ብዙሓት ግና ከኣ፡ ውሁዳት ንኹን

2019-11-12 08:51:47 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1639 times

ኤርትራውያን ብዙሓትን ውሁዳትን ኢና። እቲ ክሳብ ሕጂ ቅያ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዓቕምና ከኣ ካብዚ ውሁድነትና ዝቕዳሕ እዩ። እቲ ናይ ብዙሕነት ኣቀዋውማ ኣባና ጥራይ ዝርአ ዘይኮነ ኣብ ክውንነት ህዝቢ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ እዩ። ንኣብነት ንሕና ብዛዕባ ትሻዕተ ብሄራት ኢና እንዛረብ፡ ኣብዚ ድርኩዂትና ኢትዮጵያ ከኣ ካብ 80 ንላዕሊ ብሄራትን ቋንቋታትን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ናብ ኣፍሪቃ እንተተቛሚትና ከኣ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ብሄራት ዘለወን ሃገራት ንረክብ። ንብዙሕነትን ውሁድነትን ኣመዛዚንካን ኣከኣኢልካን ከተመሓድር ምኽኣል ኣብ ናይ ሓደ ህዝብን ሃገርን፡ ልኡላውነት፡ ሰላም፡ ዕቤትን ቀጻልነትን ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

እዞም ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ንለውጢ ንቃለስ ዘለና፡ መጻኢ ህድኣት፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን እንብህግ ወገናት ረብሓና፡ ኣብ ሚዛናዊ ዝምድና ብዙሓነትን ውህደትን ዝምርኮስ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ምእንታኡ እንቃለስ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ውሁድ ዝገብረና ኤርትራዊ ናይ ሓባር ጸጋታትት ክብርታትን ክብርኽ ኢና እንቃለስ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነቲ ካልእ ዝፈላልየና ናይ ብዙሕነትና መንነታዊ መምዘንታት ክብሪ ኣይንህብን ማለት ኣይኮነን። ቀንዲ መኽሰብና ኣብ ምብራኽ ኤርትራዊ ሓድነትና ዝምስረት ምዃኑ ግና ክሰሓት ዘይግባእ እዩ። እዚ ነቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣብ ተመኩሮና ብተግባር ዝተፈተነ መባእታዊ ግንዛበ ዘዘኻኽረና እዩ።

ብኣንጻሩ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይጥዑይ ሜላ “ከፋፊልካ ግዛእ”፡ ኮለል ከብልዎ ዝደልዩ ወገናት፡ ኤርትራዊ ውህደት ዘዕኩኹዎ ዘይኮነ፡ ክህሉ እውን ኣይደልይዎን እዮም። ከምዚ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኹንያት ከኣ ካብቲ ካብ ውሁድነትና ዝጥረ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣምር ስለ ዝፈርሑ እዮም። ካብዚ ፍርሖም ነቒሎም ከኣ ኩሉ መፈላለይና ኣእማን ይፍንቅሉ። እዚ ነዚ ሎሚ ንህዝብና ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግዲፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሎም ዝተሳዕሩ ሰንሰለታዊ ገዛእቲ ኤርትራ እውን ፈቲነምዎ ዘይተዓወተ ሃቐነ እዩ። ናይ ኢጣልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃይለስላሴን ደርግን መግዛእታዊ ፋይላት ክግንጸል እንከሎ፡ ነዚ እዩ ዘርእየና። እቲ ካልእ ኣብቲ ዝሓለፈ ፋይላት ተሰኒዱ ዝርከብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ “እምቢ ምውጋይ ኣብ ውህደትናን ሓድነትናን” ዝብል ሕራነን ጽንዓትን እዩ።

ኤርትራዊ ብዙሕነት ክንብል እንከለና፡ ኤርትራውያን ከባቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኢና ማለትና ጥራይ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ነቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ዘይምልከቶ እንዳኣተወ ንህዝብና ዝሕምሶ ዘሎ ገዲፍካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ኢና እንኣምን። ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣውራጃታትን መልከኣ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ኢና እንነብር፡ ኣባላት ዝተፈላለያ ብሄራት ኢና፡ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ፡  “ዲሞክራስያዊ ሕቶ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከመይ ይፍታሕ?” ኣብ  ዝብል እውን ነናትና ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣለና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካለኦት ንብዙሕነትና ዘመልክቱ ንኡሳን ዝርዝራት እውን ምስፋር ይከኣል። እምባአር ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ እዞም ናይ ብዙሕነትና መግለጽታት፡ ብሓላፍነት፡ ብልቦናን ብቕንዕናን ክመሓደሩ እንከለዉ፡ ከምቲ ብውሕሉል ኣገባብ ዝተቓነየ ሙዚቃዊ መሳርሕታት መሳጢ ድምጺ ዝህብ፡ ናይ ህዝቢ ሓያልነትን ጽንዓትን መግለጺ እዮም ዝኾኑ። እቲ ኤርትራውያን ሳላ ብዙሕነታዊ ውህደትና ክሳብ ሕጂ ዝሰገርናዮ ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ግዳም ፈተነታት ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። ልኡላዊት ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ውጽኢት ናይቲ ብዙሕነትካ ዓቂብካ ኣብ መድረኽ ውህደት ዝተዓመ ብደሆ እዩ።

ኣብ መንጐ እዞም ንዛረበሎም ዘለና ብዙሕነትን ውህደትን ሚዛን ክመዛበል እንከሎ፡ እቲ ውጽኢት ኣድማዒ ኣይከውንን። ውህደት ክዕብልል እንከሎ ብዙሕነት ይጉዕጸጽ፡ ሚዛን ተሳሒቱ ብዙሕነት ክዕብልል እንከሎ ከኣ ውህደት ይዘልቕ። ኣብ ዘይተመጣጠነ ኩነታት፡ እዞም ክልተ ጫፋት ናብ ስኒት ዝመርሑ ኣይኮኑን። ስለዚ ኢና ከኣ ሚዛኖም ክሕለው ይግባእ እንብል። ሚዛን ዘይምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ጸላኢ ኣብዚ ዘይምምጥጣን ሃጓፍ እዩ ዕድል ረኺቡ ኣትዩ ዝዘርግ።  በቲ ኮነ በቲ እምበኣር ነቲ ውህደት ዝያዳ ምድማቕን ምጉላሕን ተመራጺ እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ሓባር ረብሓና በሪኹ ስለ ዝረአ። ውህደትና እንተደኣ ዛሕቲሉ  ከም ኤርትራውያን ንዝኾነ መጥቃዕቲ ከም እንቃላዕ ርዱእ እዩ። እዚ ናይ ብዙሕነትን ውህደትን ቅኒት፡ ካብ ታሕቲ ክልተ ሰለስተ ባእታታት ኮይና እንዋሰሉ ጀምርና፡ ክሳብቲ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ትካላትን ማሕበራትን እንምስርቶ ዝምድና ከነንጸባርቖ ዝግበኣና እዩ።

ኤርትራዊ ውህደትና ክዳኸም እንከሎ፡ ሕድሕድ ምትእምማና ይጐድል እዩ። ኣንጻር ናይሓባር ጸላኢና ናይ ምምካት ዓቕምና ይንኪ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣይኮነንዶ ብናትና ድኽመት ውህደትና ተሃስዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምግዛእ፡ ከም ቅድመ-ኩነት ዝሰርዕዎ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምድኻም እዩ። ካብቲ መግለጺ ብዙሕነትና ሃይማኖት ድዩ ብሄር፡ ምናልባት እውን ኣውራጃ ይሰልጠና ዝበልዎ፡ መዚዞም ከባልሑ  ንዋታውን ገንዘባውን ዓቕሞም የፍስሱ። ነቲ ሎሚ ህግዲፍ ዝጥቀመሉ ዘሎ ፖሊሲ “ነቲ ሓደ ኣይዞኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ገዲፍካ፡ እዚ ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ኣህሲስካ ኣብ መግዛእታዊ ዳንኬራ ዕድሜኻ ከተናውሕ ምፍታን ኣብ መግዛታዊ ስርዓታት፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝ፡ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ከከም ነቲ ግዜ ይሰማማዕ ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ኣገባብ ተፈቲኑ፡ ብሳላ ጽንዓትን ምስትውዓልን ህዝቢ ኤርትራ መኺኑ እዩ። እዚ ምምካን ኣብ መዋእል ህግዲፍ እውን ከም ዝድገም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ  ህዝቢ ኤርትራ፡ ሸኽን ፓትርያርክን ወይ ቤተ-ክርስትያንን መስጊድን ብህግዲፍ ክገሃሱ እንከለዉ ሓቢሩ ዝለዓለሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ምክፍፋል ፈተነ ህግዲፍ እውን ከም ተመኩሮ ናይቶም ቅድሚኡ ንኤርትራ ዝገዝእዋ ሓይልታት ይንጸግ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

Last modified on Tuesday, 12 November 2019 09:54