ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ዓንቀጽ 6.1.9 ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ15ን 16ን ነሓሰ 2020 ኣሰላሲሉ። ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ምልኣተ ኣኼባ ምህላዉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ኣስዒቡ ኣብ’ቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢናን ዓለምን ዝተራእዩ ቀንዲ ምዕባለታት ብምጥቃስ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ እዚ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕማም ኮረና ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ዘሎ ግዜ፡ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃልሶም መድረኽ ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ይጋባእ ምህላዉ ጠቒሱ። ኣስዒቡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘሎና እዋን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተፈልየ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ብምዃኑ ኣገዳስነት ናይዚ ስሩዕ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ተጠራኒፍካ፡ ኣንጻርቲ ንህዝብና ረጊጹ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ ጉጅለ ሓቢርካ ዘቃልስ ኩነታት ንምፍጣር፡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ዘረጋገጽዎ ምሉእ ሓድነት፡ ካብ ዓወታት ናይ’ዚ ዓመት ሓደ ከም ዝነበረ ኣስፊሩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባቲ ኣብ ዓለምና ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮረና ኣመልኪቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብክኢላታት ሕክምና ንዝወሃብ ምኽርን ምዕዶን ኣተግቢሩ ካብ’ቲ ሓደጋ ክወጽእ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።
መእተዊ ቃሉ ከጠቓልል እንከሎ ከኣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት መደባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣባላት ሰልፍን ብሓባር ኮነ ብውልቂ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዘተኣማምን ግቡኣቶም ክፍጽሙ ከም ዝጸንሑ ብምርግጋጽ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቦ መንበርን ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምጽዳቕን፡ በቲ ዝጸደቐ ኣጀንዳ መሰረት ኣኼባ ኣብቲ ኣቐዲሙ ናብ ኣባላት ባይቶ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ነፍሲ ወከፍ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ጸብጻብ ናይቲ ክመርሖ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት መእተውን መበገሲ ሓሳብን ኣቕሪቡ። ኣኼባ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ኣገደስቲ ኣብ ዝበሎም ጉዳያት ውሳነታት ወሲኑ። ኣድላይ ኮይኑ ኣብ ዝረኣዮም ዛዕባታት ከኣ ሓፈሻዊ መምርሒ ብምሃብ፡ ንግብራውነቱ ናብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣሰጋጊሩ።
ኣኼባ ባይቶ ኣብቲ ንጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ብዝምልከት ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምሕያል፣ ውደባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምሕያልን ኣባልነት ምስፋሕን፣ ዜናዊ ዓቅሚ ሰልፊ ምምዕባልን ተሳትፎ ኣባላት ኣብ’ዚ መዳይ ምሕያልን፣ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ፣ ንማሕበራዊ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ቆላሕታ ምሃብን ናይ ጸገማቶም መፍትሒ መንገድታት ምእማትን፣ ኣብ መትከል ናይ ሓባር ረብሓ፡ ኣብ ምክብባርን ኢድ ዘይምትእትታውን ዘትከለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሕያል፣ ኣባላት ሰልፊ ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምኽዕባት ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዝነኣድ ምዃኑን፡ ተሳትፎ ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ ምሕያልን ንዝብሉ ጉዳያት ፍሉይ ግምት ሂቡ መዚኑ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ ነቲ ጸብጻባት ከም ሰልፋዊ ሰነድ ኣጽዲቕዎ።
