“ዒራ ዘይኩርምትኻስ፡ ሑጻ ቆርጥመሉ”

2019-11-02 07:33:39 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1564 times

ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ህዝባ እዩ። ብዛዕባቲ ሎሚ ዘላቶ ሓደገኛ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጥ ከኣ ንሱ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ካብዚ ዘላቶ “ከምዚ እዩ” ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም ጋሕማጥን ኣጨናቕን ኩነታት ከድሕና ዝኽእል’ውን ህዝባ ባዕሉ እዩ። እዚ ማለት ግና ኣብ ርእሲ እቲ ወሳኒ ጸዓቱን ቃልሱን ናይ ግዳም ፍትሓውያን ኣካላት ሓገዝን ምድግጋፍን ኣየድልዮን ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ወትሩ ይምልከቶም ናብ እንብሎም ኣካላት ምሕጽንታ እነቕርብ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ብዘለዎም ዝለዓለ ጽልዋ ተመኪሖም፡ ከባብያውን ዞናውን ረብሓኦም ንምሕላው፡ ነቲ ባዕልና እንፈልጦ ኩነታት ሃገርና ንዓኣቶም ብዝጥዕሞም ኣቐይንኖም ከቕርቡልና ክፍትኑ እንከለዉ፡ ንሳቶም ደኣ ኣብ ትዕዝብቲ ይወድቁ እምበር ፍጹም ተቐባልነት የብሉን። እዞም ወገናት ብዛዕባ ሃገርናን ህዝባን ክሓስቡ እንከለዉ፡ ሃገራዊ ድዩ ዞባዊ ረብሓኦም ኣብ ግምት ከእትዉ ንቡር እዩ። እዚ ብጋህዲ ብዋጋ ህዝብናን ሃገርናን ከኸውን እንከሎ ግና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምክትል ዋና ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወ/ሮ፡ ኣሚና መሓመድ ዝመርሐኦ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣባላቱ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። እተን ነቲ ጉጅለ ዝመረሓ ምክትል ዋና ጸሓፊት ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ መወዳእታ መገሸአን ብቐበጥበጥ ዝተዓብለለ  ልምዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ኣምሲሉ ዘቕርብ ምስክርነት ሂበን።

እዘን ወይዘሮ ነዚ መሻረዊ ምስክርነት ከም መወከሲ ረኺበን ዘዘራረበኦም ኣካላት ህግዲፍ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡል ገብረኣብ፡ ሓጐስ ክሻ፡ ፎዝያ ሓሽም ተኽኣን ዝኣመሰሉ ምዃኖም ከኣ ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ዘገርም ይገብሮ። እዚ ነቲ ወለድና “ወጠጦ ንወጠጦ ፍረዱ እንተበልዎምስ ከይንሕረድ በቃ”  ዝብልዎ ምስላ  የዘኻኽረካ። እዘን ምክትል ዋና ጸሓፊ፡ ኩሉ ገዲፍና ምስቲ ንዝያዳ ወርሒ፡ ርህይዎ እንተተባህለ ንሓደ ስድራቤት 2 በርሚል ማይ ጥራይ መቑነን ዝወሃቦ፡ ነባሪ ከተማ ኣስመራ እንተዝራኸባ ህልዊ ሓቀኛ ኩነታት ህዝብና ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎ መተረደኣ። እንተኾነ ከምቲ “ዒራ ዘይኩርምትኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዝበሃል፡ እቲ ዘገድሰን ወዲስካ ወዳዲስካ እቲ ዲክታቶር ዝመርሖ ኣብዚ ዞባ ከዳምን ተላኣኣኽን ጉጅለ ምፍጣር እምበር፡ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ተረዲእካ መፍትሒ ንምርካብ ስለ ዘይኮነ እቲ ዝኸዳሉ መንገዲ መሪጸን።

ኣብ ኤርትራ ወይ ንመግቢ ናብ ዝኸውን ኣሕምልት ፍረታትን ወይ ንመብራህትን መብሰልን ናብ ዝኸውን ሓይሊ ዘይተቐየሩ፡ ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ኤርትራ ዝተሃንጹ፡ ገርገራን ዓዲ ሃሎን ዝኣመሰሉ ዲጋታት ኣለዉ። እዚኣቶም ከም መግለጺ ባህታ ኢሳይያስን ንከም በዓል ወ/ሮ ኣሚና መሓመድ ዝኣመሰሉ ኣጋይሽ ካብ ምዕሻውን ሓሊፎም ምስ ጸገማት ህዝብና ዝዛመድ ኣበርክቶ የብሎምን። ስለዚ ማይ ምዕቋር ብጥሪኡ መርኣያ ልምዓታዊ ገስጋስ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቶም ዝዓቖረ ማይ ርእዮም ዝንእዱ እውን ኪኖቲ ምዕቋር ማይ ክጥምቱ መተገበኦም።

