መንገዲ ትግራይ

2021-04-27 08:07:24 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1276 times

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምምጻእ ኣብይ ኣሕመድ ብዙሕ ምዕብልናታት ኢዮም ተፈጺሞም፡ ብፍላይ ምስ ስርዓት ኣስመራ ናይ ሰላም መንገዲ ምኻድ ብዝብል ነቲ ናይ ዶብ ብይን ብዘይቕድመ-ኩነት ክቕበሎ ድሉው ምዃኑ ገሊጹስ ኣስመራ-ኣዲስ ኣበባ ምምልላስ  ናይ ክልተኦም መንጎናን ብዝሒ ክንርእይ ክኢልና።

 እቶም ዝበዛሕና ኤርትራውያን ንጽበዮ ዝነበርና እቲ ዶብ ክሕንጸጽ፣ እቲ መንእሰይ ካብ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ክናገፍ፥ ህዝቢ ድማ ብዓቢኡ ናብ ዝደለዮ ሃገራት ክገይሽ፡ እሞ ደቑን ፈተውቱን ክርእይ ኢዩ ነይሩ ትጽቢት፡ ግን  ኩሉ በኒኑ ተሪፉ።

ኢህወደግ ዝመርሖ ዝነበረ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ውሽጡ ጸገማት ስለዝጸንሖ ናይ ፖለቲካ ስነ-ሓሳብ ድዩ ፡ናይ ምሕደራ ብልሽውና ኣብ ውሽጡ ተሓቑኑ ዝጸንሐ፡ ከሰጋግሮ ኢሉ ዝወሰኖ ድማ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ምምጻእ ኣብ ስልጣን ከም ቐዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ መጺኡ። ምምጽኡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ነቲ ሒዙዎ ዝመጸ ጭርሖ ምድማር ብዙሕ ተስፋ ተነቢርሉ።

ኣብ'ዚ ዝሓለፈ 3 ዓመት ብወገን ኤርትራ መንግስቲ ካብ'ቲ ትጽቢት ህዝቢ ወጻኢ ማለት ዶብ ክሕንጸጽ፣ እሱራት ክፍትሑ፣ ኣገልግሎት ከብቕዕ ወይ ክሓጽር ዝብሉ፡ብኣንጻሩ ድፍረት ንልዕላውነት ኤርትራ ፣ ነዚ ኹሉ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ቓልሲ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ ኣይከሰርናን ፣ ነቲ ን30 ዓመት ከም ሃገር ዝኾነት ሃገርን ልዕላውነት ዘለዎ ህዝኒ ኤርትራ ድማ ' ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ'ዩ " ተባሂልና ብኢሰያስ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኮይኑ።

ምስ'ዚ እቲ ናይ ዝወሃብ ዝነበረ ውሑዳት ቓለ-መሕተት ኢሰያስ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ንመብዛሕትኡ ኤርትራዊ እቲ ሓደጋ ዝመጽእ ይረኣዮ ነይሩ፡ ምናልባት ናይ ግዜ ምፍልልይ እንተዘይኮይኑ። ብወገን ኢትዮጵያ ድማ እቲ ኢህወደግ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ክቕይር ተገዲዱ፡ ምስ'ዚ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ናበይ ወይ መንገዲ ትግራይ ከመይ ይመስል ዝብል ድማ ብግሁድ ዝኸይድ ዝነበረ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታት ድማ ብፍላይ ካብ ውርሒ 11 ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንተ ርእይና፡ መንገዲ ትግራይ ናበይ ዝብል ክለዓል ግድን እዩ።

ሓደ ነገር ንጹር ክኸውን ዘለዎ ብዘየወላውል፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብመትከል ጣልቓ ምትእትታው ንጹግ፣ ግጉይ ዘይቕቡል ፍጻሜ ስለዝኾነ ኩላትና ኤርትራውያን ብዘየገድስ ፍልልያትና ክንኩንኖ ይግባእ፡ ሕጂ'ውን ብዘይምስምስ ይውጻእ።

ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ጎረቤትና ዝፍጸም ዘሎ ኩነታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይጸልወና ስለዝኾነ፡ብፍላይ ድማ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ውግእ ኣብ ትግራይ ኢዳ የእትያ ስለዘላ ንመጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ድማ ዘሻቕል ስለዝኾነ ዝተፈላለ ርእይቶታት ሓንሳብ እውን ርሱን ክትዓት ይካየድ ምህላዉ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ኣብ'ዚ ቐረባ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሳባት ንሽግራትና ንምቕላልን መፍትሒ ነቲ ስርዓት ምልኪ ክንስዕሮ ዝብሉ ብዙሓት እዃ እንተኾኑ፡ ገለ ካብ'ቶም ምጥቓስ ፡እቲ ብሓውና ሳልሕ ዮኑስ ዝቐረበ  ሓሳብ "መንግስቲ ኣብ ስደት" ዝብል ክኸውን ከሎ፡እቲ ሓደ ሽነኽ ድማ ብሓውና ኣማንኤል ኢያሱ ዝቐርብ ዘሎ ድማ " ኩሉ ዓቕምና ምስ ትግራይ ጥራሕ ኮይና ነቲ ስርዓት ምውዳቕ"ዝብሉ  እዮም።

እቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝብል ሓሳብ ክዕወት ክልተ ጉጅለታት ስርሖም ክገብሩ ኣለዎም' ዩ ኢሉ መግለጺኡ ዝጀመረ ሓው ዮኑስ፡እቲ ቐዳማይ ጉጅለ ብተመክሮን ብታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝመጸ፡ነቲ ታሪኹ ዝበረዘ ስርዓት ህግደፍ መኪቱ ጉዳይ ህግ መዕጸዊ ክገብረሉ ኣለዎ፡ብምቕጻል እቶም ኣብ 1987 ካልኣይ ጉባኤ ዝተመርጸ ማእከላይ ሽማግለ፡እሞ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝመስረቱ ኣባላት ስለዝኾነ እቶም ኣብ ግዳም ብህይወት ዘለዎ፡ነዚ ስርዓት ዝቛወሙዎ ዘለዉ ፡በዚ ተመክሮ ዝሓለፉ ጥራሕ ዝእከብዎ/ ጉባኤ ሰሪሖም፡መሪሕነት መስሪቶም ንሕና ኢና ወከልቲ ህግ ኢሎም ንህዝቢ ከለዓዕሉ፡እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ብተመክሮ/ ታሪኽ ተጋድሎ ሓትነት ኤርትራ ዝመጽእ ነዚ ኣስመራ ዝኣተወ ስርዓት ኢሰያስ ዘይቕበል ዝነበረን ዘሎን ስለዝኾነ፡እዚ'ኦም ድማ ብወገን ባይቶ ተጠርኒፎም ዘለዉ ይብል ሳልሕ ዮኑስ፡ምናልባት ነቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ዘንግዒዎ ከይከውን ምኽንያቱ እቲ ባይቶ ኣካል ( ኣባል ) ናይ ፖሓኤ እዩ ክትንጸር መታን ካልእ ትርጉም ከይህልዋ።

እዞም ጉጅለ ድማ ሓደ ሰፊሕ ጽላል መስሪቶም ምስቶም ብጾቶም ብህግ ዝመጸኡ ተራኺቦም ድማ ሓንቲ ናይ ሓባር መሪሕነት  መንግስቲ ኣብ ስደት ዝብል ካብ'ቲ ምርኽኻብን ምልዛብን ዝመጽእ ክገብሮ ዝኽእል ስራሕ፡ህዝቢ ተስፋ ዘቐምጠሉ ኣካይዳ ምምስራት እዩ ተረድኦይ፡ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ዝብል ርእይቶ ድማ ኣለኒ።

እንቱም ፖለቲካ ውድባት ዘለናዮ ኩነታት ምስ'ቲ ዓቢ ሽግራት ዘለና ህዝቢ ይዓስሎ የለን ነዚ ቓልሲ ብፍላይ በቲ ስርዓትን ናይ ግዳም ሓይልታት ብጎረባብትና ዝመጽእ ኣዕናዊ ወፈራ ዝተኻየዶ መንገዲ ኣግእዝያን፣ ትግራይ-ትግርኚ ፣ጸልማት መጻኢ ትስሕትዎ ስለዘይኮንኩም ከም ብዝወሓደ ነጥቢ / ደረጃ ዋላ እቲ ዝሕሰብ መንግስቲ ኣብ ስደት እንተዘይሰርሐ እዞም ክልተ ጉጅለታት ሰስራሕና እንተ ሰራሕና ምእንቲ እቲ ህዝብና ጽቡቕ እዩ፡ኮፍ ኢልካ ኣይሰርሕን እዩ ምባል ናይ ተቓለስቲ ስራሕ ኣይኮነን።

እቶም ቓልስና ምስ ምውህሃድ ትግራይ ጥራሕ ዝኣምን ወይ ዝቕበል እትብል ኣሰካፊት ኮይና ረኺበያ፡እቶም ክልእ ርእይቶ ዘለዎም ከመይ ኢዮም ዝርእይዎም ዝብሉ ክምለሱ ይግብኦም።

