ኣዕሪኻ ዘይዕረ፡ ምስሊ ኢሳያስ

2020-03-14 19:32:37 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1779 times

ቅድሚ 10 መዓልታ ኣቢሉ ኣጽቂጦም ዝጸንሑ ላዕለዎት መራሕቲ ህግዲፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተወከልቲ ስማዊ ህዝባዊ ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ፡ ናይ ኣኼባታት ወፈራ ከካይዱ ተዓዚብና። ካብተን እዚ ናይ ኣኼባ ወፈራ ዘካየዱለን ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ኣቑርደት፥ ባጽዕን ባረንቱን ይርከበአን። ነዚ ኣኼባታት ዝመርሑ ዝነበሩ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ሓጐስ ገብረህይወት፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ወልደሚካኤል ኣብረሃን እዮም። ኣብቲ ነዚ ኣኼባታ ብማዕከናት ዜናኦም ኣቢሎም ዘቃልሕዎ፡ ኣጀንዳ  ወፈራኦም ዝኣረገ ክነሱ፡ ኣሕዲሶም ከቕርብዎ ፈቲኖም እዮም።

ነዚ ናይ “ጠፋእና” ኣኼባታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ህዝብና ከም ዘካይደዎ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ዘለናሉ ኩነታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ፍርሑ ቀንጢጡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ዓው ኢሉ ክዛረብ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ዕድመ ህግዲፍ ነዊሕ ከምዘይኮነ ተስፋን እምነትን  ዘሕደረሉ፡ ቃልሱ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ምስቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ቃልሲ ኤርትራውያን ምትእስሳሩ ኣድላይ ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉን ነዚ ንክጥዕሞ ነቲ ካብ ደገ ዝፍኖ ንኤርትራ ዝምልከት ማሕበራዊ ሚድያታት ጥቡቕ ምትእስሳር ኣብ ዝፈጠረሉ ግዜ ዝተኻየደ ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ እዩ። በቲ ካልእ ወገን  ሕርቃን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ብ7ን 9ን ለካቲት 2020 ዘካየዶ ዓቕሊ ጽበት ዝወለዶ ዘይሓላፍነታዊ ቃለ-መጠይቓት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዩ እዚ ናይ ኣኼባ ወፈራ ተኻይዱ።

ኣብ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ከኣ ኤርትራውያን፡ በብኹርናዑ ሓያል ምልዕዓል ፈጢሮም ናይ ለውጢ ሓይሎም ዝጥርንፍሉ ውድባታቶም ድልዱል ትካላዊ መልክዕ ንምትሓዝን ንምሕያልን ቀጻሊ ተስፋ ዝህብ ምንቅስቓስ ኣብ ዘካይድሉ ህሞት እዩ እዚ ኣኼባታት ተኻይዱ። በብኩርናዑ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓስን ምብርባርን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ምስቲ “ካብ ይኣል ናብ ይከኣል” ዝብል ጭረሖኡ፡ ሓደ ካብቲ ንህግዲፍ ዘሰንብዶ ዘሎ እዩ። እቲ ኣብ ዘገምታዊ ናይ ምቅርራብ መስርሕ ክሕቆን ጸኒሑ፡ ኣብ ዝጻዕየሉ ደርጃ በጺሑ ዘሎ፡ ናይ ኤርትራዊ ተቓወምቲ  ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ብሓባር ኣንጻር ህግዲፍ ናይ ምቅላስ ቅርቡነት እውን ካልእ ንጉጅለ ህግዲፍ ስግኣትን ስንባደን ዝፈጠረሉ ዘሎ እዩ።

