ህዝቢ ኤርትራን ድርብ መኸተታቱን

2020-06-09 11:10:08 Written by  ኢያሱ ንርኣዮ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1921 times

ወዲ ሰብ ካብ መኸተን ብደሆን ወጻኢ ኣይነብርን እዩ። ብደሆታት ሓደ ክስገር እንከሎ ብኻልእ ዝትከኣሉ ተኸታታሊ መስርሕ እምበር፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዘቋርጽ ኣይኮነን። ናይ ወዲ ሰብ ድሌት ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ነዚ ድሌታት ንምውሓስ ዘጋጥም ብደሆን ንምስዓሩ ዝግበር መኸተን ከኣ ምስኡ ይቕጽል። ኣብ ተመኩሮና እንተረኣናኳ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእታዊ ብደሆ መኪቱ ቅድም ብግብሪ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ  ብድምጹ ልኡላውነቱ ጨቢጡ። እነሆ ከኣ ሎሚ ኣብ ናጻ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዘዓንቀጸ ዲክታቶርነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ ኣብ ቀጻሊ መኸተ ይርከብ።

ብድሆታት ገለን ብተፈጥሮ ገለን ድማ ሰብ ብዝሰሖ ዘጋጥሙ እዮም። ደርቂ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ህቦብላን ንፋስን ማዕበልን ባሕርን ምስቲ ዘስዕብዎ ማህሰይቲ ተፈጥሮኣዎ ብደሆታት እዮም። ውግእ፡ ምምዝባልን ምግሃስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን ከኣ ሰብ ዝፈጥሮም ብደሆታት እዮም። ሓፋሽ ህዝቢ ግና ዓመጽቲ ብደሆታት ብዝመጽዎ ይምጽኡ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ዘይኮነ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ካብ ምምካቶም ንድሕሪት ኣይብልን። ምኽንያቱ ናይ ህልውናን ቀጻልነት ወሳኒ መኸተ ስለ ዝኾኖ። ብደሆታት ንምምካት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እቲ ዕምቆትን ኣገባብን፡ ከከም ዓቕሚ ናይቲ ኣብዚ መኸተ ዝሳተፍ ህዝቢ ክፈላለ ይኽእል። እቲ ዝምክት ህዝቢ ብኸመይ ዓይነት ምምሕዳር ይምራሕ ከኣ ኣብዚ ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ። በዚ መሰረት ኣብቲ መስርሕ መኸተ፡ ገሊኡ ኣዝዩ ይህሰ ገሊኡ ከኣ ብንኡስ ዋጋ ሓንቢሱ ክወጾ ይኽእል።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሜኡ ክምክቶም ዝግደድ ድርብ ብደሆታት ኣጋጢመምዎ ኣለዉ። እቲ ሓደ ከም ህዝቡ እቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ተፈጥሮኣዊ ተረኽቦታትን በዓል ግዜ ኮቪድ-19 ኮረናቫይረስን እዩ። እቲ ካልእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ብደሆ ከኣ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክጠማጠሞ ዝጸንሐ ጉጅለ ህግዲፍ ዝሃንደሶ፡ ብብኩራት ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ መሰላት፡ ልዕልና ፍትሕን  ጸልማት ዘበን ምምሕዳር ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዩ። ስለዚ እቲ ነባር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግዲፍ ዝመሃዞ ብደሆታት መኪትካ፡ ሕጊ ልዕሊ መላኽነት ውልቀ-ሰባት ሰባት ዝስረዓሉ፡ ወሳኒ ግደ ሕገመንግስቲ ውሕስነት ዝረኽበሉ፡ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዘይንቕነቕ፡ ናብ ወለዶታት ዝመሓላለፍ ባይታ ዝስረተሉ፡ ስርዓት ንምትካል እዩ። እዚ ብደሆዚ ደጋዊ ጽልዋ የብሉን ኢልካ ዝድምደምኳ እንተዘይኮነ፡  ብቐንዱ ኤርትራዊ መኸተ ኮይኑ ዝጸንሐን ክሳብ ዓውት ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዝቕጽልን እዩ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእስቲ ዝጸንሖ ብደሆ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ሓድሽ ብደሆ ኣንጻር ኮረናቫይረስ ተጸሚዱ ኣሎ። ከም ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ብናይ ምውጻዕ እኩይ ተንኮል ዝኸሓኑ ስማዊ ምምሕዳራት፡ ንዝኾነ ኣሻቕቃሊ ተረኽቦ ኣብ ጸቢብ ረብሓኦም  ንምውዓል ካብ ምቕያስ ንድሕሪት ኣይብሉን እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዚ ኣብ ኣስመራ ኣድብዩ ዘሎ ኣበሰኛ ጉጅለ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ባዕሉ ዝወለዖ ውግኣትን ካልእ ምስምሳትን ከም መኸወሊ ብምጥቃም፡ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ከም መሕብኢ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ፡ ሎሚ እውን ንሓደጋ ኮሮና መዝሚዙ፡ ፖለቲካዊ ጭንጭራ ዓበደ ካብ ምጽዋት ንድሕሪት ከምዘይብል ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። ነዚ ናይዚ ጉጅለ መጻወድያ ናይ ምምካኑ ሓላፍነት ከኣ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብደሆታት፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይስገር ግቡእ እዩ።

