መበል 37 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓዱሽ ኣቦመንበር መሪጹ

2024-02-18 00:05:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 381 times

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ትምህርትን ክእለትን ንኣፍሪቃ፡”  ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ መበል 37 ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብ17 ለካቲት 2024 ነቲ ሕብረት ንሓደ ዓመት ብኣቦመንበርነት ንክመርሕ ንፕረሲደትን ማውሪታንያ፡ መሓመድ ኣወልድ ኤልጋዞኒ መሪጹ። ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ሕብረት  ክመርሕ ዝጸንሐ መራሒ ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሶማኒ ድማ ኣብቲ ስነስርዓት መኽፈቲ ሓላፍነቱ ኣረኪቡ።

ኣብቲ ከባቢ 34 መራሕቲ ሃገራትን ርእሰ-ብሄራትን ከምኡ እውን ወከልቲ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ዝተሳተፍዎ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሕብረት ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን ፕረሲደንታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፍልጥኤምን ፕረሲደንት ብራዚልን ዝርከብዎም መደረታት ኣስሚዖም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ብዕልዋ መንግታትን ሕድሕድ ውግኣትን ክትሕመስ ከም ዝጸንሐት ብዝርዝር ሓቢሩ።

ኣብዚ ኣኸባ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብዝተሓተ ጽፍሕታት ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብመንጽር ዞባና መራሕቲ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያን ከንያን ክሳተፉ እንከለዉ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ሱዳን ግብጽን ዩጋንዳን ግና ኣይተሳተፉን።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍዎን ናብ ኣኼባ መራሕቲ ዝቐርብ ኣጀንዳን ውሳነ ሓሳብን ዘዳሉ ኣካል ድማ ኣቐዲሙ ካብ 14 ክሳብ 15 ለካቲት 2024 ኣኼባኡ ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ 18 ለካቲት እውን ክቕጽል እዩ

እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝነበረን ኣባልነት ከም ዝሰሓባን መስሓቢአን ምኽንያት ከምዘይሓበራን ተፈሊጡ።

Last modified on Sunday, 18 February 2024 01:18