ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
በብግዜኡ ብዛዕባ ሃገርና ዝዝረብን ዝጸሓፍን ብዙሕ እዩ። ብዙሕ ጥራይ ዘይኮነ ትሕዝተኡ እውን በብዓይነቱ እዩ። ዝሓቖፎ ኣውንታውን ኣሉታውን መልእኽትታት’ውን ኣለዉዎ። ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ንወጽዓን መግዛእትን” ኢሉ፡ ንቃልሲ ምስ ወሰነ፡ ብሓቅነት ሕቶኡ ዝበልጾም፡ ብሰብኣውን ነጋራዊ ዓቕምን ግና ዘይወዳደሮም ሓይልታት ስዒሩ ናጽነቱ ምውሓሱ ካብቲ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን በሪኹ ዝግለጽ፡ መመሊሱ ዝኹላዕ እምበር፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዘይሃስስ ኣወንታት እዩ። እዚ ኣውንታዊ ታሪኻዊ ዓሚቕ ነብሱ ዝኸኣለ መግለጺ ዝርዝራትን ምስጢራትን ድማ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት ብዛዕባ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝዝረቡን ዝጸሓፉን ነቲ ናይ ቅድሚ ናጽነት ኣወንታዊ መልክዕን ትሕዝቶን መሊሶም ዝኹልዑን ዘሕድሱን ክኾኑ መተገበኦም፡ ግና ኣይኮኑን። ሕሉፍ ሓሊፎም ንዝሓለፈ ኣውንታ ዝድውኑን ንድሕሪት ዝመልሱን ምዃኖም ድማ የሕዝን። ስለዚ ድሕሪ ናጽነት ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝረብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝሕበን ርእሱ ከድንን ብዘገድድ ኣሉታታት ዝተዓብለለ እዩ። እቲ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ በኹሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተረከበ ኤርትራዊ ጉጅለ፡ ዝኣተዎ ቃል ኪዳንን ሕድርን ሰማእታት ዘይምኽባሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ከብቅዕ ብዋጋ መስዋእቱ ክረኽቦ ዝተጸበዮ ጸጋታት ዘምርካቡ፡ በብግዜኡ ንዘቕረቦም ኩለ-መዳያዊ ሕቶታት መልሲ ዘይምርካቡን ናይ ግዜ ቃልሲ ቁጠባዊ ቁስሉ ዘሕውየሉ ኩነታት ዘይምፍጣሩን ኤርትራ ብኣሉታ ንክትግለጽ ካብ ዝደረኹ መምዘንታት ንኣብነት ዝጥቀሱ ነይሮም ጌና’ውን ኣለዉ። እዚ ዘይተጸበዮ ዕንቅፋታት ዘጋጠሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገሩ ናይ ምህናጽ ዓቕምን ቅሩብነትን ሓጺርዎ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ዘየናሕሲ ጭቆና ናይቲ ሕሱም ኤርትራዊ ጉጅለ ምዃኑ ከኣ፡ ነቲ ኣዛራብነት ዝያዳ ኣዛራቢ ገይርዎ። እዚ ተርእዮ ኣሉታዊ ኣንፈት ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነ፡ “ኤርትራዊ፡ ገ እናበሉኻ ኣይትጋገ” ዝሕመረቱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ’ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራኸ ካብ ቅድም ጀሚሩ ነቲ መልእኽቲ ግቡእ ኣቓልቦዶ ሂብዎ? ንዝብል ግና ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ” ሓደ ከይበልካ ክልተ ኣይባሃልንዩ” ኢሉ ዝምስሎ፡ ብናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታቱኳ ቅሱን እንተዘይነበረን ጌና ሎሚ’ውን እንተዘይኮነን፡ በቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብደሙ ደሓር ድማ ብረፈረንደም ብ99.83 ሚእታዊት ናይ “እወ ንናጽነት” ድምጹ ኣብ ድልዱል ባይታ ዝሰረቶ ልኡላውነቱስ ስኽፍታ ኣይነበሮን። በዚ ስለ ዝደዓዓስ ከኣ ነቲ ድሕሪኡ ክመጽእ ዝነበሮ ራህዋ፡ ሰላምን ዕቤትን እምብዛ ኣይተሃወኸሉን፡ ቀልጢፉ መጻኢኡ ኣየማዕደወን። ነዚ ናይ ህዝብና ሓላፍነታዊ ሓልዮትን ልቢ ምዕባይን ብህግደፍን መራሕቱን ክብርን ክብደትን ኣይተዋህቦን። ሕሉፍሓሊፉ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ እናዕሸኻዕለለ፡ “ዘይትግበር ቃል እናኣተኻ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ይከኣል እዩ” ዝብል ሓደገኛ ስኽራንን ትዕቢትን ሓደሮ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ እቲ ጉጅለ በዓል ደሓኑ ከም ዘይኮነ ክርዳእ በቒዑ እዩ። እነሆ ከኣ ህግደፍ ብዝኾነ መንገዲ ክሸፋፍኖ ብዘይክእል ደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ዓወቱ ዘይተርፍ ቃልሲ ይርከብ።
ኩነታት ሃገርና “ይሓይሽ እንተበልናዮስ ዝገደደ” ኮይኑ፡ ብ2018 ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ዕርከነት ተፈጢሩ። እቲ እዋን “ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ መጺኡ” ዝብል ዛዕባ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ከይተረፈ ኣዛራቢ ዝኾነሉ እዩ ነይሩ። ኣወንታዊ መልእኽቲ ናይቲ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተደረተ፡ ናብ ኤርትራ እውን ጽልዋ ከሕድር እዩ ዝብል ድማ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ኮይኑ ቀሪቡ። ብግብሪ ግና እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ለውጢ ኣይኮነንዶ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድር፡ ነብሱ ክኢሉ ናይ ምቕጻሉ ዕድል ጸልሚቱ፡ ካብ ዲክታተር ኢሳያስ ጀሚርካ፡ መፍቶ ጸረ ለውጥን ህዝብን ወገናት ኮይኑ ይሰሓግ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ነውጺ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ። እቲ ዘሕዝን ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ናይ ምምሕዳር ክፋእ ናብ ኢትዮጵያ እውን ምልሓሙ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ናይ ጸገማት መፍትሒ ጌርካ ብምውሳድ፡ ህልቂት ህይወት ብዙሓትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ምዕዳም ናይዚ ኣብነት እዩ። ቀጻሊ ውግእ ብዘኸተሎ ኢትዮጵያውያን ተገፊፎም ናብ ውግእ ክኣትዉ ይግደዱ ምህላዎም እውን ካልእ ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘመሳስላ ዘሎ እዩ። ስለዚ ኢሳያስ ህውከትን ምልክን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከባቢና’ውን ክትግበር ዝተማህዘሉ ፖሊሲኡ ዳርጋ ክንድቲ ዝደለዮ ክበሃል ብዝከኣል ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕዊትዎ እዩ።
ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት መርህ-ኣልቦ ሽርክነት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኢድ ኣእታውነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይን ሃንዳሲ ብጽሒት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ውግእን ብቐዳምነት ዝጥቀስ እዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር፡ ገለ ወገናት ከም ዝግምትዎ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዕጥቁ ናብ ኤርትራ ኣትዩ’ሎ። ናይዚ ሰራዊትንዚ ብኽንድዚ ብዝሕን ኣጽዋርን ምእታው፡ ንትግራይ ብወገን ኤርትራ ንምውራር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ዘኸትሎ ዝተደጐለ ሓደጋ ከይህሉ’ውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ካብቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻትን ኣደባባያትን ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ዘስመዖ ዝነበረ፡ ናይ ሃገር መራሒ ክትብሎ ዘሕፍር መደረታቱ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንመራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ፡ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንቃለዓለም ዘይኮነ ካብ ልበይ ሓሲበሉ እየ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘየፈልጡ እዮም” ዝበሎ፡ ምስዚ ሎሚ ንከታተሎ ዘለና ኣራግጽ ኣእላፍ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተደሚሩ፡ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ስግኣት ዝድርዕ እዩ። እዚ ስግኣትዚ ዝሓደሮም ኤርትራውያን ከኣ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ምስቲ ኣብ ሓምሳታት ናብ ኤርትራ ብምስምስ ምስ ዝኣተወ፡ ክሳብ ብቅልጽም ኤርትራውያን ዝድምሰስ ዘይወጸ፡ 2ይ ክፍለ ሰራዊት (ሁለተኛ ክፍለ ጦር) ዝበሃል ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ የመሳስልዎ። እዚ እዩ ከኣ እቲ “ኤርትራዊ፡ “ገ እናበሉኻ ዶ፡ ትጋገ” ዘብለና ዘሎ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣራግጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐሚጦም፡ “ትግራይ ኣብ ኤርትራ እንተ ኣትያ ኣይክትወጸልናን እያ?” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ኤርትራውያን፡ ቅድም “እቲ ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ከም ዝወጽእከ እንታይ ውሕስነት ኣለና?” ዝብል ሕቶ ክምልሱ መተገበኦም።
እዚ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ደብዳባት ነፍርቲ ሓደ ናይ ዓዲ ዳዕሮ
ድሕርቲ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ውግእ ምብርዑ ዝተኻየደ ቀጻሊ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ብ28 መስከረም 2022 እቲ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዝተፈጸም ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ዓብይ ዕንወት ዘስዓበን ምንባሩ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።
እተን ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዝደብደባ ነፈርቲ ናይ ኢትዮጵያ ዘይኮናስ፡ ናይ ኤርትራ እየን ዝብል ሓበሬታኳ እንተሎ፡ ናይ መነኦም ምዃነን ብዘየገድስ እቲ ተግባርን ዘስዓቦ ህልቂትን ግን ኩኑን እዩ። ሬድዮ ኤረና ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ኤርትራ ዝነቐላ ነፈርቲ ውግእ 4ተ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ከም ዝደብደባ ሓቢራ’ላ።
በዚ ብኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፈ ዝተኾነነ ደብዳብ ኣብ ዓዲ ዳዕሮን ካለኦት ከተማታት ትግራይን ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ዝርከቡ፡ ብሰንክቲ ውግእ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆብታት ኣጽሊሎም ዘለዉ ከይተረፉ፡ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝሰንከሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ መንበሪ ኣባይትን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ይዓንዉ ኣለዉ።
ህግደፍ እውን ብወግዒ ብምሉእ ዓቕሙ ዝተሳተፎ ውግእ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብ25 ነሃሰ 2022 ዳግማይ ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ትግራይ ከተማታት፡ መቐለ፡ ሽረ፡ ኣላማጣ፡ መኾኒ፡ ዋጃ፡ ሸራሮ፡ ማይጸብሪ፡ ዓድዋ፡ ውቕሮን ኣጉላዕን ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብተደጋጋሚ ብነፈርትን ድሮናትን ይድብድባ ኣለዋ። ከተማ ዓዲ ግራት ድማ ብወገን ኤርትራ ብዝድርበ ከቢድ ብረት ግዳይ ኮይና ጸኒሓ። በዚ ደብዳባት ነፈርትን ከበድቲ ብረትን ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ውግእ ምትእስሳር ዘየብሎም ሲቪል ምዃኖም ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ቀንዲ ታርጌት ኮይኑ ዝዓኑ ዘሎ ትካላት፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ማእከላት መዕደሊ ረዲአትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን እዩ። ብዘይካዚ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብያተ-እምነት’ውን ግዳያት ኮይኖም ኣለዉ።
እዚ ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታታት ወጻኢ፡ ወተሃደራዊ ኣብ ዘይኮኑ ዕላማታት ዘተኮረ ደብዳባት ነፈርቲ፡ ድሮናትን ከበድቲ ብረትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ናይ መጀመርያ ረዲአት ሕክምናኳ ክረክብ ዘይክእል ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ ብምዃኑ ክኹነን ዝግበኦ ሰብኣዊ ህልቂትን ትካላቱን እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምስ ረኸበ “ኩራዕ - ተሓበን” ዝብል ኣዘራርባ፡ ንበሃማት ጥራሕ እዩ።
