ኣብ ክልል ትግራይ ሰራሕተኛታት ዓለም-ለኸ ትካል፡ ዶብ ኣልቦ ሓካይምን ነበርቲ ቁሸት ተጎጋን ንዕዳጋ ዝተኣከበ ህዝብን፡ ግዳያት ከም ዝኾኑ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሓቢሮም። ብሰንክዚ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ቅትለት ኣብ ተጎጋ ካብ 60 ንላዕሊ ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝተገድኡን ክፍለጥ ተኺኢሉ’ሎ። እቶም ግዳያት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ከኣ ሰለስተ እዮም።
ትካል ደብ ኣልቦ ሓካይም ከም ዝገለጾ፡ ብ24 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ብጉዳይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ስፐይናዊትን ሰራሕተኛታቱ “መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት” ብዝበሎ ኣካላት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። እቶም ካብታ ዝጐዓዙላ ዝነበሩ መኪና ቁሩብ ርሒቖም ሞይቶም ዝተረኽቡ ግዳያት ደቂ 31 ዓመት ኢትዮጵያውያን ዮሐንስ ሓለፎምን ቴድሮስ ገብረ ማሪያምን ከም ዝበሃሉን፡ ስም ናይታ ምስኣቶም ዝሞተት ጓል 34 ዓመት ስፐይናዊት ከኣ ማሪያ ኽርናንዴዝ ከም ትብሃልን ናይቲ ትካል መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ናይቲ ትካል በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣዝዩ ከም ዝሰንበደ ገሊጹ፡ እዞም ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ጽጉማት ዝሕግዙ ዝነበሩ ሰባት በዚ ኣገባብ ይጠፍኡ ኢልካ ምግማት ከም ዘጸግም’ውን ጠቒሱ።
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጀምር ኣትሒዙ ጽጉማት ክሕግዝን ናይ ጥዕና መሳርሕታት ክልግስን ዝጸንሐ ግብረ-ሰናይ ትካል እዩ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ ቅትለት “መን እዩ ፈጺምዎ?” ንዝብል ሰራዊት ምክልኻል ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣብ ሕድሕድ ይካሰሱ ምህላዎም ይፍለጥ።
ብኻልእ ወገን ከኣ ብ22 ሰነ 2021 ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ንወገን ምዕራብ 25 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት ተጎጋ ዕዳጋ ሰሉስ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ደብዳብ ኣካይደን ሓያሎ ንጹሃት ሲቪል ከም ዝቐተላ ተፈሊጡ። ዝተፈላለዩ ወገናት ንቁጽሪ ምዉታት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት የቕርቡ ኣለዉ። ናይ ረፈራል ሆስፒታል ዓይደር ምንጭታት ካብቶም ግዳያት ህጻናት ከም ዝርከብዎም ጠቒሶም ንብዝሒ ግዳያት ኣብ ዝምልከት ከኣ 60 ዝሞቱ፡ ዝቖሰሉ ከኣ ኣስታት 200 ምዃኖም ኣቃሊዖም።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዕለትን ቦታን ደብዳብ ከም ዘካየደ ተኣሚኑ፡ እንተኾነ እቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ መበል 33 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ዘኽብሩ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኣይኮነን ዝብል መጎት ከቕርብ እዩ ፈቲኑ። እንተኾነ እቶም ዝቖሰሉ ህጻናት እውን ከም ዝነበርዎም ሓካይም ስለ ዝመስከሩ እቲ ምኽንያት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ሕብረት ኢውሮጳን ካለኦት ሰብኣዊ ትክላትን ብወገነን ነቲ ተረኽቦ ኮኒነን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መብርሂ ንኽህብ ሓቲተሞ ኣለዉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጐንደር ወረዳ ዳባት “ኣለምዋጭ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኤርትራውያን ዝዕቆብሉ ሓድሽ መደበር ከም ዝተኸፍተ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እዚ ብ26 ሰነ 2021 ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝተጅምር ዝተገልጸ መደበር ስደተኛታት ንምዕጻው እቶም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ መደበር ስደተኛታት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝተኸፍተ ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጹ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳባት ዝተኻየደ ናይ ምኽፋት ሰነ ስርዓት ዝተረኽቡ ዳይረክተር ትካል ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጐበዛይ ምዃኖም እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እቶም ዳይረክተር ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ግዜ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ተመኩሮ ከም ዘለዋ ጠቒሶም፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ነቶም ኣብዚ ሓድሽ መደበር ዝዕቆቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ልሙድ ምትሕብባሩ ክገብረሎም ጸዊዕም። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ኣን ኢንኮንቴ ብወገነን ትካለን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ናይ ነዊሕ ግዜ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተመኩሮ ከም ዘለዎም ጠቒሰን። ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ኣቶ ያለኣለም ፋንታሁን ብወገኖም፡ ህዝቢቲ ከባቢ ጋሻ ናይ ምቕባል ጽቡቕ ባህሉ ምስዞም ስደተኛታት እውን ክቕጽሎ ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሮም።
