ኤርትራ፡  ኣላን ክትህሉን እያ፡ ህግደፍ ከ?

2022-06-09 21:38:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1117 times

ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሃለዋታን ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣለዉ። በቲ ሓደ ወገን ኤርትራን ህዝባን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ካብ ህዝቢ ዝተነጸሉ ደገፍቱን ዘለዎም ዝምድና ኣዛራቢ ጉዳይ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ገበናትን ዓንዳርነትን ጉጅለ ህግደፍ ካብ  ኤርትራ ሓሊፉ ብደረጃ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ይቃላዕን ናይ ብዙሓት ጠመተ ይረክብን ስለ ዘሎ፡  ህግደፍ ነዚ ንምሽፋን ከምቲ “ጽድቁ ንበይነይ ሓጥያቱ ግና ንኹልና”  ዝበሃል፡ ነቲ ክጥዕሞ እንከሎ “ኣበይ ኣለኻ” ዘይብሎ ህዝቢ ኤርትራ እውን ተሓታትን ከፋል ዕዳን ንክገብሮ ደቁ ይገፍፍን የሸብሮን ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ በቲ ሓደ ወገን ድልዱል መሕብኢ ገበናቱ ንምርካብ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝተደወነ ምስሉ ንምጽብባቕን ህዝባዊ ንምምሳልን  “ህዝቢ፡ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ፈጺሞም ዘይፈላለዩ እዮም” ኣብ ዝብል ሸፈጥ ይዋፈር። እንተኾነ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ቅድሚ ህግደፍ ዝነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉን ጽባሕ ድሕሪኡ’ውን ዝህልዉን እዮም። መንግስታዊ ምምሕዳራት ግና፡ ምስቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ዝተፈራረምዎ ውዕል ይሃልዎም ኣይሃልዎም “ትማሊ ኣይነበሩን፡ ሎሚ ኣለዉ፡ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ እዮም።” መጻኢ ዕድል ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ካብዚ ፈሊኻ  ዝረአ ኣይኮነን፡