Written by ክፍላይ ተኪአዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ኩራዕ - ተሓበን” ዝብል ኣዘራርባ ተኸቲለ ሓሳባተይ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ብመጠኑ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ኣነ ከም ሰብ ንዘሎ ኩነታት ሃገረይን ሕብረተ-ሰበይን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕራዊ ብዓቢኡ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሂወት ሓደ ሕብረተሰብ፡ እቲ ቀንዲ መሰረታዊ ንኩሉ ትካላት መኣዝን ዘትሕዝን ዘመሓድርን ቅዋማዊ ሕጊ’ዩ እብል። እዚ ከይገበርካ፡ “ተሓበን - ኩራዕ” ምባል፡ ንቡር መነባብሮ ከይረኣኻ ን30 ዓመታት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገርን ዝኾንካ መሪር መስዋእቲ ዝኸፈልካ፡ ልቦና ዝመልኦ ሕጊ እንዳባ ዝጸንሓካ መግዛእቲ ጥልያን እንግሊዝ ኢትዮጵያ ከም ዘለዎ ዝተቐበሉዎ ኮይኑ፥ ግን ካብ ነጻነት ክሳብ ሕጂ ሓጋግን-ፈጻምን-ፈራድን ብዘይብሉ እቲ ስርዓት ብከርፋሕ መነባብሮ መሰልካን ክብርኻን ንሕስያ ዘይብሉ ረጊጹ ክሳብ ሕጂ ይኸይድ ኣሎ። ንመን’ዩ “ተሓበን-ኩራዕ” ዝብል ዘሎ? ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣበየናይ ኩነታት ኣሎ፡ እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለዉ ኣበየናይ ዘበን ከም ዘለዉ ዝፈልጡ ኣይመስለንን።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰልካን ክብርኻን እናተረገጽካ፡ ብቃላት ክነግሩኻ እሞኸኣ ንኣኻ/ኺ ኤርትራዊ/ት ብስቕታ ትኸይድ ኣሎኻ። እዚ ንሰማዒ ዘገርም’ዩ። ስማዕ ኤርትራዊ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ ኣእምሮ ብኣምላኽ ዝተዋህበካ፡እንስሳታት ናይ ባዕሎም ሕጊ ከም ዘለዎም ትፈልጥ ኢኻ። ሕጂ’ውን ደጋጊመ ንስኻ ሰብ ሓሙሽተ ህዋሳት ዘሎካ ኢኻ። ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን እትነብር ዘሎኻ፡ ከምቲ ኣህዛብ ናይ ካልእ ክፍለዓለም ማዕረ ማዕሪኡ ክንከይድ ዝነበሮ ብዘይምኻድና፡ እዚ ከኣ በቲ ስርዓት ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነት ዓጸባን ጥምየትን ጸልማትን ጽምኣትን ስደትን ፋሕፋሕን (ምብትታንን)፡ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ብትምህርቲ ዝጸግቡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ዕድመ ንእስነቶም ክሳብ ዘብሊ መጻኢ ራኢ ዘይብሉ ጸልማት ስለ ዝኾኖም፡ ንስደት ክውሕዙ ንዓለም ዘገርም ምዕራፍ ታሪኽ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ’ዩ። እዚ ከኣ ከም ሰብ ከም ኤርትራዊ ብዙሕ የተሓሳስበኒ።
ንሕና ኤርትራውያን ፈሊጥና ዲና ከይፈለጥና ዘድሊ ዘየድሊ ኣብ ርእሲ መንእሰያት ደቅና ብዙሕ ተዛሪብና። ኣንቱም ሰባት፡ ሰባት ኢኹም፡ ወዲ ሰብ ይኹን ዝኾነ ነገር መወዳእታ ኣለዎ። ወዲሰብ ኣብ ሂወቱ ኩሉ ግዜ ለውጢ’ዩ ዝደሊ። ኮይኑ ግን ሓሲቦም ብዘይምዝራቦም ንነብሶም ኣበይ ከም ዘለዉ ኣቐሚጦም፡ እቲ ዘገርም ዘረብኦም ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ደቅና እቲ ሃገር ዘውሓሰ ንባዕሎም ኣብ ስደት እናተቐመጡ እንታይ ክገብሩ መጺኦም ዓዲ ገዲፎም፡ ከዳዓት ብምባል፥ ነዚ ኩሉ ሓደጋታት ከጓንፎም ከሎ መን ምጽኡ ኢሉዎም እናበሉ ሃየንታ ዘለዎ ዘረባታት ይዛረቡ።
ኣነ ከም ጸሓፋይ ሓሳብ ኣቕራቢ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ጽባሕ ንግሆ ደኒኖም ከም ዝኸዱ ኣይጠራጠርን። ጽባሕ ንግሆ’ውን ደቆም ክሓቱዎም ምዃኖም ኣይጠራጠርን፡ መልሲ’ውን ዝረኽቡሉ ኣይመስለንን። ወትሩ ድማ ሕልንኦም ክወቕሶም’ዩ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ ለባማት ኣቦታትና መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓብትኻ ኣበይ ኣላ? ክብሉ እንከለዉ፡ እቲ ጥፍኣት ሰሃራን ምድረበዳን ምጥላቕ ኣብ ባሕርን ስለ ዝረኣዩዎ፡ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም። ሕጂኸ መንእሰይ ወድኻ መንእሰይ ጓልካ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ይጠፍኡ ኣለዉ።
ስማዕ ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣዴታት ሶማላውያን ደቅና ኣበይ ኣለዉ ደቅና ኣምጽኡልና ዝብል ሕቶን ሰላማዊ ሰልፍን ብዘይዕርፍቲ ብምክያድ መንግስቲ ኣለዊጠን፡ ገና ሕቶአን ስለ ዘይተመለሰ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ስለዚ ኣዴታት ኣቦታት ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብዚ እንታይ ትመሃር? ታሪኽ ስራሕ ዋልታ ደቅኻ፡ ዋልታ ደቅና ክንከውን አማሕጽነካ። እቲ ስርዓት ኩሉ ኣብ ኣፍካ ኢሉካ’ዩ።
ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ፈስቲቫል እዋን ንለባም ዘተሓሳሰበ ኣገራሚ ተርእዮ ተራእዩ። እቲ ሓደ ካብኡ፡ ኣብ መንጎ ፈስቲቫላውያንን ብርጌድ ንሓመዱን’ዩ። ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ክጥምቶ እንከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ጎነጽ ብህድኣት ክፍታሕ ዝነበሮ ክንሱ ኣብ ጎነጽ በጺሑ። እቲ ሕቶ ዝቐረበ ናብ ዝምልከቶም ከተማታት፡ እዚ ዝግበር ፈስቲቫል ጽልኢ ዘጐሃህርን ምንእኣስ ሕብረተሰብን ስለ ዝኾነ፡ ሓደጋ ናቱ ከቢድ’ዩ። ስለዚ ንሕና ብሕጊ ንሓትት ኣሎና ንከቋርጽ፡ ዝብል’ዩ ነይሩ። እዚ ሕቶ’ዚ ብወገን ኣመሓደርቲ ከተማ ጀርመን ቅቡልነት ኣይነበሮን። ኣመሓደርቲ እቲ ከተማ ድሕሪ ሕጋዊ ሕቶ ዝግበር ነገር ክርድኡ ነይሩዎም በሃላይ’የ።
ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንምንታይ ኣብ ጎነጽ ዝእቶ፡ እዚ ዘሕፍር’ዩ፡ ስለዚ ሕጊ ንኹሉ ወሳኒ ስለዝኾነ እንታይ ዘሰሓሕብ ነይሩዎ፡ እቲ ጸገምከ ኣበ’ዩ ነይሩ ንዝብል ሕቶ፥ ብመጀመርታ በቶም መንእሰያት፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ ስለ ዘሎና፡ ሕጊ ድማ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ስለ ንፈልጥ፡ ኣቐዲምና እዚ ፈስቲቫል እዚ ንከይግበር ብሕጊ ንሕተት ብምባል ሕጋዊ ሕቶ ከም ዝቐረበ ዝፍለጥ’ዩ። እንተኾነ ምምሕዳር ከተማ ጀርመን ነቲ ፈስቲቫል ደው ኣቢሉ ገና ከሎ እቲ ጎንጺ ከይመጸ ክኣልዮ ዝነበሮ ኮነ ክገብሮ ዝነበሮ ምድላዋት ስለ ዘይገበረ’ዩ እቲ ጎነጽ ተፈጢሩ በሃላይ’የ። ስለዚ ጠንቂ እቲ ጎነጽ ሰዓብቲ ህግደፍን ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ጀርመንን እዮም በሃላይ’የ።
ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ
ብክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሰንኪ ተኸታታሊ ምቁራጽ ሓይሊ መበራህቲ ጸልማት ስለ ዝወረሳ ብስዉር ዝካየድ ዘሎ ስርቅን ዝምታን ይገድድ ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና/ Radio Erena ምንጭታታ ብምጥቃስ ኣብ ናይ 26 መስከረም 2022 ዜናኣ ኣቃሊዓ። እቲ ክትራን ቀንዲ ኣብ ደገ ኣብ ጽምዋ ቦታታት ዝፈጸም ኮይኑ፡ ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ለይቲለቲ ሰረቕቲ ናይ ገዛውቲ መዓጹ እንዳሰበሩ ንብረት ይዘምቱ ከም ዘለዉ እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ።
ዝተፈጸመ ገበናት ካብ ምምዝጋብን ምጽብጻብን ሓሊፉ ናይ ምክልኻሉ ዘይከኣለ ፖሊስ ከተማ ኣስመራ ህዝቢ በብከባቢኡ ንገዛእ ርእሱ ንክሕሉ ተደጋጋሚ መጸዋዕታታት የቕርብሉ ኣለዉ። እንተኾነ ዝተዓጥቁ ኣባላት ፖሊስ ዘይተቖጻጸሮም ሰረቕቲ ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ክከላኸልዎም ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣደዳ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ኤለክትሪክን ካለኦት መሰረታዊ ቀረባትን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ዘሕለፈ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ንህላውናኡ ዘስግኦ ዝርቅን ዝምታን ተወሲኽዎ ኣብ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝርከብ ካብቲ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ።
እቶም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፡ ኣብ ከምዚ ሎሚ መንእሰያታ ገለን ብግዱድ ውትህድርና ገለን ድማ ብስደት ተፍልዮማ ዋና ኣብ ዝሰኣነት ውቅብቲ ከተማ ኣስመራ፡ ክትራንን ዝተፈላለዩ ገበናትን ተወሲኽዎ ክጋደድ ግድን ምዃኑ’ውን ጠቒሶም። ኢጣልያዊ ናይ ህንጻ ጥበብ ዝረኣየላ ዝነበረት “ኣስመራ ጻዕዳ” ሎሚ ሰኣን ዋና ትዓኑ ምህላዋ ከይኣኽላ ኣደዳ ገበንን ንናይ ግዳም ሓይልታት ናይ ውግእ መዋፈሪት ትኸውን ምህላዋ ኣዝዩ ከም ዘሕዝን እቶም ምንጭታት ዓሚቕ ስኽፍታኦም ኣስፊሮም።
ባህግና Bahgna 85፣ ምውጣጥን ምምጣጥን ጫፋት ንረብሓና ዲዩ ንረብሓ ህግዲፍ? ዜንታት ሃገርናን ከባቢናን 25092022
Written by Bahgna MediaMedia
ብተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ሰሚናር መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተዛዚሙ። እቲ ሰሚናር ኣብቲ ዝተኸፍተሉ ዕለት 23 መስከረም 2022 ብዛዕባ ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን እዩ ተመያይጡ። ቀጺሉ ድማ በቲ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ መሰረት ኣብተን ቀጸልቲ ክልተ መዓልታት ብዛዕባ፡ “ፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤን ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን” ብሰፊሑ ተመያይጡ።
ሰሚናር ንፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ዝምልከት፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝቐረብ ጽሑፍ ብ24 መስከረም 2022 ብሰፊሑ ተዛትይሉ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምይይጥ ምእታዉ ብዛዕባ’ቲ መመያየጢ ሰነድ ዝተዳለወሉ ኣገባብን ኣብኡ ዝሰፈሩ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታትን፡ ብጠርናፊ ናይታ ነቲ ሰነድ ዘዳለወት ሽማግለ ብጻይ ብርሃነ ደበሱ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ሰልፊ፡ መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ። እቲ ሰነድ ብመንጽርቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ሰዲህኤ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ዝተቓነዩ ጉዳያት ዝሓዘ እዩ። ካብቶም ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈሩ ቀንዲ ነጥብታት፡ ናይ ወጻኢ ዝምድና፡ ኣህጉራዊ ዝምድና፡ ህዝባዊ ዲፕሎማስን ዝግበር ዝምድና ዝምስረተሉ መትከላትን ዝብሉ ይርከብዎም።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብቲ ሰነድ ዝሰፈሩ ሓሳባት መሰረት ብምግባር፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣልዒሎም’ ነቲ ሰነድ ዘህብትሙ ሓሳባት’ውን ኣቕሪቦም። ዝሓለፈ ተመኩሮታት ብምዝካር ኣብ መስርሕ ዝምድና ፍሉይ ጥንቃቐን ቆላሕታን የድልዮም ዝበልዎም ሓሳባት’ውን ኣዘኻኺሮም። ብሓፈሻ ምስ ኩሎም ወገናት ብፍላይ ድማ ምስ ጐረባብትና ዝግበር ዝምድናታት ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ብኸመይ ክቕጽል ከም ዝግበኦን ኣብ ዝምልከት ድማ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ኣቕሪቦም።
ህልዊ ኩነታት ከባብና መሰረት ብምግባር ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ሰሚናር ኣተሓሕዛ ሰልፍና ንዝምድና ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝምልከት ሰፊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝርርብ ኣካይዱ። ኣብዚ እዋናውን ተሃዋስን ዛዕባዚ መሰረታዊ ፖሊሲ ዝምድና ሰዲህኤን ብትካላቱ ክውሰኑ ዝጸንሑ ውሳነታትን ዘይጻረሩ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሕዛ ሓሳባት ቀሪቦም። እዚ ጉዳይዚ ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ታራ ናይ ጉርብትና ኣጀንዳ ዘይኮነ፡ ሳዕቤኑ ንኤርትራን ህዝባን ሓደገኛ ስለ ዝኾነን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ መንእሰያት ኤርትራ ይቕዘፉን ንብረት ኤርትራ ይዓኑን ስለ ዘሎ፡ ኤርትራዊ ረብሓን ልኡላውነትን ብዘማእከለን ንፖሊሲ ኣህጉራዊ ዝምድናኡ ብዝዓቀበን፡ ኣብቲ ህግደፍ ንምስዓር ዝግበር ቃልሲ ግደ ሰዲህኤ ክረጋገጽ ከም ዝግበኦ ተንጸባሪቑ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ብኣሸሓት ዝግመት ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኣትወሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብወገን ኤርትራ ኣቢሉ ምስ ህግደፍ ሓቢሩ ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ እውን ኣስጋኢ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተሳተፍቲ ሰሚናር ነቲ ተግባር ኮኒነምዎ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ከካይዶ ዝጸንሐ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ኣካይዳ ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ነቲ ኩነታት ብመንጽር ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝያዳ ኣስጋእን ሓደገኛን ከም ዝገብሮ’ውን ሰሚናር ስኽፍታኡ ኣቃሊሑ። ሰሚናር ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ 25 መስከረም 2022 ድማ “ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ደምበ ተቓውሞ ኤርትራን” ኣብ ዝብል ናይ መወዳእታ ሰነድ ተመያይጡ። ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ምይይጥ ምእታው ናይታ ነቲ ሰነድ ዘዳለወ ሽማግለ ጠርናፊ፡ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብቲ ሰነድ ንዝሰፈሩ ኣገዳስቲ ነጥብታት፡ ብጽሒት ሰዲህኤ ኣብ መስርሕ ሓድነትን ኣድላይነት ሓባራዊ ዕዮን ብምጉላሕ መእተዊ ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኣብ መብርሂኡ ሓባራዊ ዕዮ ንሰዲህኤ መሰረታዊ ብምዃኑ ከከም ምስ ውድባት ዘለዎ ናይ ኣረኣእያ ቅርበት ብደረጃታት ከም ዝሰርዖ ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ሰሚናር ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝገበሮም ናይ ሓድነት ጻዕርታት ዘኪሮም፡ እንተኾነ ብመንጽርቲ ዝተኻየደ ጻዕርን ዝወሰዶ ግዜን ክሳብ ሕጂ ዘዕግብ ውጽኢት ስለ ዘይተረኽቦ፡ ኣብ መጻኢ ዝግበር ሓድነታዊ ጻዕሪ ነዚ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን መዚኖም። በብግዜኡ ይምስረታ ምስ ዘለዋ ሓደስቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝስለፋ፡ ኤርትራዊ ውዳበታትን ምንቅስቓሳትን’ውን ዝተጸንዐን ጥንቁቕን ርክባት ክግበር ሰሚናር ካብ ዝተገደሰሎም ዛዕባታት ሓደ እዩ።
ኣብ ምዝዛም ሰሚናር፡ ተሳተፍቲ ናብ መሪሕነት ዝተፈላለዩ ለበዋታት ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ድማ፡ “ኣብ ቅድሜና ዘለዉ ብድሆታት ንምስዓር፡ ሰልፋዊ ሓድነት መተካእታ ዘየብሉ ናይ ዓወት ምስጢርና ብምዃኑ፡ ሓሳባካ ናይ ምግላጽ ናጽነትና ህያው ኮይኑ፡ ንሓድነትና ከም ናይ ዓይንና ብሌን ክንሕልዋ ግድን እዩ” ኢሉ። ተሳተፍቲ ሰሚናር ንዘርኣይዎ ተሳትፎን ምክትታልን ከኣ ንኢዱ።
መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተሳተፍዎ ሰሚናር ብ23 መስከረም 2022 ተጀሚሩ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ሰሚናር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤ (ደጊጋ) መሰረታት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይስልኪ ተወፉይነቶም፡ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ኣብዚ ሰሚናር ምስታፎም ኣመስጊኑ። ናይቲ ብኣካልን ብዙምን ዝካየድ ሰሚናር ኣቕጣጫ፡ ኣድህቦን መድረኻዊ ኣገዳስነትን እንታይ ምዃኡ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ ድማ ነቶም ሰሚናር ዝዛረበሎም ዛዕባታት ዘርዚሩ።
እዚ ሰሚናር ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብቲ መስርሕ፡ ሰለስተ ኣቐዲሞም ብሽማግለታት ተጸኒዖም ዝተዳለዉ፡ ሰለስተ ሰነዳት ክቐርቡ እዮም። እቶም ሰነዳት፡ “ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን፡ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ሰዲህኤን ኣገዳስነት ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን” ዝብሉ እዮም።
እዚ ሰሚናር ኣብ ዝተኸፍተሉ እሞ ዝያዳ 7 ሰዓታት ዝቐጸለሉ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ መደብ ብዛዕባ’ቲ “ሰልፋዊ ዕቤትን ምድልዳል ሓድነትን፡” ዝብል ጽሑፍ ምይይጥ ተኻይዱ። ኣብዚ ናይ 23 መስከረም 2022 ክፋል ሰሚናር፡ ናይታ ነቲ ሰነድ ኣጽኒዓ ዘቕረበት ሽማግለ ኣቦመንበር ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ብዛዕባቲ ኣቐዲሙ ንኣባላት ተዘርጊሑ ዝጸንሐ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናይ ምይይጥ መበገሲ መብርሂ ሂቡ።
ኣብዚ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ርክብ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ ንሓያልን ድኹምን ጐድንታት ሰልፊ፡ ኣብ መጻኢ ብሰልፊ ክዕመሙ ዝግበኦም፡ ምድልዳል ሓድነት ሰልፍን ብሰልፊ ዝወሃብ ኩለ-መዳያዊ ኣገልግሎትን ኣብ ዝብሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሰፊሕን ዝርዝራውን ምይይጥ ተኻይዱ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባና ቀጻሊ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ምዕባለታት ዘስዓቦ ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታትን ዝምድናታትን እውን ንዕዘብ ኣለና። ካብቶም ምዕባለታት ዘኸትሉ ዘለዉ ኣሰላልፋታት፡ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ትግራይን ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝረኤ ዘሎ ምስሕሓብን ካለኦት ናብ ውግእ ዘይማዕበሉ ምትፍናናትን ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ ተሰለፍቲ በበይኖም ዝቖሙ ዘይኮኑ፡ ብግሁድ ይኹን ብሕቡእ ዘዕጥቑን ዘስንቑን “ኣለናልካ” በሃልቲ ኣለዉዎም። በዚ መሰረት ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ኣብቶም ውሱናት ቅድሚት ዝስለፉ ተሰሓሓብትን ተዋጋእትን፡ ዝድረት ዘይኮነ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ እዩ።
ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ኣካል ሕብረትሰብ ዓለም፡ ካብዚ ጽልዋን ኣሰላልፋን ወጻኢ ኣይኮናን። ጉጅለ ህግደፍ ድሮ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይህዝባዊ፡ ዘይብዙሕነታውን ዘይደሞክራስያውን ፖሊሲኡምስቶም ኣንጻር፡ ዩክረይን፡ ታይዋንን ትግራይ ገለን ዘፈራርሑ ገለን ከኣ የራጉደለይ’ዩ ብዝብል ዝወሩ ዘለዉ ናይ ባህሪ መሓዝቱ ክለኣኾም ቅሩብ ኮይኑ ኣዳዕዲዑ ተሰሊፉ ኣሎ። ማእከላይ ስሕበት መምረጺ መዛምድቲ ህግደፍ፡ ህልዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራን መጻኢ መፍትሒኡን ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ቅድሚት ዝሰርዕ እዩ። እዚ ኣሰላልፋዚ ከቢድ ዝሳዕቤንን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ስንብራትን ዝገድፍ እዩ። እቲ ጉጅለ ነዚ ስጉምትታት ክወስድ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምዃኑ ድማ ክሳብ ክንደይ መበገሲኡ ካብ ባህጊ ህዝብና ዝረሓቐን ዝተመስጠረን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕልሚ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ዕድመ ልክዑ ኣብ ምድሃኾም ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ናይ ዞባና ተሰማዕን ጐብለልን ናይ ምዃኑ ምህሙን ተስፋ እውን ዝቐበጾ ኣይመስልን።