እዞም እቲ ዛዕባ ዝመልከቶም ኣካላት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳባት ዝተገብረ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ 91.5 ሄክታር ኣብ ዝስፍሓቱ ዝተደኮነ መደበር እቶም ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ መደበራት ሽመልባን ሕንጻጽን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ወሲኽካ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሺሕ ስደተኛታት ናይ ምስፋር መደብ ከም ዘሎ ገሊጾም።
ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ጉዳይ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዓብደልሰላም ባበክር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ይኽን ምሕያሽ ከምዘይገበረ ጠቒሱ ከም ዘቃለዐ ቢቢሲ ትግርኛን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነዚ ዘፍለጠ፡ ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ናብ ዝተኻየደ፡ ናይቲ ዝመዘዞ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ እዩ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዕለት 21 ሰነ 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዝሕግዙን፡ ሰብኣዊ መሰል ዝሕለወሉን፡ ትካላት ኮነ ሕገ-መንግስቲ ከምኡ እውን ካለኦት ሓገግትን ፈጸምትን ትካላት ዘየብላ ሃገር ምዃና እውን ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኣምኪኑ፡ ካልእ ሕገ-መንግስቲ ክነድፍ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየኽበረ ጠቒሱ። ምስዚ ከኣ ኣብ ስልጣን ልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሑ ክነሱ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ከምዘየካየደ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እቲ መንእሰያት ኤርትራ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ከገልግሉ ብ1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ደረት ኣልቦ ባርነት ከም ዝተቐየረ እቲ ጸብጻብ ሎሚውን ደጊሙ ጠቒሱ። እዚ ግዱድ ውትህድርና ቀንዲ መርኣያ ናይቲ ስርዓት ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ፡ ብሰንክዚ ግህሰትዚ መንእሰያት ኤርትራ ትምህርቶም ናይ ምክትታል ዕድሎም ከም ዝጸልመተን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ክስደዱ ከም ዝተገደዱን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ፡ ነዚ ርኡይ ገበኑ ከም ዝኸሓዶን ብህዝቢ ዘይሳተፎን ዘይፈልጦን “ዞባዊ ምርጫታትን ገበናዊ ሕግታትን” ክሽፋፍኖ ከም ዝፈተነን እውን ኣብዚ ጸብጻብ ሰፊሩ።
ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝምልከት ጸብጻባትን መፍትሒ ለበዋታትን ክቐርብ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻውን ዞባውን ኣካላት ስጉምቲ ዘይምውሳዶም ክሳብ ሎሚ ክመሓየሽ ከምዘይከኣለ ዝዝክረ እዩ።
ክቡራት ኣዳለውቲ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ፤
ዝኸበርኩም ኣቦ መንበራትን ኣባላት መሪሕነትን ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፤
ክቡራት ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፖሓኤ፤
ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ፤
መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ክብሪ ስዉኣት ኣናዘከርኩ፡ ንኣወሃሃዲት ሽማግለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነዚ ሓባራዊ መደብ ሰሪዓ ከአተቕርበልና ብምኽኣላ፡ ልዑል ምስጋና ከመሓላልፍ እፈቱ። እዚ መደብ ንኹልና እቶም ምውህሃዳዊ ስምምዕ ዝኸተምና፡ ናብ ዝለዓለ ምትሕብባር ንምስግጋር ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን እንከከሎ፡ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ንምትሕብባር ዘተባብዕ፡ ንህዝብና ድማ ተወሳኺ ተስፋ ዝህብ እዩ።
ክቡራት ተሳተፍቲ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ከነኽብር እንከሎና ከም ናይ ምስጋና፡ ናይ ዝኽሪ፡ ናይ ክብሪ፡ ናይ ጽንዓትን ዝተሓደሰ ጸዋዒትን ኢና እነኽብሮ።
ዕለተ ምስጋና!
መጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ንዓና ነቶም ዘይተኣደነ ሓርነታት እንብህግ ተቓለስቲ ዕለተ ምስጋና እዩ።
ነቶም ምእንቲ ንሕና ክርህወና፡ ምእንቲ ናጽነት ከነስተማቕር እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፈሉልና፡ ደሞም ኣፍሲሶም፡ ህይወቶም ዘቐደሙ ናይ ሓርነት ስዉኣትና የቐንየልና ንብል። ኣብዚ ዕለት’ዚ እቲ ዝለዓለ ህያብ ህይወት፡ ንውሉድ ወለዶ ኣወፍፊኹም ሓሊፍኩም ኣለኹም። ስላኹም ኢና ንቕጽል ዘለና እሞ፡ ደረተ-ኣልቦ ምስጋናና ይብጻሕኩም ንብል።
ዕለተ ዝኽሪ!
እዛ መዓልቲ’ዚ ብጽሞና እነብዕላ ዕለተ ዝኽሪ እውን እያ። ዝኽሪ ነቶም ንህይወቶም ዘይበቐቕዋ፡ ንሞት ድማ ዝይፈርህዋ፡ ንእስነቶም ዝኸፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን። እወ ዕለተ ዝኽሪ ነቶም ንሃገርና ኣደ ሰላም፡ ኣደ ሓቅን ኣደ ፍትሕን ክትከውን ዝበሃጉ። እዛ ዕለት’ዚኣ ንዝኽሪ’ቶም ኣብ ዓውደ ኲናት ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዘይጠመቱላ እያ። ንመላእ ኤርትራውያን ሰማእታት ተጋደልቲ ይኹኑ ገባር ንምዝካር እነብዕላ ዕለት’ያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥይት ዝቖለበቶም፣ ነቶም ዝናብ ንዘርኢ ክረኽቡ ናብ ደበናታት እናንቃዕረሩ ብደበና ተሸፊና ዝመጸት ነፋሪት ዝደብደበቶም፣ ነቶም ታንክ ዝረገጸቶም፣ ነቶም ዓድታቶም እናተቓጸለ ሓዊ ዝለብለቦም፣ ነቶም ሳንጃ ዝበስዖም፣ ነቶም ኣብ ሑቕፊ ኣደታቶም ዝተቐዘፉ፣ ነቶም ኣብ መገሻ እንከለዉ ዝተረፉ፣ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዝወድቑ፣ ነቶም ውሕጅ ዝወስዶም፣ ነቶም እምንን ሓመድን ዝጸቐጦም፣ ብሓፈሽእ ነቶም ናይ ምንባር መሰሎም ዝተጋህሰ፣ እሞ ንሕና ንክንህሉ ሃገርና ከኣ ልዑላዊት ሃገር ኰይና ንኽትቅጽል፡ ህይወቶም ዝኸፍሉ፡ ንዝክር።
ዕለተ ክብሪ!
