርጫ ህዝቢ ኢርትራ ምውጋይ ኣብ ናጽነት ክኸውን ብዘይካ ናይ ገዛእቱ ናይ ዝኾነ ወገን ትጽቢት ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ናጽነቱ ብሂጉ፡ ኩሉ መሰላትን ራህዋን እተውሕስ ሃገር ኤርትራ ብቓልሱ ከረጋግጽ ነቒሉ። ውሳነኡ ከግህድ ድማ ኣብቲ ሽዑ እዋን ይከኣል እዩ ኢልካ ዘይግመት ዝመስል ዝነበረ፡ ክኽእል ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ኣበሲሩ። እቲ ሓያሎ ጉዳያት ኣብ ዘይጣጠሓሉ ብረታዊ ቃልሲ ብመሪሕነት ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ  ዓዋተ ዝተጀመረሉ ግዜ ምስዚ ሎሚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ክወዳደር እንከሎ ፍልልያቱ ናይ ብርሃንን ጸልማት እዩ ነይሩ ምባሉ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ናይ ሎሚ ብርሃን እቲ ናይ ሽዑ ድማ ጸልማት። እቶም ጸልማት ብቓልሲ ናብ ብርሃን ከም ዝቕየር ጽኑዕ እምነት ዝነበሮም ነቲ ጸልማት ደፊረምዎ። እነሆ ከኣ ናጻን ሉእላዊትን ኤርትራ ብዝብል ከፋል ብርሃን ተሳዒሩ ሳላ ጀጋኑ ፍትሕን ደሞክራስን ዝጐደሎ ልኡላዊ ክብሪ ረኺብና።  ነቲ ዝጐደለ ክንምልእ ከኣ ጌና ኣብ መስመር ቃልሲ ኣለና።

እዚ ጅግንነት፡ ትብዓት፡ ተወፋይነት፡ ኩሉ ከኣልነትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ዘብኩዖ ታሪኽ ዝኾነ ዘይፍሕቆ ታሪኻዊ ጅግንነት ኤርትራውያን እዩ። ኣብ ከም ባሕቲ መስከረም ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ከነበራብሮ ድማ ሓልፍነትና እዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ሎሚ ኮይናስ   ኣብ ናይ ትማሊ ሚኒን ክንብል ክንነብር ኣለና ማለት ኣይኮነን። ሕሉፍ ታሪኽ ናቱ ክቡር መወከሲ ቦታ ኣለዎ። ንሕና ከኣ ንቕድሚት ናብ ህልውን መጻእን ራኢታት ከነመዓዱ ይግበኣና።  ኣብቲ ናጻን ሉኡላዊትን ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ 30 ዓመታት ዝወሰደ ምርብራብ ዝሓለፉ ኤርትራውያን ጀጋኑ ገዲፎምልና ዝሓለፉ ሕድሪ’ውን ንሱ እዩ።

እዞም ሎሚ ብናትና ድሌትን ቅሩብነትን  ኣብ መስመር ቃልሲ ምእንቲ ምህናጽ ናጻን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ከቢድ ሓላፍነት ኣለና። እዚ እዋንዚ ነቲ ጀመርቲ ሰውራ ዝነበሮ ድኽመትን ሕጽረትን መዝሚዝና ንተወፋይነቶም ምንእኣስ ዘይኮነስ ሕድሮም ናይ ምቕጻል ሓላፍነት እዩ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ። ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንዝክር እንከለና፡ ዕላማና እቶም ናይ ሽዑ ጀጋኑ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ደልሃመት ጋሊሆም ብርሃን ንምርኣይ ዝኸፈልዎ ዋጋ ምንኣድ ጥራይ ዘይኮነስ “ናትና ብጽሒትከ ብኸመይ ኢና ነረጋግጾ” ዝብል ሕቶ ምምላስ ክኽውን ምርጫ ዘይኮነስ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ ኩሉ ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነት ሰለ ዘለና። ንሕና ህልዋት ናይቶም ዝሓለፉ ጸጋታት ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኣብ ምውሳን እምበር ናይ ቅድሚ  55 ዓመት ድኽመታት ኣጀማምራ ምምዝማዝ ክኸውን ኣየመልከዓልናን እዩ። እዚ ማለት ግና መስርሕ ቃልሲ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ልሙጽን ጌጋ ዘይነበሮን ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ካልእ ኩሉ ይትረፍ እሞ ስንብራት ውግእ ሕድሕድ ጓሲኻኣዮ ክትሓልፍ ዘይከኣል ናቲ መስርሕ ግናይ ምልከት እዩ። ሎሚ ግና ካብኡ ዝዓቢ መጻኢ ዓብይ ጉዳይ እዩ ዝጽበየና ዘሎ።

ሓደ ተረኽቦ ክትዝክር እንከለኻ ብሕሳብ እዩ። ባሕቲ መስከረም መበል 55 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዝክር እውን ብሃውሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ ዝሓለፈ ዘኪርካ ኣብ ናይ ቀደም ተዘክሮታት ንምንባር’ውን ኣይኮነን። የግዳስ ንመጻኢ እንታይ ይጽበየና ኣሎ ኢልካ ንምሕሳብ ከም ኣጋጣሚ ንምውሳዱ እዩ። እንታይ ክንገብር ከም ዝገባኣና ድማ እቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩነታት’ዩ ዝመርሓና። ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ብዙሕ ዘሕዝንን ዘገርምን ዝርዝር ዘለዎ ስለ ዝኾነ “ናይ ደልሃመት ግዜ” ኢልና ተሰመናዮ ንኹላትና ዘረዳድእና እዩ። ኣብዚ ታሪኻዊ ተዘክሮ ባሕቲ መስከረም ኮይና ከኣ ብዛዕባቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈትሐ ግድል መዋጸኦ ነስተንትን።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ባሕቲ መስከረም 2016

Last modified on Wednesday, 31 August 2016 09:08