ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ መሓመት ብ1 ጥቅምቲ 2022 ናብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝጋባእ ናይ ሰላም ኣኼባ ንክሳተፉ  ዓዲመሞም።

ሙሳ ፋቂ ኣብቲ ናይ ዕድመ ደብዳበኦም፡ ንሰላም ብዝምልከት፡ ምስ ፈደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምውኽኻስ ክካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ 8 ጥቅምቲ 2022 ዝጅመር ርክብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ከም ዝወሰነን ንክሳተፉ ብኽብሪ ከም ዝዓደምዎምን ጠቒሶም።

እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን  ክግበር ዝተዓደመ ርክብ፡ ናብ ነባሪ ፍታሕ ንምብጻሕ ኣብ ዝካየድ ዘተ፡  ቀጻልን ስሩዕን ምእንቲ ክኸውን፡ መትከላት ኣካይዳ ኣኼባታት፡ ዝዝረበሎም ኣጀንዳታትን ናይ ግዜ ኣሰራርዓን ብዝምልከት ኣብዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣኼባ ከም ዝዝቲ ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እቲ ናይ ሰላም ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ቀደም ፕረሲደንት ናጀርያን ኣሊሰንጎ ኣቦኣሳንጆ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ረፑብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ከኒያታን ናይ ረፑብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ቅድም ምክትል ፕረሲደንት ፉምዚየ ሚያምቦ-ንጉካን  እውን ኣዛተይቲ ከም ዝኾኑ ሙሳ ፋቒ  መሓመት ሓቢሮም።

ሙሳ ፋቂ መሓመት ኣብ መወዳእታ ደብዳበኦም፡ ዶ/ር ደብርጽዮን ምእንቲ ሰላም ኢትዮጵያ ክገብርዎ ንዝጸንሑ ጻዕሪ ንኢዶም፡ ንመጸዋዕታኦም ቅልጡፍ መልሲ ብምሃብ ኣብቲ መስርሕ ዘተ ሃናጺ ተሳትፎ ክገብሩ ዘለዎም ተስፋ ኣንቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ካብ 3 ክሳብ 18 ጥቅምቲ 2022 ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ከም ዘካይዱን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ከም ዝበጽሑን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከቃልዖም ከም ዝኽእል ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣት ከም ዝሓደሮም መርበብ ሓበሬታ ሰቲት መድያ/SEቲት MEDIA ኣቃሊዓ። እቶም ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንክቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ  ኣብ ኢትዮጵያ/ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጸንሑ  ህጻናት፡ ኣዴታትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ነጋዶ ደቂ ሰባት ገይርዎም ከም ዘሎ ጠቒሶም።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብፍላይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ንጾታዊ ምዝመዛ፡ እቶም ዝተረፉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከይቃልዑ ዘለዎም ሻቕሎት ምግላጾም እታ መርበብ ሓቢራ። እቲ ንዘይሕጋዊ ተግብራ ምቅላዕ ብዘይ ናይ ዕድመ፡ ጾታን ብሄርን ኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝፍጸም እውን እቶም ሻቕሎት ዝሓደሮም ክኢላታት  ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም። ነዚ ዘይሰብኣዊ ተግባር ንምክልኻል ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ህጽጹ ናይ ተሓታትነት ስጉምቲ ምውሳድ ከም  ዘድሊ ከኣ  ጸዊዕም። ኣብ ርእሲዚ በቲ ዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ውግእ ምስ ስድራቤቶም ዝተጣፍኡ ህጻናት ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ጸገም ዝያዳ ከም ዘጋድዶ ኣፍለጡ።

ብትዕዝብቲ ናይቶም ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ርዱእ ኮይኑ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሎሚ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ሕጋዊ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ይውሰድ ዘይምህላዉ ኣገንዚብም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ነቶም ግዳያት፡ ሕክምናውን  ስነኣእምሮኣውን  ደገፍ  ንኽገብሩ ናብ ኩሎም እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት  መጸዋዕታ ከም ዘቕረቡ እቶም ግዱሳት ክኢላታት ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢቲ ዝተዓቑብሎም ኣብ  ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን  ዝርከብ መደበራት ንመጭወይቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ገንዘባዊ ምዝመዛ፡ ምስዋርን ሞትን ክኾኑ ከም ዝጸንሑ  እውን እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገን ሑመራ ናብ ኤርትራ እናሰገረ፡ ብተሰነይ፡ ሃይኮታን ካለኦት ከባብታትን  ኣቢሉ ናብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ይጽጋዕ ከምዘሎ፡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ’ቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቲ ምጉዕዓዝ ናይ ሰራዊት ብመካይን ጥራይ ዘይኮነ ብነፈርቲ እውን ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ኣብያተ-ሕክምና ብውጉኣት ስለ ዝተታሕዘ ሲቪል ኤርትራውያን ኣገልግሎት ይረኽቡ ከም ዘየለወምን ብዘለዎ ሕጽረት መግቢ፣  ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ነቲ ሆስፒታላት ዝኸውን መግቢ ብጉልባብ “ወፈያ” ከቕርቡ ይግደዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ኣመጋግባ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ኤርትራ ዝሓሹ ምዃኖም ካብቶም ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረድእ   ከባቢ ዝርከቡ  ምንጭታት ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ’ውን የረድእ።እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ብስግረ-ዶብን ካልእ ምኽንያታትን ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ወተሃደራት ዝነበሩን ተገዲዶም ካብቲ ዝተኣስርዎ ወጺኦም ብቐጥታ ናብተን ናይ ቅድም ኣሃዱታቶም ከም ዝውሰዱን እቶም ወተሃደራት ዘይነበሩ ድማ፡ ናብ ናይ ሰሙናት ወተሃደራዊ ታዕሊም ይውሰዱ ከም ዘለዉ እዞም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብኣፍልጦ መንግስቲ ካብ ውትህድርና ተሰናቢቶም ዝነበሩ፡ ናይ ቀደም መዛግቦም እናተገንጸለ፣ ብግዲ ናብ ሰራዊት ይውሰዱ ከም ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ድማ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱን ካብቲ ዝበጻሓና ሓበሬታ ምርዳእ ተኻኢሉ። ካብቲ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝወስዶ ዘሎ ኣገራሚ ስጉምታታት ድማ፣  ናይቶም ዘይተረኽቡ ኮነ ናይ ቤተሰቦም  ንብረት ዝኾና እንስሳ ዘቤት እንዳዘመተ፡ ቀለብ ሰራዊት ይኾና ምህላወን እቲ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