ክብሪ ንዓኹም ሰማእታትና! ልዑል ክብሪ ይብጻሕኩም። ምሳኹም ከኣ ነቶም ኣብ ጐድንኹም ተሰሊፎም፡ ነምስዋእቲ ቅሩባት ዝነበሩ፡ ግን ግዜኦም ዘይኣኸለ፣ እታ ናይ መስዋእቲ ጸዋዒት ዘይበጽሓቶም ግን ኣብ ዙርያ ጸዋዒት መስዋእቲ ዝነበሩ ናይ ሓርነት ውጉኣትና ክብሪ ይኹኖም። ኣካለ ጽጉማትና ልክዕ ከም ሰማእታና ንሞት ተዳልዮም ነይሮም እዮም። ግን ካብታ ንህወቶም ዝደለየት ጨካን ጥይት ብተኣምር ክምልጡ ስለ ዝኸኣሉ፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝንቀሳቐሱ ስውኣት እዮም። ክብሪ ንዕኦም። እታ ቀታሊት ገለ ካብ ኣካላቶም ጥራይ ወሲዳ ስለ ዝመኸነት ዝተረፉ፣ እቶም ርእሶም፡ ወይ ኣፍልቦም ተሃሪሞም ህዋሳቶም ተተንኪፎም ብህይወት ዝተረፉ፣ ጌና ጭላፋት ኣብ ኣካላቶም ተሰኪሞም ዝዛወሩ ዘለው፣ እቶም ጥይት በሲዕዎም ኣብ ልዕሊ መንኰርከር ዓረብያ ተሓጺሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፣ ኮታ እቶም ቃልሲ ኤርትራ፡ ኣካላዊ ኮነ ስነ ኣእሙራዊ በሰላ ውግእ ዝገደፍሎም፣ ኣብዚ ዕለተ-ክብሪ፡ ክብሪ ንዓኹም ይኹን ንብሎም።
ሃገርና ናጽነት ኣውሒሳ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሒዛ ክትጐዓዝ ንዝገበረ ተወፋይነት፡ ምስቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰሪዕና ክብሪ ከነልብሶም ግቡእና እዩ። እወ እቲ ዝጠለመ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ስንኩላት ክብሪ ዘይኰነስ ዳግማይ ጥይት ተኲሱ እዩ ተወሳኺ ህይወት ኣኽፊሉና እዩ። እዚ ጨቋኒ ጉጅለ ከምቶም ዝሓለፉ ምሕላፉ ኣይተርፎን እዩ። ናይ ውድቀቱ ደረት ትርኢት ክቕልቀል ንርኢ ኣሎና። እቲ ገበነኛ ከኣ ክሰዓር እዩ። ንዓኹም ኣካለ ጽጉማትና ክብሪ ይብጻሕኩም።
ዕለተ ጽንዓት!
ሰማዕታትና፡ መለለይኹም ጽንዓት ሕላገትኩም ከኣ ተወፋይነት’ዩ። ጽንዓት ተቐኒትኩም እቲ ዝኸበረን እቲ ዝዓዘዘን ከፊልኩም፡ መርኣያ ብምዃን ናጽነት ሃገር ኣውሒስኩም። እዛ መዓልቲ እምበኣር ንዓና ዕለተ ጽንዓት እያ። ንስኻትኩም ከም ህልዋት እቲ ጽንዓትኩም ድማ ከም ኣብነት ሓዲግኩምልና ኢኹም እሞ፡ ምሳና ኣብ መንጎና ከም ዘለኹም ኢና ንኣምን። ነቲ ጽንዓትኩም ንኽንስዕብ ዕለተ ጽንዓት ሂብኩምና አለኹም። ሕጂ’ውን ጌና ኣሰር ጽንዓትኩም ዝኽተልና ደቂ ሃገር፡ ኣብ ዓዲን ስደትን፡ ከይተሓለሉ ምእንቲ ፍትሕን ምሉእ ሓርነትን ይቃለሱ ኣለዉ። ማሕላኹም ንምፍጻም፡ ዝጀመርኩሞ ትልሚ ሓርነት ንምምላእ ምልኪ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ዝቃልሱ፡ ሽግ ጽንዓትኩም ከይቅህም ዝሕልዉ ኣለዉ’ሞ ቅሰኑ። ንሕና እቶም ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት እነካይድ ዘሎና፡ ኣሰር ጽንዓትኩም ተኸቲልና፡ ኣብነትኩም ስዒብና፡ ክሳብ ምሉእ ሓርነት ኣብ ሃዋህው ሃገርና ዝሰፍን፡ ክሳብ ምሉእ ሰላም ኣብ ከባቢና ዝዋሓስ፡ ብጽንዓት ክንቃልስ ኢና።
ዕለተ ጻውዒት!
