ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ዓሪፉ

2025-11-12 22:40:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 82 times

ብ1936 ኣብ ሃዘጋ ዝተወልደ ስነ-ጥበባዊ፡ ናይ ክብሪ ዶክተር በረኸት መንግስተብ፡ ብ12 ሕዳር 2025 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መብል 89 ዓመት ዕድመኡ ከም ዝዓረፈ ቢቢሲ ንወዱ ክብረወሰን በረኸት ከም ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኣብ ስነ-ጥበብ ንኣስታት 60 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ዝንገረሉ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ 60ታትን 70ታትን፡ “ኣንታ ሓላፍ መንገዲ ተረኺብካያ መለይ ሰላም በለለይ፡ ዓይኒ ኮኸብ ጽሩራ ወርቂ ቢለነ መልከዐኛ ዘበነ፡ ሃሪ ማዕተበይ ዓሽየ’ምበር ኩላቶም ሰበይ” ብዝብሉን ካለኦትን ደርፍታቱ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ዝለዓለ ዝና ዝረኸበ ነይሩ።

በረኸት በዚ ደርፍታቱ ስነጥበብ ኤርትራ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ፍቕሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓዲርዎም ናብ ቃልሲ ንክስለፉ ልሉይ ኣስተዋጸኦ ካብ ዘበርከቱ ኤርትራውያን ደረፍቲ ሓደ እዩ።

ኣብ 1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣብ ሜዳ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ቃልሱ ንክጸንዕ ዝገበሮ ኣበርክቶ ድማ “ኣቡ ዓሸራ ጀማሪ ሰውራ፡ ኣብ ዓውዲ ውግእ ሃጃማይ ከም ንፋስ በረኻ ሸባባይ፡ ወሃዮ ንዮ በላ ሕሹሕሹኽ ዝኣመላ፡ ከይደ እየ ከይደ ተዓዚረ ሓዳረይ ካባኺ ሃገረይ ኣፍቂረ” ብዝብሉን ካለኦት መሰጥቲ ደርፍታቱን ዘይሃስስ ተዘክሮ ዝገደፈ ወናም እዩ።

በዚ አጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተሰማያት የዋርሶ ንስድራ ቤት ድማ ጸንት ይሃቦም።

Last modified on Thursday, 13 November 2025 09:44