ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ፡ ኮኾብ ኣፍሪቃ 2023 ኮይኑ

2023-12-29 20:37:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 476 times

ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ሄኖክ ምሉብርሃን ኮኸብ ኣፍሪቃ 2023 ከም ዝኾነ ናይቲ መደብ ኣዳለውቲ ብምጥቃስ፡ ዓለም ለኻዊ ዜና ብስክሊት/world cycling news ኣፍሊጣ። ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ሞሮካዊ ኣሸሪፍን ድማ ንሄኖክ ተኸቲሎም 2ይን 3ይን ኮይኖም። በቲ ካልእ ወገን ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ቢንያም ግርማይ፡ ኣማኑኤል ገረዝግሄርን ናትናኤል ተስፋጼንን ኣርባዕቲኦም ካብቶም ቀዳሞት 10 ምሩጻት ኣፍሪቅዋያን ዕዉታት ምዃኖም እቲ ዜና ስፖርት ፍሊጡ።

ሄኖክ ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ካብቶም 5 ቀዳሞት ክኸውን ጸኒሐ፡ ነዛ ናይ ሎሚ ክረኽባ ከኣ ይብህግ ነይረ፡ ረኺበያ ድማ” ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ “ክለብ ኣስታና  ዙር ዓለም/Astana World Tour Club” ዝተጸንበረ ሄኖክ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፒዮን ጋና፡ ዙር ሩዋንዳን ዙር ቻይና ቀላይ ኩጋሂን ከም ዝተሳተፈ’ውን ተገሊጹ። 

ኣብ ቶም ዝሓለፉ12 ዓመታዊ ውድድራት ኣፍሪቃ፡ 8 ዓመት ኤርትራውያን ብደረጃ ኣዋርድ ምሩጻት ተወዳደርቲ ኮይኖም ከም ዝተዓወቱ ከኣ ተሓቢሩ። እቲ ብደረጃ ምሩጻት ኣፍሪቃይውያን ዝተኻየደ ውድድር ብትሮፒኣል ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ዓወታት ዝተዓወቱ ኤርትራውያን፡ ናትናኤል ብርሃነ ብ2012፡ መኽሰብ ደበሳይ ብ2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ብ2015፡ ተስፎም ዑቕባይ ብ2016፡ ቢኒያም ግርማይ ድማ ንሰለስተ ንተኸታተልቲ ዓመታት ዝተዓወቱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ መንግስቲ ህግደፍ  ተጻወታ ንውድዳር ናብ ወጻኢ ምስ ከዱ ኣብኡ ከይተርፉ ብዝብል ተንኮል ብዝፈጠሮ ምስምስ  ናብ  ሻፒዮን  ዓለም 2026  ዘብጽሕ ምጽራይ ከይጀመረት ከም ዝተኸልክለት ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Friday, 29 December 2023 21:42