ሕድገታት ዘድልዮ እዋን

2019-10-21 10:38:35 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1599 times

ሰውራ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣርብዓታት ዝተራእየ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ኤርትራ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቓ ናብ ንጽነት ዝኸዳ፡ብዘይምኻዳ ኩሉ እቲ ዓቕሙ ነታ ኤርትራ ክውንቲ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነጻ ንምግባር እዩ ዝጀመሮ።

  እቶም ዝጀመሩዎን እቶም ዝተሳተፉዎን ካብ ዝተፈላለየ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ነጻነት ብዙሕ ደም ተኸፊሉ፥ ብዙሕ ናይ ህዝብና ንብረት ነዲዱ፥ ህዝቢ ተረሺኑ፥ ዓዲ ነዲዱ ተቓለስቲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ጠፊኦም ፥ ደቒ ኣንስትዮ ኤርትራ ተደፊረን፥ ደቀን ስኢነን ሰብኡተን ከሲረን ኮታ እታ ስድራ-ቤት ነቕነቕ ኢላ።

 እዚ ዝወረዶ ህዝቢ በቲ እዋን ዝጠልቦ እቲ ንሜዳ ኤርትራ ዝኸይድ ኣብተን ዝነበራ ውድባት ተሓኤን  ህዝባዊ ግንባርን ክስለፍ እቲ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነበረ ህዝቢ እውን ዘለዎ ዓቕሚ ተጠቒሙ ሓጊዙ፥ ኣስኒቑ ወፍዩ ታተ ኣቢሉዎ ነቲ ሰውራ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ እሞ ብዝያዳ ደቁ ከፊሉ ነቲ ሰውራ፡ ኣግማሉ ኣእዱጉ እናሃበ ፥ እናሰንከተን እናመገበን ዝድለ ኣበርኩቶ ፈጺሙ።

 እቶም ኣነ ምእንቲ ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ፥ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  ኣብ'ታ ኤርትራ ሃገር ድማ ዜጋታታ ሓራ ንኸኾኑ ኢሉ ካብ ትምህርቱ  ካብ ዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ፥ ስርሑ ገዲፉ ፥ ሓዳሩ ገዲፉ ፡ማሕረሱ ጠንጢኑ ናብ ሜዳ በብእዋኑ እናተሰለፈ ነታ ዝተጀመረት መስከረም ሓደ 1961 ብ ግንቦት 24 1991 ብኸምቲ ዝድለ ደምዲሙዋ።

 ኣብ'ዚ ናይ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ብደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ህይወት ተኸፊሉሉ እዩ። መስዋእትን ምስንካልን ምዝንባልን ናይ ህዝብና ተራእዪ እዩ።

እቲ ዝተቓለሰ እንበኣር ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ዝነበረ ህዝብና እቲ ናይ ገድሊ ወለዶ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ዝገበረ ፥ ነታ ጥልያን ብ1890 ንባዕዳዊ መግዛእቱ ኢሉ ዝፈጠራ ኤርትር እትብል ሃገራዊ ኤርትራዊ መንነት ፈጢሩን ክውንቲ ሃገር ዝገበረ፡ ክምስገን ዝግብኦ ናይ ገድሊ ወለዶ እዩ።

   እቶም ነጻነት ዘምጻእና ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ምስ'ቲ ጽቡቕ ዝገበርናዮ፡ ምልኪ ኣብ ኤርትራ ዘምጻእናን ክነግስ ዘተባባዕናን  ግጉይ መንገዲ ክተሓዝ እንከሎ ትም ዝበልናን ስለዝኾና ንሕና እቶም ትማል መንእሰያት ዝነበርና ኩልና ኢና ነቲ ሓልፍነት ክንስከሞ ዝግበእና።ስለዚ ንስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ዝግደፍ፡ “ኣነ እንታይ ዘይገበርኩ” ኢልና ነብስና ከነድሕን ወይ ነጻ ከነውጽእ ኣይንኽእልን ኢና።

 ሓደ ምልካዊ ስርዓት ስቕ ኢሉ ንህዝቢ ኣይመርሕን እዩ፡ ዘገልግልዎን ዝጣበቑሉን ዝድግፎ ህዝቢን ኣለዎ። እቲ ዝቓወም ዘሎ እውን ኣነ ድኣ ይቓለሶ ነይረ እንድየ ኣይኮነን እቲ መልእኽቲ። ንሕና እዚ ናይ ትማል ወለዶ ( ገድሊ ) ነጻነት ዘምጻእናን ምልኪ ዘምጻእና ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ መሰረት ንሕና ነቲ ምልኪ ንኽነግስ ዘተባባዕናን ግቡእ ቃልሲ ዘየካየድናን ትም ዝመረጽናን ተሓተትቲ ስለዝኾና ነዚ ተካኢ ወለዶ/ መንእሰይ ወለዶ ብዘይቃለ ዓለም ይቕረታ ክንብሎ ይግባእ።

 ኣንታ መንእሰይ ወለዶ ተካኢ ዝኾንካ ካብ ብኸንቱ ግዜኻ “ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ነይሩ፥ ጀብሃ ናይ ኣስላም ነይራ፥ ሰብ ጋንባለ ሓንቲ ኣፍልጦ ወይ ራእይ ኣይነበሮምን፥ ስውእት ንዓይ ኢሎም ኣይተሰውኡን” እንዳበልካ ኣብ ፍቐዶ  ፓልቶክ፡ ፈይስ ቡክ፡  ወዘተ ብዝብል ቕድመኻ ንዝነበረ ወለዶ ከተናሹ ትውዕል ዘለኻ ብህድኣት ሓሲብካ ነዚ ቕድሜኻ ዝነበረ ወለዶ ይቕረ ክትገብረሉ እዋን ይጠልበካ ኣሎ። ኣብ ጉዕዞ ሕድገት ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ። ይቕረታን ሕድገታትን እንተዘይጌርካ ንቕድሚት ብዙሕ ኣይትስጉምን ኢኻ። ንድሕሪት እናተመለስካ  ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ ትማል ምቑዛም ኢኻ ተተኺልካ ትነብር ሎሚ ገዲፋትካያ ድማ ትኸይድ።

 ምእንቲ እቲ ሓላፍነት ክትስከም ከም ተካኢ ወለዶ ንቕድሚት ክትሓስብ፥ እታ ናትካ ሓልፍነት ነታ ኤርትራ ከም  ሃገር ዓቒብካ  ምልኪ ኣልጊስካ ሓንቲ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ፍጠር።

 ኣብ ምጥቕላል ንሕና እቶም ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ብዘበርከትናዮ እጃም ንተሓበን። ነቶም ነቲ ዝኸፈልናሉ ዕዮ ከነኣእሱ ዝውዕሉን ናይ ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ዝደልዩን ሓይልታት ግዳም ብሓባር ንከላኸል፥እቶም መንእሰያት ድማ ነታ ጽብቕቲ ናትና ኣኽብሩዋ፡ ነታ ጌጋ ዝገበርናዮ ድማ ብሕድገት እናጠመትኩም ንቕድሚት እጃምኩም ግበሩ። ንሕና ድማ ነታ ጌጋ ንምእራምን ተሪፉና ዘሎ ዕማም ክሳብ ብሂወት ዘለና     " ሕድገታት ዘድልዮ እዋን"ኢዩ።  ይኣክል ንምልኪ ኢልና ንኽሓሶ ህዝብና።

Last modified on Monday, 21 October 2019 12:41