 እዚ ሓቂ እዚ ብፍላይ ንህግደፍ ኣብ ዝምልከት፡ ወዮ ደኣ ብጉልበት ከጐልብቦ ጸኒሑ እምበር፡ ኣብ ስልጣን ኣለኹ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ድሕሪ ናጽነት እዋን፡ ብኣተሓሳስባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ቆጽሊ ከም ዘውደቐሉ ዝሕብር  ዝኾነ ምልክት ስለ ዘየብሉ። እቲ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝረአ እውን፡ ንሱ ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እውን ናቱ ዘይምዃኖም እዩ ዘመልክት።  ህግደፍ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉ መርተዖ ገይሩ ክቕርቦ ዝፍትን፡ “ንናጽነት ኤርትራ በይነይ ስለ ዘምጻእኩዋ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ገዛኢ ከኣ ኣነ  በይነይ እየ” ዝብልን “ኣበይ ዝነበረ ህዝቢ እዩ?” ብዝብል ብደዐ ዝዓበደ፡ ሕጋውን ፖለቲካውን መወከሲ  ዘየብሉ ዓመጽ እዩ። ነቶም ዓይኖምን ልቦምን ዝተደፍነ ብህግደፋዊ ስብከት ዝተሰነፉ፡ ዝረአ ከይርእዩ ቀልቦም ንዝተሰወረ፡ ውሑዳት “ምሳይ ኣለዉ” እንተበሎም ግና ሓቂ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ህግደፍ ምናልባት ምስ ቁንጣሮ ዕዉራት ልቦና እምበር ኣብ ልቦና ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራስ ቦታ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኣይን ተሰላፋይን እዩ። ኣብዚ ወሳኒ እዋን ብገዛእ ጉዳዩ  ንሱ ብኾፉ ኣብ ክንድኡ ህግደፍ ኮነ ካልኦት ክዛረብሉን ክወራዘይሉን ከፍቅድ ኣይግበኦን። ኣዝዮም ውሑዳት መጣቓዕቲ ብዘይሃቦም ውክልና “ንሕና ምስቲ ምዝርዛሩ ዘጸገም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸመ ጉጅለ ኣለና” እናበሉ ከዳኽሩን ከደናግሩን ፈጺሙ ከፍቅደሎም የብሉን። ብጉዳይካ እንዳተዘርበ ስቕ ምባል፡ ነቲ ዝበሃለካ ከም ምቕባል  ስለ ዝውሰድ ድማ ከስተውዕለሉ ይግበኦ። ነቲ ኩነታት ተኸታቲሎም ካብቲ ስቕታኡ ነቒሎም “ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጽዓን ባርነትን ምንባር ርዒምዎስ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ እዩ”  እንተበልዎ፡ ምስቲ  ኣበሃህላኦም ዘይኮነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ እዩ ክተሓሳሰብ ዝግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ባርነት ናጻ ዝወጸሉ ኒሕ እምበር፡ ናይቲ ጉጅለ ገበን ተሓታትን  ከፋሊ ዕዳን ጽልእን ዝኾነሉ ትዕግስቲ ክህልዎ ኣይግባእን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ኤርትራዊ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ዕድልን መሰልን እናሃለዎን፡ ኣብቲ ዘዝነብረሉ ሃገር ዘሎ ልዕልናን ወሳኒ ግደን ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣየን ብእዝኑ እናሰምዐን ድምጺ ህዝቡ እንተዘይኮይኑ፡  ስቕታኡ ንህግደፍ ካብ ምድጋፍ ስለ ዘይፍለ፡ ጽባሕ ህዝብን ታሪኽን ክሓትዎ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮኡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መግዛእቲ እንከሎ ኮነ ድሕሪኡ እንተዘኪሩ፡ ርሑቕ ከይከደ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ደርግን ኢህወደግን ብኸመይ ከም ዝሓለፉ ይፈልጥ እዩ። ዕድል ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እውን ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህግደፍ ክሓልፍዩ ክንብል እንከለና’፡ ከምቲ ደገፍቲ ህግደፍ ከፈራርሕሉ ዝፍትኑ፡ ኤርትራ ዘመሓድራ ዘይብላ ባዶ ክትተርፍ እያ፡ ወይ ክትድፈር’ያ ማለት ኣይኮነን። “ቃልስና ንለውጢ እዩ” ክንብል እንከለናኮ ንህግደፍ ኣብ ምውጋድ ጥራይ ዝዕገት ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ  ካብ ህግደፍ ብዝሓሸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ካብኡ ብዝተፈልየ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካኡ ማለት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ራኢና ህግደፍ ዝጸየቖ ባህላውን ማሕበራውን ምስሊ ህዝብና ምሕዋይ ማለት’ውን እዩ።  ንኣብነትኳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መጻኢ ራኢ ዓወቱ ንምእማት  ኣብቲ ኣብ ጉባኡ ዘጽደቖን ንምዕዋቱ ዝቃለሰሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፋውን ሰላማውን ውድድርን  ዘፍቅድ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ሕጋውን ዝጣበቕን፡ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ዝብል ንረክብ። ስለዚ ኤርትራ፡ ከም ኢሳያስን ሰዓብቱን ጨካናትን ጠላማትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘድሕንዋ’ውን ወሊዳ እያ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ውሑዳት ካብ ህግደፍ ንላዕሊ ህግደፍ ክኾኑ ዝመጣጠሩ “ደገፍቲ ኢና” በሃልቲ ኤርትራውያን፡ መራሒ ህግደፍ  ኣብ ርእሲቲ  ካልእ ብደዐኡ፡ ተጠሊዑ ንሓንሳብ “ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ ተቐቢሩ እዩ”፡። ንሓንሳብ ድማ  “ምርጫ ኣብ ኤርትራ ወይ ንሓዋሩ ዘይክግበር ወይ ከኣ ምናልባት ድሕሪ ሳላሳ ኣርበዓ ዓመታት ይግበር ይኸውን” እናበለ ከሽካዕልል ሰሚዐምዎ ከብቅዑ፡ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ኣካልቲ ህዝቢ ዝቃለሰሉ ዘሎ ለውጢ ክኸውን ዝጽበዩ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ጉጅለ ከድሕኑ ፈቲኖም ኣብ ኩሉ ብርክታት ተሳዒሮም መውጽኢ ዝሰኣኑ እምበር፡ ኣንጻር ለውጢ ዝተዓጥቀ ሓይሊ ህግደፍስ፡ ኣካል ለውጢ ክኸውን ዝብል ተረድኦ ዝሓደሮም’ዮም ክትብሎም ዘጸገሙ እዮም።

እሞ “ለውጢኸ መዓስ?” ዝብል ሕቶ ክቕርቦም እንከሎ ከኣ፡  “ሎሚ”  ዝብል ልሳንን ሕልናን ስለ ዘየብሎም፡ ናብታ ብጥበብ ተሰሪሓ ዝተዋህበቶም “ሎሚኮ ህግደፍ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር እዩ ተጸሚዱ ዘሎ” እትብል ኣሪጋ ዝበለየት መሕብኢት ይጐዩ።  እቲ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ዝብልዎ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትይዎ ዘሎ መጋርያ ጀሚርካ፡ እቲ ጉጅለ መሕብኢ ንክኾኖ ሓሓሊፉ ባዕሉ ዝኣጉዶ ውግኣት እዩ። እቲ ዝቐለለ ሓዊ ኣጒድካ “የጥፍኦ ኣለኹ” ምባል ዘይኮነ፡ ነቲ ሓዊ ዘይምስዋርኳ እንተነበረ፡  እዞም ህዝቢ ክውክሉ ዝመጣጠሩ ደገፍቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ስለ ዝጸመሙ ነቲ ሓቂ ኣይርእይዎን እዮም። በቲ ኮነ በዚ ኤርትራን ህዝባን ወትሩ ህሉዋትን ቀጸልትን እዮም። ህግደፍ ግና ይፍቶ ይጽላእ ሓላፋይ እዩ። ህዝቢ ኢርትራ ድማ ዳግማይ ከይድህለል ብዛዕባ ድሕሪ ሕልፈት እቲ ጉጅለ ዝሓስብ ልቦናን ሓላፍነትን ይሃልዎ።

Last modified on Thursday, 09 June 2022 23:49