እቲ ጉጅለ ነዚ ረብሓን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ኣሰላልፋ ክመርጽ እንከሎ ዝተኸተሎ ስልቲ፡ ሕሉፍ ተሓላቒ ሃገርን ልኡላውነታን መሲልካ ምቕራብ እዩ። “ኤርትራዊ ልኡላውነት ብዘይካይ ዘውሕሶ የለን” ዝብል ዝኣረገ ኣዳህላልነቱ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ማዕረ ማዕረዚ ግዳ ቀዳማይ ገሃስን ኣሕሊፉ ወሃብን ልኡላውነት ኤርትራ ንሱ ምዃኑ ክሓብኦ ዘይከኣለ ንመጻኢ እውን ዘይክእል ባህሪኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ከም ዝሕረም ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ደይ-መደይ ኢሉ ኢድ ምእታው፡ ምስቶም ጌና ኣብ ናጽነትና ሕቶ ምልዓል ዘየቋረጹ ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ናይ ቀረባ ዝምድና ምምስራቱን ኤርትራ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት መዕንደሪት ከም እትኸውን ምግባሩን ከኣ ኤርትራዊ ሓልዮትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ባህርያቱ ዘርኢ እዩ። ኣእሚኑ ዘይኮነ፡ ኣሰናቢዱን ኣደናጊሩን ደጋፊ ንምርካብ ድማ፡ ሎሚ ምስኡ ንዘይተሰለፈ ኤርትራዊ ከመዮ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል፡ ከም ንልኡላውነት ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣምሲሉ ክቕርቦ ይፍትን ኣሎ። ንኤርትራ ኣደዳ ኣራግጽ ናይ ግዳም ሓይልታት ክትከውን ዘፍቐደ ኣካል፡ ተሓላቒ ልኡላውነት ክኸውን ከኣ ብቕዓትን ሞራልን የብሉን። በዚ ሽፈጡ ተዓሽዮም፡ ልኡላውነት ሃገር ዝሕልዉ ዘለዉ መሲልዎም፡ ምስዚ ብክብሪ ህዝቢ ዝጣላዕ ጉጅለ ተሰሊፎም ዘጣቕዑ፡ ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ጐሓላሉ ምርኣይ ከኣ ቃልስና ጌና ዝተሓላለኸን ግቡእ መስርዑ ዘይሓዘን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ክሳብዚ ቀረባ ዓመታት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንሰማመዓሉ ካብ ዝነበርና ዛዕባታት ሓደ፡ ብሰንኪ ብሓባር ዘይምስራሕና ግዳይ ከፋፋሊ ህርፋን ህግደፍ ምዃና እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና ዓቂብና፡ ብምጽውዋርን ምክእኣልን ተገዚእናን ኣርሒቕና ብምርኣይን ንህግደፍ ዘሕምሞ ኣድማዒ ዓቕሚ ምፍጣር ክንቃለሰሎም ካብ ዝጸንሕና ዓበይትን ወሰንትን ዕማማትና ሓደ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ነዚ ሕልሙ ዘምክን ምቅርራብ ሓይልታት ለውጢ፡ እንተ ኽኢሉ ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ፡ እንንተዘይክኢሉ ከኣ በታቲኑ ዘርሞዘርሞ ክገብሮ ክጽዕት ጸኒሑ። ብሓፈሻ ነቲ ዝተኸስተ ሓድሽ ኣሰላልፋ፡ ብፍላይ ከኣ ንተረኽቦ ውግእ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን መርወዪ ህርፋኑ ክጥቀመሉ ስምዒታት ኣነሃሂሩ። ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነዚ ሓድሽ ኣሰላልፋን ክስተትን ተኸቲሉ ሒዝዎ ክጐዓዝ ዝጸንሐ ፍልልያት ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማሙ ንድሕሪት ብዘይመልስ ከመሓድሮ ይግበኦ ነይሩ። ብግብሪ ግና ከም ዘይበቐዖን ኣብ ክንድኡ ኣብ ናይ ጫፋት ምውጣጥ ምእታዉን መርኣያ ድኽመቱ እዩ።
እቲ ዝገርም፡ ዝተበተነ ዓቕምኻ ኣማእኪልካ ብሓባር ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ክጭርሑ ዝጸንሑ ኣካላት ከይተረፉ፡ ከካብቲ ዝተጸግዕዎ ጫፋት ተመሊሶም ማእከላይ መፍትሒ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎምን ኣብ ተመዓዳዲኻ ምፍርራድን ምንእኣስን ምውዳቖም እዩ። እዚ ኣብ ክንዲ ብመትከል እካን ሃባን፡ ከክንድቲ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ኬድካ ኣብ ማእከል ምርኻብን ኣተሓሳስባ ምትዕራቕን ኣብ ዘዘለኻዮ ኮይንካ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ምብህሃል ብዘይካ ንህግደፍ ንኻልእ ዘርብሕ ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ከኣ ካብቲ፡ “ህግደፍ ብየናይ ኣገባብ ይወገድ፡ ድሕሪ ህግደፍ ብኸመይ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ መንግስቲ ንሰጋገር፡ ብኸመይከ ሕገመንግስቲ ነዲፍና ነጽድቕ” ኣብ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ዛዕባታት ዝጸንሓና፡ ብሓልዮትን ህዝባዊ ሓላፍነትን ክመሓደር ዝኽእል ፍልልይ፡ ኣብ “ብኸመይ ምስ ቃልሲ ጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንዛመድ?” ዝብል ዘረሓሕቕ ጫፋት ተጸሚድና ኣለና። ከምቲ ንቃወሞ ዘለና ናይ ኢሳያስ ኣገባብ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ናብ ደገ ምምዕዳው ይብርኽ ኣሎ። ያኢ እቲ “ምስ ሰራዊትና” ወይ “ምስ ሓይልታት ትግራይ” ዝብል ናይ ምቅርራብ ኣንፈት ዘየብሉ ዝመስል ጫፋት ቅኑዕ መርገጻት ተባሂሉስ፡ እቲ “ነዚ ሓደገኛ ጫፋት ኣወጊድና፡ ፍልልያትና ኣጻቢብና ኣብ ማእከላይ መፍትሒ ንራኸብ” ዝብል ሓላፍነታዊ ማእዝን ክሳብ “ናይ በለጽ ምርጫ” ዝብል “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ” ዝዓይነቱ ስግንጢር ድምጽታት እውን ይስማዕ እዩ።
ካብዚ ክልተ ጫፋት “ወይከ ንቕንቕ” ምባል፡ ውሕሉል ኮነ ምቕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣይኮነን። ነቲ ዝጸንሓና ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ፡ውን መሊሱ ዘጋድዶ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ዓቕሚ እዩ” ኢልካ ምጭራሕ ጥራይ ትርጉም የብሉን። እዚ ክሳብ ዘይተቐየረ ንህግደፍ ስዒርና ሕቶ ህዝብና ንምምላስ ዝወስዶ ግዜ ሓጺር ኣይክኸውንን እዩ። ነዚ እንዳተረዳእካ ጫፋት ምውጣጥን ምምጣጥን ድማ፡ መፍቶ ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ትርጉም የብሉን። መፍቶ ህደፍ ምዃን ብኡ ንብኡ ንህዝብና ምብዳል’ዩ እሞ ነናብ ልብና ተመሊስና ብጽሞና ንሕሰብ።
More...
