ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ቢሻ ኣብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣቐሚጡ ምህላዉ ተረጋጊጹ።
2016-06-07 09:28:57 Written by Erimedrek Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2566 timesBy Erimedrek / June 7, 2016 / Comments Off on ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ቢሻ ኣብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣቐሚጡ ምህላዉ ተረጋጊጹ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ 200 ሚልዮን ዶላር ዝትመን ወርቂ ቢሻ ኣብ ቀጠር ባንክ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ መኸዘኒ ካሳ (vault) ኣቐሚጡ ምህላዉ ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ተረኺቡ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ እቲ ካብ ኣታዊ ናይ ቢሻ ዝርከብ ምቅሊት ናይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ብገንዘብ ብወርቂ ክወሃብ ንኩባንያ ኔቭሱን ድሕሪ ምእዛዙ እቲ 200 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወርቂ ብፍልይቲ ነፋሪት፥ 3 ኣባላት ፍሉይ ጸጥታ ናይቲ ፕረሲደንት ናብ ቀጠር ናብ ዝርከብ ፍሉይ ካስኡ vault) ከምዘብጽሕዎ ተረጋጊጹ።
ክልተ ካብቶም ነቲ ወርቂ ዘብጽሑ ኣባላት ፍሉይ ጸጥታ ካብቲ መገሻ ምስተመለሱ ከምዝተቐተሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ወርቂ ኣብ ባንክ ቀጠር ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ።
ዕደና ቢሻ ካብ ዝጅምር ክሳብ 2014 ጠቕላላ $ 1,842,788,000 ኣታዊ ቅድሚ ቀረጽ ከምዝገበረ፥ ካብዚ እቲ 60 ሚእታዊት ናብ ኩባንያ ነቭሱን እቲ $ 834,863,000 ምቅሊት ኩባንያ ማዕድን ኤርትራ (ENAMCO Share) ካልእ $ 88,323,000 ቀጥታዊ ግብሪ ንመንግስቲ ኤርትራ $ 14,471,000 ድማ ንምምሕዳራዊ ወጻኢታት እዩ ተዋሂቡ።
በዚ መሰረት፥ ፕረሲደንት ኢሳያስ 25% ኣታዊታት ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ Qatar National Bank ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቁ ካዝና ኣእትይዎ ምህላዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290