ፈጻሚት ሽማግለ ጸብጻባታ ምስ ወደአት፡ እቲ ኣኼባ 3 ብዝኣባላታ ሰክረታርያት እንዳተመርሐ ቀጺሉ። በቲ ኣቐዲሙ ዝተሰርዐ ኣጀንዳ ከኣ ጸብጻብ ናይ ሰልፊ ዓመታዊ ገንዘባዊ ተቖጻጻሪ ቀሪቡ። ኣኼባ ባይቶ ኣብዚ ዛዕባዚ’ውን ኣድላይ ምምይያጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ነቲ ነዚ ናይ ተቖጻጻሪ ጸብጻብ እውን ኣጽዲቕዎ።
ኣኼባ ባይቶ ንህልዊ ኩነታት ከባቢና ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ኣብ ዝምልከት፡ እቲ ዝምድና ናይ ክልተ መራሕቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን እምበር፡ ከም’ቲ ክልቲኡ ህዝብታት ክጽበዮ ዝጸንሐ ሰላም ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ ርእዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ ነዚ ትካላውን ሕጋውን ዘይኮነን ዘይግሉጽን ዝምድና፡ ተጐዝጒዙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ፡ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን መደረታት ንልኡላዊ ህልውና ሃገርናን ሓርበኝነት ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ኣካላቱን ህዝባዊ ምልዓላትን ከም’ቲ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ብትብዓት ክቃለስዎ ከም ዝግባእ ኣኼባ ባይቶ መዚኑ። ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ኣካላት ከርእይዎ ዝጸንሑ፡ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ሓደገኛ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ተግባሮም ንክዕቀቡ እውን ተማሕጺኑ። ነቲ ኢሳያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ምውጋይ ዝተቓወሙ ኣካላት ከኣ ብመላኦም ኣመጒሱ።
2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያየጠሉ ካልእ ዛዕባ፡ ኣቐዲሙ ብፉሉይ ሽማግለ ተጸኒዑን ብፈጻሚት ተራእዩን ዝቐረበ፡ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ዝምልከት ንድፊ ፖሊሲ እዩ። እዚ ንውሳኔ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ መሰረት ዝገብረ ፖሊሲ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ጸዲቑ።
ማእከላይ ባይቶ ቅድሚ ኣኼባኡ ምዝዛሙ፡ 9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ። ድሕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ንኣሳልጦ መጻኢ ስርሓት ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ለበዋታት ናብታ ፈጻሚት ሽማግለ ኣቕሪቦም። ኣባላት ሰልፊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዳያት ከካይድዎ ንዝጸንሑ ቃልስን ኣበርክቶን ምምጓስን ንመጻኢ እውን ክቕጽልዎ ጸዋዒት ምቕራብን ከኣ ኣኼባ ዝተገደሰሉ ነይሩ።
ማእከላይ ባይቶ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ንዋታውን ንያታውን ሓገዛት እናመጐሰ ንምዕዋት መትከላት ሰዲህኤ ኣበርክቶኦም ክቕጽሉ ጸዊዑ። እቲ ሰላምን ራህዋን ዝብህግ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ድማ ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ንምዕዋት መትከላት ዲሞክራስን ክተግሁ ኣኼባ ጸዊዕዎም።
ከምኡ’ውን “ይኣክል” ከም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስታት ናእዳኡን ደገፉን ገሊጹ። ተሳትፎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ምንቅስቓስ እዚ እውን ርኡይ ምንባሩ መዚኑን ከም ዝቕጽልዎ ኣረጋጊጹን።
ኣብ ምዝዛም ኣኼባኡ፡ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ግዳም ተጨውዮም፡ ኣብ ሕሱም ጭካኔ ዝፍጸመሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብኡ ህይወቶም ዝሓለፉን ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ሓያል ተጽዕኖን መኸተን ክገብሩ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ንምዕባለን ንቃለስ!
