ምትሕግጋዝዶ ኢድ ኣእታውነት!

2021-12-25 09:01:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 972 times

ዓለምና ሎሚ ሳላ ዕቤት ዘመናዊ መራኸቢ፡ እምብዛ ተቐራሪባ ከም ሓንቲ ስድራቤት ኣብ እትግለጸሉ ደረጃ   ምቅርራብ ኢያ ዘላ። እዚ ምቅርራብ ዘኸተሎ ናይ ሃገራት ምጽልላው ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ  ዕቤት ኣብጺሑና ይርከብ። እዚ ብደረጃ ዓለም ዝረአ ዘሎ ኮይኑ፡ እቲ ምቅርራብን ምጽልላውን ዝያዳ ዝሕይል ኣብ ኣዝዩ  እስትራተጅያዊ ኩርነዓት እዩ። ኤርትራ እትርከበሉ  ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ኣፍሪቃን ድማ ብዘለዎ ኣህጉራዊ ኣገዳስነት፡ ካብቲ ጽዑቕ ናይ ረብሓ ምጽልላው ዝረኣየሉ ኩርነዓት ሓደ እዩ።

ኣብዚ ስልጣነ ዘምጸኦ ዝያዳ ምቅርራብ፡ ዓቕሙን ሃብቱን ብዘየገድስ ሓደ ኣካል በይኑ ተነጺሉ ህላወኡ ኣረጋጊጹ ዝብልጽገሉ ዘይኮነ፡ እቲ መዳይ ይፈላለ እምበር ሓደ ብዘይ ናይቲ ካልእ ህልውና ክቕጽል ቀሊል ኣብ ዘይኮነሉ ታሪኻዊ ኩነታት ኢና ንርከብ። እቲ ምትሕግጋዝ ከም ርዱእ ካብቶም ዝቀራረቡ ንሓደ ኣርቢሑ ነቲ ካልእ ዝጐድእ ዘይኮነ፡ ናይ ምምልላእ ባህሪ ዘለዎ፡ ንኹሎም ብማዕረ ከም ዘርብሕ ኮይኑ ክተሓዝ እንከሎ ኣወንታውን ቀጻልን ከም ዝኸውን  ዘዳዲ ኣይኮነን። እቶም ተዛመድቲ ወገናት ዝምድናኦም ዝውጥንዎ ብቀንዱ ንገዛእ ርእሶም ንምጥቃም'ምበር፡ ነብሶም ጎዲኦም ንመዛምድቶም ንምጥቃም ጥራይ ኢሎም ኣይኮኑን። እቲ ካብቲ ዝምድና ዝርከብ ተጠቃምነት ንናይ ሓባር ረብሓ እንተዘይኮይኑ፡ ኣይቅጽልን እዩ። እንተቐጸለ እውን ዘይምምዝዛን ፈጢሩ ናብ ድምር ክሳራን ህውከትን ዝወስድ እዩ ዝኸውን።

