የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ኤርትራ ዝወረዶም ስቓይ ኣቃሊዖም

2025-01-16 10:06:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 263 times

የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ 

ኣርባዕተ ኣብ ኤርትራ ብሓይሊ ባሕሪ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣብ ወረዳ ኮክሃ ከባቢ ሁደይዳ ከም ዝኣተዉ ብ12 ጥሪ 2025 ከም ዘፍለጡ ኣገልግሎት ዜና የመን ሓቢራ። እቶም የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ ኤርትራ ናብ ሃገሮም  ዝተመልሱ፡ ኣብ ደሲታት ሕነሽ ብሓይሊ ባሕሪ  ከም ዝተኣስሩ ምፍላጦም እታ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጣ። እታ ማዕከን ዜና ከም ዝተገለጸቶ ኣብቲ ዝተኣስርሉ ግዜ ሒዘምዎ ዝነበሩ ንብረትን  ጀላቡን ብሓይልታት ኤርትራ ተወሪሱ እዩ።.

ዳይረክተር ወረዳ ኮክሃ ኢምጃድ ኣል ዖስማይሲስ፡ ብተደጋጋሚ  ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ንዝፍጸም ተግባራት ኮኒኑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ኣብቲ ጉዳይ ኢዶም ኣእትዮም ነቲ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብቀጻሊ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝፍጸም ገበን ጠጠው ከብልዎ  ከም ዝጸውዐ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኤርትራ ብሰንኪ ካብ ክልተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ዝሓዘተን 3 መራክብ ኣዘርባጃንን  ደሓር 24 ምዃኖም ምስ ዝተፈልጡ ሰራሕተኛታትንን ዘይምፍታሓ  ምስታ ሃገር ኣብ ምስሕሓብ ኣትያ ከም ዘላ ዝዝከር እዩ።

 

Last modified on Thursday, 16 January 2025 11:18