ሆቴላት ኣስመራ መባእታዊ ጠለባት ከምዘየማልኣ ተገሊጹ

2024-02-06 10:09:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 391 times

ልዕሊ ዓቕሙ ስም ዝተዋህቦ፡ ውሽጡ ባዶ ሆቴል ፕላዛ ኣስመራ

ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብታ ዝናኣ ተደዊኑ፡ ስም ጥራይ ሒዛ ተሪፋ ዘላ ከተማ ኣስመራ፡ ሆቴል ፕላዛ ኣስመራ ወሲኽካ፡ ዓበይቲ ዝበሃላ ሆቴላት ከይተረፋ፡ መባእታዊ ቀረብ ኣጋይሸ ከምዘየማለኣ ሬድዮ ኤረና ምንጭታታ ካብ ኣስመራ ብምጥቃስ ኣቃሊዓ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ከም “ሆቴል ኣስመራ ፓላስ” ዓበይቲ ከይተረፋ፡ ኣብ ርእስቲ ናይ ማይ መስመረን ሰኣን ጽገና ዘይሰርሕ ምዃኑ፡ ብሳንኬሎ እንተኾነ እውን እኹል ዓቐን ስለ ዘየቕርባ ወጻእተኛ ኣጋይሽ ከይተረፉ ነቲ ዘይፈልጥዎ ብታኒካ ገጽካ ምሕጻብ ዝኸውን እኹል ማይ ከምዘይረኹ እቲ ሓበሬታ ኣቃሊዑ።

እቲ ካልእ ኣብተን ሆቴላት በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረብ ሓይሊ ኤልክትሪክ ብምዃኑ፡ ካልእስ ይተረፍ ኣጋይሽ ውዑይ ሻህን ቡንን በቲ ዝደለይዎ ዓቐንን ኣብቲ ዝደለይዎ ግዜን ክረኽቡ ከም ዘይክእሉን ሽምዓ ክጥቀሙ ከም ዝግደዱን ተፈሊጡ።

ብዘይካዚ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ምዕቡል መራኸቢታት ኣዝያ ዝተቐራረበትሉ፡ ኣብ ኤርትራ መስመር ኢንተርኔት ስለ ዘየለ ኣብዘን ስም ጥራይ ሒዘን ዘለዋ ሆቴላት፡ ኣስመራ ፕላዛን ካለኦትን፡ ኣጋይሽ እገረ-መንገዶም ክሰርሑ ዘይክእሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ምስ ዝለኣኽዎም ትካላትን ቤተሰቦምን ናይ ምርኻብ ጸገም ስለ ዘጋጥሞም፡ ኣብ ኤርትራ ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ ከም ዝግደዱ ልሙድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኤርትራ በቲ ዘለዋ ኣቀማምጣን እትውንኖ ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ዝሳተፉ  ኣውፈርትን አጻሕትን ከየዘውትርዋ፡ ብዘይካቲ ናይ ቀረብ ሕጽረት ናይታ ሃገር ናይ ወፍሪ (investement) ፖሊሲ ፍትሓዊ ዘይምዃኑን ጥዑይ መንገድን ካልእ ትሕተ-ቅርጻን ዘይምህላውን ካልእ ኣብ ኤርትራ ዕቤት ዓጊቱ ዘሎ እዩ።

Last modified on Tuesday, 06 February 2024 11:22