ብርግጽ ገንዘብን ካልእ ንብረትን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ሰባት እንተላይ ኣብ ፖለቲካ፡ ስልጣንን ተሰማዕነትን ዘለዎም ተጽዕኖ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ገንዘብ ዘለዎ ሓያል ምዃኑ ንምጥቃስ እዩ ድማ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል። ሓደ ኣካል ንረብሓ ክብል ሓደ ጌጋ ምስ ፈጸመ፡ “ስለምንታይ ከምኡ ትገብር?” ዝብል ወጣሪ ሕቶ ምስ ኣቕረብካሉ ዝህቦ ናይ ጸገም መልሲ “እንጀራ ሕሱም ኮይኑ” ክብል እንከሎ’ውን በዚ ዝቃነ እዩ። ብገንዘብ ዝተሻበበ ሕልና ክሳብ ካብ እምነቱ ወጻኢ ክዋሳእ ስለ ዝኽእል ድማ “ዝበለዐት ከብዲኮ” እንዳተባህለ ይዝረብ። ካብ ወናኒ ገንዘብን ንብረትን ምዃን ወናኒ በሪሕ ኣተሓሳስባ ምዃን ከም ዝልዕልን፡ ካብ ገንዘብ ከተኻዕብት ወናኒ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ምዃን ከም ዝኸብድን ድማ ብዙሓት እዮም ዝሰማምዕሉ። ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እንተልዩ እቲ ዝምጥነካ ጸጋ’ውን ስለ ዝፈጥረ፡ ገንዘብ ደሊብካ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ምውናን ግና ዝከኣል ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ኣድማዕነትካ መንቀሊ ናትካ ክኸውን እንከሎ እዩ ኸዓ ዘጸብቕ። ናቱ እንዳነኣኣሰ ናይእንዳማቱ ዘመዓዱ ግና ኣብ ዕዉት መደምደምታ ክበጽሕ ይጽገም እዩ።
ንናይ ካልኦት ኩለመዳያዊ ምዕቡል ዓቕሚ ክንድቲ ዝግበኦ ምንኣድ’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ እዚ ግና ብዋጋ ምንእኣስ ናትካ ዓቕሚ ክኸውን የብሉን። ንኣብነት ኣብ ደንበ ተቓውሞና እንተመጻእና ናይ ሎሚ ዓቕምና ብኩለመዳዩ ኣዝዩ ውሱን እዩ። ጽባሕ ከም እንሕይል ኣማዕዲና እንርእዮ ተስፋ ክህልወና ግና ናይ ግድን እዩ። ስለምንታይ ንጽባሕ ከነማዕዱ እንተዘይክኢልና ሎሚ ኣብ ቃልሲ ምህላውና እውን ኣጠራጣሪ ስለ ዝኸውን። ንናይ ጽባሕ ምዕቡል ዓቕምና መሰረት እዚ ናይ ሎሚ ንኡስ ዓቕምና ምዃኑ ክንእመን ኸዓ ይግበኣና። ነዚ ናይ ሎሚ ውሱን ዓቕምናን ተስፋናን ሕጥጥ ኣቢልና ተደርቢናዮ ግና ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ምዕባይና ዘለና ራእን ባይታን ጸልማት እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ቃልሲ ምህላው ኣብ ውድድር ምህላው ማለት እዩ። ሓደ ኣብ ቃልሲ ዘሎ ኣካል ነቲ ናብ ውድድር ሒዝዎ ዝቐረበ ዓቕሚ ብመንጽር ናይቲ ተጸራሪ መወዳድርቱ ኣነኣኢሱ እንዳቕረበ ተወዳዲረ ተዓዊተ ክስዕር እየ ዝብል እንተኾይኑ፡ ኣይኮነሉን እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣየምሕረሉን’ውን።
