ምስግጋር ኣቦ መንበርነት ሰዲህኤ

2023-08-05 07:35:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 830 times

ኣብ ፈስቲቫል ዝተረኽቡ ኣባላት ሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ራብዓይ ጉባኤኡ ኣብ ፊስባደን ኣቓኒዑ፣ ኣብ ፍራንክፎርት ድማ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ምክያዱ ዝዝከር እዩ። እዚ ክልተ ተረኽቦታት፡ ብሳላ ሓያል ተሳትፎ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቶምን እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ተሰላሲሉ። ኣብቲ ፈስቲቫል ንኣርባዕተ ዓመታት ንሰልፊ ብኣቦመንበርነት ክመርሕ ዝጸንሐ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንዝሓለፈ ሃገራዊ፣ ዞናውን ዓለም ለኻውን ጉዕዞ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘጣመረ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ። ንዝርዝር መግለጺ ኣብ መንበር https://harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrina-articles/item/8881-2023

ኣብ መጠረስታ ከምቲ ኣብ 2019 ኣቦመንበርነት ሰልፊ ክርከብ እንከሎ ዝተገብረሉ ምልላይ፣ ማእከላይ ባይቶ ንሓው ገረዝግሀር ተወልደ ሓድሽ ኣቦ መንበር ሰልፊ ከም ዝመረጸ ጠቒሱ ኣላልይዎ።

ስዒቡ፣ ውጽኢት ናይቲ ንሰለስተ ማዓልታት ዝተኻየደ ጉባኤ መጠቓለሊ፣ ከቢብዎ ዝነበረ ኩለ- መዳያዊ ኲነታት ዝገልጽ፣ ሓያሎይ ካብ ፖለቲክዊ ውሳኔታት ጉባኤ ዝሓዘ ደምዳሚ መግለጺ ብብጸይቲ ኣስገደት ምሕረታኣብ ቀሪቡ። ብዘይካዚ ኣስገደት ኣቐዲማ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ወኪላ ብኣደ መንበር ናይቲ ማሕበር ሓውቲ ጸጋ ወልደማርያም  ዝተላኣከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ምቕራባ’ውን ዝዝከር እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ https://harnnet.org/index.php/news-and-editorial/item/8880-4

Asghedet and Adiam 2023

ድሕር’ዚ፣ ኣብ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ መስርሕ ምስግጋር/ምርካብ ሓላፍነት ጉባኤ ካብ ተፈጸመሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክሰላሰል ቅዋማዊ’ኳ እንተኾንነ እቲ መስርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ሓላፍነት ናይ ኣቦመንበርነት  ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል እዩ ተጀሚሩ። ክመርሕ ዝጸንሕ ኣቦ መንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል  (ደጊጋ) ኣብቲ ኣጋጣሚ “ ኣነ ነዚ ሒዘዮ ዝጸናሕኩ ሰልፊ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ እየ ተረኪበዮ። ምትሕብባር ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ከይተፈልየኒ ድማ ኣብዚ በጺሐ። ሎሚ ተራይ በጺሑ ንሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር ብጻይ ገረዝግሀር ተወልደ የረክብ ኣለኹ። እቲ ንዓይ ዝተገብረለይ ድግጋፍ ከምዘይፍለዮ ድማ ይኣምን እየ” ብዝብል ቃል’ዩ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ቃል ንኸስምዕ ዝዓደመ።

ነዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽተሎ መስርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ናይ ዝጸንሓካ ይንኣስ ይዕበ ሓላፍነታት፡ ካብ ህግደፍ ጠሪካ ዘይንጽበዮ ኮይኑ፣ ኣብ ተመኩሮ ሰውራ ኤርትራ ኮነ ናይ ሎሚ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራውን ካብቲ ሓደ ጠንቂ ናይ ምፍልላይን ምንጽጻግን ኮይኑ ዝጸንሐ ተርእዮ እዩ። ኣብ ቃልሲ ሓላፍነት ብውልቂ እትረብሓሉ ሓለፋ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፣ ሰዲህኤ ዝኽተሎ ቅዋማዊ መስርሕ ምስግጋር ከም ኣብነት ወሲድና ቀጻሊ  ልምድን ባህልን ክንገብሮ ዝግበኣና እዩ።

