ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ወጽዓን ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓን እዩ። ህዝብና ኣብ ታሪኹ፡ ዓቕሚ፡ ውደባን ንቕሓትን እንተዘይሓጺርዎ፡ ንናይ ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቱ ወጽዓን ባርነትን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝረዓመሉ ተመኩሮ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ቃልሱ ከም ዝምስከሮ፡ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢልካ ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ’ኳ ዓቕሙ ምስ ናይቶም ወጻዕቱን መሻርኽቶምን ዘይመጣጠን እንተነበረ፡ ኣንጻር ወጽዓ ተቓሊሱን ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉን ወጽዓን ባርነትን ዝሰዓረ ሕቡን ህዝቢ እዩ።

ሎሚ እውን “ብኣይ፡ መሰለይ ዘረጋግጸለይ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ቃልሰይ ቀጻሊ እዩ” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ዝቃለስ ዘሎ ምዑት ህዝቢ እምበር፡ ንወጽዓን ባርነትን “ኣሜን” ኢሉ ዝቕበል ህዝቢ ከም ዘይኮነ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ተዓዘብቲ፡ እንተላይ ጉጅለ ህግዲፍ ዝፈልጥዎ ንድሕሪት ዘይምለስ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሰጊኡ ሰማይ ደጊፉ ዝሓድር ዘሎ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ መንጠቢኡ ጠፊእዎን ኣብቲ ንቡር ቤት-መንግስቲ ምስፋር ስኢኑን፡ ከም ሓራስ ድሙ ባጽዕ፡ ዓዲ ሃሎን ዳህላክን ሎሚ ድማ ኣብ እምባ ገደም ምስዋር ከኣ ናይ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ነቲ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ዘካይዶ ዘሎ  መሪር ቃልሲ ጓስዮም ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝረዓመ ገይሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ኣካላት ክትዕዘብ እንከለኻ ዘገርም እዩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ረዘነ ሃብተ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ደም የተከፈለበት ባርነት/ ደም ዝተኸፍሎ ባርነት” ዘርእስታ 206 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ደሪሱ ኣሎ። ኣብታ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽስን ንኤርትራዊ ሃገርነት ዘይቅበልን ተጠዓሲ ትሕዝቶን ነታ መጽሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ምጽሓፉን፡ ነብሱ ዝኸኣለ ካብ ሓደ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮ፡ ኣገራሚ ጉዳይ እዩ።  ንህልዊ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዝምልከት ኣብዛ መጽሓፉ ዘስፈሮ ከኣ ኣዝዩ የገርም። ኣብዛ መጽሓፉ ብፍላይ ኣብ ገጻት 109ን 110ን ብዘይሕፍረት “እንደ የኤርትራ ህዝብ፡ በተለይ ትግርኛ ተናጋሪው፡ በራሱ ነጻ ፍላጎትና ምርጫ፡ በባርነት ለመኖር የወሰነ ህዝብ በሌላ ዓለም ይኖራል ብየ መገመት ኣልችልም፡……. እርስበእርሱ እየተጋጨ የሚኖርና ባርነትን በፈቃዱ የተቀበለ፡ ህዝብ መሆኑን ግን እኔም ብሆን ልደብቀው ያልቻልኩ ያፈጠጠ ሃቅ ነው/ ከም ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ፡ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ይህሉ ኢለ ክግመት ኣይክእልን፡…… ኣብ ሕድሕዱ እንዳተጋጨወ ዝነብርን ባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለን ህዝቢ ምዃኑ ግና ኣነ እውን ክሓብኦ ዘይከኣልኩ ዓይኑ ዘፍጠጠ  ሓቂ እዩ”  ብዝብል መስደመም ሕጫጨ ኣስፊሩ ኣሎ።

ጨቋኒ እንተልዩ ተጨቋኒ ኣሎ። ከምቲ እቲ ጨቋኒ ዕድመ ጭቆናኡ ከናውሕ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ኣእማን ዝፍንቅል እቲ ተጨቋኒ ከኣ ኣርዑት ጭቆና ክሰብር ምቅላሱ ውሁብ እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ከኣ ጭቆና እዩ። ብፍላይ እቲ ምረት ጭቆናን ክብደት ባርነትን ዝፈልጥን ኣንጻር ጭቆና ተቓሊስካ ከም እትዕወት ብተግባር ዘርኣየን ህዝቢ ኤርትራ “ንባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለ” ክበሃል መስመሩ ዝሰሓተ ኣመዛዝና እዩ። ገለ ውሑዳት ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሶም እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ግዝያዊ ረብሓታት ተሳዒሮም ንህግዲፍ ዝንእዱን “ኣንታ ንበረልና” ዝብሉን፡ ቅድሚ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድሙ ኤርትራውያን ይህልዉ። እዚኣቶም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክሉ “ካብ ስርናይ ክርዳድ” እዮም።  ኣብዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን፡ ብናይ ቃልሲ ቋንቋ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተረዳድኣሉ ሃለዋት፡ ህግዲፍ ባዕሉ እውን “ህዝቢ ኤርትራ ሕንጐፋይ ኢሉ እዩ ዝግዘኣለይ ዘሎ” ዝብል፡ ካብ ኣፉ ከወጽእ ኣይክእልን እዩ። ናይቶም ኣሸሓት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውን መንእሰያት ውሳነ እውን ህዝቢ ኤርትራ “ሕራይ ንወጽዓን ባርነትን” ከም ዘይበለ ካብ ዘመላኽቱ ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ እዚ ኩሉ እንዳበደሎ ንህግዲፍ ተዓጊስዎ?” ዝብል ሕቶ ዝኾነ ሓላፍ መንገዲ ዘልዕሎ ዘሎ እዩ። ከም ናይዚ ሕቶዚ  መልሲ “ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ ስለ ዝኾነ እዩ” ኢሉ ዝቐበል ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ዘይኤርትራዊ እውን ክርከብ ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ቀልጢፍካ ዘይምዕዋት፡ ካልእ ምኽንያታት ይቐርብ ይኸውን። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ህግዲፍዶ ይቃለስ የለን እዩ። እቲ ናይ ቃልስን ዓወትን ድምጺ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ምናልባት  ምስቲ  ኣብ ወጻኢ ዘሎ በሪኽ ድምጺ ቃልሲ ኣወዳዲርካ፡ ክንድቲ ዝድለ ኣይስማዕን ይኸውን። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብኹሉ ኩርነዓት ዝቃላሕ ዘሎን ንህግዲፍ ፈጥፈጥ ዘብሎ ዘሎን ድምጺ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ድምጺ ኣይኮነን ማለት ድዩ።

ኤርትራ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ቦታ ዘለዋ፡ ብቀይሕ ባሕሪ፡ ብኢትዮጵያ፡ ብሱዳንን ብጅቡትን እትዳወብ ኣስታት 125 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓታ ዝተፈላለዩ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ፡ ርቡሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ህርኩት ህዝብን እትውንን ልኡላዊ ሃገር እያ። እዚ ተበሃጊ ኣቀማምጠኣን ስፍሓታን ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ መወዳእታ ካለኣይ ውግእ ዓለም፡ ነቲ ኤውሮጳዊ ሓይልታት ንኣገዛዝኦም ክጥዕሞም ዝተኸተልዎ ኣካልላ ኣድሚቓ ዝወነነቶ እዩ። ከከም ቀዳምነት ብኤውሮጳዊ ሓይልታት  ተወሪረን ዝተታሕዘኦ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጺ ሒዘን፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ዝተፈላለየ እዩ። ንኣብነት ኤርትራ ኣስታት 50 ዓመታት ነዚ ክሳብ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጻ ሒዛ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሓ።  ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኤርትራ 45 ዓመታት ድሒራ እያ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሒዛ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ን5 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ዝተመሓደረት። ብመዕቀኒ፡ ናይ “መን ኣቐዲማ ነዚ ሕጂ ሒዛቶ ዘላ ቅርጺ ሃገርነት ሒዛ”፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ብ45 ዓመታት ከም እትዓብያ፡ ዘመናዊ ታሪኽ የረደኣና።

