ሸሞንተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ከም ዝተሰማምዓ ፈረንሳ ኣፍሊጣ

2019-07-23 08:30:29 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1678 times

ኣብ ንኢሽተይ ጀልባ ተጸቓቒጦም ይጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ብኣባላት ምድሓን ሓገዝ እናረኸቡ - 9 ሰነ 2018 Image copyright KARPOV/SOS MEDITERRANEE ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ንኢሽተይ ጀልባ ተጸቓቒጦም ይጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ብኣባላት ምድሓን ሓገዝ እናረኸቡ

ሸሞንተ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዳግመ-ምጥያስ ካብ ማእከላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ዝደሓኑ ስደተኛታት አእጃመን ንምፍጻም ኣብ ስምምዕ ምብጸሐን ፈረንሳ ሓቢራ።

ጣልያን ኣብቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘይትርከብ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሃገሩ፡ ነቲ ሸኽሚ ኣብ ምቅላል እጃመን ንዘይፍጽማ ሃገራት እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ከም ዘይህሉ ኣፍሊጡ።

ብዋሕዚ ስደተኛታት ተዕለቕልቕ ዘላ ጣልያን ግን ኣብዚ ጉዳይ ንዝግበር ዘተ ኣስተናዒቓቶ'ላ።

ናይታ ሃገር ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቲዮ ሳልቫኒ፡ ጣልያን ኣብ ጉዳይ ስደት ዘለዋ ጽኑዕ ቅዋም ከይቕየር ይሙጉት ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ (ሜዲተራንያን) ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክበጽሑ ይፍትኑ። ሊብያ ድማ ቀንዲ መበገሲ ጉዕዞኦም'ያ።

እቶም ስደተኛታት እኹል ጽገና ብዘይተገበረለንን ልዕሊ ዓቐን ሰባት ብዝጸዓናን ጀላቡ ነቲ ባሕሪ ከቋርጹ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም'ዮም።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ሓድሽ ኣማራጺ ንምድላይ ዓሊሙ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየ ዘተ፡ ሚንስትራት ጉዳያት ውሽጢን ወጻእን ሃገራት ኣውሮጳ ተራኺቦም።

ፕረዚደንት ማክሮን ከም ዝሓበሮ ካብ 14 ሃገራት እተን ሸሞንተ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ኣማራጺ ሓቢረን ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በጺሐን ኣለዋ።

ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን።

እተን ሸሞንተ ሃገራት ከኣ ክሮሺያ፣ ፊንላንድ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ኣየርላንድ፣ ሊቱንያ፣ ላክሰምበርግን ፖርቱጋልን ከም ዝኾና ተፈሊጡ'ሎ።

Last modified on Tuesday, 23 July 2019 10:33