ዝምድና ብግቡእ ዝተጸንዐ፡ ሚዛኑ ዝሓለወን ቀይሕ መስመራቱ ዝሓለወን እንተዘይኮይኑ፡ ከኸትሎም ካብ ዝኽእል ሳዕቤናት  ሓደ ምስዕራር ኢድ ኣእታውነት እዩ። እቲ ካልእ ገጽ ናይ ደረቱ ዘየነጸረ ዘይሚዛናዊ ዝምድና ከምቲ “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ባእሲ ይወልድ” ዝበሃል፡ ሚዛኑ ስሒቱ ናብ ናይ ሓደ ወገን ተጠቃምነት  ዛዝዩ  ጽልእን ቅርሕትን ኣኸቲሉ፡ ናብ ውግእን ምትህልላኽን ናይ ምምዕባል ሕማቕ ዕድል የጋጥሞ። ካብዚ ኣሉታዊ ጫፋትን ዘኸትሎ ሳዕቤንን ንምድሓን፡ መስርሕ ዝምድና፡ ዝተጸንዐ፡ ዝሓለፈ፡ ህልውን መጻእን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ንኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ ብግዝያዊ ስምዒታትን ናይ ሓጺር ግዜ ረብሓን ዘይተደረተን ኣርሒቑ ዝጥምት ክኸውን ይግብኦ። ምሕዝነት ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ዕርክነት መራሕቲ ጥራይ ተደሪቱ ክተርፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ህዝብን ግሉጽ ክኸውን ይግበኦ። ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብቲ ምሕዝነት ዓቢ ቦታ ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ምእታው መሰረታዊ ነጥቢ ኢዩ። ሽርክነት ሃገራት ንሕገ-መንግስታውን ትካላውን ኣሰራርሓታት ጎስዩ ብዝወጽእ ግዝያዊ ኣዋጃትን ዘረሳስን መደረታትን ውሕስነቱ ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ። ነብሱ ብዝኸኣለ ትካል ክምራሕ እውን መሰረታዊ ኣድላይነት ኣለዎ። ኣብ ዝምድና ከጋጥሙ ካብ ዝኽእሉ ጫፋትን ሳዕቤናቶምን ፈሪሕካ ነብስኻ ኣግሊልካ ምንባር ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ እሞ  ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዕቤትን ተሃዋሲ ከባብን ዝርከባ ዘዋጽእ ኣይኮነን።

ጥዑይ ዝምድና ከምቲ “ካብ መቕርብ መን ይቐርብ” ዝበሃል ካብ ናይ ቀረባ ጐረባብቲ  ምጅማሩ ተመራጺ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምስ ጐረባብቲ ዘሎ ምጽልላው፡ ብቐረባ ዝረአ፡ ንናይ ኩሉ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጽላታትን ጽልዋኡን ዝትንክፍ ናይቲ ዝጐራበት ህዝቢ መዓልታዊ ህይወት ዘራኽብን ስለ ዝኾነ። እቲ ዝምርኮሰሉ መትከላዊ መሰረት ግና ኣብዚ እውን፡ ንመርሆታት፡ ናይ ሓብር ረብሓ፡ ምትሕግጋዝን ሰላምን ክስሕት ኣይግበኦን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብዚ ብምንቃል እዩ ጉዳይ ዝምድና ምስ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ክለዓል እንከሎ፡ ንኣምራት፡ ቀጻሊ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፡ ምትሕግጋዝን ሰላምን ዘሕይልን ንኢድ ምትእትታውን  ዝነጽግን ክኸውን ተቢዑ ዝቃለስ። 

ኣብዚ እዋንዚ ዝምድናን ኢድ ኣእታውነትን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢና ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዓብይ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ቀንዲ ኣዛራቢ ዝገብሮ ድማ ኣብቲ ዝምድና ሓደ ጫፍ ጥራይ እንዳጐተትካ ምኻድ ስለ  ዝረአ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሜሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ካብ ጐረባብቲ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን ዘስምዖ ተደጋጋሚ ናይ ይዘርዩኒ ኣለዉ ክሲ ምጥቃስ ይከኣል። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ኣንጻር መንግስታት ኤርትራ፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት፡ ቻይናን ሩስያን ዘቕርቦ ቀጻሊ ናይ ኢድ ኣእታውነት ወቐሳ ምጥቃስ ይከኣል።

