ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከምዘይግባእ ተሰማሚዖም
2025-01-13 21:23:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 359 timesኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ክንዲ የማነ ገ/ኣብ ዘስነዮ መጋይሽቱን ኣብቲ ስሉሳዊ ኣኼባ
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ፡ ብስም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ፍጹም ተቐባልነት ዘየብሉ እዩ ክብል ምግላጹ ኣህራም ኦንላይ (Ahram Online) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ሚኒስተር ባድር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን እዩ።
እቲ ሚኒስተር ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ቀጻሊ ስሩዕ ኣኼባታት ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም እውን ኣስፊሩ። ቀጻሊ ኣኼባኦም ኣብ መቃድሾ ከም ዝኸውን ብምጥቃስ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ ከም ዝህልዎም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መራሕቲ ሰለቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ተኣኪቦም ዝበጽሕዎ ኪዳን ከም ዘተግብሩ ከኣ ሓቢሩ።
ሚኒስተር በድር ዋላኳ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ቅድሚ ሓደ ዓመት በጺሐነኦ ዝነበራ ምርድዳእ ዝጻረር ብዝመልስ፡ “ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ንዝውሰድ ስጉምቲ ንጻረሮ ኢና” እንተበለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ከም መቐጸልታ ናይ ኣንካራ ውዕሎም፡ ዝነበሮም ፍልልይ ከወግዱን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ክመልሱን ምስምምዖም ኣዊጆም እዮም።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ሶማሊያ ተመያይጥና ክብል እንከሎ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሓስ ጸጥታ ክልቲአን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም እዮም። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ግብጺ ኣካል ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ክትከውን እያ ክብል እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ተሪር ኣካሉ ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪባ ኣብ ውድድር ስለ ዘላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውሳን ተጸጊምሉ ዘሎ እዩ።
ምስዚ ኣተሓሒዘ ሰለስቲኦም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ። ብናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ ዋላኳ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብስም ሰለስቲኦም እንተወጸ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሶማሊያ ዘካይደኦ ዘለዋ ኢድ ኣእታውነት ዝተንጸባረቐሉ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢስያስ ኣብ ኣስመራ ዘቖሞ ኪዳን ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሓደ ወርሒኳ ከይጸንሐ ዝኹለፍ ዘሎ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ከኣ ጉዳይ ሶማሊያ ኢሳያስ ክዝውሮ ዝኽእል ዘይኮነ፡ ብዙሓት ጸለውቲ ወገናት ዝተሰለፍሉ ብምዃኑ።