ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ኣብ ጽንብላት 8 መጋቢት ተሳቲፉ

2024-03-11 11:49:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 372 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ጽንብል 8 መጋቢት 2024 ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ሓቢሩ። ኣቶ ገረዝግሄር ኣብቲ ብ8 መጋቢት  ብማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሚሪካ (EWANA) ብ9 መጋቢት ድማ ብኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ሳስካቶን ካናዳ ዝተወደበ መድረኽ ተረኺቡ  መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት 2024 ብዙም ዝተሳተፈሉ፡ ናይታ ነቲ በዓል ዘዳለወት ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ኣገዳስነት ጠቒሱ፡ ከምኣ ዓይነት ውዳበ  ክተባባዕ ዝግበኦ ምዃኑ ዘኪሩ፡ ከምዚ ዓይነት ውዳበታት ኣብ ካልእ ከባቢትት ክፍለ-ዓለም እውን ክሰፍሕ ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝመስል ነጻ ማሕበራት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብን ንቓባውን ዘየለ ብምዃኑ ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብተን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝምረሓ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ውዳበ ዝጻወቶ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።

እዚ ኣገዳሲ ማሕበር ክተባባዕ ከም ዝግበኦዝሓበረ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ናብተን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለዋ መንእሰያት ንክመሓላለፍ ጻዕሪ ክግበር ከም ዝግበኦ  ብምጥቃስ፡ እቲ መድረኽ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባአ ናይታ ማሕበር ዝተጋብአ ብምዃኑ ጉባአአን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ብ9 መጋቢት ብኣካል ዝተሳተፈሉ ናይ ኤርትራው ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ   ከተማ ሳስካቶን መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ኣዝዩ ዕዝዙ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ከኣ እታ ዝያዳ ዝተበደለት ምዃና ከም ዘተሓሳስብ ኣብሪሁ። ብዙሓት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብህግደፍ ተጠሊመን፡ ፈቐዶ ሃገራት ዓረብ ክሳቐያ እንከለዋ፡ እተን ኣብ ሃገረን ዘለዋ እውን ብዱላት ምህላወን ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ኣብዚ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ሰዲህኤ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ዕማሙ ምዃኑ ከም ዝሓበረ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬት ኣረጋጊጹ።

Last modified on Monday, 11 March 2024 12:51