18 ነሓሰ 2020
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ15ን 16ን ነሃሰ 2020 ኣሰላሲሉ። ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ምልኣተ ኣኼባ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ኣስዒቡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢናን ዓለምን ዝተራእዩ ዓበይቲ ምዕባለታት ብምጥቃስ ቃል ኣስሚዑ።
ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ብጻይ ተስፋይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብዚ ሕማም ኮረና ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ዘሎ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃልሶም መድረኽ ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ምግብኡ ጠቒሱ።
ኣስዒቡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተፈልየ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ብምዃኑ ኣገዳስነት ናይቲ ስሩዕ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባር ተጠራኒፍካ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ዘቃልስ ኩነታት ንምፍጣር፡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዕዉት ምንባሩ ድሕር ምሕባር፡ ኣብ መንጎ ሰዲህኤን ህዲምሓኤን ንዝተፈጽመ ምሉእ ሓድነት ከኣ ከም ኣውንታዊ ኣብነታዊ ተረኽቦ ጠቒሱ።
ድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቦመንበርን ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምጽዳቕን ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምይይጥ ኣካይዱን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መእረምታታትን ገይሩ። ድሕሪዚ ነቲ ኣኼባ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ጸብጻብ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ሰሚዑን ተመያይጡን። ኣብቲ ጸብጻብ ካብዝጠቅሱ ኣገደስቲ ለበዋታት ኣብ ግምት ብምእታው መጻኢ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝያዳ ከሐይል ዝኽእል ሓይሊ ሰብን መሳሒትትን ክሰርዕ ርእዩ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ጸብጻባት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ኣብ ትሕቲ ሰክረታርያ ኣኼባ ኣጽዲቑ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ይረአ ንዘሎ ምዕባለን ነዚ ዝምልከት ፖሊስን ኣተሓሕዛ ሰዲህኤን ኣብ ዝምልከት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱን ውሳኔታት ወሲዱን።
ቀጺሉ፡ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብምዝዛም ኣኼባኡ 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ። ድሕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ኣካል ናይ መጻኢ ዓመት ትልሚ ክኾኑ ዝበልዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መዕጸዊ ነዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባዚ፡ ብስም ፈጻሚ ሽማግለ ከም ትካል መደባት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ጠቒሱ፡ ኣባላት ባይቶን መላእ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ተወፋይነቶም ዝያዳ ከሕይሉ ኣዘኻኺሩ። መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድማ ስዒቡ ክቀርብ እዩ።
ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊዘርላንድ ናይ ሌላን ምጽንባራን ኣኼባ ኣካይዱ ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤ
Saturday, 15 August 2020 07:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤድሕሪ እተናውሔ ብኲራት ርክብ፡ ጨንፈር ሰዲህኤ ስዊዘርላንድ ብዕለት 14 ነሓሰ 2020 ዕዉት ናይ ሌላን ምጽንባርን ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ሓያለይ ካንቶናት ስዊስ ዝርከቡ ኣባላት ናይተን ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ኣካል ዝኾነ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን እተሳተፍዎ እዩ ነይሩ። ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ከም ኣባላት ጨንፈር፡ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ነይሮም። ንሳቶም ከኣ ብጾት ወልደሱስ ዓማርን፡ ርሕስቲ-ኣለም ገብረየሱስን ዮውሃንስ ወረደን ኢዮም።