ኢድ ዘይምእታው ብዛዕባቶም ኣብ ፖለቲካዊ ድዩ ወተሃደራዊ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሲያዊ ሜዳ ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ዘይምዝራብ፡ ዘይምጽሓፍን መርገጽ ዘይምሓዝን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ብዛዕባቶም እትብሎን እትውስኖን፡  ናይ ሓዲኦም ቦታ ተኪእካ  ባዕላቶም ንዘለዉዎ ጉዳይ “ኣነ ባዕለይ ኣለኹልኩም” ምባል ግና፡ ኣበርን ሳዕቤንን ኣለዎ። እቲ ኣበየናይ መዳይ ብዘየገድስ ኢድ ዘእቱ መንቀሊኡ ረብሓኡ ስለ ዝኸውን ናይቶም ሰብ ጉዳይ ረብሓን ክብርን ይዝንግዕ እሞ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይ ኢድ ምትእትታው ከኣ ኣብኡ የንጸባርቕ። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ዘለናዮ ሃለዋት ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት “ኢድ ኣእትዮም” ከይንበሃል ኢልና ኣፍና ንዓብሰሉ ኣይኮነን። እቲ ንዛረቦን እንወስዶ መርገጽን ብመንጽር ኤርትራዊ ረብሓ፡ መጻኢ ሰላማን ዕድላን ብኽመይ ይረአ? ክሳብ ክንደይከ ነቲ ሓደ ክጠቅም ክብል ነቲ ካልእ ከይጐድእ ጥንቑ እዩ? ወይ ብጉልባብ ምትሕግጋዝ ኢዱ ከየእቱዶ ይዕቀብ? ዝብሉ ሕቶታት ብጥንቃቐ ክምዘኑ ግና ናይ ግድን እዩ።

ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊቲ ብቐረባ ዝጸልወና ጉዳይ ጐረቤት ምዃኑ፡   እቲ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝፍጸሞ ዘሎ ወጽዓን ጭቆናን ንቃወሞን ንቃለሶን ዘለና ህግደፍ ኣካሉ ብምዃኑ ክንዛረበሉን መርገጽ ክንሕዘሉን ዘገድደና እዩ። እቲ እንወስዶ ሚዛናዊ መርገጽ መን ይገዝኦ፡ መንከ ኣይገዝኦን ከኣ፡ ነቶም ዓደግቲ ዝምልከት እምበር፡ ንሕና ግድን ሓሳብና ዘይገዛእካልና ኢልና ኣብ ዘይጉዳይና  ጣልቃ ኣቲና ነገድዶ ወይ ነቀባጥረሉ ወገን ኣይህሉን። ንዓናውን ከምኡ ጣልቃ ኣቲኹም ግድን ከምዚ በሉለይ ወይ ከምዚ ግበሩለይ ኢሉ ዘገድደና ወገን ክህሉ ቅቡል ኣይኮነን። ምናልባት “ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ድላዩ እንተገብረ እንታይ ኣእተወኩም?” ወይ “ስለምንታይ ኢድ ኣእታውነት ንህግደፍ ሓላል ኮይኑ፡ ነቲ ካልእ ወገን ከኣ ሓራም ይኸውን?”  ዝብል ኣካል እንተልዩ፡ ቅድም-ቀዳድም ዝምድና “ንሱ ከምዚ ካብ ገበረ ኣነስ ከምኡ ዘይገብር?” ብዝብል ህልኽ ዝድፋእ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ናይ መትከልን ፖሊሲን ጉዳይ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብመሰረቱ ከኣ ምስ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ፍልልይ ስለ ዘለና፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና መንገድናን መንገዱን በበይኑ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። 

ተግባራት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ  ቅሉዕ ኢድ ኣእታውነቱ ዘርኢ እዩ። ባዕሉ’ውን  ብዘይሕብእብእ  ኤርትራዊ ክነሱ፡ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ በዓል ጉዳይ እየ” ኢሉ ኣውጁን ብተግባር ኣርእዩናን እዩ። እዚ ባህሪ’ዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘጥረዮ ሓድሽ ተረኽቦ ዘይኮነ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ኢደ-ወነናውነትን ገባቲ ፖሊሲን እዩ። እንተ ንሕና፡  ምትሕግጋዝን ኢድ ኣእታውነትን ደዋዊስካ ካብ ምርኣይ ክንዕቀብ ይግበኣና።

Last modified on Saturday, 25 December 2021 10:06