ኣንበሳድር ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ጆን ጎድፍረይ ምስ ጋዜጣ ቲያር Tayyar newspaper/ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ሱዳን ንሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መደበር ክትምስርት እንተ ፈቒዳትላ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ከም ዘጠንቀቑ እታ ጋዜጣ ካብ ካርቱም ሓቢራ።

እቶም ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብቲ ምስታ ጋዜጣ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ፡ ሩሲያ ነቲ ብ2017 ምስቲ ካብ ስልጣኑ ብ2019 ዝተወገደ ዑመር ኣልበሽን ዝተፈራረመቶ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ዝሕብሩ ጸብጻባት ከም ዘለዉ ጠቒሶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ከምዚ ዝኣመስለ ምንቅስቓስ ንሱዳን ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ከም ዝንጽላን ክትረኽቦ ዝግበኣ ረብሓ ከም ዘስእናን ገሊጾም። ኣንበሳደር ጎድፍረይ ዝኾነት ሃገር ምስ ካልእ ሃገር ናይ ምዝማድ ልኡላዊ መሰልኳ እንተለዋ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ግና ሳዕቤን ዘኸትል እዩ ኢሎም።

ኣንበሳደር ጆን ጎድፍረይ ኣሜሪካ ሓቀኛ መሓዛ ሱዳን ክትከውን ከም እትኽእል ጠቒሶም፡ እዚ ዝኸውን ግና ሱዳን ብምምስራት ሲቪላዊ መንግስቲ ኣቢላ፡ ናብ ዲሞክራሲ ምስ እተምርሕ ጥራይ ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይዞም ኣንበሳደር ቃለ-መጠይቕ ተኸቲሎም፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ሱዳን ሌተናል ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሓሰን ብወገኖም መግለጺ ሂቦም። እቶም ጀነራል ኣብቲ መግለጺኦም ብዛዕባ ምምስራት መደበር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሩሲያ ውዱእ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ጠቒሶም፡ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክልቲአን ሃገራት ግና ቀጻሊ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሩስያ ቱደይ/ Russia Today ብወግና ፕርሲደንት ፑቲን ብ16 ሕዳር 2020 ነቲ ንምምስራት  መደበር ሩሲያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ስምምዕ ከም ዘጽደቕዎ ሓቢራ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ውግኣትን ቅልውላዋትን እዚ ክውሰኾ እንከሎ መሊሱ ከም ዝገድድ ናይ ብዙሓት ግዱሳት ወገናት ስግኣት እዩ።

ኮሚሽነር ቅልውላዋት ሕብረት ኤውሮጳ ጃነዝ ሌናርቺክ፡ ብ1 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ  ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ምኻዱ ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎም ገሊጾም። ንሶም ብስንክቲ ከም ሓድሽ ዝተጀመረ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ህልቂትን ምምዝባልን ከምኡ’ውን  ዕንወት ንብረትን ትሕተ-ቅርጽን ምኽታሉ ኣዝዩ ከም ዘሕዝኖም ጠቒሶም። እቲ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲኤት  ምቁራጹ ነቲ ዝጸንሐ ቅልውላው ስለ ዘጋድዶ ከም ዘተሓሳስቦም ከኣ ሓቢሮም።

 ኮሚሽነር ጃነዝ ሌናርቺክ፡  ኣብቲ ዳርጋ ክልተ ዓመቱ ኣቚጺሩ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ግህሰታት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ከም ዝኹንኖ ኣስፊሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ሎሚ እውን ኩሎም ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ ናብቲ ዘይሩ-ዘይሩ ዘይተርፍ ተዂሲ ጠጠው ምባልን ሰላማዊ ዘተን ንክኣትዉ ሕብረቶም ከም ዘተባብዕ ኣፍሊጦም።

 ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝዋፈሩ ሲቪል ኣካላት ናይ ድሕንነቶም ውሕስነት ምእንቲ ንክረኽቡ እቶም ኮሚሽነር ናብ ኩሎም ተዋጋእቲ ኣካላት መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ብኻልእ ወገን ድማ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ብ28 መስከረም 2022 መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ/ትግራይ ውግእ ዳግማይ ንክባራዕ ኤርትራ ወሳኒ ግደ ከም ዝነበራ ጠቒሱ፡ ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ኣውጺኣ ናብ ዶባ ክትስሕብ ብትሪ ከም ዘዘኻኸረ፡  ዜና-24/NEWS-24 ዝተባህለት ማዕከን ሓቢራ። ናይ ኣሜሪካ ወጻኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል ኔድ ፕራይስ ብዛዕባ ግደ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ብጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ  “ኣሜሪካ ብንጹር ቃላት ኤርትራ ሰራዊታ ናብ ዶባታ ንክትስሕብ ደጋጊማ ክትነግር ጸኒሓ እያ ” ከም ዝበሉ እቲ ካብ ዜና 24/NEWS-24 ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።