ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዱብ  ኣኼባ ኣካይዱ

2020-08-02 18:39:56 Written by  ሽማግለ ዜና Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1492 times

 ኣብ ዕለት 1 ነሓሰ 2020 ኣብ ጀርመን ዝርከብ ንኡስ ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምላእ ኣባላት ጨናፍር  ብመራኸቢ ብዙሓን ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ተስፋማርያም ክብራኣብ፡  ብኣጋጣሚ ኣብዚ ማዓልታት ይባዓል ንዘሎ  ዒድ  ኣልኣድሓ  ኣልሙባርክ ምኽንያት ብምግባር፡ ንመላእ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ምእመናን ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዒድ ኣልኣድሓ ኣብጻሓኩም ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ኣማሓላሊፉ፡ ንኣኼበኛ ድማ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። 

  ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ድሕሪ ሓጺር መእተዊ ምግባር ኣጀንዳ ኣኼባ ብቀደም ተኸትል ድሕሪ ምሕባር፡ ላዕሎዎት ኣማራርሓ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣካል ናይቲ ኣኼባ ክኾኑ ዕዱማት ብምንባሮም መድረኽ ንዓኣቶም ኣረከበ፡፡ ብምቕጻል ንቀዳማይቲ ዕድምቲ ኣባል ባይቶ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወይዘሮ ትዕበ ተኪኤ መድረኽ ብምርካብ ንውሽጣዊ ጉዳይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ብሕጽር ዝበለ ድሕሪ ምሕባራ፡ ኣብቲ ቀንዲ እዋናዊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ደምበ ተቓውሞ ዘማሓላልፎ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓዘ ፖሎቲካዊ ወሳኔታት ናብ ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ኤርትራ ንኽበጽሕ ተራ ናይ ኩሉ ግዱስ ዜጋ ዝተወደበን ዘይተወደበን ዝምልከት ሰለዝኾነ ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ከምዘሎዎ መልእኽታ ኣማሓላሊፋ፡፡ ብተወሳኺ ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳቅ ወልደማርያም ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ምሕባር፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ኣዎንታዊ ምዕብልናን ብስፍሕ ዝበለን ዑምቀት ዝመልኦን ካብ ዝሓለፈ ግዜ ዝያዳ ተቢዕካ ክትሰርሕ ዝዕድም ጽቡቕ መንፈስን ዓቢ ተስፋ ዝመልኦን ብምንባሩ ኣኼበኛ ጽቡቅ ጌሩ አስሚርሉ፡፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ  ነዚ እዋናዊ ንምዕዋት ዝካኣል ዘበል ክፍጽም ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።

 ድሕሪ እዚ ኣብቲ ብቕደም ተኸትል ካብ ዝተሰርዓ ኣጀንዳታት፡ ጉዳይ ሰፊሕ በዓል ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት ኮይኑ፡ ልክዕ ኣብዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ቀዳማይ ሰሚን ናይ ወርሒ ነሓሰ ይብዓል  ስለዝነበረ ኣብ መንፈስ ነብሲ ወከፍ ኣባል ናቱ ፍሉይ ስሚዒትን ትዝታዊ ቦታን ዝነበራ ዕለተ ኣኼባ ኮይና ተረኺባ። ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ፈስቲቫላት ኤርትራ ብሓፈሻ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ድማ ብፍላይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያውን ኣስተዋጽኣኡ ዓብዪ ተራ ካብዝነበሮም መድረካት ብምንባሩ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳይውን ነቲ ንዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሔ ዜጋታት፡ መተዓብይቲ። መቓልስቲ፡ ካብ ኤውሮጳ ሓሊፉ፡ ርሑቕ ኣወስትራልያን ኣመሪኻን ካብዝነብሩ ኣራኺቡ ዝምድናታቶም ክዕቀቡን ክቕጽሉን ዝነበሮ ስነ ኣእምራውን ማሕበራውን ግደ ዝዝንጋዕ ብዘይምንባሩ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰሪ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ 2020 ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት እዃ እንተተጎናደበ፣ ብሰናይ ድልየትን ተበግሶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምድላዋቱ ብደረጃ መላእ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን ክዳሎን ክዕመምን ምውሳኑ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይነበረ። ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል ድማያ ሽማግለ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን ምውንዛፍ ፈስቲቭል 2020 ብጽሒፍ ንህዝቢ ዝገለጸት። ብኩራት ፈስቲቫል 2020 ድማ ንድሕነት ህዝብናን ህዝቢ ንነብረሉ ሃገራትን ምዃኑ ተገንዚብና፡ ሓደጋታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብዘኽትመሉ እዋን፡ ብሓድሽ መንፈስን መደባትን ፈስቲቫላት ኮነ ካልኦት መደባት ናይ ቃልሲ ንምዕዋት ከቶ ኣይክንሕለልን ኢና። ስለዚ ድማ እዩ ኣኼበኛ ንኡስ ዞባ ጀርመን ንፈስቲቫል 2020 ብመራኸቢ ብዙሓን ተዘክሮታቱ ብምግላጽ ዘብዓላን ዝዘከራን።

በዚ መሰረት፡ ኹሉቲ ፈስቲቫል ክግበር ትጽቢት ኣምቢሩ ዝጸንሔ ሕበረተሰብና ነዚ መልእኽቲዚ ብምግንዛብ፣ ከምቲ ዝተመደበላን ትጽቢት ተጌሩላ ዝጸንሓን ኣብ መጻኢ ክትግብር ኩልሻዕ ዱሉዋት ከምዘሎናን ግን በዚ ኣጋጣሚ ኣኼበኛታት መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም።

ድሕሪ ዝኽሪ ፈስቲቫል ኣብዝተረፈ ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ብምዝታይ ኣኼባ ብስፍሕ ዝበለ ርእቶታት ምህብታምን ለበዋታት ምስማዕን፡ ነዚ ንዓለምና ናብ ከቢድ ቅልውላው  የእትዩ ዘሎ  ሕማም ኮሮና ቫይረስ (Covid 19 ) ከምቲ ብሰብ ሞያ ዝወሃበና መምርሕን ኣስተምህሮን እናተመራሕና ንነብስና እናተኻላኸልና ድሕነት ሰድራቤትና ክንሕሉ ከምዘሎና በዚ ኣጋጣሚዚ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፡ ኣኼባ  ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡

ንቕዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን!

ውድቀት  ንዲክታቶርያዊ ስርኣት! 

      ዕለት 2.8.2020

 

 

Last modified on Sunday, 02 August 2020 21:57