ቀደም ኣብ ግዜ መግዛእቲ፡ ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ይብሉ ከኣም ዝነበሩ ይዝንተወልና እዩ። ብግብሪ እውን ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ነዚ ኣበሃህላኦም ዘግህድ ግፍዕን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክፍጸም ተዓዚብና ኢና። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እውን ብዙሓት ንኤርትራ ኣብ ዞባናን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተበሃግነት ዘህርፎም ወገናት፡ ዋላ ኣፍ ኣውጺኦም ኣይዛረቡ “ኤርትራ፡ እቲ ከም ድላዩ ዘኳድዳ ዘሎ፡ ንዓና እውን ክለኣኸና ዝኽእል ጉጅለ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ዝብሉ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ነዚ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ጉጅለ፡ ኣብራሲ ክነሱ ዳርጋ ናይ ልምዓትን ሓድነትን ጀግና ገይሮም ክገልጽዎ ኣይመሃቀኑን። ካብዚ ሓሊፉ፡ እዚ ምእንቲ ክለኣኾም ዘጸባብቕዎ ዘለዉ ዲክታቶር ኣብታ ናይ ቀደሙ ጸረ-ህዝቢ ትዕቢትን ብደዐን ኮይኑ፡ ብዘይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ፡ ንኤርትራ ብዘይሕገመንግስቲ፡ ብዘይተመርጸ መሪሕነት፡ ብዘይልዕልና ሕጊ፡ ብዘይምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ይድህካ ከም ዘሎስ ኣይፈልጡን ማለት ኣይኮነን።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ንኢሳይያስ ክሳብ ብማዕቀብ ዝቐጽዖ፡ ንዓቶም ስለ ዘይተኣዘዞም ጥራይ ምንባሩ ኣብቲ እዋኑ ብዙሕ ተዛሪብናሉ ኢና። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ዝነበረ ሓላው ሰላም ሰራዊቶም ዘይምትሕብባሩ፡ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ንዞናዊ ረብሓኦም ኣንጻር ኣልሸባብ ዘይምውግኡ፡ ምናልባት እውን ምስ ኣልሸባብ ብምትሕብባሩ ክብሮም ከም ዝተንከፈ ስለ ዝቖጸርዎ እዮም ዝገሰጥዎን ዝቐጽዕዎን። ሎሚ ከኣ ብመንጽር ኤርትራን ህዝባን ክረአ እንከሎ እኳደኣ መሊሱ ናብ ዝኸፈአ ጫፍ እንዳኸደ፡ እንተኾነ ብርኮም ስዒሙ ክለኣኾም ስለ ዝረዓመ እዮም እገዳ ኣልዒሎም ከመላኽዕዎ ዝፍትኑ ዘለዉ። ናይተን ምክትል ዋና ጸሓፊት ርዝነት ዘየብሉ ዲፕሎማስያዊ ዘይኮነ ፕሮፓጋንዳዊ መልእኽቲ፡ ንኢሳያስ እውን ዘየደቅስ “ኣበ መጻኢ ንርእዮ ኣሎ” ዝብል መንፈስኳ እንተለዎ፡ ንህልዊ ኰነታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ ዘይምዃኑ ግና ብሩህ እዩ። እዚ ዘረድኦ ከኣ ኣብ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት እውን ንኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ግቡእ ምንባብ ዘየለ ምዃኑ እዩ። ሓደ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ስልታዊ ህዝቢ ናይ ምጽናት ገበን ከም ዘሎን፡ በዚ  ሰብኣዊ ግህሰት ዝጥርጠሩ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ። ካልእ ኣካል ናይዚ ዓለም ለኻዊ ትካል ከኣ እነሆ ዳርጋ ናይ ውዳሰ መዝሙር የስምዓና። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እምበኣር፡ ጉዳይና፡ ናትና እምበር ጉዳይ ካለኦት ከምዘይኮነ እዩ።

እዚ ኩነታት ናብ ህግዲፍ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። እቲ መልእኽቲ ኤርትራዊ ጉዳያት ዓብዒቡ ደገደገ ጥራይ ብምርኣይ ምስሉ ከዕሪ ከም ዝኽእል ኮይኑ ክስመዖ ዝገብር እዩ። ናባናን ናብ ህዝብናን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከኣ፡ ካብ ኣበርክቶናን ቃልስናን እምበር ካብ ናይ ዝኾነ ናይ ግዳም ሓይሊ ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየለ ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ ሃየ ሎሚ’ውን  ሓላፍነትና ንረከብ ።

Last modified on Saturday, 02 November 2019 08:38