እቲ ቀንዲ ንህግዲፍ ናይ ኣኼባ ወፈራ ንምክያድ ዘገደዶ እምበኣር፡ ነቲ ካብ ቀደሙ እውን ክፉእ ዝነበረ ምስሊ ህግዲፍ መሊሱ ብሰንኪቲ ዘይሓላፍነታውን ዘይውርዙይን ናቱ ኣቐሚጡ ኣብ ዘይጉዳዩ ዝዳኽርን ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዕራይ እዩ። ኩልና ከም ዝተኸታተልናዮ ናይዚ ዲክታተር ቃለ-መጠይቕ ክልተ ነናቶም ዝርዝር ዘለዎም ዓበይቲ ጸይቅታት እዩ ፈጺሙ። እቲ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸም ዘሎ ግፍዕን  ጸገምን ዒቕ ኢልዎስ መፍጥሒ ክረክብ ሃንቀው እንዳበል፡ ንሱ ግና ነቲ ጸገም ዘርዚሩ፡ ማዕረቲ ህዝቢ ፍታሕ ተጸባይ ኮይኑ ተሰሪዑ። ኣብ ህዝቢ ከኣ “ንሕና ደኣ መፍትሒ ዘምጸኣልና እምበር፡ ነቲ ኣብ ገገዛና ዘሎ ጸገም ኣመላኺዑ ዘቕርበልና ዲና ስኢና” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉን ተቖጢዑን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እዚ ዲክታቶር፡ ዲፕሎማስያዊ ኮነ ፖለቲካዊ ውሕልነት ብዘየብሉ፡ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና እንዕዘብ ዘይኮነስ፡ ኢድና ሓዊስና ከነዕርዮ ኢና” ኢሉ ነቲ ምስኡ ዘሎ ጸገም ዘየወገደ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ጸገም ክጽወዓሉ ሰሚዕናዮ። ያኢ ኢሳያስስ መዕረዪ ኮይኑስ ዶብ ሰጊሩ ዋናታቱ ዘለዉዎ ጉዳይ ከዕሪ ። እዚ ኣበሃህላኡ ካብ ኢትዮጵያውያን ንብዙሓት ኣቖጢዑ። ብኣበሃህላኡ ዝተቖጥዑ “ኣብ ዘይምከተካ ኢድካ እንተኣእቲኻስ ኢድካ ትቑረጽ” ክብልዎ ሰሚዕና። እቲ ምስኡ ዝምድና ዘለዎ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ መንጐ ናይ ኢስያስ ናይ ጽላለ ኣካይዳን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ተቐርቂሩ ውሽጡ ሕሩር ኮይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ምሁራት ብናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጠብሎቕሎቕ ከም ዝተቑጥዑ፡ ነቲ 48 ዶክተራት ደቂ ኦሮሞ ናብ ኢሳይስ ዝጸሕፍዎ ናይ “ኢድካ ኣክበልና” ቅሉዕ ደብዳበን ምስሕጽንታን ምዕዛብ ይከኣል። ንኢድ ኣእታውነት ኢሳይስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ማዕረቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ህልዊ ኩነታት ጉዳይ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘመሳስልዎ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም።

እቶም ኣዕሪኻ ንዘይዕረ ምስሊ ኢሳያስ ከዕርዩ፡ ናብ ኣኼባታት ዝወፈሩ መራሕቲ ህግዲፍ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ዘምጽእዎ  ሓሳባት ሓድሽ ዘይኮነ፡ “መንግስትና ጸገማት ዝጽብጽብ ጥራይ ዘይኮነስ ፍታሕ ከምጽእ ተቐሪቡ ዘሎ እዩ” ዝብል መናውሒ ዕድመ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እዮም ፈቲኖም። ኣብ ሕርሻ፥ ኣብ ህንጻ፥ ኣብ ንግድን  ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ተኣምር ከም ዝሰርሑ ዘርዚሮም። ነቲ  ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣዝዩ ደዊኑ፡ ካብ ስደት ናብ ፍልሰት ማዕቢሉ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝዓግት መደብ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም። እዚ ግና ህልዊ ኩነታት ኤርትራን ባህሪ ጉጅለ ህግዲፍን ንዝፈልጥ ሓሶት ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብዚ ኣኼባታት ህዝቢ ተንሲኡ ክዛረብ እምበር፡ እንታይ ከም ዝተዛረበ ዝስማዕ ኣይነበረን። ከም ርዱእ ሎምስ ፍርሑ ቀንጢጡ ስለ ዝኾነ እቲ ህዝቢ ብውሕዱ “ናበይ ገጽና ኢና ንኸይድ ዘለና” ከም ዝብሎም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ጐኒንጐኒ እዚ ኣኼባታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኤርትራ ንዝፈተንዎ ናይ “ንኽተት ተመዝገቡ” ወስታታት “ብናይ ቅድሚ ሕጂ መስዋእቲ ደቅና ኣይከሰርናን ምባልኩም መዓንጣ ከብድና እንዳሓረርናስ ሎሚኸን ንምንታይን ናበይን ኢና ነኽትት” ዝብል መልሲ ይወሃቦም ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣሎ። እዚ ከኣ ሓደ ካብ መርኣያታት ናይቲ ህዝቢ ፍርሒ ምቕንጣጡ እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ብህግዲፍ ኣይክዕሾን እዩ። ዘለኣለም ክዕሾ ክነብር ንቡር ኣይኮነ። መራሕቲ ህድግዲፍ ድሕሪ ሕጂ ብኸምዚ ከካይድዎ ዝቐነዩ ባዶ ወፈራ ንህዝቢ ከዕሽዉ እንተወፊሮም፡ እቶም ዝዕሸዉ ንሳቶም ምዃኖም ክርድኡ ይግበኦም። እንተ ምስሊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘይዕረ ኮይኑ ስለ ዝተበላሸወ “ዘይዕረ ከዕርዩ” እንተዘይደኽሙ መሓሾም።  

Last modified on Saturday, 14 March 2020 20:35