ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ሃገር ነርወይ ዑቕባ ሓቲቱ
2024-09-18 20:08:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 283 timesኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓላፊ መደብ ስፖርት ዝነበረ ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ (ቶፖ)፡ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ሃገር ነርወይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከም ዝሓተተ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ጋዜጠኛ ዑቕባ ዝሓተተ ካብ ኤርትራ ናብ ኣብ ፓሪስ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሃሰ 2024 ዝተኻየደ መበል 33 ኦለምፒት ንምስታፍ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ እዩ።
ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ፡ ብዛዕባ ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ መግለጺ ዘይምሃቡ፡ ንድሕነቱ ብምስጋእ ምዃኑ፡ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ቀረቡ ኣፍሊጦም። እዞም ብዛዕባኡ ዝሓበሩ ንድሕረ-ባይታኡ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1999 ኣብ 9ይ ዙር ሳዋ ተሳቲፉ፡ ድሕሪኡ ብ2003 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብጋዝዜጠኝነት ብቀዳማይ ዲግሩ ከም ዝተመረቐ ዘርዚሮም።
ተስፋልደት ኣብ ተለቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ከም ኣዳላውን ኣቕራብን መደባት ስፖርት፡ ዶክተራት ኣብ ስቱዲዮን ካላኦት ምድላዋትን፡ ን20 ዓመታት ዘገልገለ ክኢላ እዩ። ብዘይካ’ዚ ብውልቁ፡ ብቶፖ ኤሪ-ኢንተርተይመንት ኣብ እትፍለጥን ካልኦት ዝተፈላለያ ቻነላትን ምስ ብርክት ዝበሉ ህቡባትን ጸለውትን ሰነጥበበኛታትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቢንያም ግርማይ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን መደባት ስፖርት ብምቕራብ ዓቢይ ዝና ዝረኸበ ምዃኑ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ተስፋልደት ኣብ ኣስመራ እንከሎ፡ ኣብ ዩቲብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብን ጸገም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ኣብ ዘቃልሓሉ ካብ ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ጸቕጥን ምፍርራሕን የጋጥሞ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።