ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ኣሰካፊ ይኸውን’ሎ ተባሂሉ

2024-02-15 19:36:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 446 times

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪቲ ብ9 ለካቲት 2024 ልኡኻት መሪሕነት ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ህላወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ብ12 ለካቲት 2024 ኣብ መቐለ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጹ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣካላት ምትእምማን ከምዘይተፈጥረን ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ብዙሓት ዘይተተግበሩ ጉዳያት ምህላዎምን ሓቢሩ።

ኣቶ ጌታጨው ብመሰረት እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ድምጺ ብረት ተቛሪጹ ዝምድናዊ ሰላም ምፍጣሩን ዝተፈላለዩ መንግስታዊ  ኣገልግሎታት ምስ ሕጽረቶም ምጅማሮም ብኣውንታ ጠቒሱ፡ ብዙሓት ዘይተተግበሩ ከምዘለዉ ድማ ኣፍሊጡ። ካብቶም ዘይተተግብሩ፡ ትግራዎት ብምዃኖም ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ቅድም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዘይምፍተሓም፡ ዕላውነት ውድብ ሕወሓት ናብ ንቡር ህልውናኡ ዘይምምላስን መሬት ወልቃይትን ራያን ናብ ክልል ትግራይ ተመሊሱ ካብኡ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም ዘይምምላሶምን እቲ ዝዓበየ ስኽፍታ ዘሕድር ጸገም ምዃኑ ጠቒሱ። ብዘይካዚ ብሰንኪ ዕጥቆም ዘውረዱ ተጋደልቲ ዝጣየስሉ ኩነታት ዘይምፍጣሩ፡ ኣስታት 270 ሺሕ ዕጡቕ ሓይሊየመሓድሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሓባራዊ ናይ ገምጋም ኣኼባ፡ ብዛዕባቶም ዘይተተግበሩ ዓንቀጻት ከም ዝተመያየጡን ክፍትሑ እዮም ዝብልዎም ጉዳያትኳ እንተሃለወ፡ ኣብቲ “መሬት ወልቃይትን ራያን ብዘይቅድመ ኩነታ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ይመለስ ዝብል ግና ፍልልያት ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልላዊ ምምሕዳር ኣምሓራን “መሬት ወልቃት ንምምላስ” ብዝብል ዝንቀሳቐስ ጉጅለን ጉዳይ ወልቃይት ሎሚ “ብረፈረንደም ክፍታሕ” ኣብ ዝብል ይሰማምዑ እዮም።  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና “መሬት ብዘይቀመ-ኩነት ናብ ትግራይ ካብኡ ዝተመዛበሉ ይመለስ፡ ደሓር ብኣፍልጦ ክልል ትግራይ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ መስርሑ ሓልዩ፡ ረፈረንደም ይሕተት” ኣብ ዝብል መርገጽ እዩ ጸኒዑ ዘሎ። 

ውዕል ፕሪቶርያ ብሰንክዚ ዝምዕብል ዘሎ ፍልልያት ንድሕሪት ከይምለስ ዝሰግኡ ወገናት ኣለዉ።

Last modified on Thursday, 15 February 2024 20:51