Ghere and Tesfai 2023

ሓው ገረዝጊሀርን ተስፋይ ደጊጋን ድሕሪ ናይ ኢድ ሰላምታ ምልውዋጥ፣ ሓድሽ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር መድረኽ ፈስቲቫል ተረኪቡ ካብ ዘስምዖ ቃል ድማ፣ “እዚ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለ ምስቶም ኣብኡ ዘብጽሕዎ ኣብ መዓልበኡ ከነብጽሖ ቃል እኣቱ። ዝካኣለና ክንገብር ኢና። ኩልኹም ከኣ ተትኽእልዎ ከተበርክቱ ድማ ተስፋን ትጽቢትን ኣለኒ። እዚ ሓደ ካብ’ቲ ስትራተጂ ናይ ዓወትና እዩ። ምልካዊ ስርዓት ክጓሓፍ እንተኾይኑ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ክእከብን ብሓደ ልሳን ብሓደ ድምጺ ክዛረብን ክኽእል ይግበኦ። እቲ መስርሕ ዓመታት ሓሊፍዎ ደንጒና ግን ካኣ እቲ ጉዳይ ኣብ መዓልበኡ ስለዘይበጽሐ ክንቅጽሎ ኣለና። ብጻዓት ናይ ህዝብን ብድፍኢት ናትኩምን ክረጋገጽ ድማ እዩ። እንተዳኣ ተጠርኒፍና ምቹእ ፖለቲካዊ ኲነታት ምህላዉ ንኩላትና ብሩህ እዩ” ኢሉ።

ቀጺሉ፡ “እዚ ገባቲ ስርዓት ክድርበን ክጓሓፍን እንተኾይኑ፣ ፍርሒ ራዕዲ ክቕንጠጥ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ናብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዘእትወና። ናይ ሓደ ኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰል ክግፈፍ እንከሎ ዓገብ እንተዘይ ኢልና ድማ፡ ጽባሕ ናትና መሰል ክድፈር ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ገባቲ ስርዓት ንህዝብና ከም ድላዩ ዝዕንድረሉ ዘሎ ምኽንያት ሰብኣዊ መሰላት ክድፈር ንከሎ ዓገብ ናይ ዘይምባል ባህሊ ስለ ዘርኣና እዩ”።

ሓው ገረዝጊሀር ኣስዒቡ ገለ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኮነ ተጋደልቲ ነበር ዝፈጸሞ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጠቕስ እንከሎ፣ ኣብቲ እዋን ስለምንታይ ከም ይግበር ዝብልን  ብኣግኡ ዓገብ ዝብልን ስለ ዘይነበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኢሳያስ ካብ ሜዳ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል እከሎ’ውን፡  ኣይፋልካን ንስኻ ወድና እቶም ዘይኣተወ’ውን  ኩልኹም ደቅና ብሓደ ኣብዚ ክትመጹ ኢና እንደሊ እንተዝባሃል፡ እታ ምልኪ ብኣግኡ ምስተኾልፈት ነይራ። ግን ኣይተባህለን”።

ኣተሓሒዙ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክህልወና ዝግባእ ዝምድናታት ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ሕጂ  ንወደባት ብዝምልከት ኣብ መድረኻት ዝላዓል ዘሎ ሕቶ፣ መበገስቱ ክልብሙን ዓሰብ ኮነ ምጽዋዕ  ልኡላዊ መሬት ናይ ኤርትራ ምዃኑ ኣሚኖም  ሓቢርና ብሰላም ክንነብር፡ ንተጠቓምነት ወደባት ዝምልከት እንተኾይኑ ድማ ብኣህጉራውን ዞባውን ውዑላት ተሰማሚዕካ ዘይንበር ኣይኮነን ብምባል መግለጺኡ ደምዲሙ።  

ኣብ መደምደምታ፣ ሓው ደስበለ መሓሪ ኣባል ምምሕዳር ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ናይ ደገፍ ቃል ብምቕራብ ቀዳማይ ክፋል ፈስቲቫል ክድምደም እንከሎ፣ ድሕሪኡ ዝ ቐጸለ ወግዒ፡ ማሕበራዊ ዕላላትን ብዲጀይ ዝተሰነየ ሙዚቓን ነይሩ።  

    

Last modified on Saturday, 05 August 2023 21:16