ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ፈላሚ ኣኼባኣ ኣካይዳ

2024-02-25 19:34:19 Written by  Information Group Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 400 times

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ብዕለት 24 ለካቲት 2024 ኩሎም ኣባላታ ኣብዝተረኽብሉ ፈላሚ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፣ ሓንቲ ካብተን ብላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ኣካል ቆይመን ኣብ ስራሕ ዝርከባ ዘለዋ ኣካላት ኮይና፣ ተሓታትነታ ድማ ነቲ ዘቆማ ኣካል እያ። እቲ ኣኼባ ድሕርቲ ናይ ዕለት 11 ለካቲት 2024 ብመሪሕነት ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ኣካል ሰለስቲኡ ሓይልታት ዝተሰላሰለ ናይ ሌላ ርክብ ንመጀመርታ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ንምክትታልን መበገሲ ስራሕ ንኽከውንን ኣብቲ ብኣቦ መንበራት ዝተመርሔ ርክብ ንዘይነበሩ ኣሓት ዕማምን ከመይነት ኣመራርሓ ኣሰናዳኢት ሽማግለን መብርሂ ብምቕራብ እዩ ጀሚሩ። ድሕር’ዚ፣ ናይቲ ኣኼባ ደቓይቕ ዝሕዝ ኣባል ቀሪቡ፣ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ነብሳ ኣብ ናይ ስራሕ ዕማማት ንምምቃል፣ ብቐዳምነት ሰለስተ ዝኣባላታ ነቲ ስራሕ እተማእክል ኣካያዲት ኣካል ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኣካያዲ ኣካል ሽማግለ ዋዕላ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ዋንነትን ሓላፍነትን መታን ክስምዖ ካብተን ንፖሓኤ ዘቆማ ሓይልታት ክሳተፍዎ ከምዝግባእ ድማ ርእዩ። በዚ መሰረት ኣድያም ተፈራ፣ ዑመር ዓሊ ዓብዱን ክብራኣብ ምስግናን ዘለዉዎ ኣካያዲ ኣካል ምምራጹ ተፈሊጡ።

ስዒቡ፣ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ነብሳ ናብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ማለት ናይ ሰነድ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዜናን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ሽማግለታት መቓቂላ ስራሓታ ከተካይድን ምስዘድሊ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ካልኦት ተወሰኽቲ ተሓባበርቲ ኣባላት ካብ ውዳቤታቱ ክሓትት ከምዝኽእልን ብምርድዳእ ዳግማይ ሽማግለ እትራከበሉ ናይ ቆጸራ ግዜ ብምውሳን ኣኼባ ተደምዲሙ። 

Last modified on Sunday, 25 February 2024 20:37