ኣብ በልጅም ጉዳይ ሰበኽሳግም፡ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ናብ ሩዋንዳ

2024-03-23 09:55:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 399 times

ጉጅለ ኣምበሳድራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ብጉዳይ ንሰበኽ ሳግም  ዘጋጥሞም ብደሆታት፡ ዕድላትን ኣገጣጥማኡን ኣኼባ ኣካይዶም። 33 ኤርትራውያን ዝርከዎም 91 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ድማ ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ተጓዒዞም።

ኣብቲ ኣብ ቤልጅም ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን ወከልቲ ትካል መግቢ ዓለም/FAO ኣብ ዞባ ምራቕ ኣፍሪቃን በልጅምን ዝመርሕዎ ኣኼባ እቶም ኣምበሳድራት ብዛዕባቲ ንሰበኽ ሳግም ዘጋጥሞም ጸገማትን ኣፈታትሕኡን ብሰፊሑ ከም ዝተመያየጡ  ኣፍሪቃ ቢዝነስ/Africa BUSINESS ዝተባህለት መርበብ ኣፍሊጣ።

ነቲ ጸገማት ሕረተ-ሰብ ሰበኽ ሳግም ካብ ዘጋድዱ፡ ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ምምሕዳር ሃብቲ ማይ፡ ናይ ድሕሪ ቀውዒ ኣተሓሕዛ እቶት፡ ሕጽረት መግቢ እንስሳን በብግዜኡ ዘጋጥሙ ከባብያዊ ግጭታትን ምዃኖም ተዘርዚሮም ኣብቲ ኣኼባ ተዘሪብሎም። ብመሰረት ናይ ሰለስተ ዓመት ጸብጻብ ትካል መግቢ ዓለም ኣብዚ እዋንዚ ዕዙዝ ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልየን ሃገራት ብደረጃ ዓለም 45 ክኾና እንከለዋ፡ ካብ ኣተን እተን 33 ካብ ኣፍሪቃ እየን።

ብኻልእ ወገን ድማ 91 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝተመሓላለፉን ካብዚ ኣቶም እቶም 33 ኤርትራውያን ከም ዝኾኑን ቢቢሲ ሓቢራ። እዞም ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ዝተጓዕዙ ትካል ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብዘውጽእዎ መደብ እዩ።

በዚ ሰለስቲኦም ኣካላት ዝፈልጥዎን ዝምልዎን መደብ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 2 150 ሰባት ካብ ሊቢያ ናብ ሩዋንዳ ከም ዝተጓዕዙን ካብዞም 91 ብዘይካቶም 33 ኤርትራውያን፡ 7 ኢትዮጵያውያንን 38 ሱዳናውያንን ከም ዝርከብዎም እውን ተፈሊጡ። ናይ ህጹጽ ኩነታት ሚኒስተር ሩዋንዳ፡ ሃገሩ ቅድሚ ሕጂ ብመሰረት ዝጀመረቶ ንድሕነት እቶም እትርከቦም ስደተኛታት ብትብዓት ከም እትሰርሕ ኣፍሊጡ።

ዓባይ ብሪታንያ ብወገና፡ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስዳድ መደብ ከም ዝጸንሐ እንተኾነ ክሳብ ሎሚኳ እንተዘይሰረዘቶ ዕንቅፋታት  የጋጥማ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ። ካብቶም ካብ 2019 ጀሚሮም ናብ ሩዋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ክሳብ ሎሚ 1,600 ዝኾኑ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምኻድ ዕድል ከም ዝረኸቡ ድማ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

Last modified on Saturday, 23 March 2024 11:01