ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 117 ሰባት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም

2019-11-25 14:47:20 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1579 times

 

ገለ ካብቶም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት Image copyright UNHCR/LIBYA ናይ ምስሊ መግለጺ ገለ ካብቶም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት

ኣብ ሊብያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቶም ሳልሳይ ገጽ ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ናብ ርዋንዳ ኣትዮም።

እዞም ሎሚ ወጋሕታ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ ቁጽሮም 117 ምዃኑ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

እዞም 117 ስደተኛታት ምስቶም ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ካብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ናብ ርዋንዳ ዝኣተዉ 189 ስደተኛታት ንምጥርናፍ ካብ ከተማ ኪጋሊ ንሸነኽ ምብራቕ ናብ ዝርከብ ጎሾራ ዝብሃል ቦታ ኣትዮም ኣለዉ።

መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብቶም ኣብ ሊብያ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ 500 ኣብ ሃገሩ ክቕበል ከምዝተሰማመዐ ዝዝከር እዩ።

ካብዞም ሎሚ ንጉሆ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ዝኣተዉ ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማልያውያንን ምዃኖም ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ኣሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ንኸይኣትዉ ንሃገረ ኒጀር ካብዞም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ልዕሊ 4000 ስደተኛታት ንገሊኦም ክትቅበል ሚልዮናት ዶላራት ከምዝኸፈላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ርዋንዳ ግን ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝኣተዉዋ ስምምዕን ነዞም ስደተኛታት ንምቕባል ዝተለገሰሎም ፋይናንሳያዊ ሓገዝ ከምዘየለ እዮም ዝሕብሩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50548273

Last modified on Monday, 25 November 2019 15:51