ኤርትራ ሎሚ’ውን ኣንጻር ዪክረይን

2023-02-24 20:46:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 789 times

ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ23 ለካቲት 2023 ውግእ ዩክረይ-ሩሲያ ዝተጀመረሉ ሓደ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡  ኣብ ነውዮርክ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሩሲያ ነቲ “ምሉእነት፡ ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን” ብዝብል ሸፈጥ  ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ብምኹናን ካብ ዩክረይ ንክትወጽእ ዝጽውዕ ዳግማይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እቲ ወሳነ ኣገዳዲኳ እንተዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ የብሉን ማለት ግና ኣይኮነን።

እቲ ውሳነ ብዓብላሊ ቁጽሪ 141 ደገፍ፡ 7 ተቋውሞን 32 ዕቃበን እዩ ሓሊፉ። ኤርትራ ምስተን ሩስያ ባዕላ እትርከበን ሃገራት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም እያ ኣድሚጻ። እተን ምስ ኤርትራ ዘድመጻ፡ ሃገራት፡ ሩስያ ባዕላ፡  ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ንካራጉዋን ሶርያን እየን። ኢትዮጵያ ካብተን ድምጸን ዝዓቀባ 32 ሃገራት ኮይና። ካብዘን ድምጸን ዝዓቀባ እተን 15፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ኣንጎላ፡ ብሩንዲ፡ ናሚብያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ-ብራዛቪል፡ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፡ ሱዳን፡  ዝርከበአን  ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዚ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ቻይና ንሩሲያ ዘለዋ ደገፍ ንምግላጽ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብ መስኮ ምስ ልኣኸት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።

ፕረሲደንት ዩክረይን ዘለንስኪ፡ እቲ ውሳነ ሃገሮም ሓያል ዓለምለኻዊ ደገፍ ከም ዘለዋ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡ ኣብዚ 2ይ ዓመት ናይቲ ውግእ ንሩሲያ ከም ዝስዕርዋ ኣመልኪቶም።  ምክትል ኣንበሳደር ሩሲያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኖም  ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፡ ነቲ ውሳነ ትርጉም ዘየብሉ፡ ሰላም ዘየምጽእን  ንሃረፍቲ ውግእ ዘተባብዕን እዩ ኢለምዎ።

ምዕራባውያን ንዩክረይን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ከዕጥቐኣ እንከለዋ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኔቶን ድማ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነታ ድምጻ ዝዓቀበት ቻይና ንሩሲያ ኣጽዋር ንኸይተቕርበላ ኣጠንቂቐን። ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ጽዕጹዕ ውግእ፡ ዩክረይንን ሩሲያን ነፍሲ ወከፈን ዳርጋ 100 ሺሕ ወተሃደራት መይተምወን ዝብል ግምት ኣሎ።

Last modified on Friday, 24 February 2023 21:52