መወዳድርቲ ደንበ ተቓውሞና ዲክታቶሪያዊ ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ክልቲኦም ወገናት ተጻራሪ ባህርያት’ዩ ዘለዎም። እቲ ሓደ ናይ ወጽዓ መርበብ ዘርጊሑ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ክነብር ዝደሊ። እቲ ሓደ ድማ ናይ ህዝቢ ልዕልናን ወሳንነትን ከረጋግጽ ዝቃለስ። እቲ መወዳዳሪ ሜዳ ድማ እቲ ኩሉ ናይ ራህዋ መዓጹ ተሸንኪርዎ ኣብ ሰፊሕ ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ካብቲ ውድድር ዝሕፈስ ዓወት ድማ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ተሳትፎ፡ ደገፍን ምትብባዕን ዝርከብ ራህዋ እዩ። እቲ ተሰዓራይነት ድማ እዚ ህዝባዊ ጸጋ ዘይምርካብን መምለሲ ናብ ዘየብሉ ጋህሲ ምውራድ እዩ። ንሕና ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣንጻር በላዒ ሰብ ጉጅለ ህግደፍ ክንወዳደር እንከለና ብኽልተ ብልሒ ኢና ንወግእ። በቲ ሓደ ወገን ናብ ህዝቢ እነቕርቦ ናይ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ መማረጺና እንታይ ምዃኑ ውስንነቱ ብዘየገድስ ብተግባር ነመስክረሉ። ኣብዚ ብርግጽ ፍልልይ ኣለና። እዚ ፍልልይና ብግቡእ እንተመሓዲርናዮ ከዓ ብዙሕነታዊ መልክዕና፡ ግርማናን መበላሊሕናን እምበር ዘዳኽመና ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ንፍልልያትና ነመሓድሮ እምበር ኣይንፍረሓዮ እንብል። በቲ ሓደ ብልሒ ድማ ነቲ ጉጅለ ህግድፍ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ናይ ሓሶት ስብከትን ምትላልን እንዳላዕጠጠ፡ ከም መሕለዊ ትንፋስ ዘቕርቦ ገፈጥመፈጥን ከይሲ ተግባራትን ነቃለዓሉ እዩ። ኣብዚ ውድድር እቲ ቀንዲ ዕማምና እምበኣር ጉዳይካ ገዲፍካ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ምቁያቕ ዘይኮነስ ዓንቲሩ ዘዕውተካ ውሽጣዊ ዓቕሚ ክትፈጥር ምኽኣል እዩ። እዚ ውሽጣዊ ዓቕሚ በብደረጃኡ ብውልቂ፡ ብውድብ ከምኡ’ውን ውድባት ብዝሓቁፍ ግንባራትን ጽላላትን ሓቢርካ ዝጥረ እዩ። እቲ ውሽጣዊ ዓቕምኻ፡ ኣብ ክንዲ ዝተበተነ ዓቕምን ኣተሓሳስባን ኣቀራሪብካ ኣብ ምትርናዕ ዝውዕል ክኸውን ይግበኦ። ብኣንጻሩ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ናባኻ ዝድርበ ኣእማንን ዝዝርጋሕ መጻወድያታትን ዘራጉድን ተመሊሱ ናባኻ ዝምለስን ከይከውን ምጥንቃቕ የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንመኽሰብ ኢልካ ዝተለምካዮ ክሳራ ከይጐተልካ ምሕሳብ የድሊ። ንስኻ ድኽመታት ጸላኢኻ እትምዝምዘሉ እምበር፡ ጸላኢኻ ብናትካ ድኽመት ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ከይከውን ምስትብሃል። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ንስኻ’ኳ ግቡእ ክብሪ ዘይሃብካዮ ዓቕምኻን መስመርካን “ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ዘይቅበለለይን ዘይስዕበንን? ኢልካ ምሕታት ኪኖ ዕሽነት ካልእ መግለጺ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ።
ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ቃልሲ መዋእል እቲ ቀንዲ ህዝቢ ኣብ ጐንኻ እተሰልፈሉ መሳርሒ፡ ከምዚ ስርዓት ህግደፍ ዝፍትኖ ግዜኡ ዘሕለፈ ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ተሽከርከርትን ሰሪዕካ ናይ ቀደም መዝሙር ብምዝማር ዘይኮነስ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር ክትዕጠቕ ብምብቃዕ እዩ። እዚ ንርከበሉ መድረኽ “ቀደም ከምዚ ነይሩኒ” ዘይኮነስ፡ “እዚ ኣብ ኢደይ ኣለኒ” እንብለሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ናይዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ዓወት፡ እቲ ቀደም ቀደም ክንድዚ ቀቲልና፡ ማሪኽናን ኣቃጺልናን ብዝብሉ ሓረጋት ኣይኮነን ዝዕየር። እቲ መዕየሪኡ ኣብ መዳያት፡ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማዕርነት፡ ንመሰል ህዝቢ ቅድሚት ብምስራዕን ንፍትሓዊ ምምሕዳር ኣበሪኽካ ብምሓዝን’ዩ ዝዕቀን። ነዚ ክትበቅዕ ድማ ብጭረሖን ኣዋጅን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብተግባር ብዝረጋገጽ ናይ ጹረት፡ ግሉጽነት፡ ትወፋይነትን፡ ብናይ ኩልና ኣበርክቶ ውጽኢት ንኹላትና ዝብል መርሆ ተፈቲንካ ስዒርካ ምሕላፍ የድሊ። ብኣንጻር’ዚ፡ ኣበሳኻ ሓቢካ፡ ንካለኦት ጸለሎ ክትቀብእ፡ ዘይትኽእሎ ክንስኻ በይንኻ ፈጣሪ ተኣምር መሲልካ ብምቕራብ፡ ናትካ ዓወትን ጸገምን ናይ ካለኦት ሰብ ፈረቓኻ ሓይልታት እውን ዓወትን ጸገምን ምዃኑ ዘይምርዳእ ግና ናይ ግዜ እንተዘይኮይኑ መፈጻምትኡ ፍሽለት እዩ። እስከ ነቲ ወለድና “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝብልዎ ንረደኣዮ’ሞ ምስቲ ሎሚ ኣብ ነንሕድሕድና ዝረአ ዘሎ ናይ ኣብ ክንዲ ምምልላእ ምጽላእ ባህሊ ኣዛሚድና ነስተማቕሮ’ሞ በብጽሒትና ክንወስድ ንትባዕ። ዓወትና ኮነ ውድቀትና ሓባራዊ እዩ እንብለሉ ምኽንያት ወጽዓና ሓባራዊ ስለ ዝኾነ እዩ።