ኣብቲ ብኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ (ዙም) እተኻየድ ኣኼባ፡ ብጻይ መሓሪ ዓማርን ተስፋጋብር ገብረን ብእብረ ሕጽር ዝበለ መእተዊን ድሕረ-ባይታ ናይ ዝጸንሔ ጨናፍርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ኣባላት ነብሶም ከላልዩ ብዝዓደምዎ መሰረት፡ ኣባላት ነብሶም ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ኣላልዮም።
ብምቕጻል፡ ኣባላት ጨንፈር ስዊስ ካብ ዝኾኑ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሓፈሻዊ ሓበረታታት ክህቡ ተዓዲሞም። ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ብዛዕባ ብሩህ ጒዕዞ ሰዲህኤን ኣብ መስርሕ ዘሎ ሓባራዊ ስምምዓት ፖለቲካዊ ሓይልታት ደንበ ተቓውሞን ሓጺር መብርሂ ኣቕሪቡ። ንቀዳም ዕለት 15 ነሓሰ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ዓመታዊ ኣኼብኡ ክጅምር ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ብድሕሪ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንመሰረታት ዝቐርብ መግለጺታት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ኣብ ሆላንድ እንርከብ ኣባላት ክልቲኡ ሰልፍታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብመራኸቢ ብዙሃን ብዕለት 24-06-2020 ናይ ሌላ ኣኼባ ተፈጺሙ። እቲ ኣኼባ ብናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይ ምልላይ መደብ ተኻይዱ።
ቀጺሉ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሆላንድ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም እናተመርሐ፡ ብዛዕባ ኣተሃላልዋን ስራሓትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ተገሊጹ። ብድሕሪ እዚ እቲ ንቕድሚት ዝጽበየና ዘሎ ምልካውን ጨቋንን ስርዓት ናይ ምልጋሱ ዕማምን፥ ንህላዌ ሃገርና እነድሕነሉ ኣብ ክሊ ጨንፈር ሆላንድ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓቢርና ንምስራሕ ብዕቱም ከምንዋሳእ ኣስሚርናሉ። ነዚ ናይ ምትግባሩን መደብ ምሕንጻጽን ድማ ብኣካል ተራኺብና ክንዛተየሉ ኣኼባና ብቆጸራ ተደምዲሙ። እዚ ናይ ሌላ ኣኼባ እዚ ምስቲ ሃገርና ኣብ ክትህሉን ዘይክትህሉን ተሸኺላትሉ ዘላ ህሞት ዝተኻየደ ብምዃኑ ብዝያዳ ንሓያልን ዕቱብ ቃልስን ይጽበየና ከምዘሎ ዘዘኻር እዩ። በዚ መሰረት እተን ብፖልቲካዊ መደብ ዕዮ ዝሰመሳሰላ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ናይ ስልጣን ሕቶ ወጺኤን፥ ናይ ምጽንባር መስርሕ ከዕዝዛ ዝያዳ እንጥለበሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና።
ሎሚ ዕለት 08-08-2020 መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ናይ ሌላ ኣኼባ ከምኡ ንጨንፈርና ዝምልከት ኣብ ግብራዊ ስራሓት ንምእታውን፡ መደባትና ክንሕንጽጽን ምስ ሰልፍና ዝደጋገፉን ዝደናገጹን ኣብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ ሓባራዊ ኣኬባ ኣካይድና። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሓው ብርሃነ ወልዳይ ንቃልሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ተበግሶን ብዝካየዶ መጽናዕትን ኣባል ክኽውን ዓጊቡ ተጸንቢሩና። ካልኦት መእሰያት ውን ነዚ ሰልፊ ክሳተፍዎ ምዃኖም ዕግበቶም ገሊጾም። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብሓው ብርሃነ ዘውደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ናይ ምጽንባር መስርሕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ገሊጹ። በዚ መሰረት እውን ኩለን ሰልፍታት ይኹና ውድባት ከምዚ ሰልፊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዲሞራሲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ኣብ ሆላንድን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብሓው ድራር መንታይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዘቕርቦ መደረ ንዘን ሓቢረን ንምስራሕ ተሰማሚዔን ዘለዋ ሓሙሽተ ውድባት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ምፍልላይ ምስ ዝርከብ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይዘን ዝተሰማማዓ ውድባት ካብ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸጊዒነት ወጺኡ ብሓደ ኮይኑ ኣይፋልኩምን ክብለን ከምዘለዎ ኣሚቱ። ከሙ እውን ኤርትራዊ መንእሰይ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋታት ከስተብህለሉን ንሃገራዊ መንነትና ዘህስስ ወስታታት ክነቕሓሉን ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ጨንፈር ሽማግለ ብዛዕባ ዝነበረ ዝምድናታት ኣስፊሑ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ እዚ ንርእይቶታትን ሕቶታትን ዝምልከት ድረኽ ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ።