ዝኸበርክንን፡ ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ
ኣብዚ ናይ 2021 መዓልቲ ሰማእታት ሓደ ቀንዲ ሕቶ ወይ ሕቶታት ከነልዕል ግድን እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማታት ይትግበር ኣሎዶ ኣሎ? እቲ ግንባሮም ንባሩድ ዝሃብሉ ምሉእ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ይሕሎ ኣሎ’ዶ? ሕቶ ሓርነታት ዜጋታት ኤርትራ፡ መሰላት ምሕሳብ፡ ምንቅስቓስን ምውዳብን፡ ሕቶ ቅዋማዊ ስርዓት ሕቶ ፍትሕን ሰላምን፡ ሕቶ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕቤት ተመሊሱዶ? ብሓጺሩ ሰማእታትና በዚ ኤርትራ ዘላትሉ ቅሱናት ድዮም ዝብል እዩ።
እቲ መሪር ሓቂ፡ ናይ’ዚ ኩሉ ሕቶታት መልሲ ኣሉታ እዩ። ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር በቚሉ ብዝዓዀዀ ጨካን ምልኪ ተጐቢጣ ኣላ። መብጽዓታት ሰማእታት ኤርትራ ብዘይንሕስያ ተጠሊሙ ኣሎ። ሃገርና መንእሰያት ደቃ ገዲፈምዋ ዝሃድሙላ ሲኦል ከይና ኣላ። ኣብ ከባቢና ከኣ ምንጪ ሓደጋን ዘራጊት ሰላምን ተቐጺራ ኣላ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንልዑላውነት ሃገርና ዝደናደን ግሁድ ወስታታት ክድዓት፡ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት፡ ህዝብና ግዳይ መሪር ጭቆናን ማእሰርትን ምክልባትን ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ድማ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ተወፋይነት ዝሕደሰላ፡ ዕለተ ጸዋዒት ንምዕቃብ ናጽነት ሃገር እያ።
ንሕና ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ልዕሌና ዝዝንቢ ዘሎ ጸዋዒት ነዚ ብሓባር እንካይዶ ዘሎና ቃልሲ ናብ ዝበረኸ ደረጃኡ ኣብጺሕና፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሰፍሐ ምትሕብባር ኣረጋጊጽና፡ ነቲ እንኮ ጸላኢ ኤርትራ ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ምስዓርን፡ ናብ ብዙሕነታዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምስግጋርን እዩ።
ጥርኑፍ ሓባራዊ ዕዮ ምክያድ፡ ምስ ብዙሕነትና ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ኩልና እንስሕቶ ኣይከነን። ብተመክሮ ከም ዝተራእየ እውን ከቢድ ዕማም’ዩ። ይኹን’ምበር ክሳብ ሕጂ በብወገንና ብዘካየድናዮ ጻዕሪ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታትና ተጻባኦታትን ምንጽጻግን ወጊድና፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ምርግጋጽና፣ ንኩልና እቶም ኣብ ጽምዶ ዝኣተና ዘተሓባብር ኣወሃሃዲ ሽማግለን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዝዋስኡ ሓይልታት ዕማምን ምቛምና ንባዕሉ ንደላይ ፍትሒ ህዝብና ብስራት ኰይኑ፡ ንምልካዊ ስርዓት ድማ መርድእ እዩ።
እዚ መጀመርታ ኣምበር መወዳእታ ኣይኰነን። ስለዚ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ዝሰዓርን መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ቦታኡ ዝሕዝን፡ ኣብ ከምዚ ክቡር ዕለተ ሰማዕታትና ጸዋዒት ንቃልሲ ክንቅጽል ኢና።
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ!
ሃገርና ናጽነታ ሓልያ ንወሉድ ወለዶ ትንበር!
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
20 ሰነ 2021
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ተግባራት ህግደፍ ናይ ምቅዋም ሃብታምን ተባዕን ተመኩሮ ኣለዋ። ሓደ ካብቲ ተመኩሮታታ ነቶም ብዘይኣፈላላይ ህዝቢ እተገልግለሎም ዝነበረት ትካላታ ብ2019 ጀሚርካ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተወርሰሉን ዝተዓጽወሉን ሕጂ እውን ቀጻሊ ዘሎ ተግባራት ዘርኣየቶ ተባዕ ተቓውሞ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብ26 ጉንበት 2021 ናብ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ካብ ዝጸሓፍዎን ብሬድዮ ቫቲካን ዝተቓልሐን መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ጽማቕ ትሕዝቶ ነይርዎ።
ቀንዲ ዕላማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ህዝቢ ምግልጋል እዩ። ኣብ ኤርትራ እውን በዚ መንፈስዚ እያ እትንቀሳቐስ። ምውራስን ምዕጻውን ናይተን ብቤተክርስትያና ዝመሓደራ ትካላት ኣብ 2018 እዩ ጀሚሩ። ኣብ 2019 ከኣ ብዝገደደ መልክዑ ቀጺሉ። ካብተን ዝተወርሳን ዝተዓጽዋን ትካላት እዘን ዝስዕባ ንኣብነት ምጥቃ ይከኣል። መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓሰብ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ፍንዕ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓላን፡ ኣብ እምባትካላ፡ ኣብ ጊንዳዕን ኣፍዓብትን ዝርከባ መዋእለ ህጻናትን ካብተን ግዳያት ዝኾና ትምህርታዊ ትካላት እየን። ኣይተተግበረን እምበር ኣብ ክረን፡ ኣስመራን ባረንቱን እውን ስጉምቲ ክውሰደን እዩ ዝብል ሓበሬታ ኣለና ዝብል ይርከቦ ኣብቲ ብራድዮ ቫቲካን ዝተቓልሔን ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈን ቅዳሑ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ህግደፍ ዝተስደን መልእኽቲ።
ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ መቃወሚኣ ምኽንያት ከኣ 1) ህዝቢ ከተገልግ ዝኽልክላ ብምዃኑ፡ 2) ስድራቤታት ደቆም ናብ ዝደለይዎ ኣብያተ-ትምህርቲ ከይሰዱ ስለ ዝዕንቅፍ፡ 3) ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ልዝብ ዘይተገብረሉን ኣብ ሓይልን ዓመጽን ዝተመርኮሰን ምዃኑን 4) እዘን ትካላት ናይ ቤተ-ክርስትያን እምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮናን ዝብል ወረ ዝተነዝሓሉን ስለ ዝኾነ ዝብል ዝርዝር ትሕዝቶ ነይርዎ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ተቓውሞ መልእኽታ፡ እዘን ትካላት ህዝቢ ንምግልጋል ዝሃነጸተን ምዃነን ኣብሪሃ፡ ብሓይሊ ዝተወስደ ትካላት ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ንክምለስ ምሕታታን ምምሕጻናን ከምዘይተቋርጽ እውን ኣመልኪታ። ካብዘን ዝተዓጽወ ትካላት ገሊአን ኣብ ገዳማት ዝርከባ ምዃነን እውን ኣብዚ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ተጠቒሱ። ዕላማ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ንምውድዳር ዘይኮነ ህዝቢ ንምግልጋል ምዃኑ ኣብዚ መልእኽቲ ብንጹር ተገሊጹ ይርከብ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካልኦት ትካላት ክትውስኽ እናሓሰበት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳዱ ከም ዘሕዘና ከኣ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ምህላዉ ኣብሪሃ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምርጫ ቤተ-ክርስትያን ዘተን ምርድዳእን ምዃኑ ኣስፊራ ኣላ።
እዚ ናይ ሽዑ ናይዞም ሃይማኖታዊ ኣቦታት ለባምን፡ መንፈሳውን መልእኽቲ ሰማዒ እዝኒ ከም ዘይረኸበ ከኣ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን መስካሪ እዩ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ተወከልቲ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ሕቡእ ርክብ ከም ዘካየዱ መደበር ተለቪዥ ኤሪሳት ኣቃሊዓ። ኣብዚ ብ16ን 17 ጉንበት 2021 ነቲ ሕቡእ ኣኼባ ዘካየድዎ ሓለፍቲ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፡ ኮለኔል ዮናስ ብጹኣምላኽን ኮለኔል ወልደዝግን ምዃኖም እቲ ካብ ኤሪሳት ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ። ካብ ሰዳናዊ ዓሌት ሃደንደዋ ኣብዚ ኣብ ፕረሲደንታዊ መቐበል ኣጋይሽ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ናይ 2ተ መዓልታት ርክብ ጸለውቲ ታባሂሎም ዝተሳተፉ ከኣ ዑምዳ ሸባብ ድራር፡ ሓጅ መሓመድ ፍካክ፡ ሑመድ መሓመድ ዓባስን ሸኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይን ነይሮም።
ዕላማ ናይዚ ን2ተ መዓልታት ዝተኻየደ ምስጢራዊ ርክብ፡ ኣብ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ዓሌታዊ ጉንጺ ንምስዋር እዩ። ድሕሪ’ዚ ካብቶም ኣብዚ ርክብ ዝተረፉ ደቂ ሃደንደዋ እቶም 3 ብማይ ህመት ኣቢሎም ናብ ፖርት ሱዳን ክምለሱ እንከለዉ፡ ዑምዳ ሸባብ ድራር ግና ብመንገዲ ዱባይ ኣቢሉ ናብቲ ዝነብረሉ ሃገር ግብጺ ከም ዝተጓዕዘ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ናይ ምዝራግ መደባቶም ንምዕዋት፡ ኣብ ባንክ ኤርትራ ብስም ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ሕሳብ ክኽፈተሎም እንከሎ፡ ብጥሪኡ ከኣ 3 ሚሊዮን ዶላር ተዋሂብዎም። ከምኡ እውን ኣብ ኡንዱርማን ብስም ወሃብ ፍካክ ዝበሃል ኣካሎም ኣብ ዘሎ ሕሳቦም፡ ካብ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 7 ቢልዮን ጅኔ ሱዳን ተቐሚጥሎም። ብዘይካዚ ብ19 ጉንበት 2021 ካብ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ 500 ጠበናጁን 34 ሸጓጉጥን ከም ዝተዋህቦም ተጠቑሱ።
እዚ ብህግደፍ ዝድገፍ ናይ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ፡ ዕላማኡ ንከዕውት ምድላዋት ዝገብረሉ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ቦታ ተዋሂብዎ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድፍኢት ጉጀል ህግደፍ ከኣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖርት ሱዳን ቀቢላዊ ጐንጺ ስለ ዝተለዓዓለ መንግስቲ ሱዳን ኣብተን ከባብታት ሰዓታት እቶእቶ ክእውጅ ተገዲዱ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ቀቢላታት ቤጃን በንዓምርን ህውከት ኣለዓዒሉ ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ሱዳን እውን ህውከት ኣብ ምፍጣር ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
(ብፈነወ ቲቪ ኤሪሳት ዝተፈነወ)
ዝኸበርኩም ምምሕዳር ፈነወ ቲቪ ኤሪሳት፡
ኣብዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ህዝብን ዓለምን መልእኽተን ከመሓላልፋ ብማለት ንዘቕረብምኩልና ዕድመ፡ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋናና ነቕርብ። ኣብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ዕድመ ናጽነት ኤርትራ፡ ቃልና ንኸይስማዕ ተዓፊኑ ጸኒሑ እዩሞ፡ ነዚ ዓፈና’ዚ ሰቢርኩም፡ ንጥሩምባ መንግስቲ ምልኪ ጥሒስኩም፡ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ድምጺ ከተስምዑን፡ ነቲ መሰረታዊ ባህጊ ኤርትራውያን ከተቃልሑን ምምራጽኩምን ምኽኣልኩምን፡ ኣብዚ ዕለተ ናጽነት ዕዙዝ ሃገራዊ ክብሪ ልበሱ። ሕጂ’ውን ኤሪሳት፡ ምስ ኩለን’ተን ከምኡ ዝኣመሰላ ማዕከናት እናተሓባበረ፡ ቁልዒ ሓርነት ንከይቅህም ኩሉ ኤርትራዊ ድምጽታት፡ ዝፍነወሉ ማዕከን/መድያ ኰይኑ ክቕጽል ትምኒትና እዩ። ስለ’ቲ ውፉይ ስራሕኩም ኣገናዕ!
ክቡራት ተኸተታተልቲ!
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!
ቅድሚ ኩሉ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንዕለተ ናጽነት እናበልኩ እንቋዕ ናብ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብቅዓና እብል። ምረት ባዕዳዊ ጭቆና እንፈልጥ ህዝቢ ኢና’ሞ፡ እንቋዕ ነታ ብረታዊ ተጋድሎና ብዓወት ናጽነት ዝዛዘምናላ ዕለት ዳግማይ ክንርእያን ከነስተማቕራን ኣብቅዓና። እዛ ንልዑላውነት ኤርትራና ህያው ዝገበረት መዓልቲ ክብርቲ እያ። ስለኣ ንዕልልን ንዝምርን። ስለ’ቶም ኣብ ምርግጋጻ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝተሰደዱ፡ ጉልበቶምን ንብረቶምን ዘወፈዩ፡ ምዑታት ደቂ ሃገር ከኣ ዘልኣለማዊ ክብሪ ሞጐስን ዝኽርን ነተሓላልፍ።
ሎሚ፡ ኣብ 2021 ዓለምና ብሰሪ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ19 ምንቅስቓሳቱ ደሪቱ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ፡ ነዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ከነብዕል ከለና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝገጠመና ንዝክር። ናጽነት ኣብ ዝተበሰረሉ፡ ከመይ ነበረ ኢልና ንሓትት? እወ፡ ስምዒታት ዓወት ገንፊሉ፡ መቐረት ናጽነት ጥዒሙ፡ ትጽቢታት ከኣ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ። ሓያሎ ክፋል ህዝብና ደጊም ሰላም ክነግስ፡ ህዝባዊ ሓርነት ክኽበር፡ ውግእን ወረ ውግእን ክጠፍእ፡ ሃገር ክትዕምብብ፡ ኣሳርን ተኣሳርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክህነጽ፡ ኤርትራ ከኣ ብጐረባብታን ብዓለምን እትነኣድ ሃገር ክትከውን እዩ ዝብህግ ዝነበረ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ዝወፈረ ብስላም ክኣቱ፡ እቲ ዝገሸ ክምለስ፡ እቲ ዝዘርአ ክዓጽድ እቲ ዝነገደ ክኸስብ እቲ ዝተማህረ ፍረ ትምህርቱ ክቐስም፡ እዩ ዝትስፎ ዝነበረ። ይኹን’ምበር ነዊሕ ከይተጓዕዘ እዚ ባህጊን ተስፋታትን ብእዋኑ ተቖጽዩ። ኣምሰያኡ፡ ምልኪ ነጊሱ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰፊሑን በዚሑን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ገዲዱ። ስለዚ ከኣ ፍርሂ ሳዕሪሩ፡ ግፍዒ፡ ሞት፡ ምስዋር በዚሑ፡ ካብዚ ዘምለጠ ከኣ ንሃገር ጠንጢኑ፡ ንሓደጋታት እናተቓልዐ ሰደት ክመርጽ ተገዲዱ።
እምበኣርከስ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናጽነት፡ እቲ ሕሰም ኣብ ዝገደደሉ ኢና ነብዕሎ ዘሎና። ብዘይካኡ ነዚ ዕለተ ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ ዓበይቲ ምዕባሌታት’ውን ኣብ ሃገርናን ኣብ ዞባናን ተረኺቡ’ሎ። ናጻ ኤርትራና፡ ኣብ ዘይናታ ውግእ ተሸሚማ ኣላ። ሃገርና ዘይሻራዊ መርገጽ ሒዛ ናብ ጐደና ምዕባለ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘይቅርዕዉ ኣመራርሓ ምልካዊ ስርዓት፡ ናብ ዘይምልከታ ውግእ ኢትዮጵያ ተሸኺላ ህይወት ንጹሃት ደቃ ተጥፍእ ኣላ። ብርእይቶና፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ንውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት፡ ናቱ ቅዋማውን ፖሊቲካውን መበገሲታት ዘለዎ ብምኻኑ፡ ኤርትራ ጦብሎቕ ዝብለሉ ጉዳይ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ብሰንኪቲ ዶር ኣብዪን ኢሳያስን ዝተሰማምዑሉ፡ ሽርክነት ውግእ፡ ዞባና ናብ ገበናት ኲናት ዝፍጸምሉ ዓውዲ ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብሩ ሰደተኛታት ኤርትራውያንን ዝወረደ ግፍዒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ እውን ናብ ዘይናቶም ኩናት ኣትዮም፡ ይቕዘፉን ይስንክሉን ኣለዉ። እዚ ዕለት ናጽነት እምበእር ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ እምቢ ንምልኪ ብምባል ኩሉ ዓቕምታቱ ኣንጻር ምልኪ ኣቕኒዑ ሃገር ንምድሓን ዝጸምደሉ ዕለት እዩ።
ክቡራንን ክቡራትን ደቂ ሃገር
ሰለሰተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኣብ 2018፡ ብስም መራሕቲ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ምስጢራዊ ውዕል ተኻይዱ። እቲ ውዕል ክሳብ’ዚ ዕለተ ናጽነት ዝፈልጦ የልቦን፤ ጌና ምስጢር እዩ ዘሎ። ምልክታቱ ግን ንልዑላውነትን ነዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና ዕለተ ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ምኽንያቱ ሕጂ ከም ዝተጋህደ፡ ምልካዊ ስርዓት ካብ ዕቤት ኤርትራ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዓዚዝዎ ኣሎ። ካብ ሰላም ኲናት መሪጹ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ ናብ ኩናት ክድቕደቑ ከለዉ ካልኦት ድማ ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ናይ’ዚ ዓመት ጸዋዒት ዕለት ናጽነት እምበኣር ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ናብ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኣባላት ሰራዊት ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ጸዋዒት፡ ሕጂ እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ’ሞ ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን ዓቅቡ እዩ።
ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምንቁልቋል ካብ ዝእቱ፡ ግዜ ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ መድረኽዚ ግን እቲ ስርዓት ኣብ ምንቁልቃል ጥራይ ኣይከነን ዘሎ፡ መስርሕ ወድቀቱ ጀሚሩ ኣሎ። መስርሕ ውድቀቱ ጀሚሩ ዘብለና ከኣ፡ ብኤርትራዊ መዳይ እቲ ተሓቢኡ ክገዓዝ ዝተፈተነ፡ ናይ ዘይኣድላዪ ኲናት ክሳራታት ህዝብን ሰራዊትን ይሓተሉ ኣሎ። ገመዳት መንግስታዊ ስርዓት ይበታተኽ ኣሎ። ብግዳም ከኣ ኣብ ልዕሊ ጸጥታዊ ትካል ኤርትራ ማዕቀብ ተወሲኑ፡ ኣሎ። ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ከተውጽእ ተጽዕኖታት ይተርር ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ድማ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ። እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና።
ናይ ሎሚ ዕለተ ናጽነት ጸዋዒት እምበኣር ምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እዩ። እዚ ጽድዋዒት’ዚ ናይቶም ብወግዒ ተቓውሞኦም ዝኣወጁ ውድባትን ማሕበራትን ፍሉይ ዕማም ኣይኰነን። ናይ ፍሉይ ብሄር ወይ ፍሉይ ሃይማኖት ወይ’ውን ናይ ፍሉይ ኣውራጃ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ናይ ኩልና ኤርትራውያን ስራሕ እዩ። ምልኪ ተሳዒሩ ፍትሒ ንኽነግስ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልዑል ሃገራዊ ሓላፍነት ይስከም። ስለዚ እቲ ጸዋዒት፥
ንህዝብና፤ ብዘይፍቓድካ ዝገዝኣካ ሓይሊ የለን። ናጽነትካ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ፡ ንድሕነት ሃገር ከም ቀደምካ ተለዓል
ንኣባላት ሰራዊት፤ ሕጂ ንባዕልኹም ደለይቲ ፍትሒ ኢኹም፡ ሓለውቲ ዝበስበሰ ስርዓት ኣይኰንኩምን፡ ልዑል ተራኹም ዕመሙ
ንፖሊቲካውን ሲቪላውን ሓይልታት ኤርትራ፣ ዕማምና ምውዳቕ ምልኪ መንገድና ሓባራዊ ዕዮ እዩ። ብሓባር ንስራሕ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጸዋዒት’ዚ እጃሙ ከልዕል ቃል ይኣቱ።
ኤርትራ ልዑላውነታ ሓልያ ኣብ ናጽነት ንዘልኣለም ትንበር!
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!
ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
24 ግንቦት 2021
ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ )ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ ኣባላት ኣብ ድሮ 24 ጉንበት 2021 መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብዚ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዝተኻየደ ኣኼባ ነቲ መደብ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፡ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም፡ እንኳዕ ናብዚ ክቡር በዓል ነጻነት ኣብጸሕና ኣብጸሓኩም” ዝብል ሓጺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብብጻይ መንግስተኣብ ተዓዲሙ ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ኣገዳሲ መደረ ኣስሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ምስ በለ ኣብዚ ቀረባ ንዝተሰውኡ ብጾት በብሓደ ጠቒሱ፡ “መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ሕድሮም ከኣ ኣይከነዕብርን ኢና” ኢሉ። ንቤተሰቦም ከኣ ጽንዓት ተመንዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓሚሞም ንዘለዉ ተቓለስቲ ከኣ ምሕረት ተመንዩ።
ኣብቲ ቀጺሉ ዘስመዖ ቃል ከኣ፡ ምእንቲ ናጽናት ኤርትራ ንዝተሰውኡን ክሳብ ሕጂ ከይሰልከዩ ምእንቲ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ይቃለሱ ንዘለዉን ዘለዋን ኤርትራውያን ዘለዎ ናእዳን ኣድናቖትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝእተወትና ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ከም ናይ ዓይንና ብሌን ክንሕልዋ ከም ዝግበኣና ኣገንዚቡ። ኤርትራ እዚ ሕጂ እተሓልፎ ዘላ ጸገም ዘይግበኣ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ከነውጸኣ፡ ብዘይካ ብሓድነት ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ኣዕዚዙ ገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ፡ እሞ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ሓያል ጽልዋ ዘለዎ፡ ቅልውላው ንጹርን ጥንቁቕን መንገዲ ሒዙ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።
ኣብዚ እዋንዚ ሃገሩን ህዝቡን ክሕሉ ዝግበኦ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ይዋጋእ ምህላዉ ከም ዘሕዝን ጠቒሱ። ህዝብና ከድሕን ተስፋ ኣንቢርናሉ፡ ክንጽወዖን ክንምሕጸኖን ዝጸናሕና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ ንገዛእ ርእሱ ናጻ ክወጽእ ክቃለስ ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ንምውጻእ፡ ብዘይካ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከም ዘየለን ሰዲህኤ ነዚ ሓቢርካ ምቅላስ ተዓጢቕሉ ከም ዘሎን ኣብሪሁ። ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝሕብሩ ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ እውን ብጻይ ተስፋይ ብኣብነታት ኣሰንዩ ጠቒሱ። ኣባላት ሰዲህኤን ካለኦት ፈተውቲ ሰልፍናን ከም ወትሩ ቃልሶም ከሕይሉ ከኣ ጸዊዑ።
ብመራሕ መደብ ናይቲ ኣኼባ ተዓዲማ ቃላ ዘስመዐት ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን፡ እውን ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ። ብጻይቲ ኣድያም ኣብቲ 30 ዓመታት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ 30 ዓመታት ከኣ ኣብ ለውጢ ብድምሩ ን60 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ግደ ደቂ ኣንስትዮ 30% ነይሩ ዝበሃል ግጉይ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘበርከታ ኣዘኻኺራ። ኣብዚ ንሓልፎ ዘላን እዋን ግና ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እተን ኩሉ መሰላተን ዝተነፍጋን ዝተጠልማን ምዃነን ሓቢራ። ኣተሓሒዛ ከኣ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ቅድሚት ዝስራዕ ዋኒን ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገንዚባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ናይ ቅድም ሎሚ’ውን ግደአን ንክዓዝዝ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳታፈ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዳግማይ ንኸይጥለማ፡ ሓያል ውዳበ ደቂ ኣንስትዮ ንኽገብራ ጸዊዓ።
ኣብ ርእሲ እዚ ብዙሓት ቅድም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩን ካድራትን ተሳተፍቲ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ “ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብኹሎም ደቃ እያ እትህነጽ” ዝብል እምንቶ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብያ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክዕወት ከም ዘይከኣለ መስኪሮም። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ጥልመት ከኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ እንዳተሰጋገረ፡ እነሆ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ብተሳተፍቲ ግጥምታትን ኣገደስቲ ጽሑፋትን ዝቐረበሉ መድረኽ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ 24 ጉንበት 1991 ዝነበርዎ ዝነበራኦን ኩነታትን ቦታን እንዳጠቐሱ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ብሓፈሻ ኩሎም ተሳተፍቲ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ተሪፉና ዘሎ ዕማም ንምውጋን ጌና ዝሓተና ቃልሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ንግብራውነቱ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም በዓል ተደምዲሙ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ኣብዚ ናይ ፈተነ መድረኽ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓደጋታት ቀዛፊ ሕማም ለበዳ፡ ህዝብናን ኣህዛብ ከባቢናን፡ ብወግእን ሳዕቤናቱን ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉ፣ ኩነታት ስደትን ሞትን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ሰላምን ቅሳነትን ዘውርደልና በዓል ክኸውን ንምነ።
ንኩሎም እቶም ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ብዓወትን ዛዚሞም ዒድ ኣል-ፈጥር ምብዓል ዝበቕዑ ኣመንቲ ምስልምና፡ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ መልእኽቲ ዒድ ሙባረክ አመሓላልፍ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓለ ትንሳኤ ክርስቶስ ንኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ፡ ንኩሎም ኤርትራውያን ድማ ብሓፈሻ እንቋዕ ናብ በዓል ትንሳኤ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ናይ 2021 በዓል ትንሳኤ፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ 2020 ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ተላባዒ ሕማምን ዘይኣድላዩ ኣዕናዊ ኲናትን ሰጊሩ፡ ንዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትናን፡ ትምኒትናን ጻዕርናን እዩ።
ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