ኣብ ጀነቫ፡ ስዊዘርላንድ ብ28 ነሓሰ ዝተሓትመ ጋዜጣ፡ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ጥራሕ ካብ 2,000 ዘይውሕዱ ነፍሳት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሃሊቖም ከምዘለዉ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ድማ ኤርትራውያንን ሱርያውያንን ምዃኖም ማዕከናት ዜና ዓለም ክዛረባሉ ተሰሚዐን ኢየን።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር 2014 ጀሚሩ፡ ስርሒት ህይወት ምድሓን ዝብል መደብ ሓንጺጹ ክዋሳእ ምዃኑ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ጣልያን ወይዘሮ ኣንጀሊካ ኣልፋኖ ተሓቢራ ኣላ። ኣብ'ዚ ናይ ህይወት ምድሓን ስርሒታት ዝዋሳኣ ሃገራት ጣልያን፡ ስጳኛን ፈረንሳን ኢየን። ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ነቲ ፕሮጀክት ክምውልኦ ኢየን።
መንግስቲ ጣልያን ክሳብ ሕጂ 100,000 ዝዀነ ስደተኛታት ከምዘድሓነት ኢያ ትገልጽ። እዚ ስርሒት'ዚ ድሕሪ ናይ ዐለት 3 ጥቅምቲ 2013 ህልቂት ላምፓዱዛ ኢዩ ተጀሚሩ። ኣብ'ዚ ሓደጋ'ዚ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ይዝከር።
ሕብረት ኣውሮጳ ንመንግስቲ ጣልያን 43 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ክትህባ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተማባጺዓ ምንባራ ዝፍለጥ ኢዩ። መንግስቲ ጣልያን ግን፡ እዚ እኹል ኣይኰነን፡ እቲ ክውሃበኒ ዘለዎ ሓገዝ 110 ሚልዮን ዩሮ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ተቓውሞ ኣስሚዓ ነይራ። እዚ እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ባጀቱ ክጽነቅቕ ምዃኑ ውን ኣተንቢሃ ነይራ ኢያ።