ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ሃገርና ኤርትራን ዓመታዊ ጉባኤን ኣካይዱ።

2018-05-29 08:05:49 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2174 times

 Zehaie 24.05.2018 2

ብዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 18.00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 20.00 ድ.ቀ ኣብ ሓዲሽ ሎካል ሽወደናዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ምሕዝነት ማሕበር ብሙቅ ኣገባብ ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ መበል 27 ዓመትን 2ይ ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበርን ኣካይዶም። ልክዕ ሰዓት 18.00 ኣቦ ወንበር ሽ.ኤ.ባ.ም.ማ. ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ናይ ቅንቋዕ ደሓን መኣእኩም ኢሉ፡ ንመበል 27 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ፍትውቲ ሃገርና ዘሎዎ ሰናይ ምንዮት ገሊጹ ፡ንሓው ጸሃየ ቀለታ ሓጺር መግለጺ ንዕዉት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ንክህብ ዕድል ሃቦ። ሓው ጸሃየ ቀለታ ኣብ መድረኽ ምስ መጸ፡ ካብ ኣባል ፓርላማ ሃገር ናይ ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር ሽወደን ወ/ሮ ሻዲየ ሄይዳሪ ምስ በዓል ቤታ ኣቶ ዲያኮ ሸይክ ዕታር ቀይሕ ጽገረዳ ዕንባባ ናይ እንቋዕ ኣብቅዕኩም ብምባል ኣበርኪቶም።

Zehaie 24.05.2018 1

ማሕበር ሰላም ደቂ ኣንስትዮ ሽወደን እውን ሰናይ ምንዮተን ንምግላጽ ወይዘሮ ቲት ጻዕዳ ዕታር ዕንባባብ ጽገረዳ ኣበርከታ። ሓው ጸሃየ ቀለታ ንኣጋይሽን ንተሳተፍትቲ ኣሕዋት ኤርትራውያን ኣመስጊኑ ንዝኽሪ መበል 27 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሎሚ ክገልጻ እንተኮይነ እቲ ዘይሕለል መስተንክር ቃልሲ ዝተኸፍሎ መስዋእትን ስንክልናን ምዝንባልን ክዝክር ከሎኹ ፡ ዋላ እኳ ልዕልቲ ሃገርን ተፈላጥነትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ትኹን፡ እቲ ተባዕ ሓያል ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ገልበቱ ንዋቱ ሂቡ ዘምጸኣ ሃገር ሰላምን ቅሱን ናብራ ተሓሪምዎ ብጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ተጠሊሙ መሰሉ ተሰሪቁ ህዝቢ ኣደዳ ስደት፡ ዝተወልደ መንእሰይ ናብ መጨረስታ ኣልቦ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ፡ ኣብ ክንዲ ናጽነት ባርነት እዩ እንተበኩ ካብ ሓቂ ኣይረሓቅኩን ኢሉ። ኣስዒቡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ብሩህ መረጋገጺ ከኣ እዞም ኣብዚ ዘሎዉ መንእሰያትን ተርፍ ሰሃራ፡ ሲናይ፡ ሃልቂ ውቅያኖስ ፡ ተረፍ ዕዳጋ መሳጋግርቲ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝኮኑ ምሳና እኔዉ፡ ሎሚ 29 ጋዜጠኛታት፡ 11 ሚንስተራት ኣሽሓት መንእሰያት ኣረገውቲ ኣብ 364 ቤት ማእሰርቲ ብኢሰብኣዊ ግናይ ኣታአሓሕዛ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተቀፊዶም ዘሎዉ እንሆ ዳርጋ 20 ዓመታት ይቃራረቡ ኣሎዉ ፡ ብምባል ጌና ንሓርነትን ሕብረተሰባዊ ማዕርነትን ንዝተጠልመ ሃገራዊ ክብርን መሰልን ንምምላስ ኣብ ዳግማይ ቃልሲ ኣሎና ኢሉ። ክሳብ ኣብ ሃገር ሽወደንን ኣብ ስደት ዘሎዉ ኤርትርውያን እውን እቲ ስርዓት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኮነ ቀረጽ ገንዘብ 2% ንምዝማዝ ጌና ይቅጽል ንምባል እዛ ኣብዚ ዘላ ብትግርኛን ዓረብን ተጻሒፋ ዘላ መሪሕ ጭርሖና ( ሓርነታዊ ቃልስና ክዕወት ዘተ ብዘይቅድመ ኩነት!!! ) ተኸቲና ፋሕተርተር ብምባል ኣብ ስሩዕ ቃልሲ ኣሎና ክብል መግለጺኡ ዛዘመ። ኣባል ባይቶ ሃገረ ሽወደን ወ/ሮ ሻዲየ እቲ ጉዳይ ከም እትፈልጦን ኣብ ባይቶ እውን ከም ዝተዛረብሉ ንናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ወ/ሮ ማርጎት ዋልስትሮም ከም ዘማሓላለፍዎ ሓቢራ። ድሕሪኡ ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ናይ መበል 27 ዓመት ዝተጻሕፋ ቶርታ ቆሪጹ ንጋይሽ ብምዕዳል ተቀሪቡ ዝነበረ ሙቁር መግቢ ሕንባሻ ቅጫ ብምሉኣቶም ኣጋይሽ ቀሲሞም ናይ ዝኽሪ ነጻነት ኣከባብራ ተዛዘመ። ቀጺሉ 2ይ ጉባኤ ማሕበር ብስሩዕ ኣገባብ ዝተፈጸሙ ንጥፈታትን ገንዘባዊ ጸብጻብ ሰነዳቶም ኣርጊኦም ብዲምክራስያዊ ኣገባብ መሪሕነት ንዓመተ 2018 /2019 እትመርሕ 7 ዝኣባላታ ሽማገለ መሪጾም ጉባኤ ኣብ ጊዜኡ ሰዓት 20.00 ዛዚሞም።                                                     

Last modified on Tuesday, 29 May 2018 10:15