ሕማም ኮሮና፡ ብትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ንዝተሃስየ፡ ህዝባዊ ምምሕዳር ንዝበኾሮን ኣብ ኣዝዩ ትሑት ጥዕናዊ ዓቕሚ ዝነብርን ህዝቢ ዝያዳ ከም ዝሃሲ፡ ናይ ፈላጣት መጽናዕቲ ዘረጋገጾን ብግብሪ ዝረአ ዘሎን እዩ። ህዝብ ኤርትራ ከኣ ብሰንክቲ ኣይኮነንዶ ትካል ጥዕና ክኸፍት ዝተኸፍቱ ዝዓጹ ሰይጣናዊ ጉጅለ፡ በዚ ዝተጠቕሰ መለክዒ ንሓደጋ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ብዛዕባቲ ሕማም ከተባብዕን ከጸናንዕን ሞራል ዘየብሉን ለበዳ ኮሮና ንምምካት ካብ ለጋሳት ኤርትራውያን ዝተዋህለለ ገንዘብኳ ኣብ ምንታይ ከም ዝወዓለ ክነግር ብዘይደፍር ጉጅለ ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ብሳላቲ ኣብ ጥሙይ ከምዱን ጽሙእ ጐረርኡን፡ ብትካል ጥዕና ዓለምን ካለኦት ግዱሳትን ዝወሃብ ምኽርታትን መምርሕታትን ብምስማዑን፡ ስርዓት ዘኽብር ባህሉን ነዚ ሕማቕ እዋን ከም ዝሰግሮ ትስፉው ምልክታት የርኢ ኣሎ። ነዚ እዱብ ኣካይዳኡ ከኣ ክቕጽሎ  ነዘኻኽሮ። ብሰንኪ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ብኣካል ቀሪቦምኳ ንብዓቱ ክሕብሰሉ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ደቁ ኣብ ጐኑ ምህላዉ ከኣ ካልእ ንኤርትራዊ  ዘተባብዖን ተስፋ ዘስንቖን እዩ። ስለዚ ህዝብና ነቲ ከም ዓለሙ ገጢምዎ ዘሎ ብደሆ ለበዳ ኣላሽ ኣቢሉ፡ ናብቲ ንብዙሕ ዓመታት ምስኡ ዝጸንሐ ከም ህዝቢ ፍትሓዊ ቀጻልነትካ ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከም ዝምለስን ከም ዝዕወትን ከኣ ብምሉእ ልቡ ትስፉው ክኸውን ይግበኦ።

እቲ ሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ዘይርጉእ ጉጅለ፡ ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢራ፡ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ጉጅለቢሳያስ ኣብ ቫይረስ ኩሮና በጺሑ፡ ምእንቲ ህዝቢ ክርህርህን ክሓልን ዘበት እዩ። ሕክምና ኮሮና ቫይረስ ጉጅለ ህግዲፍ ዘይውንኖ ፈውስን፡ ልዑል ዓቕምን ፍልጠትን ዝሓትት እዩ። እቲ ጉጅለ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢዱ ዘሎን ብቃልሱ  ዝመጸኦን ጭቆና ዘወግድ፡ ሰላም ዘረጋግጽ፡ ልዕልና ሕጊ ዘውሕስ  ኮታ ኤርትራዊ  ከም ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብናጻ ክነብር ዘኽእሎ መድሃኒት ክረክብኳ ኣይፈቐደን። ኣብ ሎሚ ግዜ ኮሮና በጺሑ ክልውህ ዝኾነ ኣካል ክጽበዮ ኣይግባእን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቀደም ዓለም ረብሓኣ ኣቐዲማ ክትጠልሞ እንከላ፡ ካብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገሩ ንድሕሪት ዘይበለ፡ ሎሚ እውን፡ ቀዳምነታቱ ብምስራዕ ነዚ ድርብ ብደሆታት ብድርብ መኸተ ክስዕር ክጸንዕ ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 09 June 2020 13:12