ኣብ ከተማ ሃዋሳ ወጥሪ ዓሲሉ ከምዘሎ ተገሊጹ

2019-07-18 11:35:07 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1656 times

 

ሐዋሳ

ምምስራት ክልል ሲዳማ ብዝምልከት ምምሕዳር እቲ ዞባን ዓበይቲ ዓድን 'ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘውጸኦ መምርሒ ክንክተል ኣለና' እንትብሉ መናእሰይ ድማ በዚ ሓሳብ ክሰማምዑ ከምዘይከኣሉ ነበርቲ ይገልጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ካብ ብጊሓቱ ኣብ 'ጉዱማሌ' ዝበሃል ከባቢ ክተኣኻኸቡ ዝጀመሩ መናእሰይ ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ፡ መንብዒ ትኪ ከምዝተኮሱ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ፡ ሕዚ መብዛሕትኦም ትካላት ንግዲ ዝተዓጸዉ ኮይኖም፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት እውን ተቛሪጹ'ሎ።

ንጉሆ ኣስታት ሰዓት 3፡00 (ትሸዓተ) ኣብታ ከተማ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረን ልሙድ ምንቅስቃስ ከምዘየለን ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ገሊጾም።

ሲዳማ፡ ሕዚ ኣብ ክልል 'ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ' ዝርከብ ዞባ ኮይኑ፡ ናብ ክልልነት ክዓቢ ሕቶ ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

'ሕቶና ክምለሰልና ኣይከኣለን' ዝበሉ ተወለድቲ እቲ ብሄር፡ 'ክልል ሲዳማ' ክእውጁ ንሎሚ መደብ ሒዞም ነይሮም።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሕቶ ሲዳማ ብህዝበ ውሳነ (ረፈረንደም) ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዕልባት ክረክብ ወሲኑ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ሲዳማ ክልል ክትከውን ክጉስጉሱ ዝጸንሑ ገለ መናእሰይ፡ ነቲ 'ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተጸበዩ' ዝብል ውሳነ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከምዘይቅበልዎ ገሊጾም እዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ በቲ ቅድም ኢሎም ዝሓዝዎ ቆጸራ፡ ሎሚ መዓልቲ 'ክልል ሲዳማ' ክእወጅ ድልየት ነይርዎም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49028656

Last modified on Thursday, 18 July 2019 13:42