ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኣለምዋጭ ተቐቲሉ

2024-05-22 19:38:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 221 times

መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ኣቶ ለምለም በርሀ ዝተባህለ ስደተኛታት መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከም ዝተቐትለ ካብ ቢቢሲ ደንጒና ዝረኸብናዮ  ዜና ሓቢሩ። በዓልቲ ቤት ናይቲ መዋቲ ወይዘሮ ኣብርሀት ምላሽን ካልእ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ብዛዕባቲ  ኩነታት ዝፈልጥን ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዋ፡ እዚ ኣቦ 7 ቆልዑ ወዲ 50 ዓመት ግዳይ ቅድሚ ናብ ኣለምዋጭ ምምጽኡ ኣብ መደበር ማይዓይኒ ትግራይ እዩ ዝነብር ነይሩ።  

ኣቶ ለምለም ካብ ኤርትራ ቅድሚ 15 ዓመታት ዝተሰደ ኮይኑ፡ ቤተሰቡ ምስኡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ምንባር ካብ ዝጅምሩ ድማ 10 ዓመታት ኮይኑ። ድሕሪቲ ብሰንኪ ውግእ ኣብ ትግራይ ዝነበራ መደበራት ስደተኛ ምዕጻወን ድማ ሓደ ካብቶም ህይወቶም ንምድሓን ቅድሚ ክልተ ዓመታት ናብ ኣለማዋጭ ዝሰገሩ እዩ።

ቢቢሲ ንኣቀታትላ ኣቶ ለምለም በርሀ ብዝምልከት ምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበረቶ፡ መዋቲ ምስ ወዱ እንከሎ፡ 4ተ ወተሃደራት ከም ዝረኸብዎም እሞ እቶም ክልተ ምስቲ ወዱ ክተርፉ እንከለዉ እቶም ክልተ ድማ “ንደልየካ ኣለና” ኢሎም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምስ ወሰድዎ ንጽባሒቱ ጭላ ኣብ ዝበሃል ካብቲ መደበር ብመንገዲ እግሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝርሕቀቱ ቦታ ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ኣረጋጊጻ። ብዛዕባቲ ዘጋጠመ ጭውያ ቅድሚ ምማቱኳ  ንፖሊሲ እንተተሓበረ ግና ዝተረኽበ ውጽኢት ኣይነበረን።

ኣቶ ዮሴፍ ዝተባህለ፡ ጸሓፊ ናይቲ መደበር ከምቲ ብዙሓት ናይቲ መደበር ነበርቲ በብግዜኡ ዝብልዎ ኩነታቶም ኣስጋእን መጭወይትን ቅትለትን ዘጋጥሞን ዝኾነ ጠቒሱ። ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣማን መሓመድ፡ ካብዚ መደበር ዝተጨውዩ ብገንዘብ ከም ዝተለቀ ምሕባርና ዝዝከር እዩ።

Last modified on Wednesday, 22 May 2024 21:44