ኣብ'ቲ ኣገላልጻ ካብ'ቲ ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ ዝብል ናይ የዋህ ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ክኸውን ከሎ፡ነቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ክልተ ሃገራት ዘይምግንዛብ ዘሎ ይመስል።ንሶም እቶም ትግራዎት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝገብርዎ ቃልሲ ፍትሓዊ ቓልሲ እዩ፡ምኽንያቱ እቲ ንህላዌኦምን ንክብሮም ዝገብርዎ ስለዝኾኑ፡እንተ እቲ ንሕና ምስኦም ኮይና፡ኣብ ውሽጢ ትግራይ ብረት ዓጢቕና ኣንጻር ስርዓት ኢስርያስ ዲና ንቓለሰ ዘለናስ ዋላ ኣንጻር ውጹዕ መንእሰይ ኤርትራ? ነዚ ከይተመሃርናሉ ትማሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ፈላልዩና ዝነበረ ኣዕናዊ /ኣፍራሲ ናይ ካላሽን ናፍቖት ዘለዎም ሸንኮለል ዘበሉና፡ትማል ህወሓት ኣብ ስልጣን ኢትዮጵያ ከለዉ ዘይገበርዎ ሕጂ ቐዳምነት ዝህብዎ ስርዓት ኢሰያስ ኣይኮነን፡ህላዌኦም እዩ እሞ ዘየዐውት ስትራተጂ እንደገና ንሽመም ከምዘለና እዩ ዝሕብር፡ብተወሳኺ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ግደ ህወሓት ኣይተመሃርናን።

ንሕና ኤርትራውያን ብዝያዳ ክንመሃረሉ ዘለና ንሶም ንሕና ዝብል ኣዕናዊ ገዲፍና ኣብ ክትዕ ኣቲና ክንቐራረበሉ ዘለና መንገዲ ምንዳይ ኣገዳሲ እዩ፡ ጽባሕ ኣብ ካልእ ቦታ ኣቐሚጥካዮ ዝጸናሕካ ብሓባር ክትስርሕ የሸግር እዩ እሞ፡ብፍላይ እዚ ንሶም ከይዶም ንሕና ድማ ናትና ንግበር ዝበሃል ናይ ለባማት ዘረባ ኣይመስለንን።ብፍላይ ድማ ኣብ ውድባትን ውልቐ-ሰባትን እናኣነኣኣስካ እሞ ድማ ዘራጊ ግደ እናተጻወትካ እንከለኻ ብእትብሎ ዘይኮነስ ብእትገብሮ ስለዝዕቐን ቕሩብ ነዚ ክንቑጠበሉ ይድለ።

ብዝተረፈ እዞም ብጾትና ምስ ትግራይ ኮይንካ ኢኻ ትቓለስ/ትዕወት ዝብሉ ካብ ጽቡቕ ድሌት ክኸውን ይኸውን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ መወዳእታ ብውልቐይ ርእይቶ ዘለኒ ከቐምጥ፡

እዚ ኩነታት ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ብጀካ እቲ ሃሰያ ረኺቡዎ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ንሕና ኤርትራውያን ዝሓለፍናዮ መከራ ብመግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተቐቲሉ፣ ዓዱ ነዲዱ፣ ንብረቱ ተዘሪፊ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ድማ በሽሓት መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ልክዕ ከም'ቲ ናትና ክውርዶ ከሎ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ፡ብፍላይ ናቱ ዝብሎ መንግስቲ።

ትግራይ ሃገር ክትከውን ህዝቢ ትግራይ ክእውጅ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ፡እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ተመሊሱ ናብ ዝጨፍጨፎ ስርዓት ወይ ሃገር ክምለስ እዩ ዝብል ግምት የብለይን።ምእዋጁ ዝሓሸ ምኾነ ንጹር ቓልሲ መታን ክኸውን።

 እዚ ቕድሚ ሕጂ ንእሽተይ ሓሳብ " ህወሓት ወስኑ" ከምኡ'ውን ሕጂ'ውን ወስኑ ዝብላ ጽሕፋት ብዓቕመይ ፈይ ኣቢለ ነይረ፡ስለዚ ብዙሕ ከይከድኩ ሓንቲ ትግራይ ከም ሃገር ኣብ ጎረቤት ንዓና ኤርትራውያን ጽቡቕ እዩ። ሓንቲ ድኽምቲ ኢትዮጵያን ሓንቲ ዓቕምና ዝኾነት ትግራይ፣ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምሓራ ወይ ኦሮሞ ዝመርሓ ኢትዮጵያ ንደቡብ እተማዕዱ ግን ብሰላም ሰናይ ጉርብትና ስርዓት ህግደፍ ዘይብላ ብቕዋም እትመሓደር ኤርትራ እትምስርት ዝብል ስትራተጂ ዝኽተሉ መራሕቲ ኤርትራ እንተረኽብና ንህዝብና ዝሓሸ ምርጫ እዩ።

ስለዚ እቲ ናይ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ይምልከት ፡እቲ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ዘይናትና ኣይንደልን፡ኣብዘይናትና ድማ ኣይንኣቱን ኢና፡ግን እቲ ስርዓት ኢሰያስ ሰራዊትና ሰራዊት ኤርትራ ( የሓዋትን/ኣሓትና) ካብ ትግራይ ይውጻእ!!!

Last modified on Tuesday, 27 April 2021 10:10