ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክኾኑ ዘካየዶ ምርጫ ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቡ ከም ዝጸደቐ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ23 መጋቢት 2023 ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ምርጫ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብደረጃ ፈደራል ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብሕገመንግስቲ ናይታ ሃገር ዓንቀጽ 6/9ን ብኣዋጅ ቁጽሪ 259/1995 ኣብ ትግራይ ግዝያዊ መንግስቲ ንክምስረት ብዘውጸኦ ኣዋጅን መሰረት ምዃኑ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ኮይኑ ትግራይ ክመርሕ ዝጸንሐ ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤል፡ ድሕሪ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ምውጻኣ መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ንናይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ፕረሲደንት ትግራይ ምምዛዝ ዘለዎ ደገፍ ጠቒሱ፡ ህወሓት ባህግታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ቃልሳ ከም እትቕጽል ብምጥቃስ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብ24 መጋቢት 2023 በኹሪ መግለጺ ሂቡ። ኣብቲ መግለጺኡ ዝሓለፈ 2ተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዝወረደ ዕንወት ብምዝርዛር ኣስፊሩ። እቲ ዕንወት ኣብ መጻኢ ዳግመ-ህንጸት ትግራይ ዓብይ ብደሆ ከም ዝኸውን እውን ጠቒሱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ መኸተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓድን ወጻእን ንዘርኣይዎ ጽንዓት ንኢዱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ራህዋ ናብ ዝወስድ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ ርእስ’ቲ ሰፊሕ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህንጸት፡ ምምላስ ሕገመንግስታዊ መሬት ትግራይ፡ ሕቶ ውጉኣት ምምላስን ተመዛቢሎም ዘለዉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላስን ቀዳምነት ዝሕዙ መደባት ምዃኖም ኣመዝጊቡ። ምስ ጐረባብቲ ትግራይ ናይ ሰላም ሃዋህው ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ መግለጺኡ ከጠቓልሉ እንከለዉ ድማ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ናይ ሰላም ስምምዕ ንክብጻሕ ንዝጸዓቱ ወገናት ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ዳግመ-ህንጻ ትግራይን ምስራጽ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ምስ’ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክተሓባበሩ ጸዊዑ።
ባህግና Bahgna 125፣ 4ይ ክፋል ቃለ መሕተት ምስ ተጋ መንግስተኣብ ኣስመሮም 22.03.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ22 መጋቢቲ 2023 ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ከም ዝወጸት ምንጭታት ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ፈደራላዊ ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ዜና ከም ዘረድኦ፡ ኣብዚ ፓርላማ ኢትዮጵያ ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ ዝወሰነሉ ፍሉይ ኣኼባ ካብቶም 547 ኣባላት ዝተሳተፉ 280 ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ብድምጺ ብልጫ ዝሓለፈ ውሳነ 61 ተቓውሞን 5 ተዓቅቦን ከም ዝተመዝገበ ካብቲ ዜና ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብዛዓብቲ ኣጀንዳ መብርሂ ዘቕረቡ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ጽልዋ ዝጸንሐን ልዕሊ 45 ዓመት ዕድመ ዘለዋን ህወሓት፡ ካብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ/ግብረ ሽበራ ምውጸኣ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምስራት ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሶም። ኣብቲ ፓርላማ ወኪል ፈደራላዊ መንግስቲ ኣቶ ተስፋየ በጅገ ብወገኖም፡ እቲ ህወሓት ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክትሰፍር ዝተወሰነሉ ግዜ ዝነበረ ኩነታት ድሕሪ ውዕል ሰላም ከም ዝተቐየረ ዘረድእ መብሪ ሂቦም።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ዝሰፈረት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ “ጸረ ሕገመንግስታዊ መንገዲ ተኸቲላ” ብዝብል ፓርላማ ኢትዮጵያ ብ6 ጉንበት 2021 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኮይኑ፡ ሎሚ እዚ ውሳነ ተቐይሩ ካብቲ መዝግብ ዝወጸት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዃኑ ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ፓርላማ ብሰፊሑ ተገሊጹ።