ኣብ ምዝዛም ኣኼባ ጨንፈር ሆላንድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልቲኡ ኣባላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ መስርሕ ብዕሊ ከምዝተዛዘመ ንኹሉ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ ደላይ ለውጢ ነበስር። ብተወሳኺ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን መንእሰይ ወለዶ፥ ተካኢ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ኣብ ንሱ ዝመረጾ ሰልፊ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ሃገራዊ ጻውዒትና ነቕርብ።
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ዕንወት ንስርዓት ውልቀ-መላኺ
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሆላንድ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን፡ ብጉልባብ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ ኣደዳ ሕጽረት ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ቀረባት ይኸውን ከምዘሎ ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ እቲ ጸገም ኣብ ሕጽረት ዝብላዕን ዝስተን ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ፡ ኣብ ከም ሕክምና ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ናይ ህልውና ጉዳያት እውን እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ጥቒሶም።
እቶም ምንጭታት ከም ዝበልዎ፡ ሓደ ንድሕነቶም ተባሂሉ ስሞም ዝተዓቀበ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ካብ ምዕራብ ኤርትራ ከባቢ መጐራይብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ’ቲ ከባቢ መተካእታ ስለ ዝሰኣነ ናይ ቀጻሊ ህይወቱ መሰረት ዝኾና ጤለበጊዕ ሓሪዱ ክበልዐን ትርጉም ብዘይብሉ ኣዝዩ ሕሱር ዋጋ ክሸጠን ተገዲዱ ከም ዘሎ ገሊጾም። እዞም ወሃቢ ርኢቶ ኣቦ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ጥሜት ካብዚ በጺሕዎ ዘሎ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ኣደታት፡ ህጽናትን መንእሰያትን ዝኸፈአ ሓደጋ ከየውርድ ዝለዕለ ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።
እዞም ምንጭታት ሰዲህኤ ካብ ኤርትራ ከም ዝበልዎ፡ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ዶብ ጥሒሱ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝፍትን መሰረታዊ ቀረባት ኣሎ። እንተኾነ እዚ ቀረብ፡ ብናይቲ መንግስቲ ኣካላት ከም ዝግበትን እቲ ዝህገር ንብረት ኣብ ጠቕሚ ውሱናት ናይቶም ዝግብትዎ ሓለፍቲ ዝውዕል እምበር፡ ናብቲ ውጹዕ ህዝቢ ከምዘይበጽሕ ሓንቲ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘባ ስመን ዝተዓቀበ ኤርትራዊት ወይዘሮ ከም ዘቃለዓ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ህግዲፍ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኣብ መሬት ኤርትራ ዝንቀሳቐሱን ንዓኡ ብስለያ ዘገልግልዎን ጉጅለታት ይውድብን ይሕግዝን ኣሎ። ህግዲፍ ነቶም ካብ ከባቢ ርብዳ ክሳብ ሃመሽኰረብ ኣብ ዝዝርጋሕ ቦታታት ዝርከቡ፡ ሎሚ ግና ዝርጋሐኦም ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝያዳ ዝሰፍሕ ዘሎ ኣካላት ህዝብና ኣብ ገጠርን ከተማን ብጥምየት ዓጸቦን እንዳተሳቐየ፡ መግብን ካልእ መሰረታዊ ነገራት ከም ዘቕርበሎም እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።
ምስዚ ብተተሓሓዘ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ኣገዲዱ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣእትይዎም ዘሎ ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ መንእሰያት፡ ብጥምየትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ እዚ ምንጪ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ሓደ ውላዱ ኣብዚ ግዱድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝኣተወ ኣቦ፡ ደሃይ ውላዱ ክፈልጥ ከይዱ፡ ንእግረመ መንገዱ ተዓዚቡ ከም ዝበሎ፡ እቲ ጸገም ናይ መሰረታዊ ቀረብ መግቢ ሕጽረት ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ግዱዳት ተዓለምቲ ብዕርቃን’ውን ይጥቅዑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ1 ነሃሰ 2020 ድሕር’ቲ ኣብ 2019 ብዓወት ዝተዛዘመ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰልፉ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ ጸብጻብ መዚኑ፡ ብዝተፈላለዩ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ዛዕባታት ብሽማግለታት ተጸኒዕም ንዝቐረብሉ ንድፍታት መዚኑን ኣጽዲቑን።
ኣቦመንበር ሰድህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ድሕሪ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ምዕባለታት ከባብናን ሰልፍናን ብሓጺር ዳህሲሱ። ብዛዕባ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ዘጋጠሙ ምዕባለታት ጠቒሱ፡ መጻኢ ዓመት ናይ ቃልስን ዓወትን ክኸውን ተመንዩ፡ ኣባላት ሰልፊ ሎሚ እውን ነቲ ዘይሕለል ንያቶም መሊሶም ከሕይልዎ ዘለዎ ትስፉው እምነት ከኣ ኣመዝጊቡ። ኣተሓሒዙ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣባላት ሰዲህኤን ቤተሰቦምን ካብዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኣጨናቒ ሓደጋ ኮሮናቫይረስ ብሰላም ክሳገሩ ሰናይ ትምኒቱ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ኣኼባ ድሕሪ መእተዊ ቃል ኣቦመንበር፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንድፉ ተዘርጊሕሉ ዝጸንሐ ጸብጻባት ትሻዓቲኤን ኣብያተ- ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ በብሓደ ርእዩ ክጐድል ዝግበኦ እንዳጉደለ፡ ክውሰኽ ዝግበኦ ከኣ እንዳወሰኸ ዝያዳ ክጐልሕ ዝግበኦ እንዳጉልሐ ድሕሪ ዘድሊ ምምሕያሻት፡ ናብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐር ናይ ፈጻሚ ሽማግለ ትካላዊ ጸብጻብ ኣጽዲቕዎ። እዚ ጸብጻብ ፈጻሚ ኣብዚ ቀረባ መዓላታት ናብ ዝካየድ፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ ሰልፋዊ ሰነድ ሰዲህኤ ዝኸውን እዩ።
4ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብቲ ጸብጻባት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘርኣይዎ ምልዕዓል፡ መስርሕ ሓድነት ንምዕዋትን ካልእ ሰልፋዊ ዕማማት ንምዕማምን፡ ኣብ ርእሲቲ ስሩዕ ክፍሊቶም፡ ዘካየድዎን ኣብምቕጽል ዝርከብን ፍሉይ ልዑል ገንዘባዊ ወፈያ ኣዝዩ ዘሕብንን መጻኢ ሰዲህኤ ብሩህ ምዃኑ ዘመላኽትን ምንባሩ ተገንዚቡ። ኣተሓሒዙ ኣባላት ሰልፊ ከወፍዩ ናይ መጀመርያኦም እዃ እንተዘይኮነ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግና ኣብ ወሳኒ ሰልፋውን ሓድነታውን ዕማማት ዝረረጋገጸሉ እዋን ዝተኻየድ ዘሎ ብምዃኑ ብምርዳእ፡ ፈጻሚ ሽማግለ በቲ ተወፋይነት ከም ዝተሓበነን ንመጻኢ እውን ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ዘለዎ እምነት ኣንጸባሪቑ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ብሽማግለታት ተነዲፉ ዝቐረበ መጽናዕትታት ዝመዘነሉ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድነት ናይ ውድባትን ምጥርናፍትን ክድልድል ሰዲህኤ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ርእዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ምዕባለ፡ ልኡላውነትን ሓድነትን ኤርትራ ብዝዕቅብ፡ ናጽነት ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ብዘውሕስ መንገዲ ክሕዞ ከም ዝቃለስ ድልውነቱ ዳግማይ ኣሕዲሱ።
ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ንተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብስም ፍጻሚ ሽማግለ ደጊሙ ንኢዱን ኣተባቢዑን። እዚ ተወፋይነትዚ ክሳብ ዓወት ክቕጽል ጸዊዑ፡ ብዘይካዚ ኩሎም ኤርትራውያንን ደገፍቲ ልኡላውነት ሃገርናን ሓድነት ህዝብን በሃግቲ ሰላምን ርግኣትን መደባት ሰዲህኤ ኣብ ምዕዋት ክድግፉ ጸዊዑ።
ብዕለት ብ24 ሓምለ 2020 ምምሕዳር ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ዝጠልቦ ሓድነታዊ ዕማምን ቀዳምነታት ሂቡ ክካየድ ዝጸንሔ ልዝብ ብስኒትን ኣብ ሓደ ሰልፊ ምምጽኡን ዘረጋግጽ ደምዳሚ መግለጺ ብዕለት 20.05.2020 ከምዘበሰረ ዝዝከር እዩ። ንዝተበጽሔ ሓድነታዊ ስምምዕን ዝሰዓቦ ተግባራዊ ናይ ስራሕ መደባትን ምርኩስ ብምግባር ድማ እዮም፡ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ክነጥፉ ዝጸንሑ ኣካየድቲ ሽማግለታት ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነዚ ተጠቂሱ ዘሎ ኣኼባ ዘካየዱ።
ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ምምራሕ ዝጸንሔ ክልቲኡ ሽማግሌታት ዞባ ኤውሮጳ ቀዳምነት ሕድሕድ ንምልላይን ብስርርዓዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዝተማሓላለፈ መምርሒ መሰረት ድማ ዝጸንሔ ምምሕዳራት ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ናይ ስራሕ ቦታታት ዳግመ ምምቕቓል ንምክያድ እዩ ነይሩ።
ኣኼባ፡ ቅድሚ ዝሓዞ ምዱብ ዛዕባታት፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሰልፍን ኣትይዎ ዘሎ ናይ ምትሕንፋጽ ሓድነታዊ ኣብነታዊ ዝኮነ ጉዕዞን ደምበ ተቃውሞ ሓቢሩ ክሰርሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ብዝምልከት ኣገዳሲ ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ኣካይዱ። ድሕርዚ ምምሕዳር ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ብሰለስተ ኣባላት ተወሰኺ ሓይሊ ሰብ ክሰፍሕ ከሎ፡ ብኡ መጠን ድማ ሓድሽ ናይ ስራሕ ምምቕላል መደባት ኣታኣታትዩን ናይ መጻኢ ዕማማት ተሊሙን ሓሙሻይ ኣኼባ ምምሕዳር ሽማግለ ተደምዲሙ።
ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል (ሰዲህኤ) ብ7 ሓምለ 2020 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብዛዕባ፡-
- ጉዳይ ሓድነትን ምትሕንፋጽን ናይ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት፤ (ሰዲህኤን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን)
- ጉዳይ ወፈያ፤
- ጉዳይ ወርሓዊ ውጽኢት፤
- ምዝጋሕን ምክፍፋልን መጽሓፍ ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮን… ዘትዮም።
ኣኼበኛታት ኣብ’ቲ ን2 ሰዓታት ዝቐጸለ ዝርርብ ንውድብ ዝኸውን 1050 ዶላር ሓገዝ ኣወፍዮም። እዚ ወፈራ’ዚ ድማ ጌና ኣብ’ቶም ናብ ኣኼባ ክመጹ ዘይከኣሉ ኣባላት፣ ከምኡ’ውን ናብ’ቶም ኣዕሩኽን ደገፍትን ናይ ሰዲህኤ ዝዀኑ ኤርትራውያን ክቕጽል ምዃኑ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቲ ብ29 ሰነ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብመሪሕነታት ጨናፍር ክልቲኡ ውድባት ዝጀመረ ምትሕንፋጽ፡ ብ7 ሓምለ 2020 ንኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር ብምትሕንፋጽ ብዓወት ከምእተዛዘመ ምንጪታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ኣኼባ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዙም (ኤለክቶሮኒካዊ መራኸቢ) ኢዩ ተኻይዱ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደኒማርክ ብዕለት 27/06/2020 ዕዉት መስራቲ ጉባኤ ብዓወት ኣቃኒዖም። መስራቲ ጉባኤ ጨንፈር ደንማርክ “ንዲክታተርያዊ ስርዓት ንምስዓር ዓቕምታትና ነተኣኻኽብ” !!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ።
ኣብ መኽፍቲ ጉባኤ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጨንፈር፡ ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት፡ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም መልእኽቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር’ዚ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ሰዲህኤ፡ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌታትን ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ ዉን ግዝያዊት ሽማግለ ካብ ትቐወም ኣትሒዛ ክሳብ ዕለት ጉባኤ፡ ናይ ዝተሰርሑ ዝርዝር ጸብጻባት ኣቕሪባ።
ተሳተፍቲ ጉባኤ፡ ንዝቐረበ ጸብጻብ ብዝርዝር ድሕሪ ምስማዕን ምዝታይን ብምሉእ ድምጺ ድገፎም ገሊጾም። ብድሕሪ እዚ ግዝያዊት ሽማግለ ሓላፍነታ ንኣምራጺት ኮሚቴ ኣረኪባ። ኣምራጺት ኮሚቴ ድማ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርሕ ምርጫ 5 ሕጹያት ከምዝርቁሑ ጌራ። ካብዞም 5 ድማ ከምእንደገና ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ 3 ቀወምቲ መሪሕነትን 2 ድማ ተጠባበቕትን ብጉባኤኛታ ተመሪጾም ። ብድሕር’ዚ ኣምራጺት ሽማግለ ሰርሓ ዛዚማ መድረኽ ንሓድሽ መሪሕነት ጨንፈር ኣርኪባ።
መሪሕነት ጨንፈር ብዕለት 4 ሓምለ 2020 ተኣኪባ፡ ንነብሳ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ሰሪዓ።
- ካሕሳይ ገብረሂወት ተኸለ …………..........ኣቦ መንበር
- ኪዳነ በርሀ ………………………………..ጻሓፊ
- ምሉእ በርሀ ……………………………….ፋይናንስ
- በረኸት ተወልደ ……………………………1ይ ተጠባባቂ
- ፊልሞን ጋፍሎ ……………………………..2ይ ተጠባባቂ