ጉጅለ-7ን ሕብረት ኤውሮጳን ብዛዕባ ዳህሳስ ውዕል ፕሪቶርያ መግለጺ ኣውጺአን

2024-03-14 11:15:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 522 times

ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሽውዓተን ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ክትግብሩ ንዘርኣይዎ ቀጻሊ ቅሩብነት ብምንኣድ ብ13 መጋቢት 2024 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከቡ ኤምባሲታተን ብዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ ኣረጋጊጸን።  

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ብተሳተፍነት፡ ናይቲ ውዕል ኣፈራረምቲ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድን ኣሜሪካን ዝተኻየደ ስትራተጅያዊ  ዳህሳስ ጽቡቕ ምጅማር እዩ ምስ በለ፡  ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኣውሮፓን ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም ክሳብ ሎሚ ንዝተፈፀሙ ኣወንታዊ ተግባራት ኣፍልጦን ደገፍን ዝህባ ምዃነን  ኣፍሊጡ።

 እተን ሃገራት ኣብቲ መግለጺአን ጌና ከም ናይ ትግራይ ዕጡቕ ሓይሊ፡ ዕጥቂ ምውራድ፡ ምጥያስን ናብ ሕብረተሰብ ምምላስን ዝኣመሰሉ ስረሓት ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ከም ዝግበኦም፡ ኣብቲ መግለጺአን ኣስፊረን። ኣተሓሒዘን ድማ ናይቲ ብሰንክቲ ውግእ ዝተሃስየ ህዝቢ መሰረታዊ ቀረብ ንምምላእ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ከም ዘድሊ እውን ጠቒሰን። ነዚ ንምትግባር መስርሕ ዳግመ-ህንጻ ምብርባር ከም ዘድሊ ከኣ ኣመልኪተን።

 ምስዚ ብምትሕሓዝ ግዳያት ዝሓውይሉን ዝከሓስሉን መስርሕ ናይ ምስግጋር ፍትሒ ቀልጢፍካ ምትእትታው ከም ዘድሊ ኣብቲ መገለጺ ጠቒሰን። ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ዘተ ምጅማሩ ከም ዝድግፋ ከኣ ኣነጺረን።

ምትግባር ውዕል ፕሪቶርያ ቀሊል ከምዘይኮነ ከም ዝርደኣ ብምጥቃስ ድማ፡  መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ክገብሩ ጸዊዐን፡ ንሳተን እውን ከም ናይ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ዝከኣለን ክገብራ ቃል ኣትየን።

Last modified on Thursday, 14 March 2024 12:25