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሮም ካብ ዝነበሩ ዝተወሰኑ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ጀሚሮም ዘለዉ ኮይኖም፡ ጌና ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይቲ ክልል ወሲኽካ ብዙሓት ሕቶ ዘልዕሉ ጉዳያት ተሪፎም ከምዘለዉ ዝዝከር እዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ገበናት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝቃላዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ ብዝፍጽሞ በደላት ኣብ ዓይኒ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓበይቲ ብዲሞክራስን ሰብኣውነትን ዝግደሱ ትካላትን ካብ ዝኣቱ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ንገበናት ህግደፍ ዝርእይሉ መነጸርን ዝቓንይሉ መምዘንን በበይኑ ምዃኑ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ “ገበነኛ እዩ” ክብሎ እንከሎ፡ ሚዛኑ ርትዓውን ብመንጽርቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ባይታ ኤርትራ ክርአ ዝጸንሐን ዘሎን ናይቲ ጉጅለ ጨካን ተግባራት እዩ። ብመሰረቱ ህግደፍ ነቲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ሃገሩ ናጻ ኣውጺኡ ሓርነትን ፍትሕን ሃንቀው ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ጠሊምዎ እዩ። ካብቲ ስዉኣት ክስውኡ እንከለዉ ዝገድፍዎ ሕድሪ፡ ብኣንጻሩ ደኣ ከይዱ እምበር ንዋላ ሓደ ኣየኽበረን። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰንኪቲ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና፡ ክመሃሩ፡ ክሰርሑን ማሕበራዊ ህይወት ክሰርዑን ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ክንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ፡ ኣደዳ ስደትን ዝተፈላለዩ ብድሆታቱን ይኾኑ ኣለዉ። ብዘይድሌቶም ምስተዓስከሩ ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ዝሞቱ፡ ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝፍጽሞ ገበናት እውን ኣይሓዝንን እዩ ማለት ኣይኮነን።
ኣብ ገዛእ ሃገሮም ገንዘቦም ኣውፊሮም ንገዛእ ርእሶም ክረብሑን ሃገሮም ክሃንጹን ዝግበኦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ብህግደፍ ዕድል ምስተነፍጎም፡ መተካእታ ስኢኖም ኣብ ኤርትራ ክፈስስ ዝነበሮ ሃብቲ፡ መማዕበሊ ቁጠባ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ክገብርዎ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ ዓዶም ዝሰኣንዎ ክብረት፡ ዕድልን መሰልን ብጐረባብቲ መንግስታት ክረኽብዎ እንከለዉ ከኣ ገበናት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንዜጋታቱ ኣቐንዛዊ ከምዝኸውን ዘገንዝብ ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣውፈርትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኡጋንዳን ብዛዕባ ኣተገባብራን ኣመዓባብላን ወፍሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዘካየድዎ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ከኣ ሓደ መርኣያ እዩ። ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣንጎላን ዘለዉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ዘተሓሳስብ ከኣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ እናሰዓበ ከዕንቅፎም ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ገበናት ናይቲ ጉጅለ በዚ ዝተጠቐሰ ዕንቅፋታትን ዝኣመሰሉ ጭካነታትን እዩ ዝመዝኖ። ምምዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲቲ ካብዚ ገበናት ክናገፍ ባዕሉ ዘካይዶ ቀጻሊ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ጽልዋ ናይ ምሕዳር ልዕልና ዘለዎም ትካላትን መንግስታትን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይሉ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘማርር ናይቲ ህግደፍ ዝፍጸሞ ገበናት ቀዳማይ ግዳይ ስለ ዝኾነ እዩ።
ምዕራባውያን ኣጻብዕተን ኣንጻር ህግደፍ ካብ ዝቕስራ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ኢለን ከም ዘጠመቐኦን ድማ ዝዝከር እዩ። ናብዚ መደምደምታ ዝበጸሓሉ ቅኒትን መበገስን ግና ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቤታዊ ኣጠማምታ ዝፍለ እዩ። ንሳተን ገበነኛ ተግባር ህግደፍ ንምምዛን ቅድሚት ዝሰርዐኦ መዕቀኒ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዝኽሰት ዞባውን ዓለምለኻውን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ኣብ ረብሓአንን ክብረንን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ዝቃነ እዩ። ንህግደፍ ብቐዳምነት ዝረግመኦን ዝቐጽዐኦን ከኣ ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘመሓድራ ዘሎ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ ነይሩ። ብ2018 ድማ ብመንጽርቲ ዘይብሱልን ዘይግሉጽን ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምርኣይ ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ። ኤርትራውያን ነቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይተቓወምዎን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ እገዳ ክኸውን ዝነበሮ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገበን ዳርጋ ተዘንጊዑ፡ “ህግደፍ ኣብ ሶማሊያ ምስ ኣልሸባብ ተሓባቢሩ” ዝብል ግዳማዊ ጠንቂ ጥራይ ኮይኑ ምቕራቡ፡ ግቡእ ሚዛን ከምዘይነበረ ኣብቲ እዋኑ ስምዕታኦም ኣቃሊሖም እዮም። ኣብ ኤርትራ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ርኡይ እናሃለወ እቲ እገዳ ብ2018 ምልዓሉ ከኣ ንምእጋድን ዘይምእጋድን ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግምት ከምዘይኣተወን ከምዝተዘንግዐን ዘርኢ ነይሩ።
ህግደፍ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ እንደጋና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቱን ናይ ንግዲ ትካላቱን እገዳ ተወሲኑ። ናይዚ እገዳ ጠንቂ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እሞ “ናብ ደረጃ ገበን ጽንተት ደይቡ ድዩ ኣይደየበን” ንምጽራዩ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ላዕልን ታሕትን ዝበሃለሉ ዘሎ ዝተፈላለየ ገበናትን ዓመጻትን እዩ። እዚ ገበናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብህግደፍ ካብ ዝፍጸም ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ክነሱ፡ በቶም ገበናት ዘጻርዩን እገዳ ዝውስኑን ኣካላት ግቡእ ክብደት ተዋሂብዎስ ኣብ ግምት ዝኣተወ ኣይመስልን። ገበናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብ ሱዳን፡ ትግራይ ወይ ሶማሊያ ናብ ኤርትራ ዝፈስስ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ መልአ ናብዘን ጐረባብቲ ክፈስስ ዝጸንሐ እዩ።
እቶም እገዳ ዝውስኑ ኣካላት ንኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዘይሰርዕሉ ምኽንያት ሓደ፡ ናታቶም እስትራተጅያዊ ልዕልና፡ ክብርን ተሰማዕነትን ስለ ዘቐድሙ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ ስለዘይርድኡ ኣይኮኑን። እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ንሕና ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንገበናት ህግደፍ ብኽንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከነቃልዖ ዘይምብቃዕና እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከቢድ እገዳ ናይ ምውሳንን ብዝፈጸሞ ገበን ናይ ምኽሳስን ምልክታት ይቀላቐል ኣሎ። ስለዚ “ገበናት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይዝንጋዕ” ናይ ምዝኽኻርን ምምሕጻንን እቲ ቀንዲ ህግደፍ ክቕጸዓሉ ዝግባእ ጠንቂ ኮይኑ ንኽቐርብን ክንሰርሓሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ሓይልታት ለውጢ ዕማም እዩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ 2022 ናይ ሰብኣዊ መሰል ጸብጻብ ምውጻኡ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ትግራይ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ገበን ኣንጻር ማሕበረሰብ ከም ዝፈጸሙ ኣፍሊጣ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ውግእ ኩሎም ወገናት “ገበን ውግእ” ምፍጻሞም ከም ዝርድኡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ምግላጾም ኤ ኤፍ ፒ ሓቢራ።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሚሪካ ብሊንከን ነዚ ክገልጹ እንከለዉ፡ እቲ ተግባራት ብዘይፍላጥ ዝተፈጸም ተራ ተግባር ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ተሓሲብሉ ዝተፈጸመ ገበናት ምዃኑ ምጥቃሶም ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብሊንከን ኣተሓሒዞም ድሕሪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣሜሪካ ምላሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ”ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ዕጡቓት ኣምሓራን” ብዝብል ዘርዚሮም፡ ኣብቲ ግዜ ውግእ ኩሎም “ገበን ውግእ” ከም ዝፈጸሙ ድሕሪ ብጥንቃስ፡ ነቲ ገበናዊ ፍጻመ ብምምዛንን ምስ ሕግታት ብምግንዛብን ገበን ከም እተፈጸመ ተረዲአ ኣለኹ ኢሎም።