ክልል ትግራይ፡ ብኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍታ ከሲሳ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ 20 መስከረም 2022 ኣብ ዘውግሕ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ውግእ ከም ዝተኸፍተ ከሲሱ። በቲ ዝወጸ ሓበሬታ መሰረት እቲ ውግእ ዝተኸፍተሉ ከባቢ ካብ ሩባ ተከዘ ክሳብ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ዘሎ ዶባት ኤርትራን ትግራይ ኮይኑ፡ ማይ ኩሕሊ፡ ዝባን ገደና፡ ዓዲ ኣውዓላ፡ ራማ፡ ጸሮናን ዛላንበሳን ድማ ብፍላይ ተጠቒሶን።
ኣብዚ ሓድሽ ውግእ፡ ናይ ኢትዮጵያ ክልተ እዝታትን ሰለስተ ናይ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊታትን ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ክልል ኣምሓራን ምስ ሓይልታት ኤርትራ ተሰሊፎም ከም ዘለዉ ተጠቒሱ። ኤርትራ ኣቐዲማ ዑቑር ሰራዊታ ንክኸትት ጸዊዓ እያ። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ከም ዝተጓዕዘ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ብክልል ትግራይ ዝቐረበ ክሲ ብዝምልከት ብወግዒ ዝተባህለ የለን።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ፡ ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ጻዕሪ ክገብሩ ጸኒሖም ናብ ሃገሮም ምስተመለሱ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ኣብ መግለጺኦም ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ሰጊሩ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ነቲ ተግባር ከም ዝዀነንዎ ምግላጾም ድማ ሮይተርስ ሓቢራ። ኩሎም ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ተዋሳእቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት፡ ሓድነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን ኩነታት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡን ይግበኦም ከም ዝበሉ እውን ሮይተርስ ጠቒሱ።
ካናዳን ብሪታንያን፡ ዜጋታተን ኣብ ኤርትራ ምንቅስቓሶም ክድርቱ ኣጠንቂቐን
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤካናዳን ብሪታንያን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታተን ብጸጥታዊ ምኽንያት ምንቅስቓሳቶም ክድርቱን ግቡእ ጥንቃቐ ክገብሩን ከም ከም ዝመዓዳ ካብ ሮይተርን ኤ ኤፍ ፒን ካብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። እዘን ሃገራት ናብዚ ስጉምቲ ዘብጸሓ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንናይ ብዙሓት ዜጋታት ምምዝባልን ሞትን ጠንቂ ዝኾነ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ምብርዑን ኤርትራ ድማ ዜጋታታ ናብ ዓውዲ ውግእ ንክኸቱ ኣጥቢቓ ተገድድ ምህላዋ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ካብ መንግስቲ ካናዳ ብ15 መስከረም 2022 ዝወጸ ምኽርን መጠንቀቕታን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዜጋታቱ፡ ኣብ ርእሲ ምንቅስቓሳቶም ምድራት ብመራኸብቲ ብዙሃን ዝወሃብ ሓበሬታ ብቐጻሊ ክከታተሉ ኣዘኻኺርዎም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓለዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲታትን ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ በቲ ወጺኡ ዘሎ ክተት ካብ ዝረሖም ወጺኦም ናብ ዓውዲ ውግእ ከይውሰዱ ስግኣት ከም ዘለዎም፡ ሓደ ስሞም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገለጽሉ ሮይተርስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ኣስዒቡ ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ክልተ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣዝማዱ ናብ ውግእ ንክኸቱ ከም ዝተጸውዑን እንተዘይከቲቶም ግና ኣባይቶም ክውረስ ከም ዝኽእልን ከም ዝተሓበረ ጠቒሱሉ።
እቲ ካብ ብሪታንያ ዝተዘርሐ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ብ14 መስከረም 2022 ዝወጸ ምዃኑ እቲ ማዕከናት ዜና ኣፍሊጠን። ክልቲአን ሃገራት ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ፡ ተወሰኽቲ ሓጸርቲ ናይ ጥንቃቐ መልእኽቲ ከስዕባ ከም ዝኽእላ ነንዜጋታተን ኣብፍሊጠን።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ተሪር ናይ ሓባሬታ ዕጽዋ ዝካየደን ሃገራት ብምዃና ነዚ ብዝምልከት ድምጻ ከም ዘይተሰምዐ ኤ ኤፍ ፒ ኣቃሊዑ።
ኤርትራ ኣብቲ መጀመርታኳ ብተደጋጋሚ ትኽሕድ እንተነበረት፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚራ፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምስላፍ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ ሓይልታታ ከም ዘሰለፈት ክልቲኦም ማዕከናት ዜና ጠቒሶም።
ግደ ደረስቲ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ኤርትራን ቃልስታታ
Written by ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤቀጺሉ ዝቐርብ መግለጺ፡ ነዚ ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሩ ዘሎ ስእልታት ናይ ዝተደርሱ መጻሕፍቲ ሓጺር መብርሂ ንምሃብ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ መጻሕፍቲ ንምፍላጥ፣ ገንጺልካ ብምንባብ ዝብጻሕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር ሓጺር መላለዪ ሓበሬታ፡ ማለት ብዛዕባ ደረስቱን ዕላማ መልእኽቲ መጻሕፍትን ዝእምት ሓበሬታ ኢና ከነስፍር።
ኣድላይነት ምስናድ ታሪኽ እንርድኦ ኣምር ስለዝዀነ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን፣ ታሪኽ ተሰኒዱ ንመወከስን ሓበሬታን ይዕቆር፤ ንውሉድ ወለዶ ድማ ይመሓላለፍ። ነዚ ዕማም’ዚ ዝትግብራ ድማ ትካላትን ዝሰልጠኑ ሰብ ሞያን ክህልዉ ይግባእ። ታሪኽ ሃገርና፣ ዘሕለፎ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ፣ ንሓርነቱ ዘካየዶ ቃልስታትን ዝኸፈሎ መስዋእትን ብግቡእ ተሰኒዱ ንህሉዋትን ቀጻሊ ወለዶታትን ክመሓላለፍ ይግባእ። ኣብ ሃገርናን ታሪኽ ጉዕዞ ቃልስናን ግን ዝተጠቕሱ ትካላትን ሰብ ሞያን ኣይነበሩን። ነቲ ሃጓፍ’ቲ ዝመልኡ ብተበግሶኦም፣ ወለንትኦም፣ ጻዕርታቶምን ወርቃዊ ጊዜኦምን ብነጻ ወፍዮም፤ ኣገዳሲ ሰነዳት ብመጻሕፍቲ ኣሕቲሞም ናብ ኣንበብቲ ዝዘርግሑ ብዙሓት’ዮም። ታሪኽና ብግዱሳትን ወለንተኛታትን እዩ ክስነድ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዝኾነ ድማ ብሓያለ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ብኣባላት ሰደህኤ ድማ ብፍላይ ሓያለ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ተዘርጊሖም እዮም።
