ኤርትራዊ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ምልዕዓል “ይኣክል” ሰሜን ኣሜሪካን ብሓባር፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንኤርትራ እውክል እየ” ዝበልዎ ንቃወም፡

2019-10-18 02:18:21 Written by  EPDP Information Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1745 times

ናብ ክቡር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር፤          

ንሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና  ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ካልኦት ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን እንርከብ ፍትሒ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለሰን፡ ብዛዕባቲ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምምራቕ መናፈሻ ሓድነት ዘስማዕኩምዎ መደረ ዘለና ንጹር ተቓውሞ ነቕርብ።

ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን፡ ንኤርትራ ከም እትውክሉ ምስ ኣወጅኩም ኣዚና ሰንቢድና። እዛ ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ  ክቡር ዋጋ ተኸፊሉላ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ኤርትራ፡  ከምቲ ንቡር ብሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቦም ዘለዉ ክልተ ኣምበሳድራት ኤርትራ ክትውከል ይግበኣ ነይሩ።

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር

ኣብቲ ዘቕረብኩምዎ መደረ፡ ብወግዒ ንስኹም ንኤርትራ ክትውክሉ ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተመዘዝኩም ገሊጽኩም። ኣተሓሒዝኩም ከኣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ምውኽኻል ደረጃ ከም ዝበጸሐ  ሓቢርኩም። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝምድና ኣብ ከምዚ ዝጠቐስኩምዎ ደረጃ ብምብጽሑ  ዝተሰመዓኩም ሓጐስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ  ገሊጽኩም።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ክቡር  ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነቱ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ኣለዎ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝምስረት ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ይድግፍ። ንሕና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብህዝባ እምበር ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ከምዘይውሰን ንኣምን። ብመንጽር’ዚ ንሕና ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ናጽነትና ኣትሪርና ንከላኸል። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ነቲ ነጻነት ሃገርና በብቕሩብ ዝብሕጉግ ዘሎን ማሕበራዊ ኣቃውማና ከዕኑ ዝፍትን ዘሎን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንቃወምን ንኹንን። በዚ ኣጋጣሚ ህዝብና ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊኡን ልኡላውነት ሃገሩን ዝፍጸም ዘሎ ጥልመት ትዕግስቱ ይውዳእ ከምዘሎ ንሕብር።

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር

ዓለምና ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣዊ መሰልን ኩነታት ኣፍልጦ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ብሕገ-መንግስቲ ዘይትመሓደር፡ ህዝባዊ ምርጫን ዝተመርጸ ፕረሲደንትን ዘየብላ፡ ልዕልና ሕግን ነጻ ፕረስን ዘየብላ፡  ሃገር ኰይና ኣላ። ኮታ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንቡር ህይወት የለን። ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኣብዚ እዋንዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን እንተላይ ኣላይ ዘየብሎም ህጻናት ካብ ኤርትራ በብመዓልቱ ይፈልሱ ከም ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም።

እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ፡ ንህዝብና ልኡላዊ  ወካሊኡ መንግስቲ ናይ ምውሳን መሰል  ምግሃስ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ኣይኮነን። ክሳብ ሽዑ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዝራብ መሰልን ሞራልን የብሉን።

እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወት ህዝብና ንምቕያር እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ጽባሕ ታሪኽ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ኢና። ድሌትን ባህግን ህዝብና ዝመሰረቱ ሰላም ክረጋገጽ እዩ። ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምውጋን፡ ናብቲ ጽቡቕ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። እቶም ኣብ ዞባና ሰላም ክረጋገጽ ዝደልዩ ምስ  ጨቆንትን ኣዕነውትን ክዛመዱ ኣይግበኦምን።

ኣብዚ ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰነታት ዘላትሉ ግዜ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሻሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዕቋቡን ኣድላይ ሓገዛት ብምግባሩን እንደገና ነመስግኖ። ኣብዚ ሽልማት ኖበል ዝሰዓርኩምሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለኩም ኣረኣእያ ጥንቁቕ ዳግመ-ርኢቶ ክትገብሩን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለኩም ምሕዝነት ከተዛይዱን ኣብዚ ዞባና ትካላውን ቀጻልን ሰላም ኣብ መንጎ ሃገራት ከተውሕሱን  ንጽውዕ።

ኣኽበርትኹም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ

15 ጥቅምቲ 2019

Last modified on Friday, 18 October 2019 04:23