ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ ኣካይደን

2019-09-18 03:59:03 Written by  EPDP North America Office Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1861 times

ሎሚ መዓልቲ ሰኑይ 16 መስከረም 2019 ደቂ-ኣንስትዮ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብቴለ-ኮንፈረንስ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ ኣካይደን።

እዚ ኣኼባ’ዚ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ እትኻየደ ቀዳማይ ኣኼባ ብምዃኑ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ካብ ዝተፋላለየ ቦታታት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራልያን ዝተሳተፋ ኣባላት ሰልፊ፡ ዕዉት ሓድነታዊ ጉባኤን ብድሕሪኡ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዞባና ናይ ምጽንባር መስርሕ መዚነን። ሰልፊ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ዘረጋገጾ ሓድነታዊ ጉዕዞ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ምስ ካልኦት ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣመልኪተን። ብዝሒ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ባይቶ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸሞንተ (ሸውዓተ ኣባላትን ሓንቲ ተጠባባቂትን) ክብ ብምባሉ ሓጎሰን ገሊጸን።

ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ናጻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ምንቅስቓስን ተሳትፎ ኣባላት ሰልፍን ኣሞጒሰን።

ብዘይካ’ዚ እቲ እናሰሰነ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ኣባላት ሰልፊ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ብጣዕሚ ዘሐጉስ ምዃኑን ዝያዳ መሰረታት ሰልፊ ንክሰፍሕ ሕኑን ቃልሲ ከካይዳ ከምዝኾና ኣረጋጊጸን።

ነፍስወከፈን ነቲ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪሑ ዝዳሎ ዘሎ ዓመታዊ ናይ ስራሕ መደባት ብሓዲሽን ሕኑን መንፈስን ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ቅሩባት ምህላወን ኣስሚረናሉ።

ኣኼባ ብክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ መንፈስ ተዛዚሙ።    

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

16 መስከረም 2019

Last modified on Wednesday, 18 September 2019 06:04