ኣብዚ ፖስተር) ተጠርኒፉ ቀሪቡ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ ብግዱሳት ውልቀ ተቓለስትን ጉጅለታትን፡ ኣብ ተጋድሎና ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ፣ ገለን ዓጢቖም ኣብ ሜዳ ገለን ድማ ኣብ ድያስፖራ ዝተኻየደ ህዝባውያን ማሕበራት ተወዲቦም፡ ፖሊቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ግዲኦም ዘበርከቱ፣ ከምኡ’ውን ስርዓት ምልኪ ብምውጋድ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱ ዘለዉ የጠቓልል። መብዝሕትኦም ደረስቲ ነቲ ብኣካል ዝተሳተፍዎ ተሞክሮ ፍጻሜታት ናይቲ ታሪኽ፣ ተዘክሮታቶምን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣበርክቶታትን ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ብምዃን ሰኒዶም ዘቕረቡ እዮም። ምሉእ ታሪኽ ብዝውዓሉ ጥራይ ዝቐርብ ክኸውን ኣይክእልን፡ ምኽንያቱ ደረስቲ ኣብ ኵሉ’ቲ ፍጻሜታት ዝተኻየደሉ ቦታን ዕለትን ብኣካል ክነብሩ ስለዘይክእሉ፡ ስለዚ ካብ መወከስታት በርቢሮም፣ ሓበሬታ ካብ ሓቀኛ ምንጭታቱ፡ በብዕለቱን ተዋሳእቱን ሰኒዶም ከቕርቡ፣ መጽናዕትን ፍተሻን ካብ ታሪኻዊ መወከስታት ኣካይዶም ዝሰነዱ’ውን ይርከብዎም።
ኣብ መዘከሪ ገጽ (ፖስተር) ሰፊሮም ዘለዉ መጻሕፍቲ፣ ብኣብ ሰዲህኤ ዘለዉን ዝነበሩን ኣባላት ዝተደርሱ እዮም። ብሕጂ ተደሪሶም ዝወጹ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፣ ንዐኦም ዝወሰኸ ሓድሽ ፖስተር ክዳሎ ምዃኑ’ውን ንሕብር። በዚ ኣጋጣሚ፣ ስነጽሑፍን ስነዳን ንምምዕባል፣ ናይ ደረስቲ ማሕበር ብዝተወደበ መልክዕ ክምስረት ነተባብዕን ንጽውዕን።
ብሓልዮት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ሰዲህኤ
ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ወተሃደራቶም ካብ ኤርትራ ንምምላስ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ክትሕግዞም ከም ዝሓተቱ ጋረው ኦንላይን/ GAROWM.ONLINE ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ15 መስከረም 2022 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቶም ሶማሊያዊ ፕረሲደንት ነዚ ሕቶ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ። እቲ ዜና ከም ዝገለጾ እዞም 5 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናብ ኤርትራ ብምስጢር ዝተላእኩ ፕረሲደንት ማሕሙድ ፋርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ ብ2019 እዩ።
እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዞም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑ፡ ብግቡእ ዝተዓለሙ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ምቅላስ ሓያል ፍናንን ቅሩብነትን ዘለዎም ምዃኑ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ዝተላእክሉ ግዜ እዞም ናይ ሎሚ ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ግዜቲ ፕረሲደንት ሶማልያ ንዝነበሩ ማሕሙድ ፎርማጆ ነቶም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ብምልኣኾም ይቃወምዎም ነይሮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዞም ወተሃደራት ክመልሶምኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ፈጣር ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓያል ቃልሲ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ምስ ኣረጋገጸ ግና ሓሳቡ ቀይሩ ከም ዝሓንገደ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ዜና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካሳብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ይተሓጋገዝ ከም ዝነበረ ተቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሶማሊያ ነቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ወተሃደራት ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎን ናይ ኣሚሪካ ሓገዝ እንተተወሲኽዎ ክዕወት ተስፋ ከም ዘለዎን ገልጹ። ሰብ መዚ ኣሚሪካ እውን ነቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ንምላስ ክተሓጋገዘ ቅሩባት ምዃኖም ከም ዘረጋግጹ ኣፍሊጡ።
ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስተመረጹ ናብ ኤርትራ ከይዶም፡ ምስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መደበራት ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሶማላውያን ከም ዝረኸብዎም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቶም ፕረሲደንት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝበል ተስፋ ስለ ዝነበሮም፡ ነቶም ቅድሚ ምርጫ ደቆም ክምለስሎም ዝሓቱ ዝነበሩ ቤተሰብ እቶም ወተሃደራት ምስ ደቆም ከም ዝራኸቡን ክሳብ ሽዑ ናይ ተለፎን ርክብ መስመር ከም ዝኸፍትሎምን ቃል ኣትየምሎም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ እምቢታ ክዕወት ከይዘይከኣለን ሓቢሩ።
እዞም ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ መጀመርያ ብምስጢር ናብ ኳታር ኢኹም ተባሂሎም ካብ ሃገሮም ከም ዝተወስዱን ብዘይፈልጥዎ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከም ዝተወሰዱን ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዞም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተሉ ዘለዉ ሱዳናዊ ኮሚሽነር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዞም ሶማላውያን ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ዓመጸኛ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ኢዱ ከእቱ ብዙሕ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። እነሆ ኣብዚ ሶማልያ ምስ ኣሚሪካ ተሰማሚዓ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ቃልሲ ኣብ እተካይደሉ መድረኽ ከኣ ሰራዊታ ጀሆ ሒዙ ህውከት ይጽሕትር ኣሎ።