መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ናበይ ጽግዕ-ጽግዕ

2019-11-14 09:18:09 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1741 times

ዝኾነ ይኹን መላኺ ስርዓት ነቲ ህዝቢ ይኹን ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣገልጋሊኡ ከይተረፈ ብዓይኒ ጥርጠራ እዩ ዝጥምቶ። ብዓይኒ ጥርጠራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሓደ ኣቕሪቡ ይጸንሕ እሞ ጽንሕ ኢሉ ድማ ነቲ ዘቕረቦ ደርብዩ ንካልእ የቕርብ። ከምዚ እናበለ ናብቲ በትረ ስልጣኑ ዝደልድለሉ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ሃሙን ቀልቡን።

ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ማለት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ንደቂ ከበሳ ጥራይ ዝሓሊ ይመስል ከምዝነበረ እዩ ዝቐርብ ዝነበረ። ህዝቢ ከበሳ ግን ብዓንተቡኡ እውን ባህ ኢልዎ ኣይነበረን። ስለምንታይ ደኣ እዚ ኩሉ እናተጨቘነን መሰሉ እናተዳህከን ኣጽቂጡ ዝብል ኣይሰኣንን ኢዩ። ህዝቢ ዘስቅጠሉ ብዙሕ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕዶኾን ትወግሓለይ ወይ ትሓልፈለይ እናበለ ነቲ ክጽወር ዘይከኣል ጸይርዎ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናቱ ሕመቕ ከምዘይኮነ ኩልና ክንርድኦን ክንቅበሎን ዘሎና ሓቂ እዩ። እቲ ሕመቕ ኣባና ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከምዘሎ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ኢዩ።

ኢሰያስ እምበኣር ነዚ ህዝቢን ነታ ኤርትራን፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ብዝገደደ መልክዑ ከብርሶም እምበር ከማዕብሎም ድሌት የብሉን። ትማሊ ምእንቲ ስልጣኑ ክብል፡  መመኽነይታ መልዓሊ ውግእ ክትኮኖ ኣቐዲሙ ዝሓሰበላ ባድመ ንወያኔ ኣረኪቡዋ። ንዝኾነ ይኹን ዝጻረሮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ቅድሚ ናጽነት ንምጽራጉን ንምድምሳሱን ዝዓለመ ድማ ምስ ወያኔ ተመሓዘወ። ኣብዝን ኣብቲ ብምስምስ ዶብ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ዕሸላት ደቂ-ኤረይ ኣጥፊኡ።   

እንሆ ድማ ነቲ ዶብ ንኸይሕንጸጽ ብዛዕባ ዶብ ብዙሕ ከምዘይግድሶ ድሮ ኣተንቢሁልና ኣሎ። ልክዕ ኢዩ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ኣይህባን ይኸውን። እንተኾነ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ዝገብሮ ዘሎ፡ ነቲ ህዝቢ ኣደንቊርካን ብቁጠባ ከምዘይምዕብልን ብድኽነት መሬት ንኽዘብጥን ዝፍሕሶ ዘሎ ፍሕሶታት እዩ። ሓደ እቲ ጉዳይ ዶብ በቲ ዝተበየኖ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ነናተን ዶባት ፈሊጠን በቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ስምምዕ ንኸይከይዳ እሞ ስልጣ ከይትግፎ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ሜላ ኢዩ።  

ኢሰያስ ኤርትራ ንኸይትምዕብል ብዝገብሮ ዘሎ ሕንገዳ እንሆ ንሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርጋያ ብምልዮናት ዶላራት ዝግመት ብኩዌት ዝተመወለ ናይ 112 ኪሎሜትር ጽርግያ  ከምዝተሰርሐ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣቃሊሓቶ። እዚ ንኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርግያ ምስታ ኣብ ጂቡቲ እትረክበ ወደብ ታጁራ ዝራኸብ ኢዩ። እዚ ምስተን ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ዘለዋ ክልተ ወደባት ዝወዳደር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ  ነፍሰሄር “መለስ ዜናዊ ክልቲኤን ወደባትና  መስተይ ኣግማል ክኽዕና እየ” ዝበሎ ዘረጋግጽ እዩ።  ኣብዚ ንምንታይ ኢትይጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጽርግያ ሰሪሓ ኢልና ስኒ ንምሕርቃም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ስርዓት ኢሰያስ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ፥ ንጉዳይ ዶብ ሓንጺጹ በቲ ንክልቲኤን ሃገራት ሰላም ዘውሕስ ናይ ንግድ፡ ጸጥታን ካልእን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ንኸይቅየድ፡ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ንኸይረብሕ ዝምህዞ ዘሎ ተንኮል ንምቅዋም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ንሃገረ ኤርትራ ብሓደ ዘይተፈልጠ ሽርሒ ናይ ሓያላን መንግስታት ዝዋደድ ዘሎ ዘተባብዕ ይመስል። ወረ ኣብ መወዳእቱስ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምንታይ ዓዘቕቲ ኢዩ ክጥሕል።? ኢሰያስ እምበኣር ንፍቶ ንጽላእ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ዋጋ ከምዘይብሉ ገይሩ፥ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ከተመሓድር ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል መዘዝ ዝስዕብ ከይከውን ውን የስግእ እዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝጻወቶ ጭርጭር ዓበደ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ብኸምኡ ደረጃ እዩ ዝዋሳእ ዘሎ። ንኣብነት ቅድም ክብል ምስ ወያነ ተመሓዝዩ ነቲ ካልእ ብሄራት ኢትዮጵያ ብምንጻግ፥ ምልስ ኢሉ ሎሚ ድማ ምስ ብሄረ ኣምሓራን ኦሮሞን ክጸጋጋዕ ንርእዮ ኣሎና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምስ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ብፍላይ ንሸኽ ዓሊ ቢታይ ብሕማም ምኽንያት ንክፍወስ ብወጻኢ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ንኢማራት ከምዝተላእከ ጋዜጣታት ሱዳን ገሊጸንኦ ኢየን። እንታይ ኮን ይኽውን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ንሸኽ ዓሊ ቢታይ ክግደስ ዝደረኾ። ብርግጽከ ከምቲ ኢሰያስ ንሕናን ሱዳንን ሓደ ስለዝኾና ዝበሎኸ ናይ ብሓቂ ዲዩ ወይ ዝኣልሞ ጉዳይ ኣለዎ።? ብዙሕ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር ምናልባት ነቲ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ብመገዲ ሸኽ ዓሊ ቢታይ ኣቢሉ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ሱዳን ጀሚሩ ዘሎ ለውጢ ዝጻረር ሓይሊ ንምፍጣር ዲዩ ወይ ካልእ ፍሕሶታት ሃልይዎ ዝመጽእ ምዕባሌ ሓቢርና ንርኣዮ።

Last modified on Thursday, 14 November 2019 10:20