ነዚ ዝተባህለ ብክለሳ ሓሳብ’ኳ ኩልና ከም እንእምነሉ ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ ኣንጻር’ዚ ክቐርብ ዝኽእል ወድዓዊ ርትዓዊ ምኽንያት ስለ ዘየለ። እሞኸደኣ መንገዲ ደሓንን መንገዲ ዘይደሓንን ንምርጫ ክቐርበልና እንከሎ መንገዲ ደሓን ናይ ዘይምምራጽና ምስጢር እንታይ እዩ ክኸውን። ሓደሓደ ግዜኮ ውሕጅሲ እንዳስሓቐ እዩ ዝወስደካ ይበሃልዩ። ንዓናውን ቅርሕንትን ጽልእን እንዳስሓቐ ይወስደና ከይህሉ ነስተውዕል። በቲ ኮይኑ በቲ ካብቲ ናይ “እትብሎ በይኑ፡ እትገብሮ ኸዓ በይኑ” ባህሊ ክሳብ ዘይወጻእና እቲ ንሓደ ጉዳይ ብፍርቂ ልብኻ ምቕባል በቲ ዝተረፈ ፍርቂ ድማ ምንጻግ ውጽኢቱ ባዶ ምዃኑ ንረዳእ። ንባዶ ውጽኢት ናይ ምድካምና ከንቱነት ድማ ነስተብህል። ካልእ ዘገርም ሓሓሊፉ ዝርአ ጉዳይ ኣብ ዕቤትካ እቲ ቀንዲ ደራኺ ውሽጣዊ ዓቕምኻ ምዃኑ ዘንጊዕካ፡ ብናይ ካለኦት ጸገም ተጸጊዕካ ከም እትዓቢ ኮይኑ ዝስመዓካ ምዃኑ እዩ። እቲ ዝገደደ ድማ ናይ ገለ ወገናት መሓውር ኣብቲ ውሽጥኻ ንምዕባይ ዝግበር ቃልሲ ምውስዋስ ኣብዩ ምስ ጸነሓ፡ ናብ እንዳማትካ ኣእማን ኣብ ምድርባይ ግና ዝፍታሕ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣብ ውሽጣዊ ዝምድና ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥራይ ዝርአ ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብቲ ንጉጅለ ህግደፍ ዝምልከት’ውን። ንሱ ብናቱ ሓጥያት ክወድቀልካ’ሞ ድሕሪኡ ንስኻ ናይቲ ጸጋ ተኻፋሊ ንኽትከውን ናይ ምጽባይ ዝንባለ ኣሎ። እቲ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝፈስስ ጸጋ ናይቲ ዘውደቐ እምበር፡ ዋና ከም ዘየብሉ ፍረ መሮር ሓሓፊስካ ዝውሰድ ከም ዘይኮነ ምስትብሃል የድሊ።
እዚ ክበሃል እንከሎ ንሓደ ውድብ ይኹን ማሕበር መዘናኻ ወይ መሻርኽትኻ ስለ ዝኾነስ ብዛዕባቲ ዝሓዞ ፖሊስን ኣፈጻጽማኡን ነቐፈታ ወይ ወቐሳ ክተቕርበሉ ኣይግበኣካን ማለት ኣይኮነን። ወረ ነቲ ክዓቢ እትደልዮ ምንቃፍስ ኣድላይነቱ ዕዙዝ እዩ። ብጻይካ መስትያትካ ስለ ዝኾነ። ከም ዝኾነ ተረኽቦ ህልውና ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ሰልፊ ይኹን ውድብ እውን ብተጻረርቲ ኣሉታን ኣውንታን እዩ ዝቐውም። ነቲ ሓይሉ ሓይልና ዓቕሙ ኸዓ ዓቅምና ዝኾነ ወገን ክንወቕሶ እንከለና፡ ርግጸኛ ክንከውን ኣለና ወቐሳና ሎሚ ዘይወነኖ ዓቕሚ ጽባሕ ንኸጥርዮ ንምሕጋዙ እምበር፡ ሎሚ ንዘላቶ ዓቕሚ ጽባሕ ከም ዘይረኽባ ብዝድህል ኣገባብ ክኸውን ኣይግባእን። ምናልባት እውን ክትግምግሞ እንከለኻ ዝዓበየ ግናዑ ኣሉታ እቲ ዝነኣሰ ድማ ኣውንታ ይኸውን። ስለዚ ነቐፈታና ሓልዮት ዝመለኦን ነታ ንእሽቶ ናይ ኣውንታ ቁልዒ ናብ መጋርያ ዝቕይር፡ ነቲ ናይ ኣሉታ መጋርያ ድማ ዘቕህም ክኸውን ይግበኦ። ከምዚ ክንገብር እንከለና ነቲ ውድብ ይኹን ማሕበር ጥራይ ኣይኮና ንሕግዝ ዘለና፡ ምስኡ ድማ መትከላውነትናን ፍትሓውነትናን ነረጋግጽ። መትከላውን ርትዓውን ምዃን ድማ ረብሓኡ ቅድሚ ኩሉ ነቲ ተማእዚዙ ዝምረሓሉ ኣካል እዩ።
28 ነሃሰ 2014