ኤርትራዊ ሃገራውነት፡ ብርዱእ ምኽንያት ድሕሪ ስዕረት ኤውሮጳዊ ወራር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብኡንብኡ ክረጋገጽ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ሸፈጥን ውዲትን ምኽንያታት ኣይተተግበረን። ካብቶም ነቲ መስርሕ ዝሓላለኽዎ ምኽንያታት፡ ናይ ሽዑ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ናይ ግዳም ናይ ረብሓኻ መሻርኽቶምን፡ ታሪኽዊ ተቐባልነቱ ዝሓለፈ ኣረጊት ተረኽቦታት መዝሚዞም፡  ነቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጽደቐኦን ክሳብ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋን ልኡላዊ ዶባት ክቕበልዎ ቅሩባት ኣይነበሩን። ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ጆን ኤፍ ዱለስ “እስትራተጅያዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ዓለም ሰላምን ዘውሕስ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራ ምስታ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትቁረን ኣድላይ እዩ” ዝበሎ  ምዝካሩ ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ነቲ ቅደመ-ምምጻእ ኤውሮጳውያውን ወረርቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝነበረን ደሓር ብኻልእ ውሳነ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተተከአን ዶባዊ ስምምዕ ንቕድሚት ኣምጺኦም ምክርኻሮም ከም ናይ እምቢታኦም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ነዚ ርትዓዊ ዘይኮነ ውዲት ብምእላም፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ንዘይምቕባል ብዙሕ ብናይ ግዳም እስትራተጅያዊ ተረባሕቲ ዝተመረዘ ውዲታት ተማሂዙ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብ ምክፍፋሉን ሕድሕድ ምትፍናኑን ዝዓለመ ናይ ሽዑ ውዲት ንምብዳህ፡ ቅድም ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ሓያል ቃልሲ ኣካይዱ። በዚ ኣገባብ ኤርትራዊ ሃገርነት ምድሓን ከምዘይተኽእለ ምስ ተረደአ ከኣ፡ መሪጽዎ ዘይኮነስ ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣነ ተገዲዱ መሪር ጐነጻዊ ቃልሲ ኣካይዱን ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉን ዋና ልኡላዊት ሃገሩ ክኸውን በቒዑ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቲ ኣብ ኤርትራና፡  ብሰንኪ ህዝቢ ዘየማእክልን ዘየሳተፍን ገስረጥ ምምሕዳር ህግዲፍ ዝረአ ዘሎ  ግዝያዊ ድኽነትን ምንቁልቋልን ብምምዝማዝ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝደናደን ረቂቕ ወስታታት ንዕዘብ ኣለና። እዚ ውሰታታት፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ካብ ምንእኣስን ምክፋእን ሓሊፉ፡ ካብቲ ሓድነት ዝመለለይኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ዝነብሩ ቆንጢርካ ናብ ጐረቤት ሃገራት ወሲድካ ብጸቢብ ረብሓታት ናይ ምውጋይ ትንዕምንዕ ንዕዘብ  ኣለና። ነዚ ንምትግባር ከኣ ዝተፈላለዩ ክትሰምዖም መዓር ዝጥዕሙ፡ ግና ሓድነት ህዝቢ ብምፍራስ ዝተቓመሙ ስብከታት ንሰምዕ ኣለና። እዞም ሰበኽቲ ብመልክዕ ብዙሓት ኮይኖም፡  ስብከታቶም ግና ኣብ መወዳእታ  ንሃገራውነት ኤርትራ ኣህሲሱ ንህዝባ ከም ስጋ ጉዚ ናብ ዝበታትን መርዛም ፈለግ ዝፈስስ እዩ። ከምቲ “ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ይደገም” ዝበሃል፡ እዚ ወስታዚ ነዊሕ ናብ  ግዳም ገጹ ዘስፋሕፍሕ ሱር ሰዲዱ ከም ዝኸውን ምጥርጣርን ተቓሊስካ ንምዕጻፉን ድልዊ ምዃን ኣገዳሲ እዩ።

እዞም በቲ ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑስ ዝተሳዕረ፡ ተመኩሮ ኣብ ክንዲ ዝመሃሩ፡ ሎሚ እውን ኣንጻር ኤርትራዊ  ሃገርነትን ሓድነት ህዝባን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉን ንዝተወሰነ ከፋል ኤርትራ ቆሪስና እንተዘይወሰድና ኢሎም ዝደናደኑ ዘለዉን ኣካላት “መርተዖና” ኢሎም ዘቕርብዎም ስንኩፋት ምኽንያታት ኣለዉዎም። ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ተመሳሳሊ፡ ቋንቋ፡ ባህልን ቅድመ ታሪኽን ዘለዎም  ወገናት ስለ ዘለዉ ይብሉ። ካብዚ ሓሊፎም ነቲ ቅድሚ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡን  ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ሕጂ ሒዘነኦ ዘለዋ ቅርጽታት ምሓዘንን ዝነበረ ቅድመ-ታሪኽ ንቕድሚት ምምጻእ እውን “መርተዖና” ካብ ዝብልዎ እዩ። ኮታ ተመሳሳሊ ቋንቋ እንዳሃለወካ ኣብ ዝተፈላለያ ልኡላዊ ሃገራት ምስፋር ኣባና ከም ዝተጀመረ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ።

እዞም ኣግኣዝያንዶ እንታይዶ ዝብሉ ኣካላት፡ ብዛዕባ ሃገርነት ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ዘርባዕባዕ ክብሉ እንከለዉ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ከም ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ዝዛረቡን ተመሳሳሊ ባህሊ ዘዘውትሩን ህዝብታት ከም ዘለዉኸ ይፈልጡ ድዮም? ቋንቋታት ኦሮሞኛ፡ ዓፋር፡ ንዉየርን ካለኦትን ናይዚ ኣብነት እዮም። ካብዚ ብዘይተፍለየ እቲ መምዘኒኦም፡ ኤርትራ ብዘበን እኒእኒ ኣካል ኢትዮጵያ ነይራ ዝብሉን ወለዶታት ዝጽብጽቡን ካብ ኮኑ፡ ናይ ቀደም ግዝኣት ኢትዮጵያ ደኣ ክሳብ የመንን ካለኦት ሃገራት ኣዕራብን ዝዝርጋሕ ነይሩ እንድዩ ዝበሃል። ዶስ ከምቲ “በትሪ ሃበኒ’ሞ ዘሕምቖ ኣለኒ” ዝበሃል፡ ንኤርትራ ብቲ ግዚያዊ ጸገማ ደንዲነሙዋ እዮም ምዩቕዩቕ ዝብሉ ዘለዉ። እቲ “ንኤርትራ ዝተንከፈ ወይልኡ” ዝብል ኒሕ  ቦታኡ ከምዘይለቐቐኸ ዘንጊዐሞ ኣለዉ ማለት ድዩ?

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ድሕሪ ኤርትራ ብቃልሲ ህዝባ ናጻ ምስ ወጸት፡ ብድምጺ ህዝባ ልኡላዊ ግርማ ምስ ለበሰት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲኽካ ኩለን ሃገራት ዓለምና፡ ሉኣላዊ ሃገርነታ ምቕባለንን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኮይና ምስተመዝግበት፡ ከምዚ ዓይነት ጠላም  ኣተሓሳስባ እሞ ድማ ብኤርትራውያን ምንቃሉ፡ ክንደናይኳ ከይዕወት ግና ኣዝዩ ዘተዓዛዝብን ጽባሕ ዘጸባጽብን ሃቐነ እዩ። ተፈትወ ተጸልአ ሎሚ ኤርትራ፡ ብቋንቋዊ፡ ባህላውን፡ ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዝወቀበ ሓደ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብዚ ውሁድ ህዝቢ ቆንጢርካ ንሓንሳብ ናብ ደቡብ ንሓንሳብ ድማ ናብ ምዕራብ ክትምጡ ምሽራኽ ከኣ፡ ካብ ምስ እምኒ ዓረ ምርጻም ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እዞም ኣብ ዘይሰልጦም ግና ዘተዓዛዝብ ዕዳጋ ወሪዶም ዘለዉ ኣካላት “ንህግዲፍ ንቃወሞ ኢና“ ክብሉ ይስምዑ እዮም። ማእከል ናይቲ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን በደል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈቐዶን ዘይፈልጦን መንገዲ ምጉዓዙ እዩ። እዚ ካብ ኮነ፡ እዞም ንዛረበሎም ዘለና፡ ህዝብና ሓድነቱ ኣጽኒዑ ብቕምጡ  ካብኡ ቆንጢሮም ክወስዱ ዝፍትኑ ወገናት ካብ ህግድፍ ዝኸፍኡ ካብ ምዃን ሓሊፎም ናበይ ክሃድሙ ይኽእሉ። ኤርትራዊ ልኡላውነት ግና ብዘይ ፈቓድ ህዝባ፡  ግዝያዊ ጸገማታ መዝሚዝካ ዝሃስስ ዘይኮነ፡ ንዘልኣለም ነባሪ’ዩ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቀጻሊ ተወሃሂድካ ምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ብዕምቝት እናተራዳድኡ ይኸዱ ምህላዎም ክንሕብር ደስ ይብለና። ብዛዕባ ንዓለምና ለቢዱ ዘሎ ሕማም ኣመልኪትና ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺእና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዝተፈላለዩ ነዚ ጉዳያት እዚ ኣልዒሎም ዝተፈላለየ ናይ ባንኪ ሕሳባት/ኣካውንታት ከፊቶም ዘለዉ ሲቪካዊ ማሕበራት ብቐረባ ድሕሪ ምዝታይ ከኣ ወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ናይ ምያዝያ 14, 2020 ኣብ ዝገበርናዮ ስሩዕ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና ኣሎና።

  1. ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ በይነን ማሕበርን ኣካውንትን ከፊተን ምጕስጓስ ተደራራቢ ስራሕን፣ ኣህላኽን እውን ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኩሉ እንልግሶ ሓገዛት ኣብቲ ኣቐዲሙ ተኸፊቱ ዘሎ ሕሳባት ሲቪካዊ ማሕበራትን ናይ ረድኢት ትካላትን ክወሃብ፣
  1. እቲ ብሲቪካዊ ማሕበራት ነቒሉ ዘሎ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ከኣ ዋላ’ኳ ንግዚኡ በብዘለውዎ ሒሳባት ባንክ ከፊቶም ይቐጽል እምበር፣ ኣብ መጨረሽታ ግን ኩሉ ዝተኣከበ ገንዘብ ብሓባር ክምእከል ኣብ ምክፍፋል ናይቲ ውጽኢት ኣድማዒ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል፣
  1. ኣብቲ እዘን ናይ ኮቪድ ፕሮጀክትታት ከፊተን ዝሰርሓ ዘለዋ ማሕበራት ኣብ ዝገብርኦ ናይ ሓባር ምምኽኻር ካባና ዝድለ ኣስተዋጽኦ እንተልዩ እውን ብንዕኡ እትነጥፍ መዚዝናያ ዘሎና ሽማግለ ኣቢልና ክንገብሮ ድሉዋት ምዃንና፤
  1. ኣብ ዝተኣከበ ሓገዛት ምክፍፋል ብዘርኢ ጉዳይ’ውን፣ ንውሽጢ ሃገርና ምስ ዝኸዉን ብነገራዊ/ዓይነታዊ ኮይኑ፣ ብቅድሚ ሕጂ ምስኩር ተራ ዘለዎም ኣህጉራዊ ወይ ሰብኣዊ ትካላት ኣቢሉ ክበጽሕ ዝኽእል ክኸውን ከም ዘለዎ፣
  1. እቲ ብምትእምማን ንህዝብና ክበጽሖም ይኽእል’ዩ እንብሎ ሓገዛት፣ ኣብ ደገ ማለት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ስደተኛታት ምዃኑን፣ ኣብ ኣተዓዳድልኡ ከኣ ዘይስሩዕ ብተናጸል ንውልቀ ማሕበራት ዘይኮነ ብሃገራትን፣ ኩለን እተን ዝሕግዛ ፍሉጣት ማሕበራት እውን ብመጽናዕቲ ኣለሊኻ ክኸውን፣

ርኢና ምህላውና ንኩሉ ህዝብናን፣ መሰረታት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ንፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላትን ከነፍልጥ እንኮለና፣ ነዞም ተበግሶ ወሲዶም ብንጥፈት ዝሰርሑ ዘለዉ ማሕበራትናን፣ ዜጋታትናን ከኣ ብምምስጋን ዕዉት ጎስጓስ ክኾነሎም ጽቡቕ ምንዮትና ንገልጽ።

ኣምላኽ ንህዝባናን ዓለምናን ካብ ለበዳ ኮረና ይሓልወና!

ዓወት ንወፍሪ ወፈያ ኮቪድ ፕሮጀክት፣

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ሚያዝያ 14, 2020

easter greetings 2020 Arabic

ብምኽንያት በዓል ፋሲካ (ትንሳኤ)፣ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ፣ ንኣመንቲ ክርስትና ኣብ ዓለም ድማ ብሓፈሻ፣ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈታሓልኩም ብምባል ርሑስ ብዓል ትንሳኤ ክኾነልና ባዊ ምንዮትና ንገልጽ። ዝመጽእ በዓልታትና፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ይኹን ዞናናን መላእ ዓለምን፣ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ዝሰፈነሉ ኩነታት ምስ እንፈትዎም ቤተ ሰብናን ፈተውትናን ክነብዕሎ ተስፋ ንገብር። ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ለበዳ ክሮና ንህዝብናን ኣህዛብ ዓለምን፣ ልዑል ፈጣሪ ክሕልወና ንልኖ።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ !!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

18ሚያዝያ 2020

ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ንነዊሕ ዓመታት ጥሒሎሞ ዘለዉ ሰልሚ  ብምውጻእ፡ ጌና እፎይ ኢሎም ዝቐስንሉ ግዜ ኣይረኸቡን። እምበርዶ ካብዚ ረገረግ’ዚ ወጺእና ንዝሓለፈ ኣልዒልና ካብ  ምስትንታን ንመጻኢ ኣማዕዲና ንፋቐረሉን ንሳነየሉን ዘበን ይመጽእ ይኸውን?  እናበሉ ለይቲ ምስ መዓልቲ እዮም ዝሓስቡ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ኳ እንተተላቐቐ፥ መወዳእትኡስ ናብ ዝገደደ ሓዊ ደኣ ተጠብሰ እምበር፥ ካብ መከራ፡ ሽግር፡ መስዋእቲ፡ ምፍንቓላት፡ ጭቆናን ግፍዕን ወጺኡ፥ ዝኣምነሉ ሕገ-መንግስትን ስርዓትን ጌና ኣይተኸለን። እነሆ ድማ ካብ ኣማኢት ዓመታት ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ሓቢሩ ሃገሩ ዝሃንጸሉ  ሰላማዊ ባይታ ገና ኣይፈጠረን።

ኣብ ሓንቲ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ስርዓት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ፡ ምስቲ ብዙሕነት ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ (ዓሌት) ቋንቋን ባህልን ተደማሚሩ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምውህሃድ ዝፈጥሮ ጸገማት ቀሊል ኣይኮነን። እዚ እቲ ከፋፊልካ ግዛእ፡ መግዛእታውን መላኽን ስርዓታት  ተወሲኽዎ ክሕከኽ ዘጸግም ምጥርጣራትን ዘይምውህሃድን ኣበሪኹ፥ ነቲ ከም ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዝኣሳስር ታሪኽ ከም ዘላሕልሖ ርዱእ እዩ።

ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራት ናይቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበረ ህዝቢ፥ ካብ መግዛእቲ ብዝወረሶ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝጽሎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ህዝቢ ካብቲ  መግዛእታዊ  ጽልዋ ወጺኡ፡ ሓባራውን ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምትን ኣተሓሳስባ ንኽውንን ብዙሕ ጻዕሪ የድሊ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ  ኣርዑት ተቘሪኑ ዝነበረ ህዝቢ፡ ክኢላ ይኹን ምሁር ወይ ዘይተማህረ፥ ካብ ናይ መን ዓብለለ ኣተሓሳስባ፥ናይ ሓይሊ ሚዛን  ንምዕኳዂ ዝግበር ወፍሪ ናጻ ኣይኮነን።  ስለዚ ሃሙን ቀልቡን፡ ብዝያዳ  ኣብ ብሄረይ፥ ቋንቋይ፥ ሃይማኖተይን ባህለይን  ልዕሊ ኩሉ ምስ ዝኸውን ኢዩ ድሌተይ ክማላእ ዝኽእል ኢሉ  እዩ ዝሓስብ።

በዚ መስረት ነቲ ብዝተፈላለየ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ዓሌትን ባህልን መንነታት ዝተሃንጸ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሽግራት፥ ሓባራዊ ምዃኑ ይዝንግዕ እሞ፥ ኣብ ምፍትሑ ዘለዎ ተኽእሎ ድሩት ይኸውን። ወዮ ደኣ ሓቂ ዘይንደሊ ኰይና  እምበር፡ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሎሚ ዘሳቕየናን  ዝፈናጭለናን ዘሎኮ ከምዚ ዓይነት ጸቢብ ስምዒት እዩ። ምኽንያቱ እቲ  ቁርቁስ ከይዱ ከይዱ ኣብ ናይ ስልጣን ሕቶ ስለዝኣቱ፥ ነዚ ስልጣን እዚ ንምሓዝ ድማ ኣብ ጐንኻ  ዝስለፍ ብዘይካ ወዲ ሃይማኖትካ፡ ዓሌትካ፡ ቋንቋኻን ባህኻን ካልእ ክህሉ ኣይኽእልን ካብ ዝብል ሕልና  ስለዘይውጽእ። እቲ ናይ መን ይዕብልል ሓሳብ ክቕልቀል ናይ ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ  በቲ ኣምር ናይ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ናይ ምቕባልን ምትእንጋድን ስለ ዘይቅየድ፡፡

ስለዚ ነቲ ናይ ብዙሕነት ሚዛን ብዘይሕሉ፥ ሓንቲ ካብተን ናይ ቋንቋ፥ ዓሌት፥ ሃይማኖት ወይ ባህሊ፡ ዓብላልነት ዝረጋገጽ ሃገራውነት ኣይዓኲኽን። ንሽግራት ኣብ ምእላይ ውን ኣየተኣማምንን።  ክምኡ እውን ንኹሉ ቁጠባዊ ጸጋታት  ሃገርን ናይ ስልጣን ሕቶን ምምቕራሕ፥  ናይ ብዙሕነት ክብርን ሓልዮትን ብዝጎድሎ ጉዕዞ፥ ንሽግራት ፈቲሕካ መን ይምራሕ ብዘየገድስ ናብ ዓወት  ንኽበጻሕ ዓቢ ቃልሲ ዝሓትት ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ናይ ነፍስኻ ምልዋጥ፡ ንናይ ኩሉ ዓሌታት፥ ሃይማኖታት፥ ቋንቋታትን፥ባህልታትን ብማዕረ ዝጥመተሉ ሕልና  እንተዘይማዕቢሉ፥ ካብ ዓብላልነት ናጻ ኮይኑ፥ ንኹሉ ብዘሳትፍን መሰል ኩሉ ዝሕሉን ክሓስብ ኣይበቅዕን እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ዘሸግረና ዘሎዶኾን ይኸውን።? ግደ ሓቂ ምዝራብ እቲ መልሱ ብርግጽ ንሱ እዩ። ካልእ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ኣብ ኤርትራ  ቋንቋታት፡ ትግረ፡ ትግርኛ፡ ዐረብኛ፥ ኩናማ፥ ናራ፥ብዳውየት(ሕዳረብ) ብሊን፥ ሳሆ፥ ደንከል (ዓፋር) ኣለዋ። ነዘን  ቋንቋታት፥ ሃይማኖታትን ዓሌታትን  ናይ ልዕልነት ርክብ ወይ ዝምድና እንተነጊሱ፥ ነቲ ጥሙር  ሃገራዊ ስምዒት ኣላሕሊሑ፥ ነዚ ንርእዮ ዘሎና ናይ በበይንኻ ጉዕዞ ዝፈጥር እዩ ክኸውን። ሎሚ፥  ናብ ልብና ተመሊስና ካብ ሕሉፍ ተመኩሮና ተማሂርና ክሳብ መዓስ ኢና እናተበታተና ክንነብር? ዝብል ሕቶ ክንምልስ ናይ ግድን እዩ። ሽግራትናን ስቅያትናን ሓደ ካብ ኮነ፥  ነቲ ንኹልና  ዘሕጉስ ግብሪኸ ሓደ ከይንኸውን እንታይ ይጋርደና።

ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ስም ብምቅይያር ጥራይ፡  ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊሰን ናብቲ ንኹልና ዘሕጉስ ክንበጽሓ ኣየኽእለናን እዩ።  እወ! ኩሉ አእጃሙ የበርክት ኣሎ። እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ እጃም ግና ክሳብ ሕጂ ነቲ እከይ ተግባራት ናይቲ  ስርዓት ኣብ  ምግላጽ እምበር፡ ኣብ ነፍስና ተመሊስና  ጉድለታትና ኣሪምና፥ ዝኸድናዮ ገምጊምና  እንተንተሓባበር፥ እቲ ናብ  ዓወት ዘብጽሕ ኣድማዒ እጃም መኻዕበትና። ንጽባሕ እንሃንጾ ምዕሩይ ናይ ስልጣን ዝምድና ዝህልዎ ቅርጻ፡ ሎሚ  ብናይ ነፍሲ ወከፍና ዓሌት፡ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ብዝውክል ሕሳባት እንተተጓዒዝና፥ ንዓብላልነት እምበር፡ ነቲ ኩልናኮ ማዕር  ኢና  ዝብል ከብጸሓና ኣይኽእልን እዩ። ነቲ ህዝብና ዝውጽዕ ዘሎ ስርዓት ድማ ካብ ናይ ምቅላዕ ተግባራት ሓሊፍና ንኹልና ዘዕውት ፍኖተ-ካርታ (መርሃ-ገበይ) ኣብ ምድህሳስ፥ ጽባሕ ውን እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዝወድቀሉ እቲ ሽግርና ኣብ ምፍታሕ እዚ ደምበ ተቓውሞ በዚ ሕጂ ዘለዎ እዩ ክኸውን።

ስለዚ ገና ንኹልና ገፋፊጡ ዝወስደና ውሒጅ ከይመጸ ከሎ፥  ደጊም ይኣክል፥ ንኹልና ብዘይ እፈላላይ ዘሳንን ዝዳንን ስርዓተ-ሕግን መንግስትን እንምስርተሉ ኣቕጣጫን ሓሳብን ክንሕዝ ይግባእ። ነዚ ኣቕጣጫዚ ንኽንሕዝ ድማ ብተናጸል በበይንኻ ጓይላ ምትካል  ዘይኮነ፥ ሰላም፡ ራህዋን ፍትሕን  ንምምጻእ፥ ሓቢርካን ተወሃሂድካን ኣብ ምስራሕ ዘሎና ሓቀኛ  ድሌትና ወዓል ሕደር ዘይብሉ ዝጭበጥ ተግባር ምርኣይ የድሊ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ምንቅስቓሳትን ማሕበራት ነናተን ሰነሓሳብን፥ ራኢን ጥራይ ኢየን ዝውክላ። ንሃገራዊ ረብሓ ይኹን ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብመንጽር መትከል ኣብዝሓ ሰልፍታት ዋላ ሓንቲ ዘረሓሕቐና የለን። ስለዚ ኩልና ደለይቲ  ለውጢ፡  ብምኽንያት መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሉ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታትን  ንነኣሽቱ ጉዳያትን ካብ ንተሃላለኽ፥  ግዜናን ጉልበትናን   ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ  ፍልልይ ብሃናጽን ንኹሉ  ዘሳንን ኣገባብ ንምፍታሕ ክነውዕሎ ይግባእ።

ጸገማትን ነቲ ጸገማት ክትምክት ብቐጻሊ ምቅላስን መናብርቲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም። ንግዝያዊ ጸገምን ጸልማትን በቲ ካብ ርሑቕ ዝረአ ብርሃን ተተባብዕካ፡ ተቓሊስካ ኣብ ዓወት ምብጻሕ ካብ መለለይታት ህዝቢ ኤርትራ እዮም። እዚ ብግዝያዊ ጸገማት ከይትኾለፍካ “እቲ ቃልሲ ይከኣል እዩ፡ እቲ ጸገም ከኣ ሓላፋይ እዩ” ዝብል ትብዓት ሰኒቕካ፡ ናይ ምቅላስን ምዕዋትን ኒሕ መለለይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኻለኦት እውን ዘዕጠቐን  ዘትበዕን ሓበን እዩ።

ህዝብና እንዳ ጠመየ ከም ጽጉብ፡ እንዳ ዓረቐ ከም ክዱን፡ እንዳሓመመ ከም ጥዑይ፡ እንዳ ጸመአ ከም ርዉይ፡ እንዳ ጐሃየ ከም ሕጉስ ኮይኑ፡ ቃልሲ እንተነውሐ እውን ከይሰልከየ፡ ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ብዝኾነ ጸገም ክምህ ዘይብልን ንድሕሪት ዘይጥምትን ምዃኑ፡ ብዙሓት ዘይኤርትርውያን እውን ንስለ ርትዕን ፍትሕን ዝመስከርዎ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ብዛዕባ ሓደ ኣብ ህዝቢ ዘጋጥም ጸገም፡ ንኣብነት ደርቅን ጥምየትን ክንሓስብ እንከልና “ወይለኦም ደኣ ካለኦት እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ጸገም ይኽእል እዩ” ኢና እንብሎ። እዚ ኣበሃህላዚ ስቕ ኢልካ ዝበሃል ዘይኮነ፡ ኣብ ወሳኒ ናይ ምጽማም እዋን፡ ዓላማኻ ኣሕሊፍካ ንዘይምሃብ፡ ኣብ ክንዲ ዕንጸይቲ ጣውላ ናውቲ ገዝኡ ኣንዲዱ ሕማቕ ዘበን ዝሰገረ ህዝቢ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ  ኢና።

እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጸገም ጥራይ ዝተፈጥረን ንጸገም ናተይ ኢሉ ዝረዓመን ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ ጸገም ሰጊርካ ኣብ ራህዋን ዓወትን ንምብጻሕ ክኸፈል ዝግበኦ መተካእታ ዘየብሉ ምዃኑ  ስለ ዝተረደኦ እዩ። ጸገም ክነውሕን ክደራረብን እንከሎን፡ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ዝኣመንካዮም ቃሎም ዓጺፎም ሕድሪ ክጠልሙ እንከለዉን’ውን፡ እቲ ምረት ክሳብ ክንደይ ከም ዝመርር ርዱእ እዩ። እቲ ምረት ንህዝብና ከምቲ ጠላማት ዝጽበይዎ ኣላሽ ዘብሎ ዘይኮነ መሊሱ እዩ ዘሕርኖ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣንጻር ኩሉ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሓሪኑ “እምቢ ንምልኪ” ዝብል ዘሎ። ጉጅለ ህግዲፍ ካብቲ ናይ ህዝብና መሰረታዊ ሕቶታት፡ ካብ ዘይትግበር መደንዘዚ ቃላት ሓሊፉ  ዋላ ሓንቲ  ክምልስ ዘይምኽኣሉ ስዕረቱ ዘርኢ እዩ።

እዋኑ ስለ ዝኾነ፡  ሎሚ’ውን ንነፍስሄር ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ከነልዕሎ፡ በቲ ከብድኻ ዝበልዕ ዜማኡ፡ “ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ ኣለዎ።” ከም ዝበሎ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ደም ከንበዖ ዝጸንሐ ህግደፋዊ ቫይረስ ከይኣኽሎ፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ኮቪድ-19 ዝተባህለ ኮሮናቫይረስ ዓለም ከደን ቅልጡፍ ኣጽናቲ ወራሪ መጺኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተደራቢ ስግኣት የንጸላሉ ኣሎ።  ከምቲ ዓቕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጸገም ብምጽዋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዘጋጥም ጸገም ክንድቲ ዝኸብዶ ይኽበድ፡ ክንድቲ ዝደራረቦ ይደራረብ፡ ተስፋ ብጸይምቑራጽ ስንኻ ነኺስካ ክሳብ ዓወት ምቅላሱ እውን መለለይኡ እዩ። በዚ ዝተመኮረ እንተዘይከውን፡ ኣፉ መሊኡ ዝዛረበሉን እግሩ መሊኡ ዝረግጸሉኳ እንተዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ሃገርነት ዘውሓሰ መስተንክር ኣይመሰረሐን።

ምናልባት ደኣ ብሳይነሳዊ ኣገላልጻ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ነቲ ብቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝላደየ ህዝቢ ኤርትራ መኸተ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ እምብዛ ኣይክሕደሶን እዩ። ህግዲፍን ኮርኖናን ሓደን ክልተን እዮም። ሓደ ዝገብሮም ኩሎም ጠንቂ ህልቀት ህዝቢ ምዃኖም ኮይኑ፡ ክልተ ዝገብሮም ከኣ መበቆሎም እቲ ሓደ ዘቤታዊ እቲ ካልእ ከኣ ዓለም ለኻዊ ምዃኖም እዩ። ኣብቲ ኣንጻር ህግዲፍ ዝግበር ቃልሲ ኩሉቲ ካልእ መመላእታ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “እቲ ቀንድን መሰረታውን ለውጢ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዘሎ” እንብል። ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ጽዕጹዕ መኸተ እውን ኣብ ኢዱ ዘየለዉ ዝጐድልዎ ዕጥቅታትኳ እንተለዉ፡ ወሳኒ ናይ ምክልኻል፡ ግደ ህዝቢ መተካእታ የብሉን። ካብቶም ኣብቲ መሰረታዊ ምክልኻል እቲ ቫይረስ ካብ ህዝቢ ዝድለዩ ጥንቃቐታት፡

  • በቲ ቫይረስ ምስ ዝተታሕዙ ሰባት ዘይምርኻብ
  • ኢድካ ብተደጋጋሚ ን20 ሰኮንድ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ
  • ማይን ሳሙናን ኣብ ዘይትረኽበሉ 60% ኣልኮል ዘለዎ ናይ ኢድ መጽረይ (ሳኒታይዘር) ምጥቃም
  • ኣእዳውካ ከይተሓጸብካ ኣፍካ፡ ኣፍንጫኻን ዓይንኻን ዘይምሓዝ።
  • ክትስዕል ወይ ከተህጥስ እንከለኻ፡ ኣፍካ ውይ ኣፍጫኻ ብመንዲል ወይ ብቕልጽምካ ምኽላል
  • ኣብ ሕድሕድካ ናይ 2ተ ሜትሮ ርሕቀት ምህላው
  • ብህዝባዊ ኣኼባ ካብ ዝካየዱ ባህላውን ሃይማኖታውን ተግባራት ምዕቃብ…. ዝብሉ ይርከብዎም። ሃገራት ከከም ኩነታትን ዝህብኦም ካለኦት ምኽርታት እውን ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ናይ ህግደፍ ብህዝቢ ዘይምግዳስ ዝጸንሐ ጸገም፡ ኣብዚ ሕጂ ንዝማዕበላ ሃገራት’ውን ዝፍትን ዘሎ ጨካን ሕማም፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ከም ዝጽገሞ ፍሉጥ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ማይ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት፡ ኣይኮነንዶ እናሻዕ ክትሕጸብ፡ ክትመገብ እንከለኻ  ምሕጻብ እውን ኣጸጋሚ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዕዳጋ እኹል ቀረብ ሳሙናን ኣልኮልን ዘይምህላዉ፡ እንተዝህሉ እውን መዕደጊ ገንዘብ ዘይምርካብ ክሳብ ክንደይ ህግድፍ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንህዝብና ንኮሮናቫይረስ ኣሲሩ የረክቦ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸገም ኣይኮነን። ካብ ሃገር ቻይና ዝተዋህበ ሓገዝ ዘይምቕባሉ ከኣ ንምሕዝነት ህግዲፍ ምስ ኮሮናቫይረስ መሊሱ የጉልሖ። ብሰንኪ ነጻጊ ምምሕዳር ህግዲፍ ብዙሓት ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ክኢላታት ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ምህላዎም እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ መጻብቦ ግና ዋላ ንእሽቶይ ትኹን፡ ህዝብና ነታ ኢድ ህግዲፍ ዘይጽበየላ ናይ ምክልኻል ሜላ  ከማልኣ ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት በቲ ክኢላታት ዝብልዎ ዘለዉ  ምርሕሓቕን ኣድላይ ንዘይኮነ ጉዳያት ካብ ገዛኻ ምውጻእን። ደሓር ከኣ ወዮ ደኣ እቲ ናይ መራኸቢ መንገዲ ጸጊሙ እምበር፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘለዉ ደቁ ኣብ ጉድኑ ብምህላዎም ህዝብና ተስፋ ክሰኩዕ ይግበኦ።

ጸገም ህዝብና ኣይኮነንዶ ኮሮናቫይረስ ተወሲኽዎ፡ ቀደሙ እውን ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ምርካብ ሓበሬታ ህይወት ዝኾነሉ ዘበን፡ ዝያዳ ኣብ መስርሕ ምክልኻል ኮሮኖ ቫይረስ ወሳኒ እዩ። በዚ መንገዲዚ እዩ ኣብቲ መኸተ እንታይ ክግበር ከም ዝግበኦን ዘይግበኦን ዝሕበር። ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ብኹሉ መለክዕታት ዓቕመን እንዳመንመነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ህግድፍ ስብከትን ምልማንን መቃላሕቲ  ማዕከናት፡ ማሕበራዊ ሚድያ ኮነ ርክብ ኢንተርነኤት የለን። ነዚ ጸገምዚ ብምስጋር መኸታኡ ንምሕያል እምበር፡ ህዝብና በተን ናይ ህግዲፍ ሓጹር ሰንጢቐን ናብ ኤርትራ ዝኣትዋ ዘለዋ መደባት ተለቪዥን ኣሰናን ኤሪ ሳተላይትን ኣቢሉ ምስቶም ኣብኡ ዝዝሻቐሉ ዘለዉ ደቁ ክራኸብን ድርብ መኸታኡ ከሕይልን ይግበኦ።

ኤርትራውያን ብዛዕባ ኢሳያስን ቀይናን ኣተሓሳስባኡን፡ እንታይ ይብሉን እንታይ ይገብሩን በቲ ተግባሩ ዝቕየስ እምበር ንምንኣዱ ኮነ ንምንቃፉ፡ ከም ልበ-ወለድ ዝንገርን ዝድረስን ኣይኮነን። ኢሳያስ ግና ኣብ ማእከል ጐልጐል ክነኣድን ክምጎስን ዝደሊ ዓይኒ ሓሰኻ ዘየብሉ ዕቡይን ስሱዕን ፍጡር እዩ። ሒደት ዘይበሃሉ ኤርትራውያን ካብ ናይ ቅድም ኣነቓቕላኡ ጀሚሮም ብዛዕባኡ ዕቃበን ጥርጣረን ከም ዝነበሮምን ክቓለስዎ ከም ዝጸንሑን ስኑድ እዩ።

ብኣንጻሩ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ኣብ ግዜ ናጽነትን ኤርትራን፡ ልዕሊ ዝግበኦ ሕሉፍ ሓሊፎም ብግጥምን ዜማን ንኢደሞን ኣመጒሰምዎን። “ወዲ ኣፎም ብርየ፡ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” ተባሂሉ። “ወዲ ኣፎም፡ ኢሱ ….. ወዘተ” ዝብሉ ናይ ቅብጥሮት ኣስማት እውን ኣውጺአምሉ። እንተኾነ እዚ ናእዳን ቅብጥሮትን ንዝተወሰነ ግዜ ሒዝዎ ዝጸንሐ ንላዕሊ ናይ ምንቅዕራር ኣመልካቲ (ግራፍ)፡ ኣቕጣጫኡ ቀይሩ ናብ ቁልቁል ክንቆት፡ ደሓር ከኣ ንሓዋሩ ከምዘይትንስእ መሬት ክዘብጥ ግዜ ኣይወሰደሉን። ሚዛን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢሳያስ ንከንቆቁል፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ውግእ ሓርበኛታት ማይሓባር ዝወሰዶ ጭካነ፡ ኣተገባብራ ግዱድ ውትህድርና፡ ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዝኣጐዶ ተኽታዂ ውግኣት፡ ሕገመንግስቲ ከይትግበር ብኢደ ወነኑ ምእጋድ፡ ኣካይዳና ሕገመንግስታዊ መልክዕ ይሓዝ ንዝበሉ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ገዳይም ተቓለስቲ ምእሳር፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢድ ምእታውን መራሕተን ምእሳርን ምቕታልን ትካላተን ምውራስን፡ ንዝተወሰነ ግዜ መማረጺ ሓበሬታ ሒዘን ክቐርባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ምዕጻውን ጋዜተኛታተን ምእሳርን፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ምውጋይን ሎሚ ከኣ እነሆ ህዝብና ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ጨንቂ እናሃለወ ነብሱ ፈትዩ ምሕባእን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዘቃልዕዎ ተግባራት እዮም። እዞም ውትሩ ዝጥቀሱ ኣበሳታት  ኢሳያስን ምምሕዳሩን ነናቶም ንህዝብና ደም ዘንብዑ ዝርዝራት ኣለዉዎም።

ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱን ካለኦትን ጸይቅታት ህግዲፍ ምኹናንን ምቅዋምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ነውሪ ዝኾነሉ፡ ብሕገ-መንግስቲ ዝቕለስ ስርዓ-መንግስቲ ንምትካል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ህላወን ንጥፈታትን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ካለኦት ተበግሶታትን ከኣ ነዚ እዩ ዘመልክት። እቲ ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን ናይ ምቅላስ ንቕሎን ተበግሶን ማዕባሊ እምበር፡ በዞም ክሳብ ሕጂ ተጋሂዶም ዘለዉ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ትካላትን ባእታታትን ጥራይ ተደሪቱ ዝግለጽ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ 95 ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ኤርትራውን ነቲ ቃልሲኳ ኣጋይሽ እንተዘይኮኑ፡ ብሓባር ኣብ ጐኒ ህዝቦም ከም ዝስለፉ ምእዋጆም፡ ንኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ዓብይ ፍናን ዝህብ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ንዕርበት ጸሓይ ኢሳያስ ዘቀላጥፍ  እዩ። ከምኡ እውን ነቲ ገለን ብጉርሒ ገለን ድማ ብገርህንፍርሕን ሓሓሊፉ ዝርአ ደገፍ ንኢሳያስ ዝሓክኽ እዩ። እዚ ምሁራዊ ኣበርክተኦም ቀጻሊ ክኸውን ናይ ኩልና ትጽቢት ምዃኑ ምዝኽኻሮም ከኣ ኣገዳሲ እዩ።

ጸረ ህዝቢ ተግባራት ኢሳያስ ከምቲ ንሱ ዝደልዮን ዝሓስቦን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተሓቢኡ ዝተርፍ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ጽልዋኡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከንጸባርቕ ናይ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ወጻኢ ዓለምና ኩነታት ኤርትራ ክትርዳእን ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዲክታቶር ኢሳያስ  ናይ ዓገብ ተጸዕኖኣ ከተሕይል ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለዉን። ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝምጥን ውጽኢትኳ እንተዘይኮነ ሳላ ቃልሲ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ዝወርድ ዘሎ ተጽዕኖታት፡ ንኡስ ዝመስል ግና ድማ እንዳማዕበለ ዝኸይድን ቀጻልን እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክከታተላ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዛ ወ/ሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ምምሕዳር ኣቶ ኢሳይስ ብህጹጽ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሕ ዘቕረበኦ መጸዋዕታ ሓላፍነት ዝስመዖ መራሒ ሃገር እየ ንዝብል ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ብጉዳይ ጋዜጠኛታት ዝግደሱ ትካላትን ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ንጉዳይና ዝህብዎ ዘለዉ ቆላሕታ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ኤርትራዊ ዛዕባ ብቐንዱ ንዓና ንኤርትራውያን ዝምልከትኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለምን ትካላቱን ቦታ ምርካቡ ከኣ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።

ዘራጊ ተግባራት ኢሳያስ ቀንዲ መንቀሊኡን ምንጩን ደኣ ኣብ ኤርትራ ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ንጐረባትና ዘቕስን ኣይኮነን። ኢሳያስ ንቐልቢ ህዝብናኳ ሎሚ እንደየናይ ከይጥምዝዞ፡  ንቀልቢ ናይ ርሑቕ ተዓዘብቲ ንምጥምዛዝ ኣብዚ ከባቢና ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምዕግርጋር ጀሚሩ ነይሩ።  ነቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሰርሕ ዝጸንሐ ብሰንኪ ዘይውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ኣተሓሕዛኡ  ዝገደፎ ከባብያዊ ናይ ልምዓት ማሕበር  ኢጋድ ኣፍሪሱ ካልእ ምትእኽኻብ ክፈጥር ተንቀሳቒሱ። እንተኾነ ከምቲ “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ዝበሃል፡ ብዘይካ ነቶም ከምኡ ብዙሕ ዘይተወገነ ዘቤታዊ ጸገማት ዘለዎም መራሕቲ ሶማልን ኢትዮያን ንኻለኦት ከዕግብ ኣይከኣለን። ህዝቢ ሶማልን ኢትዮጵያን እውን ኣካይዳ ኢሳያስ ካብ ቀደሙ ዘራጊ ምዃኑ ስለ ዝርድኡ፡ ብፍላይ ከኣ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ብዝተፈላለዩ መንገድታት “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኣይትእተወና” ይብልዎ ኣለዉ። ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ 49 ኢትዮጵያውያን ደቂ ኦሮሙ ዶክተራት ብቐጥታ ናብ ኢሳያስ ዝጸሓፍዎ ናይ “ኢድካን እግርኻን ኣክበልና” ደብዳበን እቶም ውሽጡን ውሻጠኡን ዝፈልጡዎ ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከሰምዕዎ ዝጸንሑ ስምዕታን ከኣ ኢሳያስ ኣብ ዘዝኸዶ ይኸስር ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። እታ ዕርክነት ኢሳይስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን እውን “ሞተት ሰተኾት” ትበሃል ዘላ እያ ትመስል።

እምበኣር ከምቲ “ንነዊት ጨነቖ፡ በቲ ኣርዑት ሓነቖ፡ በቲ ከኣ ዕርፊ ተወቖ” ዝበሃል፡ ኢሳያስ ብዓዲ ኮነ ብግዳም ቀጻልነቱ ትቕምስል እያ ዘላ። ዝያዳ ንክትሓርር ከኣ ሕጂ እውን ዝጽበየና ሓቢርካ ናይ ምጽዳፉ ቀሊል ግና ከኣ ኣገዳሲ ዕማም ኣለና። እዚ ግና፡ ቀንዲ እዋናዊ ቀዳምነትና ህዝብና ብኮሮና ቫይረስ ከይህሰ ምስራሕ ምዃኑ ብዘይምዝንጋዕ እዩ።

08 ሚያዝያ 2020

ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ንምጽማድ፣ ንገለ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት መስርሕ ዘተ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ክድምደም ተመዲቡ' እንተነበረ፣ ብምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ምክንያት እቲ ዝተሓስበ ዋዕላ ክካየድ ኣይተኻእለን። ይኩን'ምበር ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ' (ኮቪድ -19) ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከብ ህዝብና ከውርዶ ዝክእል ብርቱዕ ሓደጋ ብምግንዛብ፡ እቲ ዘተ ክቕጽልን ሓባራዊ ተግባር ክሕወሶን ኣብ ምርድዳእ ከም ተበጽሐ ክንሕብር ንፈቱ። በዚ ምርድዳእ’ዚ መሰረት ድማ፣ ዕለት 1 ሚያዝያ 2020 "ሓባራዊ መልእክቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ" ከምእ’ውን ናብ ዝተፈላለያ ግብረ ስናይ ማሕበራትን፣ ዓለምለኻዊ ናይ ጥዕና ትካል ዳይረክተርን፣ ናብ ኮምሽነር ላዕለዋይ ኮሞሽን ሕቡራት ሃገራት ጉዳያ ስደተኛታትን ሓባራዊ መልእክቲን ከምዝሰደደ ዝዝከርዩ። ቀጻልነት ናይዚ ተብግሶ' ንምርጋግጽን፣ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ-19) ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ንምድጋፍን ንምብርታዕን ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት ዝተሓጋገዝ ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ክቕውም ኣኼባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወሲኑ።

እዚ ብዝተፈላለያ ምንቅስቓሳትን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት፣ እቲ ዝድለ ዕላማ ብግቡእ ንኽረጋገጽ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ክወሃሃድን ክተኣሳሰርን ይግባእ። ድሮ’ኳ እቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ተበጊሱ ዘሎ ወፈራ፣ ዓለምለኻዊ መልክዕ ሒዙ ምህላዉ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ዜጋ ብስድርኡን ብህዝቡን ዘይጭነቕን ዘይሓስብን የሎን። ዓቕሙ ዝፈቕዶ ኣበርክቶ ክገብር ቅሩብ ከም ዘሎ’ውን ኩሉናንግንዘቦ ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ጻዕርና እቲ ተበጊሱ ዘሎ ምስፋሕን ምብርታዕን፣ እቲ ዘይተበገሰ ድማ ከምዝሕወሶ ምስራሕን ክኸውን ለበዋና ነመሓላልፍ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ !

ናጻ ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር! 

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)
  4. ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)
  5. ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ውሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብዘይተሓስበ ቅልጣፈ ተላቢዑ ዘሎ፣ ብኮቪድ19 ዝፍለጥ ሕማም፡ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብ ሂወት ደቂሰባት ኣውሪዲዎ ዘሎ ቅዝፈትን ኣብ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ሃገራት ኣስዒብዎ ዘሎ ክሳራታታትን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ ዓለም ናብ ሓንቲ ጸባብ ቁሸት ተሳጊራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፡ ካብ ክፍለዓለም ናብ ክፍለዓለም ብዘሰንብድ ፍጥነት ብምልባዑ፡ ክሳብ እዚ ዕለት’ዚ ን203 ሃገራትን ግዝኣታትን ዓለም ለቢዱ፡ 42,528 ህይወት ከኣ ወሲዱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ክቡር ህዝብና በዚ መልእኽቲ’ዚ ኣቢልና፣ ኩነታትካ ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ኣውዲቑና ምህላዉ ብምሕባር፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣብ ምብዳህ ዝከኣለና ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸልካ። 

ሃገርና ኤርትራውን፡ ከም ኩለን ሃገራት፡ ካብዚ ሕማቕ ማዕበል' ከተምልጥ ኣይኮነትን። ብዛዕባ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ክሳብ ሕጂ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ቁጽሪ ዜጋታት ድሮ 15 በጺሑ ኣሎ። እዚ ቁጽሪ' ክሳብ ሕጂ ብመርመራ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ ጥራይ ኮይኑ፡ ኣብ ባይታ ግን ካብኡ ዝበዝሐ ክኸውን ከምዝኽእል፣ ካብ ተርእዮ ናይ’ተን በዚ መድረኽ ዝሓለፋ ሃገራት ክግመት ይከኣል ኢዩ። ኣብ መጻኢ እዋን እናሰፍሐ ከምዝኸይድ'ውን ባህሪ ናይዚ ሕማም' ዝሕብሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ።

ኩልና ከም እንፈልጦ ቁጠባዊን ተክኖሎጅያዊን ምዕባሌ ሃገረ ኤርትራ ትሑት ብምዃኑ፡ ዘመናዊ ናይ ኢንተርነትን ናይ ተለፎንን መራኸቢታት ኣጸቢቑ ድኹም ኢዩ። እዚ ድማ ቅልጡፍ ሓበሬታት ንምምሕልላፍን ስሉጥ ረዲኤት ንምርካብን ኣጸጋሚ ይገብሮ።

ዜጋታት ብብዝሒ ዝእከብሉን ዝነብርሉን፡ ከም ናይ ትምህርትን መዓለሚን መደበር ሳዋን፡ ብኣማእታት ዝቁጸሩ ኣብያተ ማእሰርትን፡ ንለበዳ ሕማም ኮቪድ19  ዝተቓልዑ ቦታታት እዮም። መነባብሮ ሰራዊትን "ሃገራዊ ኣገልግሎትን" እውን ንምስፍሕፋሕ ናይዚ ሕማም' ዝተሳጥሐ ኢዩ። 

ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ከይዝርጋሕ ንምዕጋት ዝሕግዙ፡ ከም ሳሙና፡ ጓንቲ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ዝኣመስሉ ኣገደስቲ ናይ ጽርየት ሃለኽቲ ኣቕሑ ኣብ ዕደጋ ኣይርከቡን። ኣይግበሮ'ምበር እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሃገርና እንተተዘርጊሑ ንምግጣሙ ዘድሊ ዓቐንን ዓይነትን ናይ ሰብን መሳርሒታትን ዓቕሚ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ  

እቲ ለበዳ ከየሰፋሕፍሕ ንምክልኻል ክውሰድ ዝግባእ ተበግሶታት ዝያዳ ክብርትዕ ኣለዎ። እቲ ክስዕብ ዝኽእል ኣብ እንተታት ዝምርኰስ ሳዕቤናት ንምብዳህ ድማ ዘድሊ ምቅርራባት ኣቐዲሙ ክማላእ ይግባእ። ነዚ ብዝምልከት፦   

  • ካብዚ ተላባዒ ሕማም ገንዘባዊ መኽሰብ ንምርካብን፡ ህዝብና ነዚ ሓደገኛ ሃለዋት ንምግጣም ዘርእዮ ተወፋይነት ንምምዝማዝን፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ገንዘብ ምእካብ ወፈራ፡ ህዝብና ሕጂውን ከይግራህን፡ ክጥንቀቕን፡ እናተሓሳሰብና፡ ማዕረ ሓደጋ ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ምንቅስቓስ ጥራሕ ከካይድ ነተባብዕ፤
  • እዚ ንእሱራትን ኣሰርቶምን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንኤርትራውያን እሱራት ብቐጥታ ዘንጸልላዎም ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ፡ እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ፡ ኣብ ሳዋን ግዴታዊ ኣገልግሎትን ተኣኪቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ ተለቒቆም ናብ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ቃልስታት ክካየድ ንጽውዕ፤
  • ኣብ ባንክታት ኤርትራ፡ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከተውጽኡ ኣይትኽእሉን ብማለት ተኣሲሩ ዘሎ ገንዘብ ኤርትራውያን፡ ብመሰረት ድሌት ዋናታቱ ክፍታሕ፣ ናይ ወርቂ፡ ናይ ፖታሽ፡ ናይ ወደባት እቶት፡ ከምኡውን ካብ ሃገራት ዓረብ ብሚልዮናት ዝተለገሰ ሓገዛት፡ ናብ ምክልኻል ናይዚ ተላባዒ ሕማም ንኽውዕል ህዝብን ሰራዊትን ተጽዕኖታቱ ከበርትዕ ንጠልብ፤
  • ናይ ጥዕና ክኢላታትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውህሃድ፡ ነቲ ለበዳ ክከታተሉን ክቆጻጸሩን ዘኽእል ባይታ ከንጽፉ፡ ነዚ ሕማም ብዝምልከት ጽዑቕ ናይ ትምህርቲ መደብ ከዳልዉን ከተግብርዎን፡ ከምኡውን ሓባራዊ ናይ ህጹጽ መኸተ ወፍሪ ከካይዱ ንጽውዕ፤
  • ሓካይምን ናይ ጥዕና ሞያውያንን ነቲ እንተታት ብትብዓት ንምብዳህ ዘድልዮም ካብቲ ዝነኣሰ ክሳብቲ ዝለዓለ መከላኸልን መሳርሕን ኣቐዲሙ ንኽዳሎ መደባት ብምስራዕ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ክነጥፉሉ ነተባብዕ። ኣብ ተሞክሮ ሃገራት ይረአ ከምዘሎ፡ ነዚ ለበዳ' ንምግጣም ዝሓተት ዓቕምን ሃብትን ከቢድ ብምዃኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ክኢላታት፡ እምነቶምን ፖሊቲካዊ ዝንባሌታቶምን ብዘየገድስ፡ ክተሓባበሩን ተሞክሮ ክለዋወጡን ነተባብዕ፤

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ንዝርከብ ህዝብና ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ፡ እዚ ተላባዒ ሕማም ክሳብ ክንደይ ኣሰንባዲ ከም ምዃኑ መጠን፡ ማዕሪኡ ከኣ ህዝብና፡ ዝግባኦ ጥንቃቐታት ከዘውትር እናጸዋዕና፡  ክቡር ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ሓደጋታታት ናይዚ ለበዳ፡ ነዚውን ከም’ቶም ኣቐዲምካ ዝገጠምካዮም ሽግራት፡ ብሓድነት፡ ብትብዓትን ተወፋይነትን፡ ክትሰግሮ ከም ዝኾንካ ንተኣማመን ኢና። ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ጐድንኻ ምህላውና ድማ ነረጋግጸልካ።

እዚ ዶባትን ደረታትን ዘይፈሊ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናውን ብብርቱዕ ሻቕሎት ከቢብዎ ከምዘሎ እናተገንዘብና፡ ነዚ ጽንኩር ኩነታት፡ ብጽንዓት፡ ሓድነቱ ኣትሪሩን ጥንቃቐ ተሓንጊጡን ከም  ዝምክቶ እምነትና እዩ። ብወገንና ከኣ ንኩሎም እቶም ስደተኛታትና ኣዕቊቦም ዘለዉ ሃገራትን፡ ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ኣድላዪ ቆላሕታን ምክልኻልን ንከበርክቱ፡ ኩሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከም እነካይድ ነረጋግጽ።

ጥዕና ህዝብና ንምሕላው ንተዓጠቕ!

ኤርትራ ብነጻነታ ተኸቢራ ንዘልኣለም ትንበር!

 

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

  1. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ
  2. ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር (ኤሃግ)                                
  3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)                      
  4. ውድብ ሓድነት ሞክራስያዊ ለውጢ (ውሓዲለ)   
  5. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ)
  6. ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ)