“ጥምረት ሓይልታት ፈደራሊስትን ኮንፈደራሊስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምብዳህ 9 ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ብ4 ሕዳር 2021 ጥምረት ከም ዝመስረቱ ምግላጾም ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ናይ ኢንፎርመሽን ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ምክትል ሚኒስተር ብወገኖም “እዚ ዝተመስረተ ጥምረት ፖለቲካዊ መሰረት ዘየብሉ ድኹም ምትእኽኻብ እዩ” ኢለምዎ።
ኣብቲ ጥምረት ካብ ዝኸተሙ ኣካላት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ግንባር ብሄራዊ ናጽነት ሲዳማን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣገውን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዓላማ ከም ዘለዎ ከኣ ወሃብ ቃል ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣንበሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ፡ ኣብ ዘስሞዎ ቃል፡ እቲ ጥምረት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ወይ ብዘተ ብምውጋድ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ትልሚ ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም። ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ምክትል ምኒስተር ከበደ ደሲሳ ብወገኖም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ነቲ ጥምረት ድኹም ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ ብዝብል ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም እቲ ጥምረት ብምምስራቱ ከምዘይተገረሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዚ እዩ ዝበሃል ደገፍ ከምዘይነበሮ ሓቢሮም።
እዚ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝለዓለ ደረ ጃ ኣብ ዝበጸሓሉ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ጥምረት ዝመስረቱ ኣካላት ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እዩ ብዝብል ግምት እዚ ናይቲ ጥምረት ስጉምቲ ንዓኡ ናይ መጀመሪ ክኸውን ብዝብል እዩ።
እቲ ጥምረ 9 ኣካላት ዝሓቖፈ ካብ ትግራይ፡ ጋንቤላ፡ ጉሙዝ፡ ዓፋር፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞ፡ ኦሮሞን ቅማንትን ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዝተወከልሉ እዩ። እቲ ጥምረት ነቶም ጀመርቲ ጥራይ ሒዙ ዝቕጽል ዘይኮነ፡ ካለኦት ኣካላት ክሕወስዎም ኣብ ምዝርራበ ምህላዎም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቲ ጥምረት ናይ ሓይልታት ፈደረሽንን ኮንፈደረሽንን ኮይኑ፡ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዘሎ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ስርዓት ፈደራሊዝም ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ጅግና ተቓላሳይ ዑስማን መሓመድ እስማዒል፣ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ወጋሕታ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ ሃገረ ግብጺ ከተማ ካይሮ ብሞት ከም ዝተፈልዘ ዝሕብር መርድእ ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንናን ሰንቢድናን።
ስዉእ ዑስማን መሓመድ ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1965 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይሕብር።
ተጋዳላይ ዑስማን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ካብ ቃልሲ ከምዘይተፈልየን፡ ዓበዝቲ ፈተንቲ መድረኻት ናይ ቃልሲ ዝሰገረን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ከም ዝተቓለሰን ክሳብ መራሒ ብሪጌድ በጺኹ ከም ዝነበረ እውን ታሪክ ቃልሱ ኮነ ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝፈልጥዎ እዩ።
ሞት ዘይተርፍ ናይ ኩልና ዕዳ እዩ እሞ፡ በዚ ጋጣሚ መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንቤተሰቡን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንስዉእ ዑስማን መሓመድ ከኣ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እንዳበልና ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ካብታ ኣብ ኡጋንዳ ክትወዳደር ዝቐነየት ጋንታ ትሕቲ 20 ዝዕድሚአን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ካብኣተን ብ2 ሕዳር 2021 ኣብ ካምፓላ ከም ዝተሰወራ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 ጥቅምቲ ዝጀመረን ክሳብ 9 ሕዳር 2021 ዝቕጽልን ከባብያዊ ውድድር ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሰካፋ) ኮይኑ፡ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ እዩ። ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ኣብ ዝገበረቶ 2ተ ግጥማት፡ ብታንዛንያን ብኢትዮጵያን ከም ዝተሳዕረትን 3 ሕዳር 2021 ከኣ ምስ ኣእንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ክትጻወት መደብ ከም ዝነበራን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክጠፍኡ እዚ ንኻለኣይ ግዜ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 እውን 5 ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝጠፋኣ ዘኪሩ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ነዚ ምስዋር 5 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝምልከት ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ይጻረ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ። ካብ ኡጋንዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ከኣ ናይቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዳይረክተር ተጻወቲ ዘይሃድምሉ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝጠቅስ እዩ።
እቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ኡጋንዳውያን ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኡጋንዳውያን ኣባላት ናይቲ ማሕበር ብወገኖም፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመሓላሊፎም ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብፍሊጦም፡ ተጻወቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ሆቴላት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝነበሩን ግቡእ ሓለዋ ከም ዝነበረን ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕጂ ብ2019 ተጻወቲ ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ኡጋንዳ፡ ከምኡ ከኣ ብ2015 ዓሰርተ ኤርትራውያን ተጻወቲ ካብ ቦትስዋና፡ ብ2013 ኣብ ኡጋንዳ 13 ኤርትራውያን ምስ ሓኪሞም ናብ ሃገርና ኣይንምለስ ኢሎም ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ብ2009 ከኣ ኣብ ኬንያ ብዘይካ መሪሕነትን ኣሰልጣንን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምሉኣ ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰት ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜናዊ ጸብጻብ ከም ድሕረ ባይታ ጠቒሱ።
ናይዚ ኩሉ ናይ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ዘይምምላስ ውሳነ ጠቂ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ፡ ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽል ዝኣመሰሉ ተመጐቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጽዎ ዝጸንሑ እዩ።
ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ30 ጥቅምቲ 2021፡ 5ይ ጉባአኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ጉበአ ብጻይ ሃይለ ወልዱ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንተሳተፍቲ ጉባአን ዕዱማት ኣጋይሽን ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩምን ምስጋናን መልእኽቲ ዽሕሪ ምቕራብ መስርሕ ምድላው ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ፡ እቲ ጉባኤ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብቲ ክግበረሉ ዝግበኦ ደንጉዩ ከም ዝተኻየደ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጋጠሙ ብደሆታትን መኸቲኦምን፡ ከምኡ እውን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ዞባን ናብዚ ጉባአ ንምብጻሕ ዘካየድዎ ኣበርክቶን ምትሕብባርን ጠቒሱ።
ኣብዚ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ዝተኻየደ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ቃል ሰልፊ ኣስሚዑ። ኣብ ዘስመዖ ቃል ንኣሰናዳእቲ ጉባአን ተሳተፍትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንሃለዋት ሰልፍን ግደ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕቤት ሰልፊን ዕዙዝ ምዃኑ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዝሰርሕሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን ቅሩብነት ሰዲህኤ ነዚ ናይ ሓባር ዕማም ኣብ ምዕዋትን ዝምልከት ሰፊሕ መርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ ከባቢና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ኤርትራ ዘስዕቦ ዘሎ ሳዕቤንን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነዚ ኩነታት ኣብ ምህዳእ ብፍላይ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ትግራይ እቲ ፍታሕ ሕጋውን ፖለቲካውን ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰዲህኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱን ክወስዶም ዝጸንሐ መርገጻት ኣስፊሑ ኣብሪሁ። ብዘይካዚ፣ ዓብዪ ህዳሰ ዲጋ ዝፈጠሮ ምስሕሓብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተወሲኽዎ ዞናን ኣሁራዊ መሰሓሓቢ ጃንዳታትን ምፍጣሩ ገሊጹ። ኣብ ምወዳእታ ከኣ ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ዕዉት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ብውገኑ፡ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣባላት ዞባ ኤውሮጳ ናብቲ ጉባአ ብምብጸሖም ሓጐሱ ገሊጹ። ናብኡ ንምብጻሕ ንዝጸዓቱ ኣካላት ድማ ንኢዱ። ንሃለዋት ዞባናን ተሃዋስነቱን ብዝምልከት እውን ጠቒሱ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ከኣ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ብህዝቢ ዝመጽእን ናይ ህዝብን ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ መስርሕ ግደ መንእሰይ ኤርትራ ዕዙዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ዝጥለብ እዋናዊ ኣበርክቶ ጠቒሱ።
ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ከኣ፡ ንዞባ ወኪሉ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘቕረቦ ናይ ደገፍን ምትሕብባርን ቃሉ፡ ንዞባ ኤውሮጳ ኣብነትን ሓጋዝን ክኸውን ዝኽእል፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ መንእሰያትን ኣብ ዜናዊ መዳይን ዝካየዱ ዘለዉ ምንቅስቓሳት መብርሂ ሂቡ። ንዓወት ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ከኣ ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ ንዞባ ኤውሮጳ ንሸውዓተ ዓመታት ብተኸታታሊ ክመርሕ ዝጸንሐ ብጻይ ኢስቅ ወልደማርያም ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ናይ 3 ዓመታት ምንቅስቓስ ዝተጠርነፈ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጸብጻቡ መሪሕነት ዞባ ክኸደሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ጉባአ ካብቲ ክካየደሉ ዝግበኦ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ምድንጓዩ፡ ናብዚ ጉባአዚ ንምብጻሕ ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣዘረጋግሓን ኣተሃላልዋን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኢውሮጳ፡ ኣብ ሕድሕድ ኣባላት መሪሕነት እቲ ዞባ ዝጸንሐ ሓድነትን ምድግጋፍን እቲ ዞባ ካብ ምስላጥ ሰልፋዊ ሓላፍነቱ በተወሳኺ ብደረጃ ውድባት ኮነ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ከርእዮ ዝጸንሐ ተሳትፎ ዘርዚሩ። ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያቆብ ኣባል መሪሕነት ናይቲ ዞባ ብወገና፡ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ። ኣብቲ ጸብጻባ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብደረጃ ሰዲህኤ ኮነ ብደረጃ ዞባ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብን ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልስን ገሊጻ። ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኣመሰሉ ትካላት ዘጋጥሙ ጸገማት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቅላል፡ ኣባላት ሰዲህኤ የበርክተኦ ንዘለዋ ሓገዛት ጠቒሳ።
ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻባትን ዝቐረበሉ ኣገባብን፡ ክኸውን ነይርዎ ዝብልዎን ንመጻኢ ካብኡ ክውሰድ ብዛዕባ ዝግበኦ ትምህርትን ተመኩሮን ሰፊሕ ምይይጣ ኣካይዶም።
ጉባኤ ዞባ ኣብ መወዳእታ 7 ቀወምትን 2 ተጠባበቕትን ዘለዉዋ ሓዱሽ መሪሕነት ዞባ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። እቲ ናይ ምስጢር ኣመራርጻ በቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ኣገባብ ብዙም ብምንባሩን እቲ ኣገባብ ሓድሽ ስለ ዝነበረን፡ ምስጢራውነት ድምጺ መረጽቲ ምዕቃብን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ምድማጽ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣገባብ ኣፍልጦ ብዘለዎ ኣባል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ኪዳነ በርሀ ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ።
ኣብ መጠረስታ፣ ተሳተፍቲ ንመሪሕነት ሰልፍን ሓዳስ መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ኣገዳሲ ለበዋታትን ርእይቶታትን ኣቕሪቦም፡ ጉባአ ተዛዚሙ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝተመርሐ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ተኸቲሉ ኣባልነት ናይታ ሃገር ኣብቲ ሕብረት ኣደስኪልዎ። እቲ ምድስካል ኣባልነት ተኣጊዱ ዘሎ ብሲቭል ዝምራሕ ናብ ብምርጭ ዝቖመ መንግስቲ ከሰጋገር ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ መሰጋገሪ ምምሕዳር ናብ ንቡር ቦታኡ ክሳብ ዝምለስ ከም ዝቕጽልዩ እዩ ተገሊጹ።
ናይቲ ሕብረት ናይ ሰላም፡ ፖለቲካን ድሕነትን ክፍሊ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ዝገለጾ እቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ዕልዋ ክፍጸም እዩ ኢሉ ዘይተጸበዮ ምዃኑ ምግላጹ፡ ንምንጭታት ናይቲ ሕብረት ብምጥቃስ ኣልጀዚራ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባቲ ኩነታት ዝዛተ ልኡኽ ናብ ሱዳን ከም ዝሰደደ ካብ ዜና ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ንመግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ተኸቲሉ ባንክ ዓለም ብወገኑ፡ ብሰንክቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ንሱዳን ዝህቦ ሓገዝ ከም ዘደስክሎ ገሊጹ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብወገና ንሱዳን ክትህቦ መዲባ ዝነበረት ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጠጠው ከምእተብሎን ኩንታት ሱዳን ናብ ንቡር ንክምለስ ተወሳኺ ጸቕጥታት ከም እትገብርን ኣፍሊጣ።
ናይቲ ዕልዋ ዜና ምስተሰምዐ፡ ኣሸሓት ሱዳናውያን ኣብ ከተማታት ካርቱምን እምዱርማንን ንተኸታታሊ መዓልታት ኣብ ኣደባባያት ከም ዝተቓወሙን መንገድታት ክዓጽዉ ምስ ፈተኑ ምስ ወተሃደራት ብዝተፈጥረ ግጭት ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2021 ብውሕዱ 7 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ብማዕከናት ዜና ተገሊጹ። እቲ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ካርቱም ከይተደረተ ኣብ ካልእ ከባቢታት እውን ክቕጽል ግምት ኣሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ናይ ሱዳን ሰራሕተኛታ ኩባንያ ነዳዲን ሓካይምን ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ሲቪላዊ ተቓውሞ ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።
ነቲ ናይ 25 ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ ዝመርሑ ጀነራል ኣልቡርሃን ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ወተሃደራት’ውን ኣንጻሮም ከይለዓሉ ስግኣት ስለ ዘለዎም፡ ነቲ ዕልዋ ካብ ሕድሕዳዊ ውግእ ሱዳናውያን ንምድሓን ኢሎም ከም ዝወሰድዎ ምግላጾም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቶም ጀነራል ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ምርጫ ከም ዝካየድ ቃል ኣትዮም። እንተኾነ እዚ ዕልዋ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኖም ዘረክበሉ ዝነበሮም ግዜ ኣብ ዝተቓራረበሉ ስለ ዘጋጠመ እቲ ወተሃደር ንመብጸዓ መጻኢ መርጫ ናይቶም ጀነራል ኣይኣመኖን ዝብል ግምት ኣሎ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቶም ጀነራል ኣሲረምዎም ከምዝነበሩን፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከኣ ናብ ገዝኦም ከም ዝመለስዎምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡን ካብታ ሃገር ዝወጹ ዜናታት ሓቢሮም።
ድሕሪ ዕልዋ ዝተኣስሩ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ሓምዶክን ፡ ዕልዋ መሪሖም ህጹጽ ኣዋጅ ዝኣወጁ ጀነራል ኣልቡርሃንን
ኣብ ሱዳን ብ25 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ንጉሆ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንሲቪል መራሕቲ ኣሲሩ ናይ ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ ከም ዝተኣወጀ ማዕከን ዜና ቢቢስን ካለኦት ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜናን ገሊጸን። ናይዚ ዕልዋ መራሒ ጀነራል ኣልቡርሃን ናይቲ ዕልዋ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ምዃኑ ገሊጾም።
ነዚ ዕልዋ ዝተቓወሙ ሱዳናውያን ኣብ ኣብ ካርቱምን ካለኦት ከተማታትን ኣብ ኣደባባያት ወጺኦም ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን ኣብቲ ኩነታት ተኹሲ ከም ዝነበረን እውን ተፈሊጡ። ብዛዕባቲ ሓድሽ ተረኽቦ ብተለቪዥን ሱዳን ዝገለጹ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ናይታ ሃገራዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ህጹጽ ኩነታት ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ከኣ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ክመርሕ ዝጸንሐ ልኡላዊ ቤት ምኽርን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ከም ዝፈረሱ ገሊጾም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጀነራል ኣል ቡርሃን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ ፈሪሱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ከም ዝካየድ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ብኣንጻሩ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ከይፈርስ ህዝቢ ክቃለስ ክጽውዑ እዮም ጸኒሖም።
ኣብታ ሃገር ዕልማ ከም ዝተኻየደ ምስተገለጸ ናይቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝርከብዎም ሰቪል ሰብ መዚ ብወተሃደራት ከም ተታሒዞም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ነቲ ዕልዋ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባያት ካብ ዝወጹ ሰባት ብውሕዱ 12 ሰባት ተጐዲኦም።
እቲ ዜና ከም ዝሕበሮ ጀነራል ኣልቡርሃን ኮኑ ካለኦት ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ሱዳን፡ ናይ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብያን ሕቡራት ዓረብ ኤምረይትን ደገፍ ኣለዎም። ብኻልእ ወገን ከኣ ዝተፈላለያ ሃገራት ነዚ ዕልዋ ተቓዊመንኦ ኣለዋ። እዚ ዕልዋ ዝፍጠር ዘሎ ሱዳን ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ሲቪልን መራሕቲ ዝነበረ ዝምድና ሓርፊፉ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሕመስ ምስ ጸንሐትን ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ውጽኢታዊ ዘይነበረ ዕልማ ምስ ተፈተነን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ናይ ኢንትርኔት ርክብን መዓርፎ ነፈርትን ዕጹዋት ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣወስትራልያ እቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርትን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ እናዐረገ ምምጽኡን ከም ዘሻቕላ ብምጥቃ ብ20 ጥቅምቲ 2021 መግለጺ ኣውጺኣ። ኣወስትራልያ ኣብዚ መግለጺኣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምኽልካል ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም እትኹንን ጠቒሳ። እቲ መግለጺ እቲ ውግእ ዓመቱ ክመልእ ኣብ ዝተቐራረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ኣዕናዊ ተጽዕኖ የሕድር ከም ዘሎ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ሃገረ ኣወስትራልያ ኣብዚ መገልጺኣ፡ ኩሎም ኣካላት ናይቲ ውግእ፡ ካብ ምቕጻልቲ ውግእ ክዕቀቡን ጥሕሰታት ከወግዱን ጸዊዓ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣወስትራልያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብህጹጽ ህውከት ጠጠው ኣቢሎም፡ ብቕልጡፍ ተዛትዮም ምእንቲ ምርግጋእ ህዝብን ሃገርን ኣብ ፍታሕ ክበጽሑ ጸዊዓ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መግለጺ ብዙሓት ኣወስትራላውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ዝምድና ከም ዘለዎም ብምሕባር፡ ምስቶም በዚ ኩነታት ዝተገድኡ ኣዕሩኽን ቤተሰቦምን ዘለዋ ምድንጋጽ ገሊጹ።
መደብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እገዳ ንምውሳንን መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባን
Wednesday, 20 October 2021 19:17 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕብቲ ብ18 ጥቅምቲ 2021 ዘካየዶ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኣኼባኡ ብዝምልከት፡ ላዕለዋይ ወኪሉ ጆሰፍ ቦረል ንጽባሒቱ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ኣጀንዳታት ናይቲ ኣኼባ ሓደ ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ዝነበረ ምጥቃሶም ማእከል ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ኣብቲ መግለጺኦም፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣጀንዳ፡ እቲ ኣኼባ “ቀዳማይ ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ውግእ ኣብታ ሃገር ብሓዘን ንዝክሮ ኣለና” ከም ዝበለ ኣስፊሮም።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ካብ ዝጅመር፡ ንገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከም ናይ ውግእ መሳርሒ ክጥቀሙ ብዝጸንሑ ዕጡቓት ኣካላት፡ ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተዘውተረ ተጠቒሱ
ኣብቲ ኩነታት ሰብኣዊ ረዲአት ክኽልከል ጸኒሑ እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት ባሕቲ ሕዳር 2021 ብመንገዲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ንዝቐርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ዘድሊ ባይታ ነጣጥሕ ኣለለና ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐርብ ጸብጻብ እገዳ ብምውሳን ዝጅምር ነቲ ኩነታት ግቡእ መልሲ ዝህብ ክኸውን ከም ዝጽበዩ እውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጋዜጣዊ መግለጺኦም፡ ብመሰረት እቲ ንሰብኣዊ ግህሰት ብዝምልከት በጺሑና ዘሎ ጸብጻብ ነቲ መስርሕ ከነቐጽሎ ንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ናይ ልምዓት ሓገዝ ብኸመይ ኩነታት ከም ዝቕጽል ከም ዝምርመር ከኣ ኣስፊሮም።
ብመሰረቲ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይቲ ሕብረት ኮሚሽነር ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ጁታ ኡርፒላይነን ምስ ፍሉይ ተወካሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣነተ ወበር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝገሹ ሓቢሮም። ዕላማ መገሻኦም ናብ ኢትዮጵያ ንጹር መልእኽቲ ኤውሮጳ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምትግባር ተኹሲ ምቁራጽን ምጅማር ኩሎም ተዋሳእቲ ዝሳተፍሉ ሃናጺ ፖለቲካዊ መስርሕን ምብጻሕ ምዃኑ ኣመልኪቶም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ቅድም መራሒ ናጀርያ ኤለሰንጎ ኦባሳንጆ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምሉእ ደገፍ ከም ዝህልዎም ገሊጾም
ስእሊ DW
ከተማ መቐለ ብ18 ጥቅምቲ 2021 ክልተ ግዜ ብነፈርቲ ከም ዝተደብደበት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሮም። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ መንግስታዊ ወሃብ ቃሉ ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣየካየድኩዎን ኢሉ። ብኣንጻሩ መንግስታዊ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ወገናት እቲ ደብዳብ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተኻየደን እቲ ዝድለ ዒላማ ከም ዝወቐዐን ተኣሚኑ። እዚ ከምዚሉ ኢንከሎ ወተሃደራዊ ወሃብ ቃል ኢትዮጵያ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ዝበሎ የለን።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብቲ ተግባር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተገራጫዊ ሓሳባት ከም ዝተዋህበ ይገልጹ ኣለዉ። ነዚ ደብዳብ ብዝምልከት ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ክሕብሩ እንከለዉ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲአት ከኣ እቲ ደብዳብ ከም ዝተኻየደ ተኣሚኖም ንሮይተርስ ኣረጋጊጸምሉ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መደበር ተለቪዥ ትግራይ ብወገኑ ሽዑንሽዑ ብዛዕባቲ ደብዳብ ተንቀሳቐሲ ምስሊ ኣሰንዩ ዜናዊ ሓበሬታ ዘርጊሑ። በቲ ዜና መሰረት እቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ቦታታት ካብ ከተማ መቐለ ንወገን ሰሜን ኣብ መንገዲ ዓዲ ግራት መሰቦ ኣብ ዝበሃል በረኽቲ ቦታታትን ሓሬና ኣብ እትበሃል ቁሸትን ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ኣብ ጥቓ ፕላኔት ሆቴልን ዝርከብ ዕዳጋ ሰኑይ እዩ። ብሰንኪ እዚ ደብዳብ 3 ሰባት ሞይቶም 9 ሰባት ከኣ ከም ዝተወቕዑ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደርን ካለኦት ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ናይ ዓይኒ መሰኻክርን ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ዝተወሰኑ እንስሳ ዘቤት በቲ ደብዳብ ከም ዝተቐትሉ እውን ተፈሊጡ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ እዚ ደብዳብ ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባታት ወሎን ጐንደርን ኣብ መንጎ ሓይይልታት ምክልኻል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ጽዕጹዕ ውግእ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽዎ ኣለዉ።
ሓደሓደ ናይ ማሕበራዊ መራኸብታት ከኣ እተን ዝደብደባ ነፈርቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እየን ነቒለ ዝብል ሓበሬታ ዘርጊሐን።
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብ12 ጥቅምቲ 2021 ምስ ኦሉሰንጎ ኣባሳንጆ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ተዘራሪቦም። ኣብ ዝርርቦም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፈልትማን እውን ከም ዝተሳተፊ፡ ንወሃቢ ቃል ነድ ፕሪሰ ብምጥቃስ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝወጸ ዜና ይሕብር።
ኣብዚ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣቦመንበር ኢጋድን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳንን ዓብደላ ሃምዶክ፡ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሰፕ ቦረል፡ ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያ ዓባይ ብሪታንያ ኤልዛበት ትሩስ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ኒልስ ኣንነን ናይ ፈረንሳ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍረድሪክ ክላቪየርን ተሳቲፎም። እዞም ኣብዚ ርክብ ስተሳተፉ ወገናት ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘርእይዎ ዘለዉ ምውህሃድ ተቐቢለምዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ዓብይ ብሪታንያን፡ ኣካላት ናይቲ ውግእ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዓመጽ ጠጠው ከብልዎን ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ዘተ ክኣትዉን፡ በዚ ኣቢሎም ከኣ ሰፊሕን ንኹሉ ዘሳትፍን ምይይጥ ዘብጽሕን ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ሓድነት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘውሕስን ባይታ ክፈጥሩ ጸዊዖም።
እዞም ተሳተፍቲ ናይቲ ርክብ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ናይቲ ውግእ ተሳተፍቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ተቐቢሎም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ ረዲአት ንክበጽሕ ክምእዘዙ ጸዊዖም።