ብሊንከን ዝያዳ ንምብራህ ብዝብል፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን፡ ብዝያዳ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ መልክዕ ጥሕሰታትን ከም ዝፈጸሙ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ፡ ዕጡቓት ኣምሓራ ብፍሉይ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ገበን ምምዝባልን ግዱድ ምስጓጉን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ምፍጻሞም ዘርዚሮም።
ነቲ ኩነታት ኣብዚ እዋንዚ ምግላጹ ኣድላይን ኣገዳስን ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ መገሸኦም ናብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ቀጻሊ ሰላም ንክህሉ ነቲ ዝተፈጸመ ገበናት ኣፍልጦ ምሃቡ ኣገዳሲ ብዛዕባ ምዃኑ ከም ዝተመያየጥሉ ሓቢሮም።
The Hemeti – Isaias alliance: dangerous for Sudan, dangerous for Eritrea
Written by Martin Plaut
|
ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ነቲ ዘየዐወተና መንገዲ እንተዘይኣዐሪናዮ ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 19.03.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ቀዳም 18 መጋቢት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ብዙሓት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቀንዲ ዋኒኑ ኣብ ሓምለ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝካየድ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ከመይ ዕዉት ይኸውን ዝብል ኮይኑ ብዝርዝር ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፡
1) ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ዘድልዮ ባጀት ከመይ ነዳሉ
2) ብናይ ሰነድ ሽማግለ ድሮ ተነዲፎም ናብ ምሉኣት ኣባላት ተዘርጊሖም ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ዞባና ከመይ ይመያየጠሉን የሀብትሞን
3) ኣብ ሓጻዪት ሽማግለ ዝለኣኸቶ መምርሒታት ክህልዉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምርኣይ
4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ምርኣይ
5) ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ጉባኤ ንድልውነትና ክመዝን ዝተዳለወ ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ከመይ ንዳለወሉ ዝብሉ ኔሮም።
ኣባላት ሰልፊ ኣብ ነፍስወከፍ ኣጀንዳ ብዕምቆት ብሱል ዘተ ኣካይዶም።
1) ዕዉት ጉባኤ ክነካይድ እኹል ባጀት ክህሉ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ወሳኒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሮ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ወፈያ ብዘደንቕ ልግሲ ቀጺሉ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአን ዝቕጽል ዘሎን ወፋያታት ካብ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑን ነብሶም ዝኸኣሉ ደቅናን ተደናገጽቲ ሰልፍናን ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ሞራል ኩሉ ኣባል ሓፍ ዘበለ ኔሩ።
2) ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ፡ ኣብ ጉባኤ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክንመያየጠሎም እኹል ግዜ ስለዘይህሉ ነፍስወከፍ ጨንፈር ተመያይጦም ኣብ’ቲ ንድፊታት ዝህልዎም ርእይቶታት ናብ ናይ ሰነድ ሽማግለ ዝሰድሉ ቅጥዒን መምርሒን ተገሊጹ። እዚ መስርሕ’ዚ ድሮ ጀሚሩ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።
3) መስርሕ ሕጸ በጺሑዎ ዘሎ መድረኽ ብኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ተገሊጹ። ኣብ ዝተላእኸ መምርሒ ዝነበረ ሕቶታት ተመሊሱ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ጉባኤ ክሰላሰል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ በሪሁ።
4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ብቅዋም መሰረት ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ብዝርዝር ተራእዩ። ዝቐረቡ ሕቶታት ተመሊሶም። እዚ መስርሕ’ዚ እውን ድሮ ተጀሚሩ ዝትግበር ዘሎ እዩ።
5) ዕለታትን ሰዓታትን ናይ ቅድሚ ጉባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰሚናራት ተሓቢሩ። ኩሎም ኣባላት ብዝተኻእለ መጠን ክሳተፍዎን ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣዳልዮም ክመጹን ለበዋ ተዋሂቡ።
መላእ ኣባላት ዝዓግብሉን ሞራልን ንያትን ሓፍ ዘበለ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎ ኮይኑ ተዛዚሙ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
19 መጋቢት 2023
More...
ባህግና 123፣ 3ይ ክፋል ቃለ መሕተት ምስ ተጋዳላይ መንግስተኣብ ኣስመሮም
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኤርትራውያን እቲ ምእንቲ ናጻነት ዝገበርናዮ ነዊሕን መሪርን ናይ ቃልሲ ጉዕዞ፡ ንካልኦት በሃግቲ ናጽነት እውን፡ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል ደረጃ ኣዕዊትናዮ ኢና። ብዝሒ ህዝብና፡ ብቕዓት ዕጥቅና፡ ንዋታዊ ትሕዝቶናን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትናን ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተዓዘቡ እሞ ናይ ምዕዋትና ምስጢር እንታይ ምንባሩ ዘገረሞም ብዙሓት እዮም። ንሕና ዋናታቱ ከም እንርደኦ ግና፡ እቲ ሓቀኛ ናይ ምዕዋትና ምስጢር ብመሰረቱ ሕቶና ፍትሓዊ ምንባሩ ክኸውን እንከሎ፡ ዝሓዝናዮ ናይ ቃልሲ መንገዲ ቅኑዕ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ከኣ ክቡር ምንባሩ እውን፡ ንምዕዋትና እጃም ነይርዎ እዩ።
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረና ሓያል ግጥም ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሽጣዊ ጸገማትን ሓጐጽገጽን እውን ነይሩና እዩ። እቶም ውሽጣዊ ጸገማትና ንመሰረታዊ ዕላማናኳ እንተዘይኮለፍዎ፡ ኣብ ምድንጓይ ዓወትና ግና ግደ ኣይነበሮምን ማለት ኣይኮነን። ጸላእትና እውን ኣይተዓወቱን እምበር፡ ነዚ ድኹም ጐድንና ንምስፋሕን ቃልስና ንምምካንን ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም እዮም። እቲ ተጣዒስካ ክምለስ ዘይክእልን ኣብ ታሪኽና ጸሊም በሰላ ገዲፉ ዝሓለፈን፡ በብግዜኡ ዘጋጠመና “ውግእ ሕድሕድ” ንኣብነት ዝጥቀስን መንእሰይ ወለዶ ክመሃረሉ ዝግበኦን እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ካለኣይ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ኣውንታዊ ውርሻ ዘይዝንግዕ፡ ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ምውሓስ ሰላም፡ ምትካል ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ህዝቢ ዝማእከሉ ዕቤት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ምህናጽን እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዘይፍለ ፍትሓውን ተዓዋትን እውን እዩ። ምኽንያቱ መሰረቱን ዋንኡን ህዝቢ ስለ ዝኾነ። ናብቲ መሰረታዊ ሸቶ ብምብጻሕ ዓወት ንምቅልጣፍ እምበኣር፡ “ነቲ ዘደናጐየና መንገዲ እንተዘይኣዕሪናዮ!” ውሕስነት የብልናን።
ካብቶም ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ ብጥንቃቐ ክንሕዞ ዝግበና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ንምጥጣሕ እንገብሮ ዘለና ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ። ምኽንያቱ ቅድም ኮነ ሎሚ ሓደ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር በይኑ ከዕውቶ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት፡ ንሓቢርካ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብሉ። ሓቢርካ ምቅላስ ህግደፍ ንምስዓር ቀንዲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ፡ ብክለሳ ሓሳብ ደረጃ ኣብ ምርድዳእ ካብ እንበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ መሰረታዊ ተረደኦ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣኽቢሮም ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ዝተራእየ እዩ። ነቲ ክለሰ ሓሳባዊ ግንዛበና ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘካየድናዮምን ጌና ኣብ መስርሕ ዘለዉን ፈተነታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ካብቶም ፈተነታት፡ ዘዕግብ ውጽኢት ኣየመዝገብናን። ምኽንያቱ እቲ ናብቲ ንደልዮ መስርሕ ምውሓስ ሓባርዊ ምቅላስ ክንከደሉ ዝጸናሕና መንገዲ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ። ሕጽረትና እዚ ካብ ኮነ፡ ኣብ ቅድሜና ካብቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ዝተፈልየ ኣገባብ ሃሰስ ክንብልን ዝያዳ ሓላፍነትን ምጽውዋርን ከነጥርን ኣብቲ መስርሕ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ኣለሊና ከነዕርን ዘይስገር ኮይኑ ኣሎ። በቲ ዘለናዮ ዘይሰርሐ ስምዒታት እንተቐጺልና ግና ውጽኢቱ እቲ ከጋጥማና ዝጸንሐ ዘይምዕዋት እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ካብ ተመሳሳሊ ዘርኢ ተመሳሳሊ እቶት ክትሓፍስ ግድን ስለ ዝኸውን። በየናይ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ሓድነትና ኣንጻር ህግደፍ እንዕወተሉ ፍቱን መሳርሒና ካብ ኮነ፡ ህግደፍ ካብ ስዕረት ንምድሓን ኣንጻር ሕድነትና ኩሉ ዝከኣሎ ኣእማን ካብ ምድርባይ ዓዲ ከምዘይውዕል እውን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብቲ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ንምፍጣር እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ድኽመታትና ከርኣየሎም ካብ ዝጸንሑ ዛዕባታት፡ ቀዳምነታት ቃልስኻ ዘይምንጻርን ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማትካ ምድውዋስን፡ ፍልልያትካ እተመሓድረሉ ዝተጸንዐ ቀጥዒ ዘይምቕያስን ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ንምትካል ዘኽእል ምትእምማን ዘይምጥራይ ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ከም ፖለቲካዊ ውዳበታት ሓላፍነት ወሲድካ ክትውግኖም ዝግበኣካን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ክውሰኑ ዝግበኦምን ከተነጽር ዘይምብቃዕ እውን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ሕሉፍ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጸቢብ ዓንኬሉን ከይትቃለስ ዝዕንቅጽ እዩ። እቲ ሓቢርካ ንምቅላስ በብግዜኡ ዝእመም፡ መጻኢ “ብኸመይን ብመንን ይመራሕ” ዝብል ምጽብጻብ ከኣ ከምቲ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝባሃል፡ ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ሕዱር ሕማም እዩ።
ስለዚ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት፡ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ መዚና ዝተጸንዐ፡ ሓዳግ፡ ሓላፍነታውን ኣራምን ስጉምቲ ክንወስድ እንተዘይበቒዕና ኣብቲ እንብህጎ ዘተኣማምን ናይ ሓባር መኣዲ ቃልሲ ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ “ዋላኳ ርሑቕ እንተተጐዓዝካ እቲ ዝሓዝካዮ መንገዲ ግጉይ እንተኾይኑ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ኣርሞ።” ዝበሃል፡ ናብቲ ንቡር ተመሊስና ሃጓፍና ክንመልእ ክንግደድ ኢና።
ብፍላይ ኣብዚ ብሓፈሻ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ዞባና ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክትወልድ ትጸዓረሉ ዘላ ተሃዋሲ እዋን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን፡ ብሓባር ዘቃልሰና ጽላል ክንፈጥር እንተዘይበቒዕና፡ በበይንና ኣይኮነንዶ ክንዕወት ክንህሉ’ውን ከጸግመና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ናይዚ እዋንዚ ቃልስና ናይ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝኸውን።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገሽሉን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 52 ጉባአኡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዞባና ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ኣብ ዝሓዘሉን ቅነ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ መራሕቲ ሱዳንን ሶማልያን ድማ ናብ ኤርትራ ምጉያዮም ቅልውላው ከባቢና ደድሕሪ ኩነታት ዩክረይንን ሩሲያን ተሰሪዑ ኣብየናይ ደረጃ ቅልውላው በጺሑ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተግብሩ ይጽዕሩ ኣብ ዘለዉ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ጉጅለ ኢሳያስን ድማ ብድሕሪ መጋረጃ ዘርእይዎ ዘለዉ ምዕልባጥን ኢድ ኣእታውነትን ናባና እውን፡ ኣሰላልፋና ከነዕሪ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ።