መመሊሱ ዝበልሕ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃ

2024-02-25 06:43:06 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 574 times

ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስሙ ካብቲ መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣኡ እዩ ወሲድዎ። ነዚ ቀርኒ ዘቑማ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያን ጅቡትን እየን። ናይዘን ሃገራት ድምር ስፍሓት መሬት 1,882,757 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ብዝሒ ህዝበን ድማ  140,683,144 ይግመት። ካብዘን ሃገራት ብስፍሓት ኮነ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ  ሶማሊያ ድማ ብኽልቲኡ መለክዒ ካለኣይቲ’ያ። ኤርትራ  ደሴታታ ወሲኽካ 2,234 ኪሎሜተር፡ ጅቡቲ 314 ኪሎሜተር፡ ሶማሊያ 3,330 ኪሎሜተር ገማግም ማሕሪ ኣለወን። ኢትዮጵያ ግና ኣፍደገ ባሕሪ የብላን።

ገለ ወገናት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስፊሖም ክገልጽዎ እንከለዉ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን እውን ይውስኽወን።

ቀርኒፍ ኣፍሪቃ ብሰንክቲ ተሃዋሲ ስትራተጅካዊ ኣቀማምጣኡ፡ ብብዙሓት ዝበሃግ፡ ወጥሪ፡ ቅልውላውን ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ዘይፍለዮ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሱ ኣቕራኑ ዘብልሕ ዘሎ ከባቢ እዩ። ጠንቂ ናይቲ ወጥርታት፡ ሓያላት ነቲ ከባቢ ዝብህግዎ ምዃኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ እተን ሃገራት ኣብ ሕድሕደን ዘየሳንያን ብውሽጣዊ ግርጭታት ዝሕመሳን ምዃነን ንዘይምርግገአን መሰረታዊ ምኽንያት እዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ዲክታተር ወዲቓ ዘላ ሃገር እያ። ልዕሊ 350 ኣብያተ-ማእሰርታ ካብ ምቁጻር፡ “ናብ ዓብይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ዘላ ሃገር’ያ” ምባላ ኣብ ዝቐለሉ ደረጃ’ያ እትርከብ። እቲ ዝገዝኣ ዘሎ ኣካል፡ ዝኾነ ይኹን ምስቲ ህዝቢ ዘዛምዶ ሕገ-መንግስቲ ኮነ ካልእ ዘራኽቦ ሕጋዊ ቀጥዒ ዘየብሉ ኢደ-ወነናዊ እዩ። ብሓጺሩ ኤርትራ ፓርላማ ዘየብላ፡ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ሓደ ግንባር ጥራይ ዝወደቐት እንኮ  ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ማእከላይ መንግስታ ምስ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘለዎ ዝምድና  ዝመንመነ እዩ። ዘይዝረበሉ ኮይኑ እምበር፡ ምስተን ዝተረፋ ክልላት ዘለዎ ዝምድና’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እተን ክልላት’ውን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘለወን ዝምድና ምልሕልሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕደን ኣብ ዝኸፈአ ምፍጣጥ ዘለዋ እየን። ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራን፡ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማልን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሶማልን ዓፋርን ዘሎ ዝምድና ብቐጻሊ ጐነጽን ናይ ዶባት ምስሕሓብን ዝተሰነየ እዩ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ክልል ከኣ ቅሱን ኣይኮነን።

ኣብ ትግራይ ድሕሪቲ ውግእ፡ “ሕጂኸ ከመይ ንቐጽል?” ኣብ ዝብል፡ ክቱር ምስሕሓብ ኣሎ። ውሽጣዊ ኩነታት ናይቲ በይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ ውድብ ህወሓት ድሕሪ’ቲ ናይ 2ተ ዓመታት ውግእ ጠጠው ምባሉ ብኸቢድ ዝሕቆን ዘሎ እዩ። በቲ  ውግእን ደርቅን ዘስዓቦ ጥሜት ናይ ሰባት ሞት ተወሲኽዎ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ። ዳግማይ ኣብ ውግእ ከይኣትዉ ድማ ውሑስ ኣይኮነን። 

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ንብልጽግና ዝድግፉን ምስቲ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ዝተሰለፉን ከቢድ ምፍጣጥን ደም ምፍሳስን ኣሎ። ሓይሊ ፋኖ እውን በብዘለዎ ከባቢ ኣንጻር ብልጽግና ዝትኩስ፡ ካብ ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ዘይረዳድኡ ወገናት ዝምወል እምበር፡ ዝተማእከለ ውዳበ የብሉን። ሕቶኡ ብንጹር እንታይ ምዃኑ’ውን ብሩህ ኣይኮነን።  ኣብ ኦሮሞ፡ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ተቓወምቲ ብልጽግናን እቲ ጐነጻዊ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብክቱር ጽልኢ ዝረኣኣዩ እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ክንድቲ ናይ ትግራይኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ብሰንኪ ውግእ ዕለታዊ ብዙሓት ሲቪል ዜጋታት ብድሮናት ከይተረፈ ይረግፉ ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ስማዊ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ስርዓት ኣሎኳ እንተተባህለ፡ ብግሪ ግና ኣብ ፍጹም ዓብላልነት እንኮ ሰልፋዊ ብልጽግና ወዲቑ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ካብቶም በቲ ሕገመንግስቲ 547 ክኾኑ ዝግበኦም ተወከልቲ 419 ጥራይ እዮም ተመሪጾም። ካብዚኣቶም ብጽሒት ብልጽግና 410 መንበር ኮይኑ፡ ኣብንን ኢዜማን ድማ 5ን 4ን ወናብር ኣለዎም።

ሶማሊያ፡ ከም ሃገር  ካብ ምውዳቕ ብዘተኣማምን ኣይደሓነትን። ምንቅስቓስ ኣልሸባብ እናወሰኸ፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝተዋጸአ ሰራዊት ትሕለው ዘላ ሃገር እያ። ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን መረዳድኢ ሰነድ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታሙ፡ ኣብ ወጥሪ እያ ዘላ። ኣብ ሶማሊያ ዝተቐራረበ ዓቕምን ተቐባልነትን ዘለወን ሰልፍታት ይወዳደራ እየን። መንግስቲ ሶማሊያ 275 ኣባላት ፓርላማን 54 ሰኔተራትን ኣለዉዎ። ካብዚ እቲ ስዒሩ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ሕብረት ንሰላምን ዕቤትን 165 ወናብር ኣለዎ።

ጅቡቲ፡ ኣብታ ሃገር ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ኣብ መንጎ ዒሳን ዓፋርን ምስሕሓብ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እኳ ኣብ ምዕራዊ ከባቢ ናይታ ሃገር ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ  ወተሃደራዊ ስርሒት ከም ዝፈጸሙ ብማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ንስሙ ሰልፍታት ይንቀሳቐሳ እየን። ብግብሪ ግና ናይ ሓደ ሰልፊ ፍጹማዊ ዓብላልነት ዝረአየላ እያ። ኣብዚ እዋንዚ ፓርላማ ጅቡቲ 65 ወናብር ኣለዉዎ። ካብዚ ፕረሲደንታዊ ሕብረት 58 ወናብር ክህልዎ እንከሎ ንዲሞክራስያዊ ሕብረት ድማ 7 ጥራይ ኣለዎ።

እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ዝምድና ጥዑይ ኣይኮነን። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝምድናኣ ሕማቕ እዩ። ዝምድና ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራን ሶማሊያን ክሳብ ክንደይ ሓርፊፉ ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ኢትዮጵያን ጅቡትን እውን ብፍላይ ድሕሪ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ሰንከልከል ዝብል ዘሎ እዩ። ሶማሊያ ምስ ኤርትራ ጥራይ እያ ደሓን ዝምድና ዘለዋ። ናይዘን 4ተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሕድሕድ ዝምድና ብኸምዚ ደረጃ ናይ “ድሙን ኣንጭዋን” ኮይኑ ዘሎ፡ ከካብ ናታተን ረብሓ ብዝነቅል ዘይኮነ፡ ጠንቁ ናይተን ዝልእከአን ተፈኻኸርቲ ሃገራት ዘይምቅዳው ምዃኑ ይእመን።

ምስ ናይዚ ቀርኒ ኣካል ዘይኮና ሃገራት ዘለወን ዝምድና ክንርኢ እንከለና ድማ እቲ ምጽላእ ካበይ ከም ዝነቅል ምግንዛብ ይከኣል። ኤርትራ ምስ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ስዑድ ዓረቢያንን ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ክፋል ሱዳንን ደሓን ዝምድና ኣለዋ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ወገን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣይተሳንን። ምስ ወገን ጀነራል ሕመቲን ዓረብ ኢሜረትን ግና ደሓን ዝምድና ኣለዋ። ሶማሊያ ምስ ግብጺ ኤምረትን ብፍላይ ከኣ ምስ ቱርኪ ወተሃደራዊ ዝምድና ኣለዋ። ንዝምድናአን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሩሲያን ቻይናን ሰዓብተንን  ከኣ ኩለን “ምሳይ ምሳይ”  ክብለአን እየን ዝስመዓ። እተን ዓበይቲ ሃገራት ግና ንዋላ ሓደ ካብ ኣባላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸስራ ስለ ዘይደልያ ግሁድ መርገጸን ኣየርእየአንን።

እቲ እዘን 4ተ ብዛዕበአተን ንዛረበ ዘለና ሃገራት ኣባላቱ ዝኾናን ኣብ ዝምድናአን ኣውንታዊ ግደ ክህልዎ ዝነበሮን ኢጋድ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ህልውናኡ ከየኸትም ኣብ ዘስገኣሉ ደረጃ እዩ ዝርከብ። 

ድሕርቲ ውግእ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ምጅማሩ፡ እቲ ካብ ናይ ዓለምና ንግዳዊ ምንቅስቓስ ልዕሊ 10% ይመሓላለፈሉ ዝበሃል ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ወጥሪ ብምእታዉ ንቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝያዳ የጋድዶ ኣሎ።

እቲ ዝተሓሳስብ እምበኣር፡ ክሳብ ክንድዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ምፍጣሩ ዘይኮነ፡ ነዚ ክፈትሑ ዝኽእሉ ብቑዓትን ሓላፍነታውያንን መራሕቲ ዘይምህላዎም እዩ።

Last modified on